binyamzechristos | Unsorted

Telegram-канал binyamzechristos - Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

2518

ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️ ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot

Subscribe to a channel

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ብሓቂ ሞት እምበይትና ማርያም ዝደንቕ እዩ! ንሞት ዝስዕር ፍረ ፀኒስኻ ዶ ትመውት ኢኻ? ህይወት ወሊድኻ ዶ መቓብር ትኣቱ ኢኻ?

ነቢይ ኄኖክ አካይድኡ ምስ አምላኽ ገይሩ ንጎይታ ስለዘገልገለ፣ ኣምላኽ ካብ ዓይኒ ሞት ሰዊሩ ወስዶ። /ዘፍ 5:24/ ኄኖክ ንፈጣሪ ስለዝተገዝአ ተዘይሞተ፣ ንፈጣሪ ዝወለደትን ዘገልገለትን ድንግል ከመይላ ሓለፈት? ሄኖክ ንኣምላኽ ተኣዚዙ ንሞት ካብ ተሻገረ፣ ፈጣሪ ባዕሉ ዝተኣዘዘላ እመ ብርሃን ደኣ ከመይላ ብሞት ሓለፈት? ብሓቂ ሞት ማርያም ዝደንቕ እዩ!

ነቢይ ኤልያስ ንኣምላኽ ስለዘገልገለ ሞት እንተይረኣየ ናብ ሰማያት ዓረገ። /2 ነገ 2:11/እሞ ድኣ ዝናም ከይዘንም ንሰማይ ዝዓፀወ ኤልያስ ተዘይሞተ፣ ዝናም ህይወት ዝወለደት ድንግል ከመይ ሞተት? ሓዊ ካብ ሰማይ ዘዝነመ ኤልያስ ዘይሞተ፣ መለኮታዊ ሓዊ ኣብ ማኅጸና ዝፆረት ድንግል ከመይ ሞት በፅሓ? ነቢይ ኤልያስ ኣብ ቕድሚታ ዝሰግደላ ኣዶ-ፈጣሪ ምሟታ ብሓቂ ይደንቕ!

እምበኣር ምስ ቅዱስ ያሬድ ከምዚ ኢልና ንዘምር "«ንዝመውት ሰብ ሞት ይግባእ፣ ናይ ማርያም ሞት ግን ንኹሉ ይደንቕ  -- ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይዓጽብ ለኲሉ»
©Binyam ZeChristos ጥሪ 20 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #መርዓ_ኣብርሃም Vs #ሓዳር_ኣብርሃም ‼️
ኣብ ብዙሕ መርዓታት "መርዓ ኣብርሃምን ሣራን ይግበረልኩም" ኢሎም ዝምርቑ ብዙሓት እንትኾኑ፣ ንዓይ ግን ካብ ምረቓነቱ ናብ መርገም ዝቐረበ መሲሉ ይስመዐኒ። ንዓይ! ንምንታይ?
📌1) ካብ መጀመሪኡ እንትንሪኦ ናይ ኣብርሃምን ሣራን መርዓ ከመይ ከምዝነበረ ኣይፍለጥን። መጽሐፍ ቅዱስ እውን "ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሣራ እዩ" [ዘፍ 11:29] ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ ሓዳሮም እምበር፣ ብዛዕባ መርዖኦም ዝዛረቦ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ስለዘየድልየና ኣይተፅሓፈን። መርዓ ሓንቲ መዓልቲ፣ ሓዳር ግና ሙሉእ ህይወት እዩ፤ ሰባት ንመርዓኻ እግዚአብሔር ድማ ንሓዳርኻ ይሓስብ። ስለዚ ድማ መርዓ ኣብርሃምን ሣራን ዝበሃል ነገር ኣይንረኽቦን።

📌2) መርዓ ኣብርሃምን ሣራን ሥምረት ኣምላኽ ዘይነበሮ፣ ጎይታ ዘይባረኾን፣ ገና ኣብ ኣምልኮተ ጣዖት እናሃለዉ ዝተፈፀመን እዩ። ኣብርሃምን ሣራን ጣዖት የምልኹሉ ኣብዝነበሩሉ እዋን #ቅድስናን_በረኸትን አምላኽ ምስኦም #ስለዘይነበረ ነታ መርዖኦም ብጣዖታት እምበር ብጎይታ ዝተባረኸት ኣይነበረትን። አብርሃም ገና <አብራም>፣ ሣራ እውን <ሦራ> እናሃለወት ዝገበርዎ መርዓ እዩ። ድሕሪ ጊዜ እዩ ናይ ናይ ኣብርሃም ልቢ ሪኡ ባዕሉ ጎይታ ዝተገለፀሉን ካብ ጣዖት አምልኮ (ካብ ዓዱን ቤተሰቡን) ንክወፅእ ኣዚዙ ዝባረኾን። "እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ #ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ #ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ" [ዘፍ 12:1-2]

📌እሞ ድኣ "መርዓ ኣብርሃምን ሣራን ይግበረልኩም" ምባል ድኣ ካበይ መፀ? መንኸ ኣምሀረና? ስለዚ ምረቓ እንተደሊና :- "ናይ አብርሃምን ሣራን #ሓዳር ይግበረልኩም" ምባል ዶ ኣይምሐሸን። ብአምሓርኛ እውን እንተኾነ "የአብርሃምና የሣራ ጋብቻ ይሁንላችሁ" እምበር "ሠርግ ይሁንላችሁ" ኣይበሃልን። ንምንታይ እንተይልና:- 1) መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብርሃምን ሣራን ሓዳር እምበር መርዓ ስለዘይነግረና። 2) ኣብርሃምን ሣራን እነመስግኖምን እነድንቖምን ብመርዐኦም እንተይኮነስ ብሓዳሮም እዩ። እዚ ድማ ጎይታ ዝባረኾን፣ ኣብ ማእኸሎም ድማ ብድኽነትን ብመከራን ዘይኸሰመ ሓያል ፍቅሪ ብምንባሩ እዩ። 3) ጎይታ ንአብርሃምን ሣራን ዝሃቦም ውላድ ድማ ይስሐቅ ስለዝኾነ። ንክሕረድ ኽሳዱ ዝህብ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዝኾነ ቅዱስ ውሉድ! ይስሐቅ ግና ናይ ሓዳሮም ፍረ እምበር ናይ መርዐኦም ውፅኢት ኣይኮነን።

📌ብሱሩ እውን ሰብ ሓዳር ንክገብር እምበር፣ መርዓ ናይ ምግባር ግዴታ የብሉን። ብቅዱስ ስግኡን ብክቡር ደሙን ዝተባረኸ ሓዳር ንክገብር እምበር «ብላዕ ስተ» ንክብል ኣይግደድን። መርዓ ብቊርባን እምበር ግድን ብድግስ ንክኸውን ኣይተፅሓፈን። ሰብ ኣብ መርዓኻ፣ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ሓዳርኻ ስለዝሰርሕ። እንተደሊና ግና ከምቶም ኣብ መርዕኦም ጎይታ ምስ ኣዲኡ ዝተረኸበሎም ናይ ዶኪማስ ገዛ ንክኸውን "መርዓ ዶኪማስ ይግበረልኩም" ምባል ይከኣል።

📌እሞ ዘመነ መርዓዊ (ወርሒ ጥሪ) ኢና ዘለና'ሞ ናብቲ ሕጋዊ ሓዳር ብቁርባኑ ንዝኣተኹም ኲልኹም ኣቐዲማ "ናይ ኣብርሃምን ሣራን #ሓዳር ይግበረልኩም፣ መርዓኹም እውን #መርዓ #ቤተ_ዶኪማስ ይኹነልኩም" ይብል።
©Binyam ZeChristos   ጥሪ 18 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#በእንተ_ጥምቀት  ~  part 2
11)ጎይታ ብማይ ናይ ምጥማቑ ምሥጢር፣ ብኖኅ ዘመን ማይ ዓለም ጠፊኡላ ዋላ እንተነበረ ሐዚ ግን ንምሕረት ከምዝገበሮ ንምግላፅ፣ ማይ ሃፍታምን ድኻን ዝረኽቦ ብምዃኑ ጥምቀት እውን ንኹሉ እያ ንምባል፤ ማይ ንዝረስሐ የፅሪ ጥምቀት እውን ሓጢአት ንዘለዎ ይቕረ ከምዘብል ንምርዳእ፤ 

12)ምስተጠመቐ ንመጀመርያ ጊዜ አምላኽና እግዚአብሔር ሓድነቱን ሰለስተነቱን ብግልፂ ዘርኣየሉ፣ ኣብ ካብ ደመና "ዘፍቅሮ ወደይ ንሱ እዩሞ ንዕኡ ስምዕዎ" እንትብል፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብርግቢ አምሳል እንትወርድ፣ ወልድ ድማ ስጋ ማርያም ለቢሱ(ተዋሒዱ) እንትጥመቕ ሥላሴነቱ ገለፀ።

13) ጥምቀት፣ ልክዕ ከምቲ ልደት ጾመ ገሃድ ዘለዎ፣ ገሃድ ዘለዎ እንትኸውን ብዋዜምኡ (ከተራ) ዝፅወም እዩ። እዚ ማለት ጥምቀት ረቡዕ ወይ ዓርቢ እንተውዒላ፣ ሰሉስ ወይ ሓሙስ ንጾምሞ ብጥምቀት በጥሉላት መባልዕት ነኽብራ። ሰኑይ እንተውዒላ እውን ሰንበት (ካብ ጥሉላት ምግባት ጥራይ) ብምጿም ነኽብራ።

14) ከተራ ማለት ከተረ-ዓቀበ፣ ደው አበለ ማለት ኾይኑ ብዋዜምኡ ናብ ገረባት ብምኻድ ነቶም ገረባት ድማ ብምኽታር ማይ ንክውህለል ምግባር ነቲ ፅባሕ ዝኽበር በዓል ምድላው ዝግበረሉ እዩ። ታቦታት ኣብ ከተራ ናብ ገረብ ወሪዶም ኣብኡ ምሕዳሮም እውን ፣ ጎይታ ናብ ዮሐንስ ብምኻድ ምስ ህዝቢ ሰልፊ ሒዙ ኣብኡ ብምሕዳር ለይቲ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝተጠመቐ ዘረድእ እዩ።

15)ጥምቀት ኣብ ሙሉእ ዓመት ቅዱስ ታቦት ናብ ጎደናታትን ገረባትን ብምኻድ ህዝቢ ድማ ዕልል እናበለ ብምዝማር፣ ጸሎተ ቅዳሴ እውን  ካብ ቤ/ክ ወፃኢ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ዝግበረሉ ብሕታዊ በዓል እዩ። "እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ #ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፣ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም #ስዐብዎ" (ኢያሱ 3:3) ከምዝተብሃለ።

16) ኣብ በዓለ ጥምቀት እንንፀጎ ማይ ጥቅሙን ትርጉሙን:- ንዓና «ደቂ አምላኽ» ንክገብረና እንተይኮነስ ናይ ጎይታ ጥምቀት ንምሕሳብ፣ ነቲ ወንጌል ብተግባር ንምግላፅን ካብቲ በረከት ንምስታፍን እዩ።

17) በዓለ ጥምቀት ካብቶም ብደረጃ ዓለምለኸ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ እንትኸውን፣ Epiphany እናተብሃለ ዝፍለጥ እዩ። ፕሮቴስታንት እውን ካበይ ከምዝመፀን ንምንታይ ከምዘኽብርዎን እንተይፈለጡ እንተኽብሩ ይረኣዩ። ገለገሊኦም ድማ ልደቱ ኣኽቢሮም ጥምቀቱ ኣይነኽብርን ይብሉ!

18)ድሕሪ ጥምቀት ዘሎ መዓልቲ ድማ "ቃና ዘገሊላ" ይበሃል። እዚ ድማ ጎይታና ኣብ ቃና ዝበሃል ቦታ አብ ዝነበረ መርዓ ብድንግል ኣማላድነት ማይ ናብ ወይኒ ዝቐየረሉ መርዓ እዩ። ቃና ዘገሊላ የካቲት 23 ዝኽበር በዓል እኳ እንተኾነ፣ ነገር ግና <ናይ ማይ በዓል ምስ ናይ ማይ በዓል ይከበር> ብምባል ጥምቀት ምስኣኽበርና ናይ ሚካኤል ታቦት እውን ኣብ ቃና ዘገሊላ መዓልቲ ንክምለስን ተወሲኑ።

19) ነገር ግን ብስም ጥምቀት ዝግበር ደርፍን ዳንኬሬን፣ መስተን ስኽራንን፣ ዝሙትን ባእስን ኹሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተፀልአ፣ ብመላእክቲ ዝተፈንፈነ፣ አጋንንቲ ዝኸብሩሉ፣ ሰይጣናት ዝዕንድሩሉ እዩሞ መንፈሳዊ በዓልና ብመንፈሳዊ ኽብሩ ነኽብሩ። ኽብሪ ኦርቶዶክስ እምነትና ባዕልና ነኽብር።
©Binyam ZeChristos   ጥሪ 11 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ከተራን_ገሀድን ‼️
#ከተራ ማለት ከተረ-ኸተረ፣ ዓቀበ፣ ኣቖመ፣ ዓገተ ማለት እንትኸውን ናይታ ናይ ጥምቀት ዋዜማ ዘላ ዕለት መፀውዒ ሥያመ እዩ:: ኣብ ዋዜማ-ጥምቀት ቅዱሳን ታቦታት ካብ መንበሮም ወፂኦም ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዝርከብ ወራዲ ማይ (ገረብ) ብምኻድ ኣብ ዳስ ይዓርፉ (ይሓድሩ):: ምዕመናን ድማ ነቲ ገረብ ብምኽታር ዝጥመቑሉ ውህሉል ማይ (ቐላይ ዝመስል) ዝሰርሑሉ ዕለት እዩ:: ታቦታት ዓጂብና ብዋዜምኡ ብከተራ ናይ ምኻድና ትርጉም ድማ::- ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንክጥመቕ ብዕለተ ሰኑይ ናብ ዮርዳኖስ ብምኻድ ኣብኡ ከምዝሓደረ፣ ብፅባሒትኡ ሠሉስ ጥሪ 11 ድማ ከምዝተጠመቐን ብምሳሌ ንምግላፅ እዩ::

📌 ጎይታ ለይቲ ከምዝተጠመቐ ኹሉ፣ ንሕና እውን ብለይቲ ቅዳሴ ቐዲስና ናብ ሥርዓተ ጥምቀት ንወፅእ:: ቤ/ክ ኣብ ዓመት ለይቲ እትቅድሰለን ዕለታት 3 እንትኾና ልደት፣ ጥምቀትን ትንሣኤን እየን:: እዚ ድማ ጎይታ ዝተወለደ፣ ዝተጠመቐን ዝተሰአን ለይቲ ስለዝኾነ እዩ! እዚ ክትርዳእ ከለኻ ብቃል ጥራሕ እንተይኮነስ ብህይወታ፣ ብሥርዓታ፣ ብዜማኣን ብበዓላታን ክርስቶስ ኣብ ዝስበኸላ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ክንህሉ ዝገበረና ኣምላኽ ተመስግኖ!

📌 #ገሀድ ማለት "ለውጢ፣ ከክንዲ፣ ግልፂ" ከም ማለት ኾይኑ ፣ ትርጉሙ ድማ "ጾመ #ድራረ_ልደት_ወጥምቀት - ከክንዲ ልደትን ጥምቀትን ብዋዜምኡ እንጾሞ ጾም" ማለት እዩ:: ልደትን ጥምቀትን ዓበይቲ በዓላት ስለዝኾና ዋላ ረቡዕን ዓርብን እንተወዓላ ኣይጽወማን! እኳደኣስ ብዋዜምአን ጾይምና ልደትን ጥምቀትን ግና ብመብልዕ ነኽብረን! ናይ ልደት ገሀድ ኣብ ውሽጢ እቲ ጾም ስለዝኾነ ኹልና ንጾሞ እዩ:: ናይ ጥምቀት ድማ (ዋላኳ ተረሳዕናዮ) ከሉ ሻብ ጥሪ 10 እዩ! ጥምቀት ረቡዕ ተውዒሉ ሰሉስ ንጸውም፣ ዓርቢ ተኾይኑ ድማ ሓሙስ ንጸውም! ጥምቀት ሰሉስ እንተውዒሉ ኸ? ሰኒ ንፀውም! ሰንበት ወይ ሰኑይ እንተውዒላ ኸ? ቀዳም ወይ ሰንበት (ጾምና እንተይወዓልና ካብ ጥሉላት ምግብታት ጥራሕ ብምርሓቕ) ንጸውም!

©Binyam ZeChristos ጥሪ 10 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #በእንተ_ልደቱ - 29 መሰረታዊ ነጥብታት‼️

1)ብናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ልደታት ነኣምንን ንእመንን። ቅድሚ ዓለም ካብ #ኣብ ብዘይ ኣዶ፣ ድሕሪ ዓለም ካብ ድንግል #ማርያም ብዘይካ ኣቦ ተወልደ።

2)ካብ ኣብ ምውላዱ "ናይ #ባሕርይ ልደት" እንትኸውን፣ ብዘይካ ናይ ጊዜ ኣፈላላይ ብአካልን ባሕርይን ምስ ኣብ ማዕረ ኾይኑ #ብዘይ_ድኻም"ወልደ ኣብ" ኾይኑ ተወልደ።

3)ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ ግና ናይ #ስጋ ልደት እንትኸውን፣ ሰብ ኮይኑ ብዘይ_ሕማም (ሕርሲ) "ወልደ ማርያም" ኾይኑ ተወልደ።

4)'ወልድ' ሰብ  ኮይኑ ስጋ ለቢሱ ካብ ድንግል እንትውለድ ናይ ልደት(ናይ ስጋዌ) ኣስማት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ ኣማኑኤል፣ ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ መድኃኔዓለም፣ በጊዕ ኣምላኽ፣ ከራድዮን ... ይበሃል።

5) በዓል ልደት ካብቶም 9 #ዓበይቲ ናይ ጎይታ በዓላት ሓደ እንትኾን ካልኦቶም ድማ ትስብእት/ጽንሰት (መጋ 29)፣ ልደት (ታሕ 29)፣ ጥምቀት (ጥሪ 11)፣ ደብረታቦር (ነሓሰ 13)፣ ሆሳዕና፣ ስቅለት፣ ትንሳኤ፣ ዕርገት፣ ጰራቅሊጦስ እዮም።

6)#ገሃድ ማለት ለውጢ/መተካእታ ፣ ግልፂ/ፍሉጥ ማለት ኾይኑ፣ ከክንዲ ልደትን ጥምቀትን ዝፅወም መዓልቲ ማለት እዩ።

7)ናይ #ልደት ገሃድ ኣብ ጾም ስለዝውዕል ምፅዋምና ዘይቐሪ ዋላኳ እንተኾነ፣ #ጥምቀት ረቡዕን ዓርብን እንተውዒሉ ግና ከክንዲ ረቡዕ ሰሉስ፣ ከክንዲ ዓርቢ ድማ ሓሙስ ብምጿም ጥምቀት ግን ብመባልዕት ንሐልፎ። ጥምቀት ካሊእ መዓልቲ ተውዒሉ ግና ብዋዜምኡ ንጾም።

8)በዓል ልደት መዓልቶም ካብ ዘይስሕቱ በዓላት እንትኸውን ታሕሳስ 29 እንትኽበር፣ ኣብ 4 ዓመት ሓደ ጊዜ ብዮሐንስ ወንጌላዊ ግና ታሕሳስ 28 ይኽበር።

9) ድንግል ማርያም ንክሕልዋ ምስዝተሓፀያ ጻድቕ ዮሴፍ ኮይና ቖፀራ ህዝቢ ንክቑፀሩ ካብ ናዝሬት ናብ ይሁዳ ቤተልሔም ከተማ ኸዱ፤ መውለዲ መዓልታ ድማ በጽሐ።

10)ብትንቢት ከምዝተነገረሉ ድማ ድንግል ማርያም #በኹሪ ወዳ #ብሕታዊ ውላዳ ወለደት። ንፈጣሪኣ ብምውላዳ ድማ "ወላዲተ አምላክ" ተሰምየት።

11)ፈጣሪ ዝወለደት ድንግል ድማ ስጋ ከምዝለበሰ ንምርዳእ ዓባይ ኣፃብዕቱ ኣሲራ፣ #በለሶን ብዝበሃል ቆፅሊን ጨርቅን ጠቕሊላ ኣብ ደንበ ኣባጊዕ ኣደቀሰቶ።

12)ናይ ጎይታ ልደት ብብዙሓት ነቢያት ዝተነገረሉ እንትኸውን፣ ኢሳይያስ "ድንግል ትፀንስ እያ፣ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ እውን አማኑኤል ክትበሃል እያ" እንትብል (ኢሳ 7:14) ፤ ሚክያስ ድማ "ኣቲ ቤተልሔም ካባኺ ንእስራኤል ዝገዝእ ክወፅአለይ እዩ" ኢሉ (ሚክ 5:2)

13)በታ ለይቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ኣባጊዕ ንዝሕልዉ ጓሶት ተገሊፁ፣ ጎይታ ክርስቶስ ከምዝተወለደን ኣብ ደንበ ደቂሱ ድማ ከምዝረኽብዎ ኣበሰሮም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም ንድንግል ምስ ወዳ ረኸቡ።

14)ነቢዩ ኢያሱ ምድረ ከነዓን ንአይሁድ እንተከፋፍላ፣ ንካሌብ ኬብሮን ተውሃበቶ። '#ከብታ' ትበሃል ሰበይቲ ኣእቲዉ ብስማ ነት ከተማ ከብታ በላ ፤ ቐፂሉ #ኤፍራታ ትበሃል ኣእቲዉ ድማ ስማ ኤፍራታ ተቐየረት። ካብ ኤፍራታ ወዲ ወሊዱ ብዙሕ ሃፍቲ(እንጀራ) ስለዝረኸበ ንወዱ #ልሔም ኢሉ ፀወዖ። ብወዱ ምክንያት ድማ ነታ ከተማ #ቤተልሔምበላ።

15)ከብታ ማለት "ቤተ ስብሐት - (ቤት ምስጋና)" ማለት ኾይኑ፣ ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኾይኑ ምስጋና ድማ ናይ ጎይታ ምሳሌ እዩ።

16)ኤፍራታ ማለት "ጸዋሪተ ፍሬ (ፍረ ተሸካሚት)" ማለት ኾይኑ፣ ኤፍራታ ናይ ማርያም ምሳሌ፣ ፍረ ድማ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ።

17)ቤተልሔም ማለት "ቤተ ሕብስት -ናይ ሕብሽቲ/እንጀራ ቦታ" ማለት ኮይኑ ቤተልሔም ናይ እመብርሃን ምሳሌ፣ ሕብሽቲ ድማ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ።

18)ጎይታ እንትውለድ መላእክቲ ክንፍ ንክንፊ ብምዃን ንቤተልሔም ብብርሃን ዝኸበብዋ እንትኾን፣ ጎይታ ተወሊዱ ብቑሪ ንከይሳቐ ድማ እንስሳት እስትንፋሶም ብምግብር የሙቕዎ ነበሩ።

19)ሔዋን ንኣዳም ምስተውሃበቶ ሰለስተ መላእክቲ (ሚካኤል፣ ገብርኤል፣ ሩፋኤል) ወርቂ፣ ዕጣንን ከርቤ ንሔዋን ከም ውህብቶ ንክህባ ንኣዳም ሃብዎ። ኣዳም ንሔዋን፣ ሔዋን ንሴት፣ ካብ ሴት ናብ ኖኅ፣ ካብ ኖኅ ናብ መልከጸዴቅ፣ ካብ መልከጸዴቅ ናብ ኣብርሃም-ይስሐቅ-ያዕቆብ እንበል ንብ #ዠረደሸት ዝበሃል ጥበበኛ ብምቕባል እቲ ህያብ ተቐመጠ።

20)ዠረደሸት ድማ ብሰሌዳ ኮከብ፣ ድንግል ህፃን ሓቒፋ ይርኢ፤ ን12 ተምሃሮቱ ድማ "ኮኸብ ብሰማይ እንትርኢኹም ንጉስ ዓለም ስለዝውለድ ነዘን ወርቂ፣ ዕጣን፣ ከርቤ ሃብዎ" ኢሉ ነገሮም።

21)እቶም 12 ነገስታት ድማ ቅዱስ ዑራኤል ከም ኮከብ ተመሲሉ ብምግላፅ እናመርሐ ናብ ቤተልሔም ወሰዶም። እቶም 9 ነገስታት ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተመለሱ።

22)እቶም ዝፀንዑ ሰለስተ ነገስታት ድማ #ማንቱሲማር፣ #በዲዳስፋ፣ #ሜልኩ እንትበሃሉ፣ #ንኽልተ_ዓመታት ተጓዑዞም ቤተልሔም ብምብፃሕ፣ ንጎይታ #ኽልተ_ዓመቱ ኾይኑ ኣብ ሕቑፊ ድንግል ረኺቦም ወዲቖም ሰገዱሉ።

23)እቲ ኣቐዲሙ ኣምላኽ ብመላእክቲ ኣቢሉ ንሔዋን ዝሃባን እዞም ነገስታት ድማ ንዑኡ ዘምፅእዎን ወርቂ (ንጉስ ስለዝኾነ)፣ ዕጣን (ሊቀካህናት ስለዝኾነ)፣ ከርቤ (ዝሞይልና ስለዝኾነ) ድማ ህያብ ገይሮም ሃብዎ።
24)እምበይትና ድማ ርኅርኅቲ እያሞ ሕብሽቲ መሳሊ ጋጊራ ስንቂ ሂባቶም፣ ምስቶም ኣሽሓት ሰራዊቶም እናተመገቡ፣ ብ2 ዓመት ዝመፅዎ መንገዲ ብ40 መዓልቱ ናብ ሀገሮም ተመልሱ።

25) ኣብ ጊዜ በዓለ ልደት ቤ/ክ እትዝክሮ #ቅዱስ_ኒቆላዎስ ዝበሃል ጻድቅ እንትህሉ፣ ኣብ ጊዜ ልደት ንድኻታት ውህብቶ ህዝብ ዝነበረ እዩ። 26)ምዕራባውያን ዝገብርዎ ናይ ፅሕዲ ምልክት ግን ምስ ጣዖት ኣምላኾ ዝራኸብ፣ ኣብ ጊዜ በረድ "ጥዑይ ኣምላኽ" እናፅለለ ዝሕበአሉ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ናይ አረማውያን ልማድ እምበር ዋላ ሓደ መንፈሳዊ ትርጉም የብሉን።

27)በዓለ ልደት ማለት እግዚአብሔር አምላክ ነዛ ዓለም ብሃምኡ/በከንቱ ስለዘፍቀራ ሓደ ወዱ ህያብ ገይሩ ዝሃበሉ በዓል ብምዃኑ "መዓልቲ ህያብ" እናተብሃለ ይጽዋዕ።
28)ልደት ማለት እቲ ንጉስ ዝኾነ ጎይታ ምሳና ምስ ባሮቱ ዝሓበረሉ፣ እቲ በዓልጸጋ ኣምላኽ ምሳና ምስ ድኻታት ዝነበረሉ፣ መድሓኒት ዝኾነ ክርስቶስ ምሳና ምስ ሕሙማነ ነፍስ ዝወዓለሉ ስለዝኾነ፣ ንሕና እውን ምስ ነዳያን፣ ምስ ሕሙማንን ምስ እሱራትን እንውዕለሉ በዓል እዩ።

29)እንኳዕ ንብርሃነ ልደት ብሰላም አብጸሐና፤ ልደቱ ብመንፈስ እንውለደሉ፣ ብደርፍን ጓይላን እንተይኮነስ ብዝማሬን ማኅሌትን እነሕልፎ፣ ኣብ ቤት መስተ እንተይኮነስ ኣብ ቤተመቕደስ፣ ኣብ ሆስፒታል፣ ኣብ ወኅኒ ቤትን ኣብ መንገዲ ምስ ዘለዉ ነዳያንን ንክነሕልፎ፣ ምስ ጎይታና ኣብ ሕቕፎ ማርያም ከንብረና ፍቓዱ ይኹን!!

©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 28 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌 ይብፃሕ ናብ ኣባ ጋብር 📌
ቅዱስን ጻድቕን ኣቦይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እንኳዕ ተወለድኻ! ካብ ኽብሪ ተላዒለ "ኣቱም ኣቦይ"፣ ካብ ፍቕረይ ተበጊሰ ድማ "ኣታ ኣቦይ" ዝበለካ ጻድቅ ኣቦ፣ ህይወትኻ ንክርስቶስ ብምሃብ ምሳሌ ስለ ዝኾንኻኒ፣ መንገዲ ቅድስና ብተግባር ፅሒፍኻ ስለዝመሃርካኒ ንምስጋናይ ደረት የብሉን። ኦ ኣቦይ ብሓጢኣት ንዝወደቐ መንነተይ፣ ብሐሜት ንዝረኸሰ ኣንደበተይ፣ ብደርፊ ንዝረስሐ ኣፈይ፣ ብትዕቢት ንዝሓበጠ ልበይ ፈውሲ ክትኾነኒ ንመሓሪ ፀበልኻ ይምሕፀን ኣለኹ። ኦ ኣቦይ ኣብ ውሽጢ ዓይነይ ዘሎ ጉንዲ ዕሽሽ ኢለ፣ ኣብ ዓይኒ ካህናት ዘሎ መንገፍ ዝነቅፍ ድኹም ሰብ እየሞ፣ ናይ ባዕለይ እልፊ ሓጢኣትን ርኹሰትን በዚሑ ነፍሰይ ጠቐር መሲላ እናሃለወት፣ ናይ ጳጳሳት በደልን ሓጢኣትን እናዘርዘርኩ ዝውዕል ከንቱ ሰብ እየሞ ብመስቀልኻ መልሰኒ!

ካብ ሰብ ሓሊፍካ ምስ ኣናብርን ኣናብስን ዝነበርኻ ባሕታዊ ኣቦይ፣ ምስ ሰብ ምስምዕማዕ ንዝኣበየኒ ኽፉእ ወድኻ ብኢድኻ ዳህስሰኒ። ኣራዊት ርጋፅኻ ልሒሶም ብፍቕሪ ምንባሮም ሰሚዐ! እሞ ደኣ ናተይ ቋንቋ ንዘይናገሩ ሰባት፣ ካብ ብሔረይ ወፃኢ ንዝኾኑ አካላት ብምፅላእ ትሕቲ ኣራዊት ኾይነ ንዝነብር ወድኻ ርጋፅ እግርኻ ኣበይ ክረኽቦ?

ኦ ኣቦይ! ኽዳን ዘይፈልጥ ኣካልኻ፣ ፅድቂ ንዘይብላ ነፍሰይ ዋሕስ ንክኾነኒ፣ ሥጋኻ ሸፊኑ መሬት ዝወረደ ፀጉርኻ፣ ብዝሙትን ስኽራንን ንዝዓረቐ መንነተይ ልብሲ ክኾነኒ ኣብ ስእልኻ ወዲቐ ይልምነካ ኣለኹ። «ከማይ ዘይሓሰበ ፀላእየይ እዩ» ካብ ዝብል ዝርጋን፣ «ብኣፍንጫይ ዘየሀንጠሸ ባንዳ እዩ» ካብ ዝብል ዕብዳን ብጸሎትኻ ንኽትስውረኒ ይምሕፀነካ ኣለኹ።

መንፈሳዊ ተባሂለ መንፈሳይ ካብ ምዃን፣ ብፍቕሪ ኣሚነ ፅልእን ክፍፍልን ካብ ምስባኽ ንክተድሕነኒ፣ ንፈተውተይ ጥራይ እንተይኾነስ ንዝፀልኡኒን ንዝቐትሉንን እውን ዘፍቅረሉ ዓቕምን ዓቕልን ሃበኒ። ሰኣን ፍልጦይ ብናይ ኣቦታት በደል ንኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ካብ ምንቃፍን ምፅራፍን ሰውረኒ። ኽቡር ኣቦይ ናባኻ መልእኽቲ ንምልኣኽ ዘኽእል መንነት ዋላ ተዘይሃለወኒ፣ 100 ዓመት ኣብ ባሕሪ ኣቲኻ ንኃጥኣን እትልምን ኣቦ ኢኻ'ሞ ልመናይ ሰሚዕኻ ናብቲ ፈቃር ኣምላኽ ናብ ኢየሱስ ኣቕርበኒ!

ንዓኻ ምኽባር ንዝለኣኸካ ንክርስቶስ ምኽባር ምዃኑ ፈሊጠ የኽብረካ! ንክርስቶስ ዝነበረካ ፍቕርን ዝገበርካዮ አገልግሎትን ንዓይ ምሳሌ እዩሞ ዘወትር ንዓኻ ይዝክር፣ ንዓኻ ይኽተል! ንዓኻ ምፍታው ማለት ንክርስቶስ ዘይምፍላጥ ገይርኻ ካብ ምሕሳብ ሰውረኒ! አሜን!

ካብ ሓጥእን ኣባስን ወድኻ !
©Binyam ZeChristos ጥሪ 5 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

"ንዕኡ ንኽንመስል ኢሉ ንሱ ንዓና መሰለ። ደቂ አምላኽ ንክገብረና ንሱ ወዲ ሰብ ኾነ። ካብ ዝወረድናሉ ንከልዕለና እቲ ልዑል ናብ ምድሪ ወረደ። (ቅ/አትናቴዎስ)

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ እውን ኣብ ህይወትና ይወለድ!

ቡሩኽ በዓለ ልደት

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#በእንተ_ገብርኤል
፩) የመልአኩ ስም በዕብራይስጡ ( גַּבְרִיאֵל‎ - ጋቭርኤል) ፣ ግሪኩ ( Γαβριήλ - ጋብርኤል) ፣ በቅብጡ (Ⲅⲁⲃⲣⲓⲏⲗ - ጋብሪሃ) ፣ በአረማይክ (ܓܒܪܝܝܠ‎ ጋብሪሃ) ፣ በዓረብኛው ( جبرائيل - ጅብሪል) ፣ በግዕዙ ደግሞ ገብርኤል እየተባለ በፍቅር ይጠራል።

፪) በዕብራይስጥ ( גַּבְרִיאֵל‎ - ጋቭርኤል) ሲለው ትርጓሜውም "እግዚአብሔር ኃይሌ ነው" ማለት ነው። ኢሳይያስ በትንቢቱ "ድንቅ መካር <ኃያል አምላክ>" የሚለው ዕብራይስጡ "ኤል ጋቮር" እንዲለው።

፫) ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ደግሞ "ገብርኤል ማለት "ገብር-ሰው/አገልጋይ" ፣ "ኤል-አምላክ" ነውና <ገብርኤል ብሂል እግዚእ ወገብር አምላክ ወሰብእ - ሰውና አምላክ/ጌታና አገልጋይ> እንደሆነ ጽፈዋል።

፬) "በእባቦች ላይ በገነትም ባሉ ጻድቃን ላይኛ በኪሩቤልም ለይ የተሾመ ከከበሩ መላእክት አንዱ #ገብርኤል ነው" {ሄኖክ 6:7}

፭) "በዚህ ዓለም ስለሚኖሩ፣ በመላእክት ጌታ ስምም አምነው ስለሚለምኑ ሰዎች ፈጽመው ሲለምን ሦስተኛውን ቃል ሰማሁ። እርሱም ገብርኤል ነው" {ሄኖክ 10:7}

፮) "በኡባልም ወንዝ መካከል፡— ገብርኤል ሆይ፥ ራእዩን ለዚህ ሰው አስታውቀው ብሎ የሚጮኸውን የሰውን ድምፅ ሰማሁ" {ዳን 8:16}

፯) "ገናም በጸሎት ስናገር አስቀድሜ በራእይ አይቼው የነበረው ሰው ገብርኤል እነሆ እየበረረ መጣ፤ በማታም መሥዋዕት ጊዜ ዳሰሰኝ። አስተማረኝም፥ ተናገረኝም እንዲህም አለ፡— ዳንኤል ሆይ፥ ጥበብንና ማስተዋልን እሰጥህ ዘንድ አሁን መጥቻለሁ" {ዳን 9:21-22}

፰) "መልአኩም መልሶ፡— እኔ በእግዚአብሔር ፊት የምቆመው ገብርኤል ነኝ፥ እንድናገርህም ይህችንም የምሥራች እንድሰብክልህ ተልኬ ነበር" {ሉቃ 1:19}

፱) "በስድስተኛውም ወር መልአኩ ገብርኤል ናዝሬት ወደምትባል ወደ ገሊላ ከተማ" {ሉቃ 1:26}

፲) በቤ/ክ ትውፊት መሰረት በመጽሐፍ ቅዱስ ውስጥ ከቅዱስ ሚካኤል ጋር ሆኖ ሰዶምንና ገሞራን ያጠፋ {ዘፍ18:2} ፣ እመቤታችንን ይዞ ወደ ግብፅ የሸሸ {ማቴ 2:13} ፣ ሄሮድስ እንደሞተም በሕልም ለዮሴፍ የነገረ {ማታ 2:20} ፣ ሶምሶንን እንዲወልዱ ለማኑሄና ለሚስቱ ያበሰረ {መሳ 13:4} ፣ ሠለስቱ ደቂቅን ከነበልባል የሰወረ {ዳን 3:25} ፣ ቂርቆስንና ኢየሉጣን ከፈላ ውሃ የጠበቀ፣ ሐዋርያው ስምዖን በሰማዕትነት ሲያልፍ ተገልፆ ያበረታው ቅዱስ ጠባቂ ነው። {ድርሳነ ገብርኤል፣ ገድለ ሐዋርያት}

፲፩) መላእክት ሲፈጠሩ ከአስሩ ነገድ #የአርባብ ነገድ አለቃ የሆነ፣ በሳጥናኤል ምክንያት የመጀመርያው ክፍፍል ሲመጣም "ንቁም በበላዌነ እስከ ንረክቦ ለአምላክነ" ብሎ የሰበከ መላእክቱንም ያፀና ፣ ስለዚህም በኋለኛው ዘመን "እናቴን ታበስራታለህ" ተብሎ ቃል የተገባለት መልአክ ነው። {ቅዱስ ኤጲፋንዮስ - አክሲማሮስ ዘእሑድ}

፲፪) ቅዱስ ገብርኤል የናዝራውያኑ የሶምሶንን፣ የመጥምቁ ዮሐንስንና የጌታ ክርስቶስን ልደት ስላበሰረ፣ እረኞቹን ከሜዳ ጠርቶ ልደት እግዚእን የሰበከ {ሉቃ 2:11}፣ ጌታ በተጨነቀበት በዚያች ሰዓትም ፈጥኖ ያረጋጋው {ሉቃ22} ነውና "መልአክ ብሥራት ፣ አብሳሬ ትስብእት፣ መጋቤ ሐዲስ" እየተባለ ይጠራል።

፲፫) እንደ ኢ/ያ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ታህሳስ 19 ሠለስቱ ደቂቅን ያዳነበት፣ ሐምሌ 19 ቂርቆስንና ኢየሉጣን የረዳበትን በዓል ይከበራል።

፲፬) "የተመረጠ ስራ ለተመረጠ መልአክ መሰጠቱ ድንገት ይመስልሃልን? ለምሳሌ ለሩፋኤል መፈወስና ማደን፣ #ለገብርኤል በጦርነት ውስጥ ማገዝን፣ ለሚካኤል የሰዎችን ጸሎትና አስተብቊዖት - is it the result of accident that a particular office is assigned to a particular angel:... to Gabriel, the conduct of wars..."
{ሊቁ ኦሪገን በእንተ መላእክት De Principiis, Chapter VIII.—On the Angels, pp 265-266}

፲፭) ራሳቸውን "የኋለኛው ዘመን ቅዱሳን (Latter Day Saint movement)" ብለው የሚጠሩት ሞርሞኖች ደግሞ "ቅዱስ ገብርኤል በብሉይ ኪዳን ጻድቁ ኖኅ ይባል የነበረው ነው" ብለው ያምናሉ።

፲፮) በያዚዲዝም ሃይማኖት ደግሞ (ኢራቅና ሶርያ አካባቢ ያለ እምነት) ፈጣሪ ዓለምን ፈጥሮ እንዲጠብቋት አደራ ከሰጣቸው መላእክቶች (መልክ ጣኡስ - Melek Taus) አንዱ ገብርኤል እንደሆነ ይታመናል።

፲፯) በእስልምናም ለመጀመርያ ጊዜ ቁርዓንን ለመሐመድ ያወረደ፣ መሐመድን ዋሒ/ሲያወርድለት የኖረ፣ ውሻና ሥዕል ባለበት ቤት ለመግባት የሚፈራ፣ ሚስት ባልዋን ካኮረፈች ሌሊቱን ሙሉ ሚስትየዋን እየረገመ የሚያድር መልአክ እንደሆነ ይነገርለታል (ይህ ሁሉ ገብርኤል ባይቀበለውም)

©Binaym ZeChristos ታሕሳስ 18 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

☀️ ብርሃን ☀️
ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኣብ ዘመነ ስብከት እይ ዘላ፤ እዛ ናይ ሎሚ መበል 2ይቲ ሰንበት/ሰሙን ድማ #ብርሃን ኢልና ነኽብራ ኣለና። ጸልማት ዘይረኽቦ ብርሃንና፣ ለይቲ ዘየሕልፎ ጸሓይና፣ ማንም ክቐርቦ ኣብ ዘይኽእል ብርሃን ዝነብር አምላኽንል፣ ኣብ ናይ ሓጢኣትን መርገምን ንዘለና ኹልና ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃነ ህይወት ንሱ #ጥራሕ እይ - #ኢየሱስ_ክርስቶስ ‼️

📌 ትንቢት
ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ካብ ብሉይ ኩዳን ጀሚታ ብትርጒም ተጠዓዕሞ። "#ብርሃንካን #ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ" (መዝ 43:3) እቲ ዝተልኣኸ ብርሃንን ሓቅን #ኢየሱስ እዩ። «እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ህዝቢ #ዓብዪ_ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዝነብሩውን #ብርሃን_ኣብርሃሎም።» (ኢሳ 9:2) ኣብ ጸልማት ንዘለና ዝወፀልና ዓብዩ ብርሃን ንሱ #ክርስቶስ እዩ።

📌ወንጌል
ካብ ወንጌል እውን ብርሃንነት ክርስቶስ ዝገልፁ ተንብብ። « #ህይወት ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ነበረት ፣ እታ ህይወት ከኣ #ብርሃን ሰብ ነበረት» (ዮሐ 1:4) ይብል ዮሐንስ።

📌ክርስቶስ
ባዕሉ ክርስቶስ እውን ስለባዕሉ እንትገልፅ « ኣነ #ብርሃን_ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኸይድን እዩ » (ዮሐ 8:12) ይብለና።

📌 ቅዱስ ጳውሎስ
ልሣነ ዕፍረት ጳውሎስ እውን ብመልእኽቱ «ንሱ በይኑ ዘይመውት፣ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ እውን ዘይኽእል፣ ኣብ #ዘይቅረብ_ብርሃን ዝነብር፣ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን»(1ጢሞ 6:16) ይብለና። ጸሓይ እትፈርሖ ጸሓይ፣ ማንም ኣብ ዘይቐርቦ ብርሃን ዝነብር ብርሃን #ኣማኑኤል እዩ።

📌 ውዳሴ ማርያም
ቅዱስ ኤፍሬም ስሶርያዊ ዝመስከሮ፣ ቤ/ክ ዘወትር ኣብ እትጽልዮ ጸሎት እውን «ብርሃን ዘበአማን ዘያበርህ ለኩሉ ሰብእ በእንተ ፍቅረ ሰብእ መጻእከ ውስተ ዓለም  - ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ናብ ዓለም መጻእኻ" እናበለት ትፅልዮን ተፀልየናን።

📌 ጸሎተ ኪዳን
ኣብቲ ዘወትር ዝጽለ ጸሎተ ኪዳን እውን «መዝገበ ጽልመት እንተ ብነ: በሥምረተ አቡከ #አብራህከ_ለነ: ወአውፃእከነ እማዕምቅ ውስተ ብርሃን - ኣባና ንዘሎ ናይ ጽልመት መዝገብ ብፍቓድ ኣቦኻ ኣብሪህኻልና። ካብ መዓሙቕ ናብ ብርሃን ኣውፂእኻና»

📌 ናትና ጸሎት
ኦ ብርሃና ክርስቶስ ብዝሙትን ስኻርን ንዝረኸሰ አካልና፣ ብሓሜትን ደርፍን ንዘጸልመተ ልሣንና፣ ብቂምን ኽፍኣትን ንዝጠፍአ ልብና፣ ፣ ብብርሃንኻ ኣብርሀልና‼️
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 14 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ምልሰት ‼️
ብዙሓት ሃይማኖትም ይቕይሩ እዮም። ሙስሊም ነይሮም ኦርቶዶክስ ወይ ፕሮቴስታንት ዝኾኑ፣ ኦርቶዶክስ ነይሮም ሙስሊም ወይ ፕሮቴስታንት ዝመርፁ፣ ፕሮቴስታንት ነይሮም ሙስሊም ወይ ኦርቶዶክስ ይሐሸና ዝብሉ ሰባት ብዙሓት ኣለው። ሰብ እምነቱ ክቕይር መሰሉ እዩሞ ምቕያሩ ጌጋ ኣይኾነን፣ ዝቕየረሉ ምክንያት ምምርማር ግን ግቡእ እዩ።

ኣብ ማእከል ኦርቶዶክስን ፕሮቴስታንትን ዘሎ ዝውውር እንትዕዘብ ግን ሓደ ኣስተውዒለ። ካብ ኦርቶዶክስ ናብ ፕሮቴስታንት እምነት ዝቕይሩ ሰባት መብዛሕትኡ ጊዜ (ዳርጋ ኹሉ ጊዜ) ብዛዕባ ኦርቶዶክስ እምነቶም ዘይፈለጡ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየንበቡ፣ ኣሽምባይዶ ንዝሓተቶም ክምልሱስ ንባዕሎም እውን ብልማድን ብባህልን ዝጎዓዙ ኾይኖም ዝፀንሑ እዮም። ምንባብን ምሕታትን ዝመሃሩ ደሓር እምነቶም ምስቐየሩ እዩ። ስለዚ መብዛሕትኦም እምነቶም ዝቕይሩ መርሚሮምን ተረዲእዎምን እንተይኮነስ ብይመስለንን ብይኸውንን እዩ።

ካብ ፕሮቴስታንት እምነት ናብ ኦርቶዶክስ ዝልውጡ ግና፣ መብዛሕትኦም (ዳርጋ ዂሎም) መጽሓፍ ቅዱስ ብደንቢ ዝመርመሩ፣ ንብዙሓት እውን ዝመሃሩ፣ አስተምህሮታት ፕሮቴስታንቲዝም ብደንቢ ተረዲኦም ግን ድማ "ስሕተት እዩ" ብምባል እዮም ናብ ኦርቶዶክስ ዝቕየሩ። ስለዚ መብዛሕትኦም/ዳርጋ ኹሎም/ ካብ ፕሮቴስታንት ናብ ኦርቶዶክስ ዝምለሱ፣ ዝነበሩሉ ፕሮቴስታንታዊ እምነት ገምጊሞም፣ ኦርቶዶክስ እንታት ከምትምህር እውን መርሚሮም፣ «ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ?» ኢሎም ኣመዛዚኖምን ደኣ ይቕይሩ እምበር ብይመስልን ብይኸውንን ኣይኮነን። (እዚ ኹሉ ብኣብዝሓ እምበር ንኹሉ ዝጥቕልል ትዕዝብቲ ኣይኮነን።)

ኣብዚ 3 ወርሒ ውሽጢ መሪሚሮምን ሓቲቶምን ካብ ፕሮቴስታንት እምነት ናብ ኦርቶዶክስ ዝተመለሱ ፓስተራትን ምሁራንን (መብዛሕቴና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረአናዮም) ጥራሕ ከዘኻኽር።
1⃣ ፓስተር ግሩም ተስፋዬ .....ናይ «በወንጌል አላፍርም» ቸርች መስራትን፣ ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊ ካውንስል ናይ ሰሜን ጎንደር ጥርናፈ ሓላፊ
2⃣ ፓስተር ካሳዬ ወልዱ፣ ኣብ ሐረር «Righteousness by Gospel Light International church» ኣብ ዝበሃል ቸርች ን45 ዓመታት ዝመሃሩ ፓስተር
3⃣ ፓስተር ፍቅረ ሥላሴ ኃይሉ፣ ኣብ ሐዋሳ ናይ ቃለህይወት ወንጌላውያን መንፈሳዊ ኮሌጅ መምህርን ፣ ናይ «አርሚ ባይብል ኮሌጅ» መምህር ነገረ መለኮት
4⃣ ኣብ ወላይታ ድማ ሓደ ፓስተር ናይ ባዕሉ ቸርች ዓፅዩ፣ 500 ተኸተልቱን ተምሃሮኡን ብምሓዝ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ተመለስ። ስለ ኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን።
5⃣ ፓስተር ቢኒያም ሽታዬ፣ ኣብ አዲስ አበባ፣ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ብምምላስ ተጠሚቖም ኣለው።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 11 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ሐዚ ኣብ ሰማይ ብምዃን ምእንታና ዝልምን ዘሎ መን እዩ? ‼️
ሀ) ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ
ለ) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
ሐ) ኣብ ሰማይ ዘለው መላእኽቲ
መ) ኣብ ገነት ዘለው ቅዱሳን
ሠ) ኹሎም
ረ) ኹሎም ብዘይካ ‹ሀ›
ሰ) መልሲ የለን።
ሸ) ኣይፈልጦን።

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ዓይንኻ ዓሚትኻ ምጽላይ‼️
ኣብ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ኣዕይንትኻን ኣእዳውኻ ናብ ሰማይ ዘርጊሕኻ ምፅላይ (መጽሓፈ ጸሎት ተዘይሃልዩ) ሥርዓትን ትውፊትን ከምዝኾነ፣ ኣብ ፕሮቴስታንት ድማ ዓይንኻ ዓሚትኻ ትውፊት ከምዝኾነ ንሪኦ። መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል መጽሐፍ ቅዱስ ዓይንና ዓሚትና ንክንፅሊ ዝናገረሉ ዋላ ሓደ ክፍሊ የለን። ክጽሊ እንተሎ ኣዕይንቱ ዓሚቱ ዝጸለየ ጻድቅ ኣቦ፣ ነቢይ፣ ወይ ሐዋርያ እውን ኣይነርክብ።

1⃣ ኣዕንትኻ ገሊፅኻ፣ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣምላኽ እውን ናብ ሰማይ እናጠመትካ ምጽላይ ግን ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኾነ (ኣብ ብሉይን ኣብ ሐዲስን) ተደጋጊሙ ተጽሒፉ ንረኽቦ። ነቢይ ቅዱስ ዳዊት ኣዕይንቱ ኣልዕል ኣቢሉ እንትጽሊ ንረኽቦ። 📌 መዝ 123:1:- ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፣ #ኣዒንተይ_ናባኻ #የልዕል ኣሎኹ» ይብለና። ወዱ ጠቢቡ ሰሎሞን እውን ቤተመቅደስ ሰሪሑ ምስፈፀመ ኣእዳው ናብ ሰማይ ከምዝዘርገሐ ነንብብ። 📌 1 ነገ 8:22:- « ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፣ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል #ኣእዳዉ_ናብ_ሰማይ ዘርግሐ » ይብል።

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንኣልኣዛር ካብ ሙታን ከልዕሎ እንተሎ ናብ ሰማይ ቋሕ ከምዝበለ ይነግረና። 📌 ዮሐ 11:41:- «ኢየሱስ ከኣ #ኣዒንቱ_ንላዕሊ_ቋሕ_ኣቢሉ "ኣቦይ ስለ ዝሰማዕካኒ የመስግነካ አሎኹ" በለ» ይብለና። ኣብ ካልእ ቦታ ክጽሊ እንተሎ እውን 📌 ዮሐ 17:1-2:- «ኢየሱስ እዚ ተዛሪቡ #ኣዒንቱ_ናብ_ሰማይ_ቋሕ ኣቢሉ "ኦ ኣቦ፡ ሐዚ እታ ጊዜ በጺሓ፣  ንወድኻ ኣኽብሮ"» ኢሉ ከምዝጸለየ ነንብብ።

2⃣ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስን ትውፊት ቤ/ክንን እዚ ካብ ኮነ፣ "ሕሊናይ ንከይብተን ዓይነይ ተዓመትኩ ኸ?" ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። ብርግፅ ዓይንኻ ብምዕማት ጥራሕ ሕሊና ኣይእከብን። ኣእዛንናን ካልኦት ህዋሳትናን ኸ ናበይ ክንገብሮም? ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ እውን ሕሊንኡ ንምእካብ ክብል ኣዕይንቱ ዓሚቱ ዝጸለየ ሰብ ኣይረአናን። እኳ ደኣስ ሕሊና ብዝርብሽ ሁከት ተኸቢቡ፣ ብዳርባ እምኒ እናተጨፍለቐ ዝነበረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ከምዝጸለየ ነንብብ። 📌 ግብሪ 7:55:- ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፣ ናብ #ሰማይ_ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ "እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ ይርኢ ኣሎኹ" በለ » ይብለና።

📌 ካብዚ ወፃኢ ግን «ታይ ፀገም ኣለዎ? ዓይነይ ዓሚተ ተፀልየ ኣይሰምዐንይ ማለት ድዩ? ከም ድላየይ ገይረ እየ ዝፅሊ» ወዘተ እንበለ ዝቃወምን ዝበኣስን እንተሃለወ ግን ናይ ጳውሎስ ቃል ክነዘኻኽሮ። «ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዝፈቱ እንተ ዀነ፣ #ንሕናን እተን #ኣብያተ_ክርስቲያናት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ #ልማድ_የብልናን» [1ቆሮ 11:16]
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 8 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ክንደይ ጊዜ ኢየሱስ ኢልኻ?‼️
ገለ ገለ ሰባት ክርስቶስ ተሰቢኹ ንክበሃል ግድን "ተደጋጊሙ ኢየሱስ ኢየሱስ ምባል" ከምዝግባእ ይሓስቡ። ነዚ ድማ ኣብ ማእኸል ስብከቶም/ዝማሬኦም እናደጋገሙ ኢየሱስ ክብሉ ይፍትኑ። ክንዲ ናቶም ኣብዚሑ ኢየሱስ ዘይበለ ድማ ገና ክርስቶስ ከምዘይተረድኦ ይግምቱ። ንዓኣቶም ስሙ ምፅዋዕ ናይ ፍቕሪ ጉዳይ እንተይኮነስ፣ ናይ Statistics ጉዳይ እዩ። ካብ Pentecostalism ዝተቐድሐ ኢ-መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ!

ወንጌል፣ ስሙ መድኃኒት ምዃኑ፣ ስም ጎይታ ዝፀወዐ ከምዝድሕን እምበር፣ ንምድሓን "ደጋጊምኻ ስሙ ምፅዋዕ" ከም ረቋሒ እንትቕመጥ ፍፁም ኣይንረኽቦን። ብተቓራኒኡ ግን ደጋሚምኻ "ኢየሱስ ኢየሱስ፣ ጎይታ ጎይታ" ብምባል ዝርከብ ገነት ከምዘየለ የረጋግፅ። «ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር እምበር፡ #ጐይታይ_ጐይታይ_ዝብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዝኣቱ #ኣይኰነን» (ማቴ 7:21) ስለዚ ንክርስቶስ ዝፈልጥ ሰብ ዝበሃል፣ ዓሰርተ ሻብ "ኢየሱስ ኢየሱስ" ብምባሉ እንተይኮነስ ፈቓድ እግዚአብሔር እንትፍፅም እዩ።

ደቂቀ አስቄዋ ዝተብሃሉ ሰባት ነይሮም። ጳውሎስ ብኢየሱስ ስም ክፍውስ ሰሚዖም ንሳቶም እውን "ብኢየሱስ ስም ውፃእ" እንበሉ ክጭርሑ ጀመሩ። እቲ ጋኔን ግን ክዳውንቶም መንጢሉ ሎን ኣቑሲሉን ከምዘባረሮም ነንብብ። (ግብሪ 19:13-16) ንምንታይ ናይ ኢየሱስ ስም እናፀውዕሉ እቲ ጋኔን ዘይወፀ? እንተይልና፣ እቲ ፀገም ኣብቲ ስም እንተይኮነስ፣ እቶም ሰባት ስሙ ኣብ ኣፎም እምበር ኣብ ልቦም ስለዘይነበረ እዩ። አጋንንቲ ዝወፁ ደጋጊምኻ "ብኢየሱስ ስም" ኢልካ ስለዝጨራሕኻ እንተይኮነስ ስሙ ኣብ ህይወትኻ እንተኸቢሩ እዩ። ጴጥሮስን ጳውሎስን ናይ ኢየሱስ ስም እንተይፀውዑ፣ ብፅላሎቶምን ብቑሩፅ ጨርቆምን ከምዝፈወሱ እውን ኣይንዘንግዕ።
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 7 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️መቕደስ ናብ መቕደስ‼️
1⃣ #ታሪኩ:- ቅድስት ሃናን ቅዱስ ኢያቄምን ከምቲ ዝተመፃብዕዎ ንሓንቲ ጓሎም ንድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ወሲዶም ንክህቡዋ ወሰኑ። ሊቀ ካህናት ዝነበረ ዘካርያስ (ኣቦ ዮሐንስ መጥምቅ) ምስ ካልኦት ካህናት ኾይኑ ክቕበላ ወፀ። ገጽ እም ብርሃን ኣዝዩ የብርህ ስለዝነበረ፣ "ነዚኣ ደኣ እንታት ክነብልዓ ኢና? ከይትሓመና! ምጥዋራ ከየፅግመና" ኢሎም እንትጭነቑ፣ ቅዱስ ፋኑኤል መልአክ መፂኡ፣ ብክንፉ ጋሪዱ ህብስት ሰማያዊ ጽዋዕ ሰማያዋ እንትምግባ ረኣዩ። (መልአክ ንነቢዩ ኤልያስ ከምዝመገቦ - 1ነገ 19:5) በዚ ድማ ሰማይን ምድርን ንዘይሽክምዎ ኣምላኽ መሕደሪቱ መቕደሱን እትኸውን ድንግል ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወት። አዋልድ ክገብርኦ ዝግባእ ሥራሕቲ፣ ንካህናት ምግቢ እናዳለወት፣ ናይ ቤተመቅደስን ካህናትን አልባሳት እናሰፈየት፣ ቃል ኣምላኽ እናንበበትን እናተምሃረትን፣ ምስ መላእክት እውን እናተነጋገረት ብትሕትና ን12 ዓመታት ፀንሐት።

2⃣ #በዓታ_ብሊቃውንቲ:- ጥንታውያን ኣቦታት ክርስትና (Early Christian Fathers)  እውን እንተኾኑ ናይ ድንግል ማርያም መቕደስነትን ናብ ቤተ መቕደስ እውን ምእታዋን ፅሒፎምን ኣስተምሂሮምን እዮም። ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ማርያም (Mariology) ሊቅ ዝኾነ ሶርያዊ #ቅዱስ_ኤፍሬም (Sr Ephrem the Syrian) ብዛዕባ እመብርሃን
"ዘይትጠፍእ ብርሃን ዘይት እርስ መቕደስ - Light which shall never be extinguished, Shrine that shall never be overthrown" ኢሉ የመስግና ኣብ ናይ ቀዳም ውዳሴኡ። (Praise of Merry, of Saturday, 10)

ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን (Councel of Ephises) ዐምደ ሃይማኖት ዝነበረ ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ክርስቶስ ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ቄርሎስ ዘእስክንድርያ እውን (Sr Cyril of Alexandria) እውን ንድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ የወድሳ። "ዘይትፈርስ መቕደስ ኢኺ፣ ቦታ ዘይውስኖ ንዕኡ መሕደሪት ኾይንኺ - Imperishable temple, habitation of him whom no space can contain" (history of the christian church, Vol 3, P.946) ናይ 6ይ ክ/ዘ ናይ ስነ-መለኮትን ስነ-ዜማን ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ያሬድ እውን ኣብ አንቀጸ ብርሃን ውዳሴኡ "ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመፅኡ ወትረ ሲሳየኪ፣ ከመዝ ነበርኪ 12 ዓመተ -  ዘወትር መላእኽቲ ምግቢ እናምፅኡልኺ 12 ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ነበርኺ" ይብላ።
📌 ሰማያዊት መቕደስ ናብ ምድራዊት መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት፣ ንዓና ናይብመንፈስ ቅዱስ መቅደስ ምዃንና ፈሊጥና ብቅድስና ንክንነብርን እንውስነሉን ዕለት እዩ‼️
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 2 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ንቐፃሊ ሰሙን ኾይኑ ኣሎ‼️
ከምቲ ብዝሓለፈ ዝበልኩዎ
📌 ሓፍትና ዘማሪት ትርሓስ ዘዳለወቶ መድረኽ ኮነ ጉባኤ የለን። ብጥምየት ንዘሎ ትግራይ ህዝብና ንምሕጋዝ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተአንጊዳ እምበር።

📌 እቲ "ክምረቅ እዩ" ዝተብሃለ መዝሙር ጌጋ እንትኸውን ዝምረቕ አልበም ግን የለን። ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝወፀን ዝተዘመረን አልበም #ሓደ መዝሙር ብምውሴድን፣ ብሲዲ ብምድላውን ከም ጨረታ ኾይኑ ኣብቲ እቶት መተኣኻኸቢ ናይ ባዕላ እጃም ንምውፋይ ደለየት እምበር። (ሐዚ እውን እቲ ጌጋ:- ነቲ ይዘውር ዝነበረ ፖስተር ዝለጠፉ እዮም)

📌 ነዚ ንህዝብናን ንዓይደር ሆስፒታል ዝጎደለ ንምምላእ ዝተዳለወ ጉባኤ ምስ ዝኾነ ማሕበር ከራኽቡ ዝደለዩን ንዓርሶም ከም ወሰንቲ አካላት ዝሪኡ ኣክቲቭስታትን እውን፣ እንተኾነ ስርሑ ተዘይኮነ ሰብ ኣስርሑ፣ ዓይንኹም ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ግበሩ ንብል ኣለና።

📌 ኣብቲ ዕለት ኩሉ ትግራዋይ ዝተፀወዐ እንትኸውን፣ ብኣና ብኦርቶዶክስ ቤ/ክ እውን ኣቦታት ከምዝርከቡ ተስፋ ይግበር። ብጹዓን ኣቦታት ድማ ንክርኩቡ እቲ መዓልቲ ንቐፃሊ ሰንበት ዝተሻገረ እንትኸውን፣ ሰዓቱ ከምዘሎ እዩ።
©Binyam ZeChristos ሕዳር 29 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ « .... #ኣፈጣጥራ_ቅዱስ_ገብርኤል .... » ✝
1⃣ #መዓዝ_ተፈጢሩ:- እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጥረታት እንትፈጥር ካብ እሁድ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዋ 6 መዓልቲታት 22 ፍጥረታት ብምፍጣር ዕለተ ቀዳም (ቀዳሚት ሰንበት) አዕረፈ። መላእኽቲ ዝተፈጠሩ ኣብታ ናይ መጀመርያ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ዝኾነት ኣብ ዕለተ ሰንበት እንትኸውን፣ ንሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ ጸኒሑ ንመላእኽቲ ዝፈጠረሉ ምኽንያት እውን ሊቃውንቲ እንተብራህርሁ <ኣቐዲሙ ፈጢርዎም ተዝኸውን ነይሩ "ንሕና እውን ሓቢርናዮ ፈጢርና፣ ሓጊዝናዮ" ምበሉ ነይሮም> ይብሉ:: (አክሲማሮስ ገጽ 24)    
📌ዘፍ1:1:- "እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድር ፈጠረ:: ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት" 
📌ዘጸ 20:11:- "እግዚአብሔር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እዩሞ ብሻብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ኣዕረፈ" 
📌መዝ 33:6:- "ሰማያት ብቃል እግዚአብሔር ሰራዊቶም እውን በእስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ" 

2⃣ #ንምንታይ_ተፈጢሩ:- እግዚአብሔር ንመላእክቲ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ስሙ ንክጽውዑን መንግስቱ ንኽወርሱን፣ ከምኡ እውን ንዓና ንደቂ ኣዳም ናብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ንክራድኡን ንክሕግዙን እዩ:: እዚ ድማ ንዕኡ ንክጠቕምዎን ዝውስኹሉ ነገር ስለዘሎን እንተይኮነስ ስሙ ጸዊዖም ንከኸብሩን፣ ንዕኡ ተገዚኦም ምስኡ ንክነብሩን እዩ:: ስለዘድልዮም እምበር ስለዘድልይዎ ኣይፈጠሮምን!
📌ዕብ 1:14:- "ኩላቶም (መላእኽቲ) ንኣገለግሎት እቶም ምድሓን ክወርሱ ዘለዎም፣ ዝለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ዶ ኣይኮኑን?"

3⃣ #ከመይ_ተፈጢሩ:- እግዚአብሔር ነቶም 22 ፍጥረቱ ብሰለስተ መንገዲ ዝፈጠሮም እንትኸውን ንሳቶም ድማ #ብኣርምሞ(ብሐልዮ-ብምሕሳብ)፣ #ብነቢብ (ብምንጋር)፣ #ብገቢር (ብስራሕ) እዮም:: መላእኽቲ ልክዕ ከም ምድርን ሰማያትን፣ ቃል እንተየውጽአ ብኃልዮ/ሐሳቡ/ ጥራይ ዝፈጠሮም ፍጡራን እዮም:: ሊቃውንቲ ነዚ እንትገልፁ «እምኃበ አልቦ ኀበ ቦ ፣ እምኃበ ኢምንት ኃበ ምንት - ካብ ምንም ነገር ናብ ሓደ ነገር» ይብሉ። ካልኦት ዝተረፉ ፍጥረታት ድማ ብነቢብ (ብቃሉ) ዝተፈጠሩ እንትኾኑ፣ ብገቢር ዝተፈጠረ ብሕታዊ ፍጥረት ድማ አዳም እዩ::

4⃣ #ካብ_ምንታይ_ተፈጢሩ:- መላእኽቲ ልክዕ ከም ሰማይን ምድርን ካብ ምንም (እም ኀበ አልቦ) ዝተፈጠሩ እዮም:: ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ግና ልክዕ ከም ነፋሳት ፈጣናትን ረቂቓትን ስለዝኾኑ፣ ከም ሓዊ ድማ ሓየልትን ከምዝኾኑ ንምግላፅ ኣብ መጽሓፍቲ ነፋሳትን ሓውታትን ከምዝኾኑ ተጠቒሶም እዮም::
📌መዝ 104:4:- "ልኡኻትካ ነፋሳት፣ ኣገልገልትኻ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ገበርካዮም"
📌3ይ መቃቢያን 2:10:- "ረቂቕ እትኸውን ካብ ነፋስን ሓውን ዝተፈጠርካ ንስኻ <ፈጣሪ ምድሪ እየ> ብምባል ትዓቢካ"
✅ነዚ ቃል ሊቃንውቲ እንትትርጉምዎ ድማ «እመሰ ተፈጥሩ እምነፋስ ወነድ እሞቱ ወእማሰኑ ከማነ - ካብ ነፋስን ሓውን ምተፈጠሩስ ከማና ምሞቱን ምበስበሱን» ይብሉና:: (አክሲማሮስ)
 
5⃣ #ናይ_ገብርኤል_አካል:- መላእኽቲ ዋላኳ አካል ዘለዎም እንተኾነ ኣካሎም ግና ከም ካልኦት ፍጥረታት እንተይኮነስ ረቂቕ፣ ብዓይኒ ዘይረአን ብኢድ እውን ዘይድህሰስን አካል እዩ:: ስለዝኾነ ድማ መላእኽቲ ኣይደኽሙን፣ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን፣ ኣይሓሙን፣ ኣይልወጡን፣ ኣይኣርጉን፣ ኣይሞቱን::

✅ #ክንፉ:- መላእኽቲ ዋላኳ ረቀቕቲ እንተኾኑ፣ ኣክናፍ ዘለዎም ከምዝኾኑ መጽሐፍ ቅዱስ ይነግረና:: እዚ ክንፊ ግና ከም ናይ ደርሆን ኣዕዋፍን ዝበለ ኽንቲት ዘለዎ እንተይኮነስ ረቂቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ክንፊ እዩ:: 
📌ኢሳ 6:2 :- "ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ:: ነፍሲ ወከፎም ሽዱሽተ ክንፊ አለዎ:: በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፣ በቲ ኽልተ ድማ ንኣእጋሩ ይኸድኖ፣ በቲ ኽልተ እውን ይነፍር ነበረ"
📌ሕዝ 10:5:- "ድምፂ ኣክናፍ ኪርቤል ድማ ከም ድምፂ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ኾይኑ ክሳብ እቲ ግዳማዊ ዓጸድ ተሰምዐ::" 

6⃣ #በዝሒ_መላእክት:- እግዚአብሄር ንመላእኽቲ እንትፈጥሮም ብናትና ዓቕሚ ክቑፀሩ ዘይኽእሉ ብዙሓት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም:: ብ100 ነገድ ዝፈጠሮም እንትኾን፣ ነዞም ነገዳት ድማ ኣብ 10 ማዕረጋት ኸፊሉ ኣብ 3 ዓለማት ኣቐመጦም። ሊቃውንት ቤ/ክ እውን ነዚ ንምርዳእ ሓደ ምሳሌ የቕርቡ:: «መላእኽቲ ቑፅሮም ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝዘነበ ጠብታ ዝናብ ቑፅሪ ኣዝዩ ዝበዝሕ እዩ» ይብሉ:: መጽሐፍ ቅዱስ እውን ነዚ ዘይቑፀር በዝሖም "ሽሕ ጊዜ ሽሕ" እናበለ ይገልፆ::
📌ዳን 7:10:- "ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ አብ ቕድሚኡ ቖይሞም ነበሩ"
📌ራእይ 5:11 "ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ::ቑፅሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓትዩ"

7⃣ #ሥልጣን_ገብርኤል:- ቅዱስ ገብርኤል ካብቶም 10 ማዕርጋት ናይቶም #አርባብ ዝበሃሉ ሓለቓ እንትኸውን፣ ኣብታ 2ይቲ ዓለም ኣብ #ራማ ዝነብር ቅዱስ መልአክ እዩ።
©BinyamZeChristos  ጥሪ 19 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ብዛዕባ ሕክምና ካብ ሓረስታይ ከምዘይንሓትት፣ ብዛዕባ ሕርሻ ድማ ካብ ጋዜጠኛ ከምዘይንጥይቕ፣ ብዛዕባ ፖለቲካ ካብ ሓደ ካህን ከምዘይንመሃር፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት እምነትና ካብ ፖለቲከኛታትን "ምሁራን-ዓለምን" ንሰምዐሉ ጊዜ ኣይነበረን❗️የለን❗️ አይህሉን❗️

[ መጋቤ ሐዲስ #ሲራክ ገ/መስቀል ይበሃሉ። ዓይነ ሥውር ኾይኖም ሊቅ፣ ሰባኪ፣ ጠበቓ ቤ/ክ እዮም! ኣብ መቐለ ደብረ መዐዛ ኣቡነ አረጋዊ ላጪ ስብከተ ወንጌል! ሎመዓንቲ ኣብ ደብረ ሰላም ሚካኤል ወንጌል እንትዘርኡልና ካብ ዝሓሰብኮ ]

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#በእንተ_ጥምቀት - 10 ነጥቢታት  ~  #Part 1
📌1) ጥምቀት ካብቶም 9 ዓበይቲ ናይ ጎይታ በዓላት ሓደ እዩ። 'ቶም ካልኦት ድማ ጽንሰት (መጋ 29) ፣ ልደት (ታሕ 29)፣ ጥምቀት (ጥሪ 11)፣ ደብረታቦር (ነሓሰ 13)፣ ሆሳዕና፣ ስቅለት፣ ትንሳኤ፣ ዕርገት፣ ጰራቅሊጦስ እዮም።

📌2) ጎይታ ዝተጠመቐሉ ምኽንያት ከማና "ወዲ አምላክ" ንምዃን እንተይኮነስ፤ 1- ንዓና ኣርኣያ ኾይኑ ጥምቀት ንክምስርተልና። 2-ኣብ ዮርዳኖስ ተቐቢሩ ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳበ ብአካሉ ረጉፁ፣ ብመለኮቱ ኣቕሊጡ ንክድምስስ እዩ።

📌3) ጥምቀት 8 ወገን እንትኸውን 4 ምሳሌታት፣ 4 ሓቀኛታት እዮም። እቶም ምሳሌታት:- ብኖኅ ዘመን ምድሪ ብማይ ዝተሓፀበቶ ጥምቀት፣ እስራኤላውያን ብደመናን ብባሕሪ ኤርትራን ዝተጠመቑዎ፣ ኢያሱን ካህናትን እእጋሮም ኣብ ዮርዳኖስ ኣእትዮም ብምጥማቖም፣ ናይ ዮሐንስ ናይ ንስሐ ጥምቀትን እየን።

📌4) እተን 4 አማናውያን (ናይ ሐዲስ ኪዳን) ጥምቀታት ድማ ደቂ አምላኽ ትገብረናን "መዝገበ ትውልድ ፍቁራን" እትበሃል ናይ ጎይታ ጥምቀት፣ ትምቀት ንብዓት ንስሐ፣ ጥምቀት ደም ሰማዕታት ፣ ናይ ሓዊ ባሕሪ እዮም።

📌5) ጎይታ ኢየሱስ ንክጥመቕ ናብ ባርይኡ ናብ ዮሐንስ ምኻዱ ን2 ምክንያት እንትኸው፣ 1- ጽድቂ ንምፍፃም (ንትሕትና) 2- ንዓና ድማ አርአያ ንምዃን:- ነገስታትን ሃፍታማትን "ንዑ ደቅና አጥምቑልና" እናበሉ ንካህናት ንከይፅውዑ፣ እኳ ደኣስ ከም ጎይታ ናብ ካህናት ኸይድና ንክንጥመቕን ንክነጠምቕን እዩ።

📌6) ካብ ኲሎም ገረባት ፈልዩ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠመቐሉ ምክንያት ትንቢቱን ምሳሌኡን ንክፍፅም። ትንቢቱ ብዳዊት "ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። #ዮርዳኖስ_ንድሕሪት ተመልሰ።"(መዝ 114:3) ተብሂሉ ዝተነገረ እዩ።

📌7) ምሳሌታቱ ድማ: 1-አብርሃም ዮርዳኖስ ተሻጊሩ ንመልከጸዴቅ ከምዝረኸቦ ንሕና እውን ብጥምቀት ናብ ካህናት ከምንኸይድ ምሳሌ (ዘፍ 14:17) 2-ኢዮብ ሰብነቱ ብቑስሊ ምስሓመመ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ከምዝደሓነ፣ አዳም እውን ብጥምቀት ጎይታ ካብ መርገም ከምዝነፅህ ምሳሌ ።(ኢዮብ 42:12) 3-እስራኤላውያን ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ዝተመንይዋ ምድሪ ከነዓን ከምዝወረሱ፣ ምዕመናን እውን ተጠሚቖም መንግስቲ አምላክ ከምዝወርሱ ምሳሌ። (ኢያሱ 3:13) ... 4-ኤልያስ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ብሔረ ሕያዋን ከምዝኣተወ፣ ንሕና እውን ብጥምቀት ሓሊፍና ገነት ከምንኣቱ ምሳሌ። (2ነገ 2:7) 5-ንዕማን ዝበሃል ለምፃም እውን ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ከምዝደሓነ፣ አዳም እውን ብጥምቀት ጎይታ ከምዝደሓነ ምሳሌ። (2ነገ 5:14) 6-ዮርዳኖስ ካብ ምንጫ እንትጅምር ሓንቲ ፍልፍል ኮይና ደሓር ግና «ዮር»ን «ዳኖስ»ን ናብ ዝበሃሉ ትኽፈል። ደሓር ድማ ሓንቲ ኾይና "ዮርዳኖስ" ትበሃል። ናይዚ ትርጉም ድማ ጎይታ ብምጥማቑ ተፈላልዮም ዝነበሩ ህዝብን አሕዛብን ብጥምቀቱ ሓደ ከምዝገብር ንምግላፅ እዩ።

📌8)ዮሐንስ ንጎይታ እንተጥምቖ "ንኻሊእ ብስምኻ የጥምቕ፣ ንዓኻ ግን #ብስም_መን_ከጥምቐካ እንትብሎ፣ ጎይታ ድማ "ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፣ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሲመቱ ለመልከጸዴቅ" እናበለ ንከጥምቖ ነገሮ'ሞ አምላኽና ኢየሱስ ብማይ ተጠመቐ።

📌9)ብፅንዓት "ባሕረ ሓሳብ" መሰረት፣ ጎይታ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ዘመን ዘመነ ማርቆስ፣ ወርሑ ጥሪ 11፣ መዓልቱ ሰሉስ፣ ሰዓቱ ለይቲ ወጋሕታ ሰዓት 10 ነይሩ።

📌10) ጎይታ ንምንታይ ብማይ ተጠሚቑ እንተይልና ትንቢቱን ምሳሌኡን ንክፍፅም እዩ። ትንቢቱ:- "#ጽሩይ_ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ" (ሕዝ 36:25) ዝብል እዩ። ምሳሌኡ ድማ እግዚአብሔር ካብ ማይ ብልቢ ዝሰሓቡ፣ ብእግሪ ዝሽክርከሩ፣ ብክንፊ ዝበሩ ከምዝፈጠረ (ዘፍ 1:20)፣ ከምኡ ድማ ካብ ጥምቀት እውን ዝሰሓቡ ምዕመናን፣ ብትሩፋት ዝሽክርከሩ ባሕታውያን፣ ብተመስጦ ዝበሩ ሰማዕታት ከምዘውፅእ ዘረድእ ምሳሌ እዩ።
#Part 2 ይቕፅል

©Binyam ZeChristos  ጥሪ 11 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ታይ ንፅበ ኣለና?
ቃል አምላኽ ዝምህሩና ሉቃውንቲ እንትመፁ ብኽብሪ ምቕባል ንቡር እዩ። ብሊቅነቶም እነኽብሮም፣ ብአንደበተ ርቱዕነቶም እንፈትዎም መጋቤ ሐዲስ ሢራክ እውን ወንጌል ክምህሩና፣ ሕቶታና ንክምልሱልና ብYouTube መፂኦም ኣለው'ሞ ሓንቲ ጊዜ Click ገይርና Subscribe ብምግባር ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ንመሃር። ብዛዕባ ኦርቶዶክዳዊት እምነትና ንመሃር። ኣብ ጎኒ ሊቃውንቲ መምህራን ደው ንበል።

እምዶሞ ደኣ እንታይ ንፅበ ኣለና? በዚኣ እናኣተኹም Subscribe ካብ ምግባር ኣይንለግም።
https://youtu.be/B9TqSHt3Tgc?si=4LP6c5rPNkaoF_Xw
©Binyam ZeChristos ጥሪ 9 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❓ #ተገሪዝና_ዲና? ❓
ኣብ ቤ/ክ ናይ ጎይታ 9 ዓበይቲ በዓላትን 9 ንኡሳን በዓላትን እንትህልዉ ካብቶም ንኡሳት በዓላት ዝበሃሉ ሓደ ሎሚ ጥሪ 6 ዝኽበር እዩ - ግዝረተ ኢየሱስ!! ሕጻን ወዲ ኣብ 8ይ መዓልቱ ተገዚሩ ህዝቢ እግዚአብሔር ንክኾን ዝነበረ ኦሪታዊ ትእዛዝ (ዘፍ 17:12 ፣ ዘሌዋ 12:13) ብትሕትና ንክፍፅም ጎይታ-ሙሴ ኢየሱስ ኣብ 8ይ መዓልቱ ተገዘረ::

ናይ ጎይታ ኢየሱስ ግዝረት ግና ንዓኻ ንዓኺን ንዓየን ዓብዪ ትርጉም ይህበና:: ንሱ ንዓይ ክብል ብሥጋ ካብ ተገዘረ ኣነ ድማ ብመንፈስ ልበይ ክግዘር ኣሰር ገደፈለይ:: ነዚ እዩ ነቢይ ኤርሚያስ "#ንእግዚአብሔር_ተገረዙ! ናይ #ልብኹም_ሸለፈት እውን #ኣወግዱ" ዝብለና:: (ኤር 4:4)

ኦሪት ኣወዳት ጥራሕ ክግረዙ ትእዝዝ፣ ክርስቶስ ግን ኹሎም ክርስቲያን ክግረዙ ይእዝዝ! ኦሪት ሥጋኻ፣ ክርስትና ግና ልብኻ ክትግረዝ ትሕግግ! ኦሪት ብበሊሕ መላፀ፣ ወንጌል ግና ብኽልተ ገጽ ካብ ዝበልሐ ሰይፊ ኣዝዩ ብዝተስሓለ ብቃል ኣምላኽ ክንግረዝ ትድንግግ! (ዕብ 4:12)

ከም ናተይ ብደርፊ ዝረኸሰ፣ ብፀርፊ ዝረሰሐ፣ ብሓሜት ዝተኣስረ፣ ብማሕላ ዝተቖረነ ኣንደበት ዶ ኣለኩም? እዚ እዩ ዘይተገረዘ መንነት ማለት! በደል እናቖፀረ ዝቕየም፣ ሕነ ንክፈዲ ድቃስ ዝስእን፣ ኣብ ልዕሊ ሓው ኽፍኣት ዝፍሕስ፣ ይቕሬታ ምግባር ሽንፈት ዝመስሎ ልቢ እንተሃልዩና ብጎይታ ክርስቶስ ተዘይተገሪዙ ፈውሲ የብሉን::
©Binyam ZeChristos ጥሪ 6 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌የአእላፋት ዝማሬን

Al Jazeera
USA Today
China State-controlled media (cgtn)
The Citizen
The Boston Globe
NOS (Nederlandse Omroep Stichting)
Archive Africa
The Gurdian
Associated Press

በገጾቻቸው ላይ በፎቶና በቪድዮ ዘግበውታል::

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ናብቲ ሓዊ ንኽድ
እቶም 3 ህፃናት ናብ ዘለውዎ፣ ዕልልታ እምበር እውያት ናብ ዘይብሉ፣ ሃልሃልታ እምበር ምቅፃል ናብ ዘይባሕርዩ ሓዊ ንኺድ። እዚ ሓዊ ሓዊ እንትኣትዎ ዝጉህርን ዝቀፃፀልን ኣይኮነንም እኳ ደኣስ እሳታዊ ገብርኤል እንትኣትዎ ናብ ማይ ዝልወጥ፣ መናእሰይ እናዘመሩ ዝሕምስሉ ፍሉይ ሓዊ! እሞስ ናብዚ ሓዊ ንኺድ!

ኣብዛ ሓዊ ናይ ድሕነት መልአኽ ገብርኤል ኣሎ! እዜ ጓህሪ እቶም 3 ቅዱሳን መናእሰይ ብዝማሬ ይምለላሱላ ኣለው። ኣብዛ ነበልባል ስብሐተ እግዚአብሔር ይፈስስ ኣሎ። እዛ ሓዊ #ቤተክርስቲያን እያ። መለኮታዊ ዝኾነ ሥጋን ደምን ዝፍተተላ፣ ገብርኤል ዝኸብረላ፣ ምዕመናን ብዝማሬ ዝሕምሰላ ቤ/ክ እያሞ ንዑ ንኺድ ናብቲ ሓዊ! ምስቶም ህፃናት ብማህሌት ንሕደር! ነቲ ቅዱስ መልአኽ እናዘመርና ብሓባር ኣብ መቕደሱ ንሕደር!
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 19 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ሰብአ ሰገል ‼️
ዘለናዮ ሰሙን ብርሃን እዩሞ ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ የብርሁ ዘለው ፋኑሳት ክዝክር ፈተኹ። እዞም ኣሕዋት ዝጠመየ ህዝቢ እንትሪኡ ከም ካልኦትና "ምፅ" እትብል ምምጣጥ ከንፈር ጥራሕ ክልግሱ ኣይደለዩን። ትግራይ ማለት ንዕኦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍከረላ እንተይኮነትስ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ወሪድኻ እትረኽባ ምዃና ዝኣመኑ እዮም። ናይ ትግራይ ጥምየት ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝግበር like ኾነ share ንላዕሊ ምዃኑ ዝተገንዘቡ እዮም። ለውጢ ድማ ካብ ርእስኻ ዝጅምር ምዃኖም ዝፈለጡ እዮም'ሞ ብዙሕ ነገሮም ገዲፎም ብጥምየት ንዝፀልመተት ትግራይ ከብርሁ ዝተወልዑ ፋኑሳት እዮም ተበልኹ ዝንእሶም እምበር ኣይበዝሖምን። ሰለስቲኦም ኣሕዋትና ንዓይ ነቶም 3 ሰብአ ሰገል ይመስሉኒ።

«ሰገል - ጥበብ» ፣ ሰብአ ሰገል ማለት ድማ ሰብ ጥበብ፣ ሰብ ሞያ ማለት ከምዝኾነ፣ እዞም ኣሕዋትና እውን ነናይ ባዕሎም ሞያ ዘሓዙ፣ ፊደል ዝቖፀሩሉን ደሞዝ ዝረኽቡሉን ስራሕ ዘለዎም እምበር ስራሕ ስለዝፈትሑ ከርተት ዝብሉ ኣይኮኑን። ሰብአ ሰገል ነቲ እንኮ መድሓኒትን ጎይታ ዝኾነ ክርስቶስ ክሪኡን ከኽብሩን ብብዙሕ ድኻም ካብ ምብራቕ ናብ ቤተልሔም ኸይዶም እዮም። እዞም ኣሕዋትና እውን ንዝኸበረ ህዝቢ ትግራይ ክሪኡን ከኽብሩን ካብ መቐለ ብብዙሕ ድኻምን ቑርን  ናብ አበርገለን ካልኦት ከባቢታትን ከርተት ዝብሉ እዮም።

ሰብአ ሰገል ንክርስቶስ ኣብ ደምበ ምስረኸቡዎ ካብ ዘለዎም ወርቂ፣ ዕጣንን ከርቤን ህያብ ከምዝሃቡዎ ኹሉ፣ እዚኣቶም እውን በቢፀግኦም ብምልዕዓል፣ ብምትሕብባር፣ ኣብ ማ/ሚድያ ብምንቕቓሕን ናብቲ ቦታ ሓገዝ ብምውሳድን ይሳተፉ ኣለው። ክርሳዕ ዘይግባእ ሓደ ምሥጢር ድማ ኣሎ። ሄሮድስ ንጉሥ! ሰብአ ሰገል ናብ ክርስቶስ እንትመፁ ንሱ እውን "ምስረኸብኩሞ እነ እውን ንኽሰግደሉ ንገሩኒ" ኡሉ ነይሩ። ምስኣቶም ተፀጊዑ፣ ንኢየሱስ ቐቲሉ ኽብሪ ክርስቶስ ክወስድ ዝበሃገ ንጉሥ። ልክዕ ከምኡ ነዞም ኣሕዋትና ከዐንቅፉን ከሰናኽሉን ዝደልዩ አካላት ከምዝህልው ፍሉጥ እዩ'ሞ ኣጆኹም ንበሎም። ስለዚ ነዞም ኣብዛ ወሳኒት ሰዓት ወሳኒ ስራሕ ይሰርሑ ንዘለው አሕዋትና፣ ምስኦም እኳ ተዘይሰራሕናን ተዘይደኸምናን፣ «ነመስግነኩም ፣ ትግራይ ተመስግነኩም» ንምባል ግን ኣይንስነፍ። እንሆ ኣሕዋተይ ትግራይ ተመስግነኩም‼️
«ሰናይ #ንዝገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ክውሀቦ እዩ» [ሮሜ 2:10]
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 17 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ዕረፍቱ ለአቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ ‼️
[ጻድቕ አቡነ ተክለሃይማኖት => አቡነ መድኃኒነ እግዚእ => አቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ]
📌 ኣቡኡ እስጢፋኖስ፣ እንኡ አመተ ማርያም እንትኾኑ፣ ኣብ መበል 14 ክ/ዘመ ቅድሚ ደቂቀ እስጢፋኖስ ምልዓሎም ኣብ #ኣኽሱም ዝተወለደ ጻድቅ እዩ።

📌 ምስ ዓበየ ግና ምንኲስና ህይወት ብምምራፅ ናብ ደብረ በንኰል አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ብምኻድ ገዳም ኣትዩ ፣ ቃል ኣምላኽ እናተምህልረ፣ ወንጌል እናንበበ፣ ገድለ ቅዱሳን እናሰምዐ ብጸሎት፣ ብጾም፣ ብስግደትን ብአገልግሎትን ዝተፀመደ ኾነ። ካብ አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ድማ ምስ ካልኦት 6 ቅዱሳን ብጾቱ መንኮሰ።

📌 እግዚአብሔር ምስኡ ስለዝነበረ እውን ኣብ በረኻ አራዊት ኣይተናኾልዎን ነይሮም፣ ክትወልድ ዝቐረበት ኣንበሳ እውን ክሳብ ምውላድ ዝበፅሑ፣ "ጻድቕ ንእስንስሳ ነፍሲ ይርህርህ" (ምሳሌ 12:10) ዝብል ቃል ተግባራዊ ዝገበረ ጻድቕ እዩ።

📌 አቡነ ሳሙኤል ናብ ዋልድባ ገዳም ብምኻድ ከም ብሓዱሽ ንክግደም ዝገበሩ፣ ደብረ ዓባይ ገዳም እውን ዝገደሙ፣ ሥግኦም ንፈጣሪ ንክርስቶስ ዘግዝኡ እዮም እሞ አራዊት ይእዘዙሎም ዝነበሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኣንበሳ ኾይኖም ይጎዓዙን ይምህሩን ዝነበሩ ጻድቕ እዮም።

📌 አባ ሳሙኤል ብዘመኖም ካብ ግብፂ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ዓብዪ ጻድቕ ሰብ አቡነ #ገብረ_መንፈስቅዱስ ከምዘለው ሰሚዖም፣ ካብ ትግራይ ናብ ሸዋ ኦሮሚያ ፣ ናብ ምድረ ከብድ ገዳም ብምኻድ ካብ አቡነ ገ/መንፈስ ቅዱስ ተባሪኾም እዮም።

📌 ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ንዘለዎ ሰብ ናይ እምመብርሃን ፍቕሪ ይውሰኸሉ እዩሞ፣ ናይ ድንግል ማርያም ውዳሴኣ ምስ ቅዳሴኣ ኣተሓባቢሩ ይጽሊ ስለዝነበረ፣ እም ብርሃን ድማ ተገሊፃ ንኽብሩ #ዕጣን ንክህነቱ፣ #ዕንቊ ንንፅህንኡ ምሳሌ ክኸውን ሃበቶ። "ከማኻ ውዳሴይ ምስ ቅዳሴይ ኣተሓባቢሩ ዝፅሊ ከማኻ ክባርኾ እየ" ኡላ ድማ ቃልኪዳን ኣተወትሉ። ሎሚ ዋልድባ ገዳም፣ ደብረ ዓይን ውዳሴኣን ቅዳሴኣን ተይተፀለየ ኣይሕደርይ።

📌 እንሆ ዕረፍቶም ምስቲ ዝፈቱዎን ይሕዞም ዝነበረን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝኸብረላ ዕለት፣ ታሕሳስ 12 ኣብ ዋልድባ ገዳማት፣ ደብረ ዓባይ /ከባቢ ሽረ/፣ አብ ደብረ በንኰል መድኃኒነ እግዚእ ገዳም፣ አብ ደብረ ሊባኖስ አቡነ ተ/ሃይማኔት ገዳም ብድምቀት ይኽበር።
©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 11 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

« ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፣ ብፍርሓትን ራዕድን #ንምድሓንኩም_ፈጽሙ » [ ፊልጵ 2:12 ]
.... ካብዚ ጥቕሲ 3 ነገራት ንመሃር። ...

📌 ድሕነትና ኣይተፈፀመን።
📌 ድሕነትና እንፍፅሞ ድማ ባዕልና ኢና።
📌 እንፍፅሞ ድማ ብፍርሓትን ብራዕድን እዩ።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 9 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ንድንግል ማርያም ዘይተቐበለ ኣይድሕንን‼️

#Premise 1:- ድንግል ማርያም ካብ ቅዱሳን ኹሉ ዝኸበረት ቅድስቲ እያ።
📌ሉቃ 1:28:- ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ ደስ ይበልኪ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ።

#Premise 2:- ንቅዱሳን ዘይተቐበለ ንክርስቶስ ኣይተቐበለን።
📌ማቴ 10:40: ንኣኻትኩም ዝቕበል ንዓይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንዓይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበሎ።
📌ዮሐ 13:20:- ነቲ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል ንዓይ ይቕበል። እቲ ንዓይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበል።

#Premise 3 :- ንክርስቶስ ዘይተቐበለ ድማ ኣይድሕንን!
📌 1 ዮሐ 5:12:- እቲ ወልድ ዘለዎ ህይወት አላቶ፣ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ግን #ህይወት_የብሉን።

#Conclusion:- ንድንግል ማርያም ዘይተቐበለ ኣይድሕንን‼️

©Binyam ZeChristos  ታሕሳስ 8 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ጎይታ ዝኸብረሎም ዓመታዊ በዓላት ታሕሳስ‼️
~ ታሕሳስ 3 - በዓታ ለድንግል ማርያም
~ ታሕሳስ 6 - ፍልሰታ ለቅድስት አርሴማ
~ ታሕሳስ 7 - ስብከት ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 8 - ዕረፍታ ለቅድስት ባርባራ
~ ታሕሳስ 12 - አቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ
~ ታሕሳስ 13 - ቅዱስ ሩፋኤል ፣ አቡነ ዘርዓቡሩክ
~ ታሕሳስ 14 - ብርሃን ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 19 - ቅዱስ ገብርኤል
~ ታሕሳስ 21 - ኖላዊ በክርስቶስ
~ ታሕሳስ 24 - ልደቱ ለአቡነ ተክለሃይማኖት
~ ታሕሳስ 28 - ጌና ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 29 - ልደት ዘክርስቶስ
📌 «እቲ ነታ መዓልቲ ዘኽብራ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ » [ሮሜ 14:6]

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ ተለቒቑ ‼️
ናይ ዘማሪት ማህደር ገ/ኢየሱስ "#ኤልሮኢ" ዝብል ሙሉእ አልበም መዝሙር እንሆ ኣብ YouTube ተለቒቑ ኣሞ፣ ጥዒምኹም ተደነቑ፣ ሰሚዕኹም ተለወጡሉ።

https://youtu.be/U5KWy7tEiHw?si=c9rqVGzQo1NNgtr6

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#ንሕና:- ንምንታት ኢኹም መጽሐፍ ቅዱስ ቅዱሳን ከምዘማልዱ እናመስከረ፣ ንስኻቱም ግን ቅዱሳን ኣየማልዱን ትብሉ?

#ንሳቶም:- ብሓቂ ቅዱሳን ኣብ ምድሪ እናሃለው ብሥግኦም የማልዱ ነይሮም እዮም። ምስ ሞቱ ግን ምምላድ ኣይኽእሉን፣ ኣየማልዱን።

#ንሕና:- እሞ ብሥጋ እንዳለው ከምዘማልዱ እንተኣሚንኹም፣ ክሳብ ሐዚ ሞት ዘይረኣዮምን ብሥጋ ዘለውን ከም ነቢይ ሄኖክ፣ ነቢይ ኤልያስን፣ ሐዋርያ ዮሐንስን ሐዚ ከምዘማልዱ ንምንታይ ዘይትቕበሉ?

ፅባሕ ታሕሳስ 1 ~ ነቢዩ ኤልያስ ዝዝከረሉ ዕለት!
©Binyam ZeChristoa  ሕዳር 30 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ገንዘብኻ_ፅደቐሉ ‼️
ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው ጥንታዊያን ታሪኻውያን ገዳማት ሓደ እዩ  #ገዳም_አቡነ_ገብረ_መስቀል ወ #አቡነ_ሠርጸ_ማርያም።
📌ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ፣ ጣብያ ደብረ ኣባይ፣ ቁሸት ጉትማን ዝርከብ ጥንታዊ ቅዱስ ቦታ እዩ።
📌 እዚ ገዳም ልዕሊ 700 ዓመት ዝገበረ፣ ኣብ መበል 15 ክ/ዘ (1400 ዓ/ም) ብጻድቅ #አቡነ_ገብረ_መስቀል ዝተሰርሐ፣ ብኢድ መልኣኽ ካብ ሰማይ ጽላት ቅዱስ ኣማኑኤል ፣ ቅዱስ ሚካኤል፣ ቅዱስ ገብርኤልን ቅድስት ኪ/ምህረትን ዝተቐበሉሉ ፍሉይ ስፍራ እዩ።

📌 ክሳብ ሐዚ ጻድቕ አቡነ ገ/መስቀል ተደፊኦም ዝጸለዩሉ እምኒ ዝርከበሉ ኾይኑ፣  ብዙሓት ዝሓመሙ ነቲ እምኒ እናነኽኡ ካብ ሕማሞም ዝፍወሱሉ ተአምራዊ ገዳም እዩ።
📌 ናይቶም ጻድቕ ደቀመዝሙር ዝነበሩ ደሓር ድማ ዓብዩ ጻድቃን ሰማዕትን ዝኾኑን ኣብቲ ገዳም ዝዝከሩን ድማ ሰማዕት #አቡነ_ሠርጸ_ማርያም እንትኾኑ፣ እዚ ገዳም ብኢድ ግራኝ ኣሕመድ እንትቃፀል፣ ዳግም ዘስርሕዎ ኣቦ እዮም። በዚ ድማ
ምስ ካልኦት 365 ቅዱሳን ንክርስቶስ ኣይንክሕድን ብምባል ብግፍዒ ዝተቐተሉን መቓብሮምን ኣብቲ ገዳም ዝርከብን እዩ።

📌 ናይ ጻድቕ አቡነ ገ/መስቀል በዓለ ዕረፍቶም ፅባሕ ሕዳር 29 ዝኽበር እንትኸው፣ እቲ ገዳም እቲ በዚህ ዝሓለፈ ማህሰይቲ ዝተጎድአን ሓጋዚ ዘይብሉን ስለዝኾነ፣ ነቶም መነኮሳት ምግቢ፣ ነቲ ገዳም እውን  ሽምዓ፣ ጧፍ፣ ዘቢብ፣ ፅላል ንክኸውን ዝኸኣልኩምዎ ንክትሕግዙ ንላቦ።

ኣንበሳ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 00312166967-55
አበምኔት ገዳም ኣፈ መምህር ታረቀ (0914407436)
©Binyam ZeChristos ሕዳር 28 - 2016

Читать полностью…
Subscribe to a channel