binyamzechristos | Unsorted

Telegram-канал binyamzechristos - Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

2518

ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️ ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot

Subscribe to a channel

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ምልሰት ‼️
ብዙሓት ሃይማኖትም ይቕይሩ እዮም። ሙስሊም ነይሮም ኦርቶዶክስ ወይ ፕሮቴስታንት ዝኾኑ፣ ኦርቶዶክስ ነይሮም ሙስሊም ወይ ፕሮቴስታንት ዝመርፁ፣ ፕሮቴስታንት ነይሮም ሙስሊም ወይ ኦርቶዶክስ ይሐሸና ዝብሉ ሰባት ብዙሓት ኣለው። ሰብ እምነቱ ክቕይር መሰሉ እዩሞ ምቕያሩ ጌጋ ኣይኾነን፣ ዝቕየረሉ ምክንያት ምምርማር ግን ግቡእ እዩ።

ኣብ ማእከል ኦርቶዶክስን ፕሮቴስታንትን ዘሎ ዝውውር እንትዕዘብ ግን ሓደ ኣስተውዒለ። ካብ ኦርቶዶክስ ናብ ፕሮቴስታንት እምነት ዝቕይሩ ሰባት መብዛሕትኡ ጊዜ (ዳርጋ ኹሉ ጊዜ) ብዛዕባ ኦርቶዶክስ እምነቶም ዘይፈለጡ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየንበቡ፣ ኣሽምባይዶ ንዝሓተቶም ክምልሱስ ንባዕሎም እውን ብልማድን ብባህልን ዝጎዓዙ ኾይኖም ዝፀንሑ እዮም። ምንባብን ምሕታትን ዝመሃሩ ደሓር እምነቶም ምስቐየሩ እዩ። ስለዚ መብዛሕትኦም እምነቶም ዝቕይሩ መርሚሮምን ተረዲእዎምን እንተይኮነስ ብይመስለንን ብይኸውንን እዩ።

ካብ ፕሮቴስታንት እምነት ናብ ኦርቶዶክስ ዝልውጡ ግና፣ መብዛሕትኦም (ዳርጋ ዂሎም) መጽሓፍ ቅዱስ ብደንቢ ዝመርመሩ፣ ንብዙሓት እውን ዝመሃሩ፣ አስተምህሮታት ፕሮቴስታንቲዝም ብደንቢ ተረዲኦም ግን ድማ "ስሕተት እዩ" ብምባል እዮም ናብ ኦርቶዶክስ ዝቕየሩ። ስለዚ መብዛሕትኦም/ዳርጋ ኹሎም/ ካብ ፕሮቴስታንት ናብ ኦርቶዶክስ ዝምለሱ፣ ዝነበሩሉ ፕሮቴስታንታዊ እምነት ገምጊሞም፣ ኦርቶዶክስ እንታት ከምትምህር እውን መርሚሮም፣ «ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ?» ኢሎም ኣመዛዚኖምን ደኣ ይቕይሩ እምበር ብይመስልን ብይኸውንን ኣይኮነን። (እዚ ኹሉ ብኣብዝሓ እምበር ንኹሉ ዝጥቕልል ትዕዝብቲ ኣይኮነን።)

ኣብዚ 3 ወርሒ ውሽጢ መሪሚሮምን ሓቲቶምን ካብ ፕሮቴስታንት እምነት ናብ ኦርቶዶክስ ዝተመለሱ ፓስተራትን ምሁራንን (መብዛሕቴና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረአናዮም) ጥራሕ ከዘኻኽር።
1⃣ ፓስተር ግሩም ተስፋዬ .....ናይ «በወንጌል አላፍርም» ቸርች መስራትን፣ ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊ ካውንስል ናይ ሰሜን ጎንደር ጥርናፈ ሓላፊ
2⃣ ፓስተር ካሳዬ ወልዱ፣ ኣብ ሐረር «Righteousness by Gospel Light International church» ኣብ ዝበሃል ቸርች ን45 ዓመታት ዝመሃሩ ፓስተር
3⃣ ፓስተር ፍቅረ ሥላሴ ኃይሉ፣ ኣብ ሐዋሳ ናይ ቃለህይወት ወንጌላውያን መንፈሳዊ ኮሌጅ መምህርን ፣ ናይ «አርሚ ባይብል ኮሌጅ» መምህር ነገረ መለኮት
4⃣ ኣብ ወላይታ ድማ ሓደ ፓስተር ናይ ባዕሉ ቸርች ዓፅዩ፣ 500 ተኸተልቱን ተምሃሮኡን ብምሓዝ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ተመለስ። ስለ ኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን።
5⃣ ፓስተር ቢኒያም ሽታዬ፣ ኣብ አዲስ አበባ፣ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ብምምላስ ተጠሚቖም ኣለው።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 11 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ሐዚ ኣብ ሰማይ ብምዃን ምእንታና ዝልምን ዘሎ መን እዩ? ‼️
ሀ) ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ
ለ) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
ሐ) ኣብ ሰማይ ዘለው መላእኽቲ
መ) ኣብ ገነት ዘለው ቅዱሳን
ሠ) ኹሎም
ረ) ኹሎም ብዘይካ ‹ሀ›
ሰ) መልሲ የለን።
ሸ) ኣይፈልጦን።

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ዓይንኻ ዓሚትኻ ምጽላይ‼️
ኣብ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ኣዕይንትኻን ኣእዳውኻ ናብ ሰማይ ዘርጊሕኻ ምፅላይ (መጽሓፈ ጸሎት ተዘይሃልዩ) ሥርዓትን ትውፊትን ከምዝኾነ፣ ኣብ ፕሮቴስታንት ድማ ዓይንኻ ዓሚትኻ ትውፊት ከምዝኾነ ንሪኦ። መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል መጽሐፍ ቅዱስ ዓይንና ዓሚትና ንክንፅሊ ዝናገረሉ ዋላ ሓደ ክፍሊ የለን። ክጽሊ እንተሎ ኣዕይንቱ ዓሚቱ ዝጸለየ ጻድቅ ኣቦ፣ ነቢይ፣ ወይ ሐዋርያ እውን ኣይነርክብ።

1⃣ ኣዕንትኻ ገሊፅኻ፣ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣምላኽ እውን ናብ ሰማይ እናጠመትካ ምጽላይ ግን ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኾነ (ኣብ ብሉይን ኣብ ሐዲስን) ተደጋጊሙ ተጽሒፉ ንረኽቦ። ነቢይ ቅዱስ ዳዊት ኣዕይንቱ ኣልዕል ኣቢሉ እንትጽሊ ንረኽቦ። 📌 መዝ 123:1:- ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፣ #ኣዒንተይ_ናባኻ #የልዕል ኣሎኹ» ይብለና። ወዱ ጠቢቡ ሰሎሞን እውን ቤተመቅደስ ሰሪሑ ምስፈፀመ ኣእዳው ናብ ሰማይ ከምዝዘርገሐ ነንብብ። 📌 1 ነገ 8:22:- « ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፣ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል #ኣእዳዉ_ናብ_ሰማይ ዘርግሐ » ይብል።

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንኣልኣዛር ካብ ሙታን ከልዕሎ እንተሎ ናብ ሰማይ ቋሕ ከምዝበለ ይነግረና። 📌 ዮሐ 11:41:- «ኢየሱስ ከኣ #ኣዒንቱ_ንላዕሊ_ቋሕ_ኣቢሉ "ኣቦይ ስለ ዝሰማዕካኒ የመስግነካ አሎኹ" በለ» ይብለና። ኣብ ካልእ ቦታ ክጽሊ እንተሎ እውን 📌 ዮሐ 17:1-2:- «ኢየሱስ እዚ ተዛሪቡ #ኣዒንቱ_ናብ_ሰማይ_ቋሕ ኣቢሉ "ኦ ኣቦ፡ ሐዚ እታ ጊዜ በጺሓ፣  ንወድኻ ኣኽብሮ"» ኢሉ ከምዝጸለየ ነንብብ።

2⃣ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስን ትውፊት ቤ/ክንን እዚ ካብ ኮነ፣ "ሕሊናይ ንከይብተን ዓይነይ ተዓመትኩ ኸ?" ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። ብርግፅ ዓይንኻ ብምዕማት ጥራሕ ሕሊና ኣይእከብን። ኣእዛንናን ካልኦት ህዋሳትናን ኸ ናበይ ክንገብሮም? ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ እውን ሕሊንኡ ንምእካብ ክብል ኣዕይንቱ ዓሚቱ ዝጸለየ ሰብ ኣይረአናን። እኳ ደኣስ ሕሊና ብዝርብሽ ሁከት ተኸቢቡ፣ ብዳርባ እምኒ እናተጨፍለቐ ዝነበረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ከምዝጸለየ ነንብብ። 📌 ግብሪ 7:55:- ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፣ ናብ #ሰማይ_ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ "እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ ይርኢ ኣሎኹ" በለ » ይብለና።

📌 ካብዚ ወፃኢ ግን «ታይ ፀገም ኣለዎ? ዓይነይ ዓሚተ ተፀልየ ኣይሰምዐንይ ማለት ድዩ? ከም ድላየይ ገይረ እየ ዝፅሊ» ወዘተ እንበለ ዝቃወምን ዝበኣስን እንተሃለወ ግን ናይ ጳውሎስ ቃል ክነዘኻኽሮ። «ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዝፈቱ እንተ ዀነ፣ #ንሕናን እተን #ኣብያተ_ክርስቲያናት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ #ልማድ_የብልናን» [1ቆሮ 11:16]
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 8 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ክንደይ ጊዜ ኢየሱስ ኢልኻ?‼️
ገለ ገለ ሰባት ክርስቶስ ተሰቢኹ ንክበሃል ግድን "ተደጋጊሙ ኢየሱስ ኢየሱስ ምባል" ከምዝግባእ ይሓስቡ። ነዚ ድማ ኣብ ማእኸል ስብከቶም/ዝማሬኦም እናደጋገሙ ኢየሱስ ክብሉ ይፍትኑ። ክንዲ ናቶም ኣብዚሑ ኢየሱስ ዘይበለ ድማ ገና ክርስቶስ ከምዘይተረድኦ ይግምቱ። ንዓኣቶም ስሙ ምፅዋዕ ናይ ፍቕሪ ጉዳይ እንተይኮነስ፣ ናይ Statistics ጉዳይ እዩ። ካብ Pentecostalism ዝተቐድሐ ኢ-መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ!

ወንጌል፣ ስሙ መድኃኒት ምዃኑ፣ ስም ጎይታ ዝፀወዐ ከምዝድሕን እምበር፣ ንምድሓን "ደጋጊምኻ ስሙ ምፅዋዕ" ከም ረቋሒ እንትቕመጥ ፍፁም ኣይንረኽቦን። ብተቓራኒኡ ግን ደጋሚምኻ "ኢየሱስ ኢየሱስ፣ ጎይታ ጎይታ" ብምባል ዝርከብ ገነት ከምዘየለ የረጋግፅ። «ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር እምበር፡ #ጐይታይ_ጐይታይ_ዝብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዝኣቱ #ኣይኰነን» (ማቴ 7:21) ስለዚ ንክርስቶስ ዝፈልጥ ሰብ ዝበሃል፣ ዓሰርተ ሻብ "ኢየሱስ ኢየሱስ" ብምባሉ እንተይኮነስ ፈቓድ እግዚአብሔር እንትፍፅም እዩ።

ደቂቀ አስቄዋ ዝተብሃሉ ሰባት ነይሮም። ጳውሎስ ብኢየሱስ ስም ክፍውስ ሰሚዖም ንሳቶም እውን "ብኢየሱስ ስም ውፃእ" እንበሉ ክጭርሑ ጀመሩ። እቲ ጋኔን ግን ክዳውንቶም መንጢሉ ሎን ኣቑሲሉን ከምዘባረሮም ነንብብ። (ግብሪ 19:13-16) ንምንታይ ናይ ኢየሱስ ስም እናፀውዕሉ እቲ ጋኔን ዘይወፀ? እንተይልና፣ እቲ ፀገም ኣብቲ ስም እንተይኮነስ፣ እቶም ሰባት ስሙ ኣብ ኣፎም እምበር ኣብ ልቦም ስለዘይነበረ እዩ። አጋንንቲ ዝወፁ ደጋጊምኻ "ብኢየሱስ ስም" ኢልካ ስለዝጨራሕኻ እንተይኮነስ ስሙ ኣብ ህይወትኻ እንተኸቢሩ እዩ። ጴጥሮስን ጳውሎስን ናይ ኢየሱስ ስም እንተይፀውዑ፣ ብፅላሎቶምን ብቑሩፅ ጨርቆምን ከምዝፈወሱ እውን ኣይንዘንግዕ።
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 7 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️መቕደስ ናብ መቕደስ‼️
1⃣ #ታሪኩ:- ቅድስት ሃናን ቅዱስ ኢያቄምን ከምቲ ዝተመፃብዕዎ ንሓንቲ ጓሎም ንድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ወሲዶም ንክህቡዋ ወሰኑ። ሊቀ ካህናት ዝነበረ ዘካርያስ (ኣቦ ዮሐንስ መጥምቅ) ምስ ካልኦት ካህናት ኾይኑ ክቕበላ ወፀ። ገጽ እም ብርሃን ኣዝዩ የብርህ ስለዝነበረ፣ "ነዚኣ ደኣ እንታት ክነብልዓ ኢና? ከይትሓመና! ምጥዋራ ከየፅግመና" ኢሎም እንትጭነቑ፣ ቅዱስ ፋኑኤል መልአክ መፂኡ፣ ብክንፉ ጋሪዱ ህብስት ሰማያዊ ጽዋዕ ሰማያዋ እንትምግባ ረኣዩ። (መልአክ ንነቢዩ ኤልያስ ከምዝመገቦ - 1ነገ 19:5) በዚ ድማ ሰማይን ምድርን ንዘይሽክምዎ ኣምላኽ መሕደሪቱ መቕደሱን እትኸውን ድንግል ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወት። አዋልድ ክገብርኦ ዝግባእ ሥራሕቲ፣ ንካህናት ምግቢ እናዳለወት፣ ናይ ቤተመቅደስን ካህናትን አልባሳት እናሰፈየት፣ ቃል ኣምላኽ እናንበበትን እናተምሃረትን፣ ምስ መላእክት እውን እናተነጋገረት ብትሕትና ን12 ዓመታት ፀንሐት።

2⃣ #በዓታ_ብሊቃውንቲ:- ጥንታውያን ኣቦታት ክርስትና (Early Christian Fathers)  እውን እንተኾኑ ናይ ድንግል ማርያም መቕደስነትን ናብ ቤተ መቕደስ እውን ምእታዋን ፅሒፎምን ኣስተምሂሮምን እዮም። ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ማርያም (Mariology) ሊቅ ዝኾነ ሶርያዊ #ቅዱስ_ኤፍሬም (Sr Ephrem the Syrian) ብዛዕባ እመብርሃን
"ዘይትጠፍእ ብርሃን ዘይት እርስ መቕደስ - Light which shall never be extinguished, Shrine that shall never be overthrown" ኢሉ የመስግና ኣብ ናይ ቀዳም ውዳሴኡ። (Praise of Merry, of Saturday, 10)

ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን (Councel of Ephises) ዐምደ ሃይማኖት ዝነበረ ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ክርስቶስ ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ቄርሎስ ዘእስክንድርያ እውን (Sr Cyril of Alexandria) እውን ንድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ የወድሳ። "ዘይትፈርስ መቕደስ ኢኺ፣ ቦታ ዘይውስኖ ንዕኡ መሕደሪት ኾይንኺ - Imperishable temple, habitation of him whom no space can contain" (history of the christian church, Vol 3, P.946) ናይ 6ይ ክ/ዘ ናይ ስነ-መለኮትን ስነ-ዜማን ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ያሬድ እውን ኣብ አንቀጸ ብርሃን ውዳሴኡ "ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመፅኡ ወትረ ሲሳየኪ፣ ከመዝ ነበርኪ 12 ዓመተ -  ዘወትር መላእኽቲ ምግቢ እናምፅኡልኺ 12 ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ነበርኺ" ይብላ።
📌 ሰማያዊት መቕደስ ናብ ምድራዊት መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት፣ ንዓና ናይብመንፈስ ቅዱስ መቅደስ ምዃንና ፈሊጥና ብቅድስና ንክንነብርን እንውስነሉን ዕለት እዩ‼️
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 2 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ንቐፃሊ ሰሙን ኾይኑ ኣሎ‼️
ከምቲ ብዝሓለፈ ዝበልኩዎ
📌 ሓፍትና ዘማሪት ትርሓስ ዘዳለወቶ መድረኽ ኮነ ጉባኤ የለን። ብጥምየት ንዘሎ ትግራይ ህዝብና ንምሕጋዝ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተአንጊዳ እምበር።

📌 እቲ "ክምረቅ እዩ" ዝተብሃለ መዝሙር ጌጋ እንትኸውን ዝምረቕ አልበም ግን የለን። ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝወፀን ዝተዘመረን አልበም #ሓደ መዝሙር ብምውሴድን፣ ብሲዲ ብምድላውን ከም ጨረታ ኾይኑ ኣብቲ እቶት መተኣኻኸቢ ናይ ባዕላ እጃም ንምውፋይ ደለየት እምበር። (ሐዚ እውን እቲ ጌጋ:- ነቲ ይዘውር ዝነበረ ፖስተር ዝለጠፉ እዮም)

📌 ነዚ ንህዝብናን ንዓይደር ሆስፒታል ዝጎደለ ንምምላእ ዝተዳለወ ጉባኤ ምስ ዝኾነ ማሕበር ከራኽቡ ዝደለዩን ንዓርሶም ከም ወሰንቲ አካላት ዝሪኡ ኣክቲቭስታትን እውን፣ እንተኾነ ስርሑ ተዘይኮነ ሰብ ኣስርሑ፣ ዓይንኹም ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ግበሩ ንብል ኣለና።

📌 ኣብቲ ዕለት ኩሉ ትግራዋይ ዝተፀወዐ እንትኸውን፣ ብኣና ብኦርቶዶክስ ቤ/ክ እውን ኣቦታት ከምዝርከቡ ተስፋ ይግበር። ብጹዓን ኣቦታት ድማ ንክርኩቡ እቲ መዓልቲ ንቐፃሊ ሰንበት ዝተሻገረ እንትኸውን፣ ሰዓቱ ከምዘሎ እዩ።
©Binyam ZeChristos ሕዳር 29 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ኣነ ኣይተርፍን ‼️
ነዚ መተኣኻኸቢ መርሐ ግብሪ ገሌና ብገርህና ገሌና ጉርሕና ኢና ተቓዊምናዮ። ብገርህና ዝተቓወምና:- እቲ ጉባኤ "መዝሙር ምረቓ" ስለዝመሰለና (እቲ ፖስተር እውን ከምኡ ስለዝብልን፣ ከምኡ ገይሮም እውን ሰባት ስለዝፀሓፍዎ፣ ሓቅና እና) መዝሙራት ድማ መንፈሳውያም ስለዝኾነ ኣብ መንፈሳዊ ቦታ ክምረቕ ካብዘለና ድልየት፣ እዚ ናይ ኣዴራሽ ምረቓ ተተለሚዱ ድማ ህዝቢ ካብ ቤ/ክ ንክርሕቕን ኣዳራሽ ንክተርፍን ስለዝገብር ሓሲብና እዩሞ ልክዕ ነይራ።

ብጉርሕና ዝፀሓፍና ኳ መቸም ነሕዝን ደኣኾናይ፣ ኣብ ኹሉ ነገር ተቓወምቲ፣ ኣብ ኹሉ ወሰንትን ኣዘዝትን ገይሩ መን ከምዘቐመጠና ጎይታ ይፍለጦ! ንሓፍትና ዘማሪት ትርሓስ ንምውቃዕ ብዝመስል መንገዱ ዝፀሓፍና እውን ኣለና፣ ለይንሓፍር! አረ ጭራሽ ምስ ማ/ቅዱሳን እውን ዘተሓሓዝናዮ ኣለና፣ (ሃሳስ ያ ሓደ ደርፉ! ብርግፅ ክውቃዕ ንዝደለናዮ ሰብ "ማ/ቅርሱሳን እዩ" ምባል ተዋፅእ ዘዴ እያ)

እቲ ዝተትሓዘ መደብ ግን
📌 ዘማሪት ትርሓስ እተመርቖ መዝሙር አልበም የለን። (ነዚ ፖስተር ናይ ዝሰርሑን ዝበተኑን ኣካላት ስሕተት እዩ)
📌 እቲ መድረኽ እውን ብዘማሪት ትርምስ ኾነ ብቤ/ክ ኣይተዳለወን። ዋላካ ምተዳለወ ፀገም ኣይንበሮ።
📌 እቲ መድረኽ ንሕና ሃይማኖተኛታት እና እንብል ሰባ (ንዝሰርሕ ሰብ "ማ/ቅርሱሳን እየ" እናበልኻ ካብ ምዕንቃፍ ወፃኢ ካልእ ዘይንፈልጥ ሰባት) ክንሰርሖ ዝግበአና ነገር፣ ንዝጠመየ ምስኪን ህዝብና ትንፋስ መቐንይት ትኸውን እቶት ንምርካብ ትንፋሶም ክትወፅእ ዝበለት ኣሕዋትና ዝተዳለወ ኹሉ ትግራይ ዝተዓደመሉ መድረኽ እዩ።
📌 ዘማሪት ትርሓስ እውን ከም ትግራወይቲ፣ ብፍላይ ከም ሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ሓፍቲ፣ ካብተን ቅድሚ ሐዚ ዝዘመረቶም መዝሙራት ብሲዲ ኣዳልያ ብምጭራት ቁሩብ ሓገዝ ንክትገብር ዝተሓሰበ እዩ።
...... ናይ ካልእ ኣይፈልጥን፣ እንተ ኣነ ግን ኣይተርፍን‼️
©Binyam ZeChristos ሕዳር 27 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ዓብዪ_ብሥራት‼️
ንጎይታ ንምምስጋን በገና ንክትመሃር ትደሊ ዶ? ምስ መላእኽቲ ንምዝማር ጭራን ፋፃን ክትኽእል ትደሊ ዶ? "ምተምሃርኹ ደስ ምበለኒ" እናበልኻ ትሓስብ ዶ ትህሊ? "ስራሕን ትምህርትን ኾይነ እምበር ምተምሃርኹ?" እናበልኻ ትጭነቕ ዶ ትህሊ? እምበኣርከስ ንሓውና Dawit Yohans (መምሃሪ መንፈሳዊ መሳርሒ ዳዊት) ከብርይዎ እንሆ #ቤተ_ስብሐት መምሀሪ መንፈሳዊ ሙሉእ ምድላዎም ወዲኦም ብስሩዕ ኾነ ብVIP ኢሉ እውን ብ Online ንምምሃር ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ደጊም ንዘይምምሃር ምክንያት የለን!

ኣብ መቐለ ማህደር ስብሐት ቅ/ማርያም ቤ/ክ (ሙዓለ ህጻናት ውሽጢ) ይምህር ኣሎ። እሞ ደኣ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? በዘን ስልኪ ቑፅርታት ደዊልኻ፣ ምስ ትምህርትኻን ስራሕኻን ኣጠዓዒምኻ እትመሃረሉ ጊዜ ርኢኻ ተመዝገብ። ምስ ሰማያውያን መልእክት ኣመስግን።
~ 0942029427 ..... ~ 0914383143
©Binyam ZeChristos ሕዳር 25 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️መበል 57 ዓመት ምሥረታ በዓል‼️
ናይ ደብርና ደብረ ገነት ቅ/ኪዳነ ምሕረት ቤት ት/ሰንበት ፅባሕ ሰንበት ሰዓት 4:00 መበል 57 ዓመት ምስረታን፣ ናይ 1ይ ዙር ተመረቕቲ ተምሃሮ በገናን ፍሉይ መርሐ ግብሪ ስለዝህሉ ንክትርከቡ ብትሕትና ንጋብዝ።
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 22 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ .... #ጽዮን_ብቻ - #Only_Zion .... ‼️
1.በእግዚአብሔር መለኮታዊ ጣት መለኮታዊው ቅዱስ ቃሉን የፃፈባት፣ እኛም አማናዊው ቃሉን ያየንባት ብቸኛዋ ሰሌዳችን - ጽዮን ብቻ‼️

2.እግዚአብሔር በደመናና በብርሃን ተገልፆ ቃል በቃል ከሕዝቡ ጋር የተነጋገረባት፣ የሰማይ መስኮት የሆነች ብቸኛዋ ማደርያው ማደርያችን - ጽዮን ብቻ‼️

3.አስፈሪውን የዮርዳኖስን ባሕር የከፈለች፣ ሞገዱንና ማዕበሉን ጸጥ ያደረገች፣ ቸነፈሩንና መከራውን የራቀባት ብቸኛዋ ምርኩዛችን - ጽዮን ብቻ‼️

4.ኢያሱ ባዘነ ጊዜ ከፊትዋ ወድቆ ያለቀሰባት፣ ዳዊት በፍቅርዋ "ወደ እኔ ትመጣ ዘንድ እንዴት ይሆናል" ያለላት፣ ሰሎሞን ለክብርዋ ታላቁን መቅደስ የሰራላት ማልቀሻ ቦታችን - ጽዮን ብቻ‼️

5.የዖዛን ድፍረት የሰበረች፣ የአቢዳራን ቤት የባረከች፣ አዛጦናውያንን ያዋረደች ተአምረኛዋ ምልክታችን - ጽዮን ብቻ‼️

6.ዳጎናዊ ዘንዶ የሚያሳድዳት፣ እርሱን ቆራርጣ ከላዩ ላይ የቆመች፣ የአዛጦንን ጣዖት ከፊትዋ ያስሰገደች፣ በአጋንንቱ ዘንድ የተፈራች፣ በእኛ ዘንድ ግን የተወደደች አምባ መጠጊያችን - ጽዮን ብቻ‼️

7.እረኛው ዳዊት የአምላክን ልብ ይዞ የዘመረላት፣ ንግስትዋ ሜልኮል በትዕቢት ልብ የናቀቻት፣ እረኛውን ኣንግሳ ንግስቷን ያዋራደች የክብር ንግስታችን - ጽዮን ብቻ‼️

8.ወደ ከተማ ስትገባ እስራኤላውያን በዕልልታ የተቀበልዋት፣ የጽዮንን ክብር አይታ ግዑዝዋ ምድር ምስጋናን ያስተጋባችላት፣ እንስሳት በግርማዋ ተረጋግተው የተሸከሟት ክብራችን - ጽዮን ብቻ‼️

9.እርስዋ ባለችበት ቦታ ሁሉ ዓይኖቹና ልቡ በዚያ እንደሚሆኑ ጌታ ቃል የገባላት፣ በእርሷ ዘንድ ለሚደረገው ጸሎት ሁሉ ዓይኖቹ እንደሚገለጡ ጆሮዎቹም እንደሚያደምጡ የተናገረላት መስኮታችን - ጽዮን ብቻ‼️

10.በዘላለማዊው የመንግስቱ ሕይወት ውስጥ የምንናስቀድስባት አርያማዊትዋ ቤታችን ፣ ከመላእክት ጋር በሰማይ ለምስጋና የምንሰበሰብባት ሰማያዊትዋ #ታቦታችን - ጽዮን ብቻ‼️

11.ዛሬ ላይ ሁና ትናንትን ያዘለች፣ ነገንም ያቀፈች፣ #አክሱም ላይ ሁና ለዓለም ያበራች ብርሃናችን - ጽዮን ብቻ‼️

12.በሐዲስ ኪዳን ታቦቶች መሃል ውስጥ ያለች፣ ብቸኛዋ ምስጢር ተሸካሚዋ የኦሪትዋ ጽላት - ጽዮን ብቻ‼️

13.የዓለም ሊቃውንት በጥብቅ የሚፈልጓት፣ የታሪክ ተመራማሪዎችና ባለጸጎች በማይቆጠር ብር የሚሿት፣ በኣክሱማውያን ምዕመናን ዘንድ ግን አኗኗሯና ምስጢርዋ የተጠበቀላት ብቸኛዋ ምስጢራችን - ጽዮን ብቻ‼️

14.ሰው ሁሉ እናታችን እያለ የሚጠራት፣ በውስጥዋ ሰው ያደርገን ዘንድ ሰው የሆነው የተወለደባት እናታችን - ጽዮን ብቻ‼️

15.ጌታ በክብሩ ውበት የሚመጣባት፣ ግንቦችዋን ቆጥረን፣ በዙርያዋ ተመላልሰን የከበብናት ቤታችን - ጽዮን ብቻ‼️

16.ከያዕቆብ ደጆች ይልቅ ደጆችዋ የተወደዱላት፣ እርሷን የሚጠሉ ሁሉ ያፍሩ ዘንድ የመወደድ ግርማ ያላት የፍቅር እናታችን - ጽዮን ብቻ‼️

17.በባርነት ጊዜ ታቦት ብለው ያልጠሯት፣ ማረፍያው እንደሆነች ያላሰብዋት፣ በባቢሎን ወንዞች ተቀምጠው ባሰብዋት ጊዜ ግን ያለቀሱላት ታዛችን - ጽዮን ብቻ‼️

18.ሕግ የሚወጣባት መዝገብ፣ የአስጨናቂዎች ልጆች አንገታቸውን የሚደፉላት ክብርት፣ የሚንቋትም ወደ እግሯ ጫማ የሚሰግዱላት ንግስት - ጽዮን ብቻ‼️

19.ስለ እርስዋ ዝም አንልም የምንልላት፣ መለከት ተነፍቶ ጾም የተቀደሰባት ጉባኤም የታወጀባት አደባባያችን - ጽዮን ብቻ‼️

20.በደስታ የተሰበሰቡት አእላፋት መላእክት ያሉባት የሕያው የእግዚአብሔር ከተማ፣ በሰማያትም የተጻፉ በኵራት ማኅበር የሚገኙባት የብርሃን መንደር፣ ፍጹማንም የሆኑት የጻድቃን መንፈሶች የተሰበሰቡባት ሰማያዊቱ ኢየሩሳሌም፣ የሁሉም ዳኛ የሚሆን እግዚአብሔር የሚገለጥባት ቅድስት ተራራችን - ጽዮን ብቻ‼️

21."ጽዮናውያን" ተብለን የምንጠራባት መጠሪያችን፣ "እጆችዋን ወደ እግዚአንሔር ትዘረጋለች" የተባልንባት ስጦታችን፣ በዛሬው ቀን ታቦትዋን አንግሰን ያከብርናት ውዳችን፣ ለዛሬ ዓመትም የምንናፍቃት ፍቅራችን - ጽዮን ብቻ‼️
....... (ከ 5 ዓመት በፊት ተፅፎ Repost የሆነ!) .......
© Binyam ZeChristos ሕዳር 20 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ብዛዕባ ገብርኤል መርምሩ‼️
📌ሓታቲ:- ሐዝስ ቅዱስ ገብርኤል ንዓና የማልድ ድዩ ማለት?

📌 Blind Faith /ዕሙት እምነት/
«ኣታ ወዲ ምስ ገብርኤል ኣይተነኻኽአኒ፣ ብሱሩ ሃይማኖትማ ኣይትመራመር ከይትዓብድ»

📌 Resonable Faith /ምክንያታዊ እምነት/
« ፅቡቕ ሕቶ ሓወይ። ቅዱስ ገብርኤል ዘወትር ንዓና ዘማልድ መልአክ እዩ። ምእንታና ንክጽልይ ዝገብሮ 2 ምኽንያታት ኣለዎ። 1ይ) ናይ መልእክቲ ናይ ዘወትር ባህጎም ንሕና ንክርስቶስ ፈሊጥና ምስኡ ሕብረት ንክህልወናን ድሕነት ንክንወርስን ዝለኣኹ ምዃኖም ቅዱስ ጳውሎስ ይምስክረልና (ዕብ 1:14) ... 2ይ) ቅዱስ ገብርኤል ብሓደ ሓጢኣተኛ ሰብ ንስሃ ምእታው ኣዝዩ ዝሕጎስን ናብ ፅድቂ ንክንምለስ ዝደሊ ርህሩህን ስለዝኾነ እዩ። «ብሓደ ዝንሳህ ኃጥእ፣ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ሓጎስ ይኸውን» (ሉቃ 15:10) ስለዚ ንዓና ንከማልድን ምክንያት ኣለዎ። ይርደአካ ኣሎ ኢለ ተስፋ ይገብር።

ኣሽምባይዶ ቅዱስ ገብርኤልስ፣ ሰይጣንኳ ምእንታና ናብ ኣምላኽ ይልምን እዩ። ንሱ ግን ዝልምን ንሕና ንክንጠፍእን ናብ ሓጢኣት ንክንወድቕን እዩ። «እንሆ #ሰይጣን ከም ስርናይ ክሐሕየኩም #ለመነ» (ሉቃ 22:31) እሞ ደኣ ሰይጣን ምእንታና ንጥፍኣት ዝልምን ካብ ኾነ ቅዱስ ገብርኤል ምእንታና ንምሕረት ዶ ኣይልምንን⁉️ ነዚ እዩ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ባቢሎን እናሃለው፣ እቲ መልአኽ ናብ ኣምላኽ ቐሪቡ «ኦ እግዚአብሔር ነዘን ዝተቖጣዕኻየን ከተማታት ይሁዳ #ክሳብ_መዓዝ_ኢኻ_ዘይምሕረን» ኢሉ ኣምላኽ ንክምሕሮም ዝለመነ (ዘካ 1:12) ጎይታ እውን ጸሎቱ ሰሚዑ ምሕረት ከንዝገበረሎም ዝተፅሓፈ። (ዘካ 1:16) ስለዚ ብሓቂ ቅዱስ ገብርኤል ንዓና ይልምንን የማልድን እዩ‼️
©Binyam ZeChristos ሕዳር 19 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ድራርና ድራር ንዝሰኣነ ንኣበርገለ ‼️
📌 «እቲ ኣነ #ዝፈትዎ_ጾምሲ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ ፣ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባር፣ #እንጀራኻ_ንጥሙይ_ክትመቅል፣ ነቶም ድኻታት ናብ ቤትካ ክተእቱ ፣ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድኖም እዩ።» [ ኢሳይያስ 58:6]

Shewit Wudassie. Teklit Hailay. Brkti Haile በረከት ክንቕበል ስለዝፀዋዕኹሙና ነመስግን!

እቲ ዝተራከበ ቕርቢ ብኣግባቡ ናብ ጎሮሮ ፅሙኣት፣ ናብ ኸብዲ ጥሙያት ከምዝበፅሕ ንትስፎ።

Grace Virtue ፤ 40,000 ብር 🙏😍

CBE: 1000588341791
Birkti H & Teklit H & Shewit G

©Binyam ZeChristos ሕዳር 17 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

⁉️ #ነዚኣተን_ትፈልጡ_ዶ?⁉️
📌1) ጾም ማለት #ምፍላይ፣ #ምርሓቕ #ምግዳፍ ማለት ኾይኑ ፣ ዓይነት ምግቢ እትቕይረሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ውሽጥና እትቕይረሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ጾም ማለት ካብ ምግቢ ን9 ሰዓትታት፣ ካብ ዝተወሰኑ ዓይነት ምግብታት ድማ ብምርሓቕ ዝጅመር ዋላኳ እንተኾነ፣ መፈፀንትኡ ግና ካብ ሥጋዊ ምግባራትን ሓሳባትን ብምርሓቕ ጊዜና ንኣምላኽ ብምሃብ መንፈሳዊን ሥነልቦናውን ልዕልና እንረኽበሉ ጊዜ እዩ!

📌2) ጾመ ነቢያት ማለት ኣብ ብሉይ ኩዳን ዝነበሩ ነቢያት፣ ጎይታ ንክወርድን ንክውለድን፣ ንክስቀልን ንከድሕኖምን ዝተማህለሉዎን ዝጾሙዎን ጾም መዘከርታ ኾይኑ፣ ንሕና ድማ ጎይታ ኣብ ልብና ተወሊዱ ፍቕሩ ንህበና፣ ኣብ ሀገረና ተወሊዱ ሰላሙ ንክዕድለና እንጾሞ ናይ አዋጅ ጾም (ልዕሊ ፯ ዓመት ዝኾነ ኹሉ ክጾሞ ዝግባእ) እዩ። ዘወትር መእተዊኡ ፍርቂ ሕዳር ወይድማ ኣብ በዓለ ቅዱስ ሚናስ (ሕዳር 15) እንትኸውን መውጽኢኡ ድማ በዓለ ልደት እዩ::

📌3) ጾመ ነቢያት ዝወስዶ መጠን መዓልቲ 44 መዓልታት እንትኾና (ሕዳር 15 - ታሕሳስ 28) ኣብ ውሽጡ 3 አጽዋማት ዝሓዘ እዩ። እተን 40 መዓልቲ ናይ ነቢያት ጾም፣ እተን 3 #ጾመ_ኣብርሃም_ሶርያዊ፣ እታ 1 ድማ #ጾመ ገሃድ እያ::

📌4) እተን 3 መዓልቲ ጾመ አብርሃም ሶርያዊ ይበሃላ። ከሐድያን ኣብ ዝበዝሑሉ ዘመን እቶም ኢአመንቲ ናብ ንጉሥ ቐሪቦም "ኣብ ናይ ክርስቲያን መጽሓፍ «እምነት እንተልይኩም ነዚ ጎቦ ክተልዕሉ ትኽእሉ» ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ስለዚ ወይ ገይሮም የሪኡና ወይድማ ካብ ዓድና ይውፅኡ" ብምባል ኸሲሶሞም። እቲ ንጉሥ ድማ ነዚ ብተግባር ንከርእዩ በቲ ጊዜ ንዝነበረ ሊቀጳጳስ አቡነ አብርሃም ኣዘዞ። አቡነ አብርሃም ድማ ናይ 3 መዓልቲ ጾምን ጸሎት ሒዙ ንጎይታ ጠየቐሞ መልሲ ረኸበ። ስለዚ እውን ሰብ ኹሉ ተኣኪቡ እናረኣየ፣ ኣብቲ ጥቓ ከተማ ንዝነበረ ጎቦ ብመስቀሉ ብምብራኽ ንክለዓል ገይረዎ። በዚ ድማ ብዙሓት ከሐድቲ ናብ ክርስትና ተመለሱ፣ ስም እግዚአብሔር እውን ኸበረ። እዘን 3 መዓልትታት ኣብ ጾመ ነቢያት ውሽጢ ወሲኽና፣ ንዓና ድማ ናይ ሓጢኣት ጎቦ ካብ ሕቐና ንከልዕለልና ንጾመን።

📌5) እታ 1 ጾመ ገሀድ ዝተብሃለት ድማ ዘወትር ናይ ልደት ዋዜማ (ድሮ ልደት) ዘላ መዓልቲ ትጽወም ኾይና ኣብ ድሮ ጥምቀት እውን እትርከብ እያ። ስለዚ ድማ በዓለ ልደት ረቡዕ ወይድማ ዓርቢ ዋላ እንተወዓለ፣ ከክንዲኣፉ ገሃድ ስለዝጾምና ኣብ ልደት ካብ ጥሉላት ምግብታት (ሥጋ፣ ጸባ ...) እንተይረሓቕና #ብዘይጾም ነኽብሮ።

📌6) ጾመ ነቢያት ኣብ ውሽጡ 8 ሰንበታትን ክልተ ዘመናትን ( ዘመነ አስተምህሮን ዘመነ ስብከትን) ዝሓዘ እዩ። #ዘመነ_አስተምህሮ ዝበሃል ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 እንትኸውን ኣብ ውሽጡ 5 ሰሙናት/ሰንበታት/ ይሕዝ። እተን ሰሙናት ምስ ናይ ጾመ 40 ሰሙናት ብዝመሳሰሉ አስማት ¹አስተምህሮ፣ ²ቅድስት ³ምኲራብ፣ ⁴መጻጉዕን ደብረዘይትን እንናተብሃላ ይጽውዓ።

📌7) #ዘመነ_ስብከት ዝበሃል ድማ ናይ ጾመ ነቢያት ናይ መወዳእታ 3 ሰሙናት/ሰንበታት/ እንትኾና ንሳተን ድማ ¹ስብከት ፣ ²ብርሃን ፣ ³ኖላዊ ይበሃላ። ብድሕሪ እዚ ታሕሳስ 29 በዓለ ልደት ነኽብር።
@Binyam ZeChristos  ሕዳር 15 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌ንሚካኤል ስግደት ይግባእ ዶ? - 6ይ
ሎመዓንቲ ናይ ሩፋኤል ወርኅ-በዓል፣ ናይ አእላፍ መላእክት ድማ ዓመታዊ በዓል እዮም መንፈስ ቅዱስ ስለ መላእኽቲ ዝነገረና ምምስካር ንቐፅል። ንመላእኽቲ ስግደት ስለዝግባእ ሎጥ ንመላእኽቲ ሰገደ‼️ «እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ክቕበሎም ተንስአ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍአ» (ዘፍ 19:1) ፣ ነቢይ ኢያሱ ንሚካኤል ሰገደ‼️ « (እቲ መልኣኽ) ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ መጺአ ኣሎኹ፡ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊደ » (ኢያሱ 5:14) ልብ አምላክ ዳዊት እውን ሰጊዱ። ዳዊትን ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላውን ሰጊዶም።

#Premise 1:- መንፈስ እግዚአብሔር ዘለዎም ቅዱሳን ንመላእኽቲ ሰጊዶም።
#Premise 2:- ንኣቦታትና ድማ ብእምነቶም ንክንመስሎም ጳውሎስ ኣዚዙና። «ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፣ #ኣሰር_እምነቶም ስዓቡ » (ዕብራ 13:7)
#Conclusion :- ከም መጽሐፍ ቅዱስ ኣመንቲ ድማ ንመላእኽቲ (ብፍላይ ንሚካኤል) ብፍቕሪ ንሰግድ‼️
#ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos ሕዳር 13 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://vm.tiktok.com/ZMjoLFx2C/

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

« ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፣ ብፍርሓትን ራዕድን #ንምድሓንኩም_ፈጽሙ » [ ፊልጵ 2:12 ]
.... ካብዚ ጥቕሲ 3 ነገራት ንመሃር። ...

📌 ድሕነትና ኣይተፈፀመን።
📌 ድሕነትና እንፍፅሞ ድማ ባዕልና ኢና።
📌 እንፍፅሞ ድማ ብፍርሓትን ብራዕድን እዩ።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 9 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ንድንግል ማርያም ዘይተቐበለ ኣይድሕንን‼️

#Premise 1:- ድንግል ማርያም ካብ ቅዱሳን ኹሉ ዝኸበረት ቅድስቲ እያ።
📌ሉቃ 1:28:- ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ ደስ ይበልኪ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ።

#Premise 2:- ንቅዱሳን ዘይተቐበለ ንክርስቶስ ኣይተቐበለን።
📌ማቴ 10:40: ንኣኻትኩም ዝቕበል ንዓይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንዓይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበሎ።
📌ዮሐ 13:20:- ነቲ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል ንዓይ ይቕበል። እቲ ንዓይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበል።

#Premise 3 :- ንክርስቶስ ዘይተቐበለ ድማ ኣይድሕንን!
📌 1 ዮሐ 5:12:- እቲ ወልድ ዘለዎ ህይወት አላቶ፣ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ግን #ህይወት_የብሉን።

#Conclusion:- ንድንግል ማርያም ዘይተቐበለ ኣይድሕንን‼️

©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 8 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ጎይታ ዝኸብረሎም ዓመታዊ በዓላት ታሕሳስ‼️
~ ታሕሳስ 3 - በዓታ ለድንግል ማርያም
~ ታሕሳስ 6 - ፍልሰታ ለቅድስት አርሴማ
~ ታሕሳስ 7 - ስብከት ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 8 - ዕረፍታ ለቅድስት ባርባራ
~ ታሕሳስ 12 - አቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ
~ ታሕሳስ 13 - ቅዱስ ሩፋኤል ፣ አቡነ ዘርዓቡሩክ
~ ታሕሳስ 14 - ብርሃን ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 19 - ቅዱስ ገብርኤል
~ ታሕሳስ 21 - ኖላዊ በክርስቶስ
~ ታሕሳስ 24 - ልደቱ ለአቡነ ተክለሃይማኖት
~ ታሕሳስ 28 - ጌና ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 29 - ልደት ዘክርስቶስ
📌 «እቲ ነታ መዓልቲ ዘኽብራ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ » [ሮሜ 14:6]

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ተለቒቑ ‼️
ናይ ዘማሪት ማህደር ገ/ኢየሱስ "#ኤልሮኢ" ዝብል ሙሉእ አልበም መዝሙር እንሆ ኣብ YouTube ተለቒቑ ኣሞ፣ ጥዒምኹም ተደነቑ፣ ሰሚዕኹም ተለወጡሉ።

https://youtu.be/U5KWy7tEiHw?si=c9rqVGzQo1NNgtr6

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#ንሕና:- ንምንታት ኢኹም መጽሐፍ ቅዱስ ቅዱሳን ከምዘማልዱ እናመስከረ፣ ንስኻቱም ግን ቅዱሳን ኣየማልዱን ትብሉ?

#ንሳቶም:- ብሓቂ ቅዱሳን ኣብ ምድሪ እናሃለው ብሥግኦም የማልዱ ነይሮም እዮም። ምስ ሞቱ ግን ምምላድ ኣይኽእሉን፣ ኣየማልዱን።

#ንሕና:- እሞ ብሥጋ እንዳለው ከምዘማልዱ እንተኣሚንኹም፣ ክሳብ ሐዚ ሞት ዘይረኣዮምን ብሥጋ ዘለውን ከም ነቢይ ሄኖክ፣ ነቢይ ኤልያስን፣ ሐዋርያ ዮሐንስን ሐዚ ከምዘማልዱ ንምንታይ ዘይትቕበሉ?

ፅባሕ ታሕሳስ 1 ~ ነቢዩ ኤልያስ ዝዝከረሉ ዕለት!
©Binyam ZeChristoa  ሕዳር 30 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ገንዘብኻ_ፅደቐሉ ‼️
ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው ጥንታዊያን ታሪኻውያን ገዳማት ሓደ እዩ  #ገዳም_አቡነ_ገብረ_መስቀል ወ #አቡነ_ሠርጸ_ማርያም።
📌ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ፣ ጣብያ ደብረ ኣባይ፣ ቁሸት ጉትማን ዝርከብ ጥንታዊ ቅዱስ ቦታ እዩ።
📌 እዚ ገዳም ልዕሊ 700 ዓመት ዝገበረ፣ ኣብ መበል 15 ክ/ዘ (1400 ዓ/ም) ብጻድቅ #አቡነ_ገብረ_መስቀል ዝተሰርሐ፣ ብኢድ መልኣኽ ካብ ሰማይ ጽላት ቅዱስ ኣማኑኤል ፣ ቅዱስ ሚካኤል፣ ቅዱስ ገብርኤልን ቅድስት ኪ/ምህረትን ዝተቐበሉሉ ፍሉይ ስፍራ እዩ።

📌 ክሳብ ሐዚ ጻድቕ አቡነ ገ/መስቀል ተደፊኦም ዝጸለዩሉ እምኒ ዝርከበሉ ኾይኑ፣  ብዙሓት ዝሓመሙ ነቲ እምኒ እናነኽኡ ካብ ሕማሞም ዝፍወሱሉ ተአምራዊ ገዳም እዩ።
📌 ናይቶም ጻድቕ ደቀመዝሙር ዝነበሩ ደሓር ድማ ዓብዩ ጻድቃን ሰማዕትን ዝኾኑን ኣብቲ ገዳም ዝዝከሩን ድማ ሰማዕት #አቡነ_ሠርጸ_ማርያም እንትኾኑ፣ እዚ ገዳም ብኢድ ግራኝ ኣሕመድ እንትቃፀል፣ ዳግም ዘስርሕዎ ኣቦ እዮም። በዚ ድማ
ምስ ካልኦት 365 ቅዱሳን ንክርስቶስ ኣይንክሕድን ብምባል ብግፍዒ ዝተቐተሉን መቓብሮምን ኣብቲ ገዳም ዝርከብን እዩ።

📌 ናይ ጻድቕ አቡነ ገ/መስቀል በዓለ ዕረፍቶም ፅባሕ ሕዳር 29 ዝኽበር እንትኸው፣ እቲ ገዳም እቲ በዚህ ዝሓለፈ ማህሰይቲ ዝተጎድአን ሓጋዚ ዘይብሉን ስለዝኾነ፣ ነቶም መነኮሳት ምግቢ፣ ነቲ ገዳም እውን  ሽምዓ፣ ጧፍ፣ ዘቢብ፣ ፅላል ንክኸውን ዝኸኣልኩምዎ ንክትሕግዙ ንላቦ።

ኣንበሳ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 00312166967-55
አበምኔት ገዳም ኣፈ መምህር ታረቀ (0914407436)
©Binyam ZeChristos ሕዳር 28 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ፍልልይ ብመድኃኔዓለም ‼️
ብሰንኪ መድኃኔዓለም ኣብ ማእኸልና ናይ አስተምህሮ ኣፈላላይ ከምዝመፅእ፣ ጎይታ ሰላም ኾይኑ እናሃለወ ብሰንኩ ፍልልይ እምበር ትምህርታዊ-ሰላም ከምዘይህሉን ኣቐዲሙ ነጊሩና እዩ። «ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፣ ጓል ካብ ኣዲኣ፣ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር» (ማቴ 10:34) ስለዚ ድማ ኦርቶዶክሳውያን ካብ ካልኦት (ብፍላይ ካብ ፕሮቴስታንት) ካብ ዝፈልዩና መሠረታዊ አስተምህሮታት እቲ ሓደ ነገረ-መድኃኔዓለም ኾይኑ (Christology) ኣብ ውሽጡ ድማ ጉዳይ ድሕነት (Sotoriology) እዩ። ኣብ ጉዳይ መድኃኔዓለም 3 መሠረታዊ ኣፈላላይ ኣለና:-

1⃣ ብፈቓድ ሥላሴ ብሥጋ ክርስቶስ:- ፕሮቴስታንት "ድሕነት #ብኢየሱስ_ጥራሕ" እንትብሉ፣ ንሕና ድማ #ድሕነትና_ብሥላሴ እምበር ብኢየሱስ ጥራሕ ኣይኮነን ንብል። ከምኡ ምባሎም ናይ ሥላሴ ሓደነት ዝዘርግ ናይ አምላኽ ሓሳብ ዝቃወም እዩ። ጎይታ ኢየሱስ ናብዛ ምድሪ መፂኡ ዝሰርሖ ናይ ቤዛነት ሥራሕ ኹሉ ፈቓድ ኣቡኡ ምዃኑ «ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ» (ዮሐ 6:38) ይነግረና። ኢየሱስ በመንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ከምዝነበረ እውን «መንፈስ ንኢየሱስ ናብ በረኻ ኣውፅኦ» (ማቴ 4:1) ፣ «ብሥጋ ዝተገለፀ ብመንፈስ ዝፀደቐ» (1ጢሞ 3:16) ዝብሉ መረዳእታት እዮም። ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ 4ይ ክ/ዘ "እስመ በፈቃዱ ወበሥምረተ አቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ መጽአ ወአድኃነነ" ዝበለ ነዚ እዩ። (ውዳ/ማር ዘሠሉስ) እቲ ብሥላሴ ፈቓድ ብሥላሴ ሓይሊ ዝኾነ ድሕነት (Syphonic Salvation) ብሥጋ ኢየሱስ ተግባራዊ ኾይኑ ኢልና ንኣምን‼️

2⃣  ብሥጋዌ ዶ ወይስ ኣብ መስቀል ጥራሕ?:- ክርስቶስ ዘድሐነና ካብ ፅንሰቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕርገቱ ኣብ ዘሎ ናይ ሰብነት (ሥጋዌ) ስራሕቱ (ብፅንሰቱ፣ ብልደቱ፣ ብጥምቀቱ፣ ብጾሙ፣ ብትምህርቱ፣ ብግርፋቱ፣ ብስቅለቱ፣ ብሞቱ፣ ብትንሳኤኡን ብዕርገቱን ኹሉ ድሕነት ከምዝገበረልና ንኣምን። ስለዚ ድማ ኢና እዘን ዓብዪ ናይ ድሕነትና ፍፃሜ ዝኾና ዕለታት #ዓበይቲ_በዓላት_ኢየሱስ ኢልና ነኽብረን። ፕሮቴስታንት ድማ ድሕነትና ኣብ መስቀል ጥራሕ ዝተፈፀመ ገይሮም ይወስዱዎ፣ ስለዚ ድማ ክርስቶስ ሰብ ኾይኑ ዝፀሞም ናይ ድሕነት ስራሕቲ የቃልሉ ይርስዑ እውን። ነዚ እዮም ጥምቀቱን ጾሙን እንተኽብሩዎ ዘይንሪኦም! (ዋላኳ ልደቱን ትንሳኤን ምሳና ከኽብሩ እንትፈተኑ)

3⃣ ስለ ሓጢኣትና መን ይጥየቐልና:- ከም ፕሮቴስታንት እምነት ኢየሱስ ነቲ ብግልና እንሰርሖ ሓጢኣት እውን ዋጋ ስለዝኸፈለ፣ ንሕና ብሓጢኣትና ኣይንጥየቕን ብምባል፣ ንሓጢኣት ዕድል ይህቡ። ከም ኦርቶዶክስ ቤ/ክ፣ ክርስቶስ ኢየሱስ ነቲ ብአዳም ምክንያት ዝመፀና መርገምን ውድቀትን (ብልምዲ ጥንተ አብሶ እንብሎ) ብስጋዌኡ አጥፊኡ ኣድሒኑና እዩ፣ ስለዚ ድማ ካብዚ ድሒንና ንብል። ንመፃኢ ብግልና እንገብሮ ሓጢኣት (Personal/Acutual Sin) ድማ ንከድሕነና ሥግኡን ደሙን ገዲፉልና እዩ። ስለዚ ሎሚ ሓደ ሰብ ሓጢኣት እንተፈፂሙ ንስሃ ኣትዩ ነቲ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደም ተቐቢሉ ደኣ ሥርየት ይረክብ እምበር (1ዮሐ 1:7) "ክርስቶስ ስለዝሞተለይ ኣነ ኣይሕተትን" ዝብል ቀልዲ የለን‼️
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 27 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✡ #በእንተ_አቡነ_ተክለ_ሃይማኖት ✡
📌 መጋቢት 24:1196 ዓ.ም ~ ካብ ካህን ጸጋ ዘአብን ካብ እግዚእኃረያን ተጸኒሶም።
📌 ታሕሳስ 24:1197 ዓ.ም ~ ኣብ ጽላልሽ ዞረሬ ተወሊዶም።
📌1213 ዓ.ም ~ ብ17 ዕድመኦም ዲቁና ተቐቢሎም።
📌1218 ዓ.ም ~ ብ21 ዕድመኦም ወለዶም ንከመርዕዉዎም ጓል እንተምፅኡ፣ ከም ድሜጥሮስ 'ክምንኩስ እየ ዝደሊ' ብምባል ጸንዑ። እታ ጓል ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ምስ ሞተት! ክምንኩስ ፍቓድ አምላኽ ምኳኑ ድማ ወለዶም ተቐበሉ።
📌1219 ዓ.ም ~ ብ22 ዕድመኦም ቅስና ተቐቢሎም።
📌ካብ 1219-1222 ዓ.ም ~ ኣብ ከባቢኦም ንዝነበሩ ብምስትምሃር ፀንሑ።
📌ካብ 1222-1234 ዓ.ም ~ ን12 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ኣብ ዳሞት ፀንሑ።
📌ካብ 1234-1244 ዓ.ም~ ን10 ዓመት ኣብ ናይ አባ ጸሎተ ሚካኤል ገዳም ብምግልጋል ፀንሑ።
📌ካብ 1244-1254 ዓ.ም~ ን10 ዓመታት ኣብ ሐይቅ አባ ኢየሱስ ሞዓ ገዳም አገልገሉ።
📌ካብ 1254-1266 ዓ.ም ~ ን12 ዓመታት ኣብ ደብረዳሞ አቡነ አረጋዊ ገዳም አገልገሉ።
📌ካብ 1266-1267 ዓ.ም ~ ን1 ዓመት ኣብ ትግራይ አድባራትን ገዳማትን ብምስትምሃር ፀንሑ።
📌ካብ 1267-1289 ዓ.ም ~ ን22 ዓመታት ብጸሎት ኣብ ደብረ ሊባኖስ በዓቲ (ደብረ አስቦ) ፀኒሖም።
📌 ጥሪ 4: 1289 ዓ.ም ~ ናይታ ሓንቲ እግሮም ስብረተ ዓጽም ኾይኑ።
📌ካብ 1289-1296 ዓ.ም~ ን7 ዓመታት ብሓንቲ እግሮም ብትሕርምት ብጸሎት ጸልዮም።
📌ነሓሰ 24:1296 ዓ.ም ~ ብሥጋ ዓሪፎም ብኽብሪ ናብ ገነት ኣተዉ።

✝ ገድለ አቡነ ተ/ሃይማኖት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ኤርትራ ክሳብ ደቡብ ኦሞ፣ ካብ ምብራቕ ኦጋዴን ክሳብ ምዕራብ ጋምቤላን ካብ ዓዲ ወጻኢ ክሳብ ግብጺ ቤ/ክ ኣብ ዘለዉ ዓበይትን ጥንታውያንን ገዳማት፣ ብስም 'አቡነ ተክለሃይማኖት" ዝተረኸቡ ገድላት ኲሎም ብተመሳሳልነት ብዛዕባ እዞም ቅዱስ አቦና ዝምስክሩ እዮም። ኣብ መላእ ዓላም ኣብ አሜሪካ፣ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ፣ ኢንግሊዝ ለንደን፣ ኣብ ጀርመን ሙኒክ፣ ኣብ ጣልያን ሮም ወዘተ ኣብ ዘለዉ ላይብሬሪታት ብግዕዝ ተጽሒፎም ፤ በቢዘመናቱ ካብ ዓድና ተሰሪቖም ዝኸዱ ብራና ገድላት፣ ብኢንግሊዝኛ፣ ብፈረንሳይኛን ብጣልያንኛን ካልኦት ቋንቋታትን ዝተተርጎሙ ጥንታውያን ገድላት እውን ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ፣ ከም ሓደ ልቢ ሓሳቢ ኾይኖም ብዛዕባ ካልእ ተክለ ሃይማኖት እንተይኮነስ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ይምስክሩ!

ኣብ ካልኦት ቦታታት ከምዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጥንታውያን ገዳማት (ኣብ ዋልድባ ዝተረኸበ ገድሊ፣ ኣብ #ጉንዳጉንዶ ዘሎ ገድሊ፣ ኣብ ዘሓርየት ገበዛይቲ ቅ/ማርያም እነግንዮ ገድሊ፣ ኣብ ሽረ አባ #ሳሙኤል_ዘቆየፃ እንረኽቦ ገድሊ፣ ኣብ ቤት ሙካዕ ሚካኤል ንረኽቦ ገድሊ፣ ኣብ #ጨለቖት_ሥላሴ ዝርከብ ገድሊ፣ ከምኡ እውን ኣብ ራዛ ተክለሃይማኖት፣ ኣብ አረሮ ተክለሃማኖትን እምባይቶ ተክለሃይማኖትን) ዘለዉ ገድላት ብዛዕባ ዞም ቅዱስ አቦና ምስክርና እዮም። በረከቶም ይሕደረና!
©Binyam ZeChristos   ሕዳር 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ጽዮን መን እያ‼️
ጽዮን ዝብል ቃል ( ‹ጸወነ› ካብ ዝብል ግሲ ዝወፀ) 2 ትርጉም ኣለዎ። ¹ይ መደገፊ፣ መሕብኢ፣ መዕቖቢ ማለት እንትኸውን፣ ²ይ ድማ መሕደሪት ኣምላኽ፣ ዙፋን እግዚአብሔር ማለት ኾይኑ፣ ብመሠረት መጽሐፍ ቅዱስን ሊቃውንትን ጽዮን ዝበሃላ 4 ነገራት ኣለዋ።
1⃣ #እምባ_ጽዮን
እዚ እምባ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ትርከብ፣ ንጉሥ ዳዊት ዝነገሰላ ብርኽ ዝበለት ከተማ ዳዊት እያ። «ዳዊት ግና #ንእምባ_ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት ሓዛ» (2ሳሙ 5:6)

2⃣ #ህዝቢ_ጽዮን
ኣብ ዙርያ እምባ ጽዮንን ኸባቢኡን ዝነበሩ ደቂ እስራኤል እውን ‹ጽዮን› ፣ ‹ደቂ ጽዮን› ፣ ‹ጽዮናውያን› እናተብሃሉ ይፅውዑ ነይሮም። «አምላክ #ንጽዮን ከድሕና እዩ» (መዝ 69:35) ፣ «እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሓጎስ ፣ #ደቂ_ጽዮን ብአምላኾም ዕልል ይበሉ» (መዝ 149:2)

3⃣ #መንግስተ_ሰማያት_ጽዮን
እታ ዓይኒ ዘይረኣያ፣ እዝኒ እውን ዘይሰመዓ፣ ጎይታ ንፈተውቱ ዘዳለዋ፣ ተስፋ እንገብራ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነ መንግሥተ ሰማያት  እውን ጽዮን ትበሃል። « ንስኻትኩም ግና ናብ #ከረን_ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ #ሰማያዊት_ኢሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ... በፂሕኹም ኢኹም» (ዕብራ 12:22)

4⃣ #ድንግል_ማርያም_ጽዮን
ከም ጎቦ-ጽዮን ጎይታ ንጊዚኡ ዝሓደራ እንተይኮነስ፣ ንዘለዓለም ኪዳን ክብል ብዘለዓለማዊ ሕርያ ዝሓረያ፣ መሕደሪቱ ንክትኸውን እውን ዝበሃጋ፣ ቃል ሥጋ እንትኸውን መዕረፊቱ ንክትኸውን ዝመረፃ አማናዊት (ሓቀኛ) ጽዮን ድንግል ማርያም እያ። « እግዚኣብሄር #ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፣ #መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ፣ እዚኣ ንሓዋሩ #መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ» (መዝ 132:13)

ብሓቂ መፀግዒትናን መሕብኢትናን እውን እያ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ 2 ዓመቱ ኣብ ቤተልሔም ኾይኑ፣ አምላኻ እንትጠምዮ ፀባ ድንግልና ዝመገበቶ፣ ፈጣሪኣ እንትበኪ ዝራረወቶ፣ ጎይታ እንትደኽሞ ዝሓዘለቶ ኣማናዊት ጽዮን - ድንግል ማርያም እያ! ን3 ዓመትን መንፈቕን እውን ኣብ ስደቱ ጎይታ እንትፈርሕን ዝተፀገዐላ፣ እንትድንግፅ እውን ዝተሓበአላ አማናዊት ጽዮን - ድንግል ማርያም እያለ!
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 21 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ክልተ ዓይነት ታቦታት ኣኽሱም‼️
ኣብ ካልእ ዓለም ፍፁም ዘየለ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ኣኽሱም ጽዮን ቤ/ክ ክልተ ዓይነት ታቦታት ኣለዋ። ታቦተ ኦሪትን ታቦተ ወንጌልን እየን። ዋላኳ ክልቲአን ታቦተ ጽዮን ይበሃል፣ ዓብዪ ኣፈላላይ ግን ኣለወን።
1⃣ #አጀማምራ
📌 ታቦተ ኦሪት:- እዛ ታቦት ኣቐዲሙ ባዕሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ንክሰርሓ ዝኣዘዛን ዝሰረሓን እያ። « ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም #ይግበሩ » (ዘጸ
📌ታቦተ ወንጌል:- እዚ ታቦት ድማ ምዕመናን በቢቦትኡን ቁርባን ንከዳልውሉ ብዝኣዘዞ መሠረት፣ ንናይ ክርስቶስ ሥጋወደሙ መቐመጢ ንክኸውን ዝተውሃበ እዩ። «ኣብ #ኵሉ_ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ፣
ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ» (ሚልክ 1:11)

2⃣ #ጥቅምን_አገልግሎትን
📌 ታቦት ኦሪት:- ሥርየት ሓጢኣት የውህብ ዝነበረ ደም አባጊዕን አጣልን ዝንፀገላን ሕድገት ይረከበላ ዝነበረት እንትኾን ሎሚ ግና እዚ መሥዋእተ-ኦሪት ስለዝተስዓረ፣ እዛ ታቦት ንበረከት ኣብ ኣኽሱም ንበይና ተቐሚጣ ኣላ እምበር መሥዋእቲ ኣይስወአላን፣ ብዘይካ ማዕጠንት ካልእ አገልግሎት ኣይፍፀመላን!
📌 ታቦት ወንጌል:- እዛ ናይ ሐዲሽ ኪዳን ታቦት ግን ዘወትር በቢመዓልቱ ኣብ ቅዳሴ አገልግሎት እትህብ፣ እቲ ምስ ክርስቶስ ዘተዓርቐና ሥጋን ደምን ዝፍተተላን ዝኸብረላን፣ ሎሚ ሕዳር 21 እውን ናብ ደገ ወፂኣ እትባርኸናን ታቦት እያ።

3⃣ #በዝሒ
📌 ታቦተ ኦሪት:- ኣብ ብሉይ ኪዳን ንሙሴ ዝተውሃበት ታቦት #ሓንቲ_ጥራሕ እንትኸውን ንሳ ድማ ኣብ ጽዮን ከተማ ትቕመጥ ዝነበረትን፣ ደሓር ድማ ብዘመን ንግሥት ሳባ ናብ ኣኽሱም ዝመፀትን ታቦተ ጽዮን እያ።
📌 ታቦተ ወንጌል:- ብሓፈሻ እንትረአ ኣብ ሐዲስ ኪዳን ክርስቶስ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ክምለኽ ስለዘይግባእ፣ በቢቦትኡ ናይ ጎይታ ቊርባን ክቐርብ እውን ስለዘለዎ ኣብ ኣኽሱም ኾነ በቢ ኣድባራቱ ብዙሓት ታቦታተ ወንጌል ኣለውና።

4⃣ #ኣሰራርሓ
📌 ታቦተ ኦሪት:- ሸጢም ካብ ዝበሃል ዕንጨይቲ ብቕርፂ ሳንዱቕ፣ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ተሓቢፃ፣ ኣብ ውሽጣ 2 ፅላት ዝሓዘት፣ ካብ ግዝፈታ ዝተልዓለ ድማ 4 ካህናተ ኦሪት ዝሽከምዋ፣  ታቦት እያ ።  
📌 ታቦተ ወንጌል:- እዚ ታቦት ግን እቲ ተስፋ እንገብሮ ክርስቶስ ስለዝተወለደልና፣ እቲ ኣብ ናይ ኦሪት ታቦት ዝነበረ ኣሰራርሔ እውን ንክርስቶስ ምሳሌን ፅላሎትን ስለዝነበረ ኣድላዪ ኣይኸውን። ስለዚ ጽላትን ታቦትን ባዕሉ ኾይኑ መሥዋእቲ ክርስቶስ ንምቕራብ ጥራሕ ብዝኽእል መጠን ይስራሕ። ስለዚ ድማ ሓደ ካህን ጥራሕ ይሽከሞ።

5⃣ #ስያመ
📌 ታቦተ ኦሪት:- እዛ ታቦት ኣብ ከተማ ጽዮን ትቕመጥ ስለዝነበረት #ታቦተ_ጽዮን ትበሃል፣ ኣብ ማእከል አምላክን ኣይሁድን ከም ኪዳን ዝኾና 10 ቃላት ዘለወን 2 ጽላት ስለዝሓዘት ድማ #ታቦት_ኪዳን ፣ #ታቦት_ምስክር እናተብሃለት ትፅዋዕ።
📌 ታቦተ ወንጌል:- እዚ ታቦት ድማ ብዋናነት ጥቕሙ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ዝስወአሉ #መሰውኢ ስለዝኾነ #ታቦተ_ምሥዋዕ ይበሃል። ብተወሳኺ ድማ ንቅዱሳን መዘከርታ ይኸውን። ንኣብነት ታቦተ ማርያም፣ ታቦተ ጊዮርጊስ፣ ታቦተ ሚካኤል ወዘተ። ኣብ ኣኽሱም ዘላ ናይ ወንጌል ታቦተ ጽዮን ድማ (ጽዮን ማለት መፀግዒ መዕቖቢ ማለት'ዩ) ናይ ድንግል ማርያም መዘከርታ እያሞ፣ ድንግል ማርያም ድማ መዕቖቢትናን መፀግዒትናን ኣዶ ምኻና ዝገልፅ እዩ።
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 20 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#መርምሩ‼️
"ሃይማኖት ኣይትመራመር" ዝብል ብሂል ኣምሪረ ይፀልኦ። ምክንያት ድንቊርናን፣ ዕንቅፋት መንፈሳዊ ዕብየትን እውን እዩ። ክርስትና ሃይማኖት ብባሕርዩ ዝምርመር እምበር ሱቅ ኢልኻ እትቕበሎ ነገር ኣይኮነን። ዘይምርምር ሰብ ንእምነቱ ዝፈርሕ፣ ንሃይማኖቱ መርትዖ ዘየቕርብ፣ እምነቱ ንኻልኦት ዘየምህርን ማንም ሓላፊ መንገዲ ዝቕይሮን ዝምርዞን ይኸውን።

ካብዚ ንምድሓን ሃይማኖትኻ መርምር! እግዚአብሔር ብምርምር ጥራሕ ኣይትበፅሖን፣ ብምእማን እውን እምበር። መጀመርያ ግን ንመርምር! Resonable Faith እምበር Blind Faith ክህልወና የብሉይ። ፍልጠትን ጥበብን ካብ አምላኽ፣ ድንቊርና ድማ ካብ ሰይጣን እዮምሞ። «መንፈሳዊ ሰብ #ንኹሉ_ይምርምር» (1ቆሮ 2:15) ፣ «#ንኹሉ_ፈትኑ ነቲ ፅቡቕ ሓዙ» ( (2ተሰ 5:20) ዝብሉ ጥቕስታት ነዚ የረጋግፁልና።
©Binyam ZeChristos ሕዳር 18 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ኣኽሱም_ጽዮን_ክትኸዱ_ንእትደልዩ‼️
ኣብ መቐለ ዘለኹም ኦርቶዶክሳውያን ናብ በዓል ማርያም ጽዮን (ኣኽሱም) ንምኽባር 5 ኣብያተ ት/ሰንበት መንፈሳዊ ጉዕዞታት ስለዘዳለው ብዝጥዕመኩም ኣቢልኹም ንክትኸዱን በረከታ ንክትቕበሉን የዘኻኽር።
1⃣ ደብረ ሰላም ቅ/ሚካኤል (ሚካኤል ጅብሩኽ)
📌 መልዐሊ:- #ሓሙስ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ሰንበት ሕዳር 23 (4 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1800 ብር ጥራሕ

2⃣ መካነ ሰማዕት ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክ
📌 መልዐሊ:- #ረቡዕ ሕዳር 19
📌 መምለሲ:- #ቀዳም ሕዳር 22 (4 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1850 ብር ጥራሕ

3⃣ ማህደረ ስብሐት ቅ/ቅ በዓታ ማርያም (ጉግሳ)
📌 መልዐሊ:- #ሓሙስ ሕዳር 20 -
📌 መምለሲ:- #ቀዳም ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ - 1300 ብር ጥራሕ

4⃣ ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ቤ/ት/ሰንበት
📌 መልዐሊ:- #ሓሙስ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ዓርቢ ሕዳር 21 ድሕሪ በዓል
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1200 ብር ጥራሕ

5⃣ ደብረ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ቤ/ት/ሰንበት
📌 መልዐሊ:- #ሓሙስ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ቀዳም ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1100 ብር ጥራሕ

6⃣ መካነ ሕይወት ገ/መንፈስ ቅዱስ ቤት ት/ሰንበት
📌 መልዐሊ:- #ሓሙስ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ቀዳም ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1100 ብር ጥራሕ

❇️ N.B:- ኣብቲ ጉዕዞ እንትንኸድን እንትምለስን ዝረኣያ ተወሰኽቲ ገዳማትን ንተወሳኺ መብራህርህን ነተን ፎቶታት ረኣዩ።
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 15 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

.......... #ሕቶ_ኣለኒ ........ - 7ይ
1.መንፈስ እግዚአብሔር ንጻድቕ ሎጥ ንመላእኽቲ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መፁ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም ክቕበሎም ተንስአ፤ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍአ።» (ዘፍ 19:1)

2.መንፈስ አምላኽ'ውን ኢያሱ ንመልኣኽ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«ንሱ ድማ ('ቲ መልኣኽ) ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ መጺአ ኣሎኹ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ #ሰገደ» (ኢያሱ 5:14)

3.መንፈስ ቅዱስ ንወንጌላዊ ዮሐንስ #ክልተ_ጊዜ ደጋጊሙ ንመልኣኽ ንክሰግድ ካብ ገበሮ
📌«ኣነ ኸኣ (ነቲ መልአኽ) #ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ» (ራእይ 19:9-10) ፣ «ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ #ክሰግድ ፍግም በልኩ» (ራእይ 22:8)

4.መንፈስ ቅደስ ባዕሉ እውን ንመልኣኽ ንክንሰግድ ከምዝገብርን ከምዝእዝዝን ካብ ነገረና
📌«ናብ #መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጸሓፍ፡ ... እንሆ ንሳቶም ከም ዝመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ #ከም_ዝሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዝፈልጡን #ክገብሮም_እየ » (ራእይ 3:7)

❓እቶም «ንመላእኽቲ ስግደት ኣይግባእን» ዝብሉን ዘይሰግዱን ደኣ ብናይ መንፈስ እዮም ዝምርሑ ዘለው?
#ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 13 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌 ሚካኤል ዝጸለናዮ ጸሎት ሰሚዑዎ ዶ ⁉️ - 5ይ
ሎመዓንቲ ዘቕረብናዮ ጸሎትን ልመናን ሚካኤል ከምዝሰምዖ ትፈልጡ ዶ? ብሱሩ እቲ ዝጸለናዮ ጸሎት ናብ ቅድሚ ክርስቶስ ዘብፅሖን ዘዕርጎን ሚካኤል ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? ነዚ እዩኮ ቤ/ክ «#አዕርግ_ጸሎተነ ቅድመ መንበሩ ለመድኃኔዓለም - ናብ መድኃኔዓለም መንበር ጸሎትና ኣዕርጎ» እንበልት ዝሓደረት! ከምዚ ኢልና ምእማንና ድማ ኣይተጋገናን! ኸመይ? ብአመክንዮ (Deductive Argument) ነረጋግፃ።

#Premise 1:- መላእኽቲ ጸሎትና ከምዘዕርጉ መጽሐፍ ይናገር። «እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ #ኢድ_እቲ_መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ #ደየበ » (ራእይ 8:4)
#Premise 2:- ቅዱስ ሚካኤል ድማ ካብ መላእኽቲ ሓደን ሓለቖኦምን እዩ።
#Conclusion:- ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ናትና ጸሎትን ልመናን ካብ ምስማዕ ሓሊፉ፣ ምስ ትኪ ዕጣን እናገበረ ናብ ቅድሚ አምላክ ዘደየብን ዘዕርግን እዩ ‼️
#ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos ሕዳር 12 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌ሚካኤል ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ይፈልጥ ዶ?
ሐዚ ሚካኤል እናዘመርናዮ ዝሓደርና፣ እናጸለናዮ ዘርፈድና ነገር ኹሉ ውብ ሰማይ ኾይኑ ይሰምዖ ድዩ? ሎመዓንቲ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኾይኖም "ሚካኤል ኣቦና" ዝበሉዎ ኹሎም ይሰምዖ ዶ? እንተይልና፣ እወ ይሰምዐና! ይሰምዐናን ፈረቓን ንብል! ከመይ? ብአመክንዮ (Deductive Argument) ነቐምጣ።

#Premise 1:- ኣብዛ ዓለም በቢ ከባቢኡ፣ በቢሰዓቱን በቢመዓልቱን ብዙሓት ሓጢኣተኛታት ንስሃ ይኣትዉ እዮም።
#Premise 2:- «ብሓደ #ዝንሳሕ ሓጥእ፣ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ-ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ» (ሉቃ 15:10)
#Conclusion:- ስለዚ መላእኽቲ (ብፍላይ ቅዱስ ሚካኤል) ኣብዛ ዓለም በብቦትኡ ኾይኖም በቢሰዓቱ እንገብሮ ነገር ይፈልጡን ብፅቡቕ ምግባርና ይሕጎሱን እዩም።
#ሕዳር_ሚካኤል
©Binyam ZeChristos  ሕዳር 12 - 2016

Читать полностью…
Subscribe to a channel