binyamzechristos | Unsorted

Telegram-канал binyamzechristos - Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

2518

ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️ ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot

Subscribe to a channel

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ወንጌልን_በኦሪት_ውስጥ_አየናት!
#በኖኅ_ታሪክም_አገኘናት! .... part 1
1⃣ እነሆ አባታችን ኖኅ ከጥፋት ውሃ ለመዳን 3 ክፍል ያላትን መርከብ ሰርቶ፣ ቤተሰቦቹን በቀኝ በግራ አስቀምጦ፣ እንስሳቱን አስገብቶ ከጥፋት ውሃ ድኗል (ዘፍ6:14-22)
✅ መርከብ የሕገ እግዚአብሔር የሥልጣነ እግዚአብሔር ምሳሌ፣ ኖህና ልጆቹ የፃድቃነ ብሉይ ምሳሌ! በመርከብ የኖሩት ኖኅና ልጆቹ የጥፋት ውኃ እንዳላገኛቸው የብሉይ ኪዳን ፃድቃንም የሲኦል እሳት አልገኛቸውና! ከመርከቧ ውጭ የነበሩት ውሃው እንዳገኛቸው ኃጥአነ ብሉይም የሲኦል እሳት አግኝቷቸዋልና!(ሉቃ16:22) አንድም:- ኖኅ የጌታ፣ መርከብ የመስቀል፣በቀኝ በግራ ያሉት የፈያታዊ ዘየማንና ዘፀጋም ምሳሌ! ኖህ በመርከቡ በውስጥ የነበሩት ወገኖቹን እንዳዳነ ጌታም በመስቀሉ ባደረገው ቤዛነት በቀኝ በግራ የተሰቀሉትን አድኗልና! አንድም:- ኖኅ የጌታ፣ መርከብ የእመቤታችን፣ በውስጥ የነበሩት የምዕመናን ምሳሌ! ኖኅ በመርከቡ ምክንያት ወገኖቹን እንዳዳነ ጌታም ከእመቤታችን ስጋንና ነፍስን በመንሳት ወገኖቹን ከሞት አድኗልና!

✅ አንድም:- መርከብ የጥምቀት፣ ኖኅና ወገኖቹ የጥሙቃን፣ የመርከብዋ 3 ክፍል የሥላሴ ምሳሌ፣ እነዚያ በመርከብዋ ምክንያት እንደዳኑ የሐዲስ ኪዳን ጥሙቃንም በሥላሴ ስም በምትፈፀመው በጥምቀት ይድናሉና! አንድም:- መርከብ የትንሳኤ፣ 3 ክፍል መሆንዋ የ3ቀንና 3 ሌሊት ምሳሌ! ኖኅና ልጆቹ 3 ክፍል ባላት መርከብ እንደዳኑ ምዕመናንም ጌታ ከ3ቀንና ሌሊት ባደረጋት ትንሳኤው አምነው ከሞት ይድናሉና! አንድም:- መርከብ የቤ/ክ፣ 3 ክፍል መሆንዋ የ3ቱ ክፍሎች(ቅድስት፣ መቅደስ፣ የዝማሬ/ቅኔ ማኅሌት)፣ ኖኅና ልጆቹም የሐዲስ ኪዳን ምዕመናን ምሳሌ ናቸው! እነዝያ በመርከብዋ ውስጥ ፀንተው እንደተሻገሩ የሐዲስ ኪዳን ምዕመናንም በቤ/ክ አገልግሎት ፀንተው ከድህነት ይደርሳሉና ነው!

2⃣ ኖህ ውሃው ከምድር መጉደሉን ያውቅ ዘንድ ቁራን ላከ! እርሱም ሳይመለስ ቀረ! ርግብን ቢልካት "ውሃው አልጎደለም" ስትል ተመልሳ መጣች! በ7ኛው ቀን ሲልካት "ውሃው ጎድሏል" ስትል የለመለመ የወይራ ቅጠል ይዛ መጣች! በ14ኛው ቀን ሲልካት "ከእንግዲህስ እናንተ ወደኔ እንጂ እኔ ወደናንተ አልመጣም" ስትል አልተመለሰችም!(ዘፍ8:7-12)
✅ እነሆ ኖኅ የጌታ፣ ቁራም የሰይጣን ምሳሌ ነው! ቁራ ከኖህ ወጥቶ እናዳልተመለሰ ሰይጣንም ከጌታ መንግስት ወጥቶ አልተመለሰምና! አንድም:- ርግብ የመንፈስ ቅዱስ ምሳሌ! ርግብ የጥፋት ውሃ ጎደለ ብላ እንደመጣች መንፈስ ቅዱስም ፍዳ መርገም ጎደለ ብሎ ጌታ ሲጠመቅ በርግብ አምሳል ወርዷልና! አንድም:- ቁራ የኦሪት፣ ርግብ የወንጌል ምሳሌ! ቁራ የውሃው መጉደል እንዳልተናገረ ኦሪትም የሰዎችን ድህነት አትናገርምና! ርግብ ጥፋቱ እንደጎደለ በቅጠል እንዳሳየች ወንጌልም የአዳኛችንና የቤዛችን የክርስቶስን አዳኝነት በመግለጥ ድህነታችንን ታውጃለችና! አንድም:- ርግብ የእመቤታችን ምሳሌ! ርግብ የጥፋት ውሃ ቀረ ስትል የወይራ ቅጠል ይዛ እንደተገኘች እመቤታችንም መርገም ቀለለ ስትል ጌታን በማህፀንዋ ተሸክማ ተገኝታለችና!

3⃣ ጌታ ድጋሜ ምድርን እንደማያጠፋት ለኖኅ ምልክትን አሳየው! ይሄም ብዙ ሕብር ያለው የቀስት ምልክት ነበር (ዘፍ 9:12-17)
✅ የቀስቱ ምልክት ደጋኑን ወደራሱ አውታሩን ደግሞ ወደኖኅ አድርጎ አሳይቶታል! ይሄስ ለምን አደረገ ቢሉ:- ቀስት ወርዋሪ ቀስቱን በሚወረውርበት ጊዜ ደጋኑን ወደ ጠላቱ አውታሩን ደግሞ ወደራሱ ያደርጋል! በሰላም ጊዜ (ሳይወረውር ሲቀር) ደግሞ ደጋኑን ወደርሱ አውታሩን ወደ ፊት ያደርጋል! አንድም:- ቀስቱ የመቅሰፍት ምሳሌ፣ ኖህም የሰው ልጆች ምሳሌ! ጌታ እንዳማያጠፋው ለኖህ እንዳሳየው እንዲሁ ለኛ ለሰው ልጆች እንደማያጠፋን ነግሮናልና! አንድም የቀስቱን ደጋን ወደርሱ ማድረጉ አሁንስ በመዓት ሳይሆን በምሕረት ዓይኔ አይቻችኋለሁ አድናችኋለሁ ሲል ነውና! አንድም:- ቀስቱ ብዙ ሕብር ያለው መሆኑ:- ሰዎች በብዙ ዓይነት ኃጢአት ቢበድሉኝም በአንድ ልጄ በክርስቶስ ኢየሱስ ደም ይቅር እላቸዋለሁ ሲለን ነውና!

👇ለሌሎች መንፈሳዊ ጽሑፎች ወደ ቻናሉ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos  ሰነ 18 - 2012

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ዓርቢ ~ #ጥብጣብን_ምጥላቕን ~ ፩ ✝
1⃣ #ጥብጣብ:- ኣብ ዓርቢ ስቅለት ካብ ዝግበሩ ነገራት እቲ ሓደ ጥብጣብ እዩ። እዚ ድማ ናይ ዓርቢ ስቅለት ጸሎት ተወዲኡ "እግዚኦታ" ምስተገበረ፤ ኹልና ምዕመናን ናብ ካህናት እናቀረብና ኣብ ሕማማት ጊዜ (ካብ ሰኑይ - ዓርቢ) ዝገበርናዮ ሓጢአት ነቲ ናይ ክርስቶስ ተወካሊ ዝኾነ ካህን ንናዘዝ/ንናገር። ካህናት ድማ #ብሰንቲ ብምጥብጣብ (ብምግራፍ) ስግደት ንክንሰግድ ይነግሩና። እዚ ጥብጣብ ድማ ናይ 6666 #ናይ_ክርስቶስ_መግረፍቲ_ምሳሌ እዩ።

2⃣ #አክፍሎት:- አክፍሎት ወይድማ #ምጥላቕ እንብሎ እንትኸውን፣ እምበይትና ማርያም ምስ ዮሐንስን ያዕቆብን ኾይና ብሕሱም ሓዘን «ንጎይታ ተሲኡ እንተይረአና ኣይንበልዕን» ብምባሎም ዝመጸ እንትኸውን፣ ሓሙስ ምሸት ዝበላዕና ዓርቢ ጾምና ውዒልናን ሓዲርናን፣ ቀዳም እውን ውዒልና ለይቲ ትንሳኤኡ ምስተኣወጀ እንምገብሉ ሥርዓት እዩ። ናይ ቤ/ክ ናይ ሥርዓት መጽሐፍ ዝኾነ ፍትሕ መንፈሳዊ ድማ፣ ምጥላቕ ዘይኸኣልና ዓርቢ ተደሪርና፣ ቀዳም ሥዑር ግና ብምጿም፣ ለይቲ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን" ተባሂሉ ምስተኣወጀን ብምምጋብ ምስ ድንግል ኣዴናን ሓዋርያትን በረከት ሓደ ይኸውን። #ቀዳም_ምብላዕ ግን #ፍጹም_ኣይፍቀድን! ናይ ኣክፍሎት ጸጋን በረኸት ከየምልጠኩም!

✝ ዕውር ስለዘድሓነ፣ ለምፃም ስለዝፈወሰ ክንዲ ምስጋና መከራ፣ ክንዲ ኽብሪ ስቃይ ፈደይዎ፡፡ ንሱ ግን ቃል'ኳ ኣየውጸአን። ሓያል እንትኸውን ድኹም መሰለ፣ ብፍጥረታቱ ተንገላተዐ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝውሰድ በጊዕ፣ ኣብ ቅድሚ ሓረድቱ ሱቅ ከምዝብል በጊዕ ኣፉ 'ኳ ኣይከፈተን። ብግፍዒ ሒዞም ፈረድዎ! ናብቲ ዝቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም እንትወሰድዎ ኳ ናበይ ከምዝወስድዎ እናፈለጠ ብፍቕሪ ተኸተሎም። (ኢሳ 53፦7)

✝ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹህ እናሃለወ ብሰንኪ ናትና ሓጥያት 6666 ጊዜ ስግኡ ኃሊቑ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝረኣይ ተኸትከተ።  ነፍሲ ወከፍና እቲ ንሓጢኣትና ዝፈሰሰ ክቡር ደሙን፣ ምእንታና ዝተፈተተ ቅዱስ ስግኡን፣ ተቐቢልና ሰማያዊ መንግስቱ ንክንኸውንን እዩ‼️ ጎይታየ ችንካርካ እናዘከርና፣ ብትዕግስትኻ ተማሪኽና ኢና ሞ ተመስገን! ነቲ ዝገርም ፍቅርኻ ክንዝክር ከለና ንብዓት ይቕድመና፤ ኦ ጎይታየ ውዕለታኻ ከይንርስዕ ብደምኻ ዝረሓሰ መስቀልኻ ኣብ ጽላት ልብና ጸሓፎ‼️
©Binyam zeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

🛐 #ሐሙስ_ፅግቦ ~ #ጥቕጡቆን_ሸውላሎን 🛐
ኣብ ዕለተ ሓሙስ ካብ ዝግበሩ ትውፊታዊ ግብራት እቶም ክልተ ጥቕጡቖ ምብላዕን፣ ሸውላሎ ምጭዋትን እዮም። ትርጉሞም ድማ:-
1⃣ #ጥቕጡቖ፦ ልተፈተገ ስንዳይ ምስ ፅፁይ ዓተር ብምግባር ይነትዕሞ ቅመምን ጨውን ተወሲኹሉ ዝዳሎ ምግቢ እዩ። ዝዳለወሉ ምኽንያት ግን ከም ተራ ምግቢ እንተይኮነስ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ምሳሌን ትርጉምን ስለዘለዎ እዩ። እስራኤላውያን ድሕሪ 430 ዓመታት ባርነት ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብፂ እንትወፁ ይህወኹ ስለዝነበሩ፣ ምግቢ ኣብሲሎም፣ አብኲዖምን ጋጊሮምን ክምገቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ድማ ዘይቦኽዐ ሊጥ እናጋገሩ፣ ዘለዎም አዝርእቲ 'ውን ሓዋዊሶም እናብሰሉ ይምገቡ ነይሮም። (ዘፀ 12:34) እዛ ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ድማ "#ፋሲካ" ትበሃል። ፋሲካ - ብዕብራይስጥ #ፓሳህ ማለት #ምሕላፍ፣ ምውፃእ፣ ምሽጋር ማለት እንትኸውን ካብ ግብጺ ምውፅኦምን ካብ ሞት ምሕላፎምን ዘረድእ እዩ። ስለዚ እዛ ሓሙስ መዓልቲ፣ ፋሲካ ኣይሁድ ምን ብር ብምዝካር #ድሕሪ_ስግደት ጥቅጥቆ ይብላዕ።

✅ እዚ ድማ አይሁዳውያን በዛ ዕለት ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብፂ ባርነት ከምዝወፁ፣ ንሕና እውን ብደም ክርስቶስ ካብ ሲኦል ከምንወፅእ ዘረድእ ምሳሌ እዩ። በዚ መዓልቲ ብዙሕ ጥቅጥቆ ስለዝዳሎን ኣብ መሬት ወዲቁ እውን ንኣዕዋፍ ስለዝኸውንን፣ ኣዋልድ «#ሓሙስ_ፅግቦ_ዒፍኳ_ትፀግቦ» እናበላ ሸውላሎ ይፃወታ! ኣብቲ ጥቕጡቆ #ብዙሕ_ጨው ምግባር እውን ትርጉም ዘለዎ እንትኸውን፣ ማይ ንክፀምና ብምግባር ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ስቓዩ ማይ ከምዝፀምኦን፣ "ጸማእኩ - ጸሚኡኒ" እንትብሎም እውን መፂፅ መስተ (ካብ ከርቤን ናይ ሓርማዝ ሓሞትን ዝተቐመመ) ከምዝሃቡዎ ንምዝካር እዩ። ሎሚ ክርስቶስ ካባና ፍቅርን ሓልዮትን ፀሚኡ ኣሎ! ፀሚኡኒ ዝብል ማይ ንክሰቲ እንተይኾነስ፣ ብዝሙትን ሕሾትን፣ ብጓይላን ስኻርን፣ ብፅልእን ፖለቲካን ንዝጠፍአት ነፍስና ናፊቑ ፀሚእዎ ኣሎ።

2⃣ #ሸዋላሎ:- እዚ ትውፊት ኣብ #ትግራይ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓሙስ ጽግቦ #ድግሪ_ስግደት ዝግበር ፀዋታ ኣዋልድ እንትኸውን፣ ኣይሁድ ንክርስቶስ ብገመድ ኣሲሮም ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት፣ ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት፣ ካብ ጎኒ ናብ ጎኒ #ሸው እናበሉን እናደፍኡ የወድቅዎን የንገላትዕዎን ከምዝነበሩ ዘረድእ ትውፊታዊ ተግባር ምኳኑ ሊቃውንቲ ይገልፁ! ነገር ግን ኣዋልድ ስግደትን ጸሎትን ገዲፈን፣ ሕማሙ እናሓሰባ ከም ማርያም እንተ ዕፍረት ኣብ እግሩ ወዲቐን ከክንዲ ዝበኽያ፣ ኣብ ሰሓቕን ጸዋታን ሸውላሎ ምውዓል ኣግባብ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ።
📌
©Binyam ZeChristos ሚያዝያ 23 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://vm.tiktok.com/ZMMsd7K17/

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ሠሉስ ✝
ሠሉስ ማለት ሠለስተ - 3ይቲ መዓልቲ ኾይና፣ በዛ ዕለት ድማ 2 መሠረታዊ ታሪኻት ንዝክር።
1⃣ #መዓልት_ትምህርቲ:- ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታና ክርስቶስ ንብዙሕ ህዝቢ ከምዘምሀረ፣ ኣጋንንቲ ከምዘውፀአ፣ ሕሙማን ከምዝፈወሰ፣ ግብሪ ምኽፋል ከምዝግባእ፣ ትንሳኤ ሙታን ከምዘሎ፣ ‹ወዲ ዳዊት› ዝተባህለ ባዕሉ ምዃኑ፣ ዘምሀረሉ ዝመሃረሉን ዕለት እዩሞ መዓልቲ ት/ቲ እያ (ማቴ 21፡8) ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቃልኻ ንዝረሓቐት ነፍሰይ ምሃራ። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ቃልኻ፣ ብሓጢኣት ንዝሞተ ልበይ ዳግም ፍጠሮ።

2⃣ #መዓልቲ_ሕቶን_መልስን:- ብትምህርቲ ክርስቶስ ሕሱም ኾርዮምን ተቐይሞም ስለዝነበሩ ኣይሁድ ፣ «በየናይ ሥልጣን ኢኻ እዚ ትገብር ዘለኻ? እዚ ሥልጣን እዝስ መን ሃበካ» ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ 21:23) ጎይታና ክርስቶስ ድማ ብኽፍኣት ከምዝመፁ ፈሊጡ «ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም:: ነዚኣ እንተነጊርኹምኒ ኣነ ድማ በየናይ ሥልጣን እዚ ከምዝገብር ክነግረኩም እየ:: ጥምቀት ዮሐንስ ካበይ እያ? ካብ ሰማይ ዶ ወይስ ካብ ሰብ» ኢሉ ሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም:: ንሳቶም ግና ነዚ ናይ ጎይታ ሕቶ ክምልሱ አይደፈሩን::

✝ ምኽንያቱ "ጥምቀት ዮሐንስ ካብ ሰማይ እያ ነይራ (ሓቀኛ እያ ነይራ)" እንተይሎም «ንምንታይ ደኣ ዘይተቐበልክምዎ? ንምንታይኸ ኽሳዱ ቖሪፅኩም ቐተልኹምዎ?» ኢሉ ክሓቶም እዩ:: "ካብ ሰብ እያ (ናይ ሓሶት እያ)" እንተይሎሞ ድማ እቲ ህዝቢ ንዮሐንስ መጥምቅ የኽብሮ ስለዝነበረ ከምዚ ክብሉ እውን ኣይከኣሉን:: ስለዚ "መልሱ ኣይንፈልጥን" በልዎ:: ጎይታና ክርስቶስ እውን መሊሱ «ኣነ እውን በየናይ ሥልጣን ከምዚ ከምዝገብር አይነግረኩምን» በሎም (ማቴ 21:23-27) ሥልጣን ኹሉ ናይኻ ዝኾነ ኦ ጎይታይ ክርስቶስ! ንስኻ ንኹሉ ትእዝዝ፣ ንስኻ ንኹሉ ትገብር ኢኻሞ ድኽምቲ ህይወተይ ኣብቲ ሓያል ቕልፅምኻ ኣማዕቑባ‼️
©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 21 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ሰኑይ ‼️
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ - ቀዳም ዘለዋ መዓልትታት ነናይ ባዕለን ስያመን ትርጉምን ዘለወን እየን። ሰኑይ ማለት ሰነየ - ክልተ ገበረ ማለት ኮይና ፣ 2ይቲ መዓልቲ ማለት እያ። ትርጉማ ድማ
1⃣ #ጎይታ_ንበለስ_ዝረገመላ_መዓልቲ:-
ክርስቶስ ድሕሪ በዓለ ሆሳዕና ንጽባሒቱ ንግሆ ሰኑይ ዳግም ናብ ኢየሩሳሌም ክምለስ ከሎ ጠመየ እሞ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ረኣየ። ቆጽሊ እምበር ፍረ ስለዘይረኸበላ ድማ ”ንሓዋሩ ካባኺ #ፍረ_ኣይረኸብ” ኢሉ ረገማ፣ እታ በለስ ከዓ ነቐጸት (ማቴ21፡18-21)።

✅ማቴዎስ ብወንጌሉ "ብዛዕባ ምንቃጽ ናይታ በለስ" ክዛረብ ከሎ እታ መዓልቲ #ሰኑይ ከምዝኾነት እንትነግረና፣ ማርቆስ ግና #ሠሉስ ከም ዝኾነ ይገልጽ። እዚ ከመይ እዩ እንተበልና፣ ማቴዎስ:- እታ በለስ ሰኑይ ተረጊማ ምንቃጽ ስለ ዝጀመረት #ሰኑይ እንትብል (ማቴ 21፡19) ማርቆስ ድማ: ጎይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሠሉስ ንግሆ በቲ መንገዲ ክምለሱ ከለዉ ካብ ሱራ ነቒጻ ስለ ዝረኣይዋ ሰሉስ ከምዝነቐጸት ገይሩ ጽሓፈ። ምኽንያቱ ዑደት ሆሳዕና ሰንበት (እሑድ) ስለ ዝነበረ እዩ (ዮሓ12፡1-3)።

✅ማርቆስ ወንጌላዊ፣ እታ በለስ ንምንታይ ነቒፃን ብዘይ ፍረ ከም ዝተረኸበትን እንትነግረና “እስመ ኢኮነ ግዜሁ ለበለስ - በለስ ዝፈርየሉ ጊዜ ስለዘይነበረ" ብምባል ይገልፀልና። (ማር11፡13) ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ “እስመ መዋዕለ ክረምት ውእቱ - ጊዜኡ ክረምቲ ስለዝነበረ እዩ" ይብል። (መጽሓፈ ግብረ ሕማማት) እታ በለስ ፍረ እተፍርየሉ ጊዜ ተዘይኮይኑ ደኣ፣ ንምንታይ ጎይታ ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ? ኣቐዲሙ ስለዘይፈልጥ ድዩ? ወይስ ምኽንያት ነይሩዎ? እንተይልና፣ ሊቃውንቲ 3 ምኽንያት የቕርቡ።

✝1.1) #ስጋ_ምውሃዱ_ንምግላፅ:-
ኢየሱስ ኹሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ጥራይ እንተይኮነስ፣ "ሕቡእ ዘይፈልጥ ናይ ስጋ ባህርይ ከምዝተዋሃደ" ከምህር ኡሉ እምበር፣ ንሱ ኣቐዲሙ ንነገራት ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይነበረን። [ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው 75፡3፣ 79፡32)

✝1.2) #በለስ_ናይ_እስራኤል_ምሳሌ_እያ
ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኦም በለስ ናይ ቤት እስራኤል ምሳሌ ምዃኑ ይዝከር። (ኢሳ 5፡1-7 ፣ ሉቃ 13፡6-9) ስለዚ ድማ እታ ደሪቓ ዝተረኸበት በለስ ናይ እስራኤላውያን ምሳሌ እንትኸውን፣ በዚ ድማ ጎይታ ክርስቶስ ካብታ በለስ ፍረ ክረኽበላ ከምዝኸደ፣ ካብ አይሁድ እውን ናይ እምነትን ግብርን ፍረ ደልዩ ከምዝኸደን ካብ ናይ እምነትን ምግባርን ፍረ ደሪቖም ከምዝተረኸቡን ዘረድእ መልእኽቲ እዩ።

✝1.3) #በለስ_ናይ_ሓጢኣት_ምሳሌ_እያ:-
ጎይታ ብስጋ ማርያም ናብዛ ዓለም ቅድሚ ምምፅኡ፣ ሓጢኣት ኣብዚ ዓለም ሰልጢና ረኣያ። ፍረ በለስ ክትበልዖ ንግዚኡ ጥዑም ኾይኑ፣ ድሓር ግና መሪር ከምዝኾነ ኹሉ፣ ሓጢኣት እውን ንግዚኡ ክትፍጽሞ ደስ ዝብል፣ ኣብ መወዳእታ ግና ዘጣዕስን ዋግኡ እውን ምረረ ገሃነምን እዩ። ጎይታ ስጋና ተዋሒዱ ናብ ምድሪ ምስመፀ ግን፣ ኣብ ልዕልና ሰልጢኖም ዝነበሩ ሓይልታት ሓጢኣትን ኣጋንንትን ስዒሩ ፣ ዝተገፈፈ ፀጋና እውን መሊሱልና እዩ። በዚ አንጻር ጎይታ ካብታ በለስ ፍረ ደልዩ ከም ዘይረኸበላን ደጊም ንዘለኣለም ፍረ ኣይረኸብኺ ከምዝበላን፣ ከምኡ ንሓጢኣት እውን ንዘለዓለም ኣብ ባህርይ ሥልጣን ንከይህልዋ ገይሩ ከም ዝረገማ ንምርዳእ ናብታ በለስ ኸደ። ነዚ እዩ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወረቅ “ህየንተ በለስ ረገማ ለኃጢአት - ብመንጽር ኦም በለስ ንሓጢኣት ረገማ" ኢሉ ዝተርጎሞ።

2⃣ #ቤት_መቕደስ_ዘንጽሃላ_መዓልቲ :-
ክርስቶስ ድሕሪ ሆሳዕና ናብቲ ቤተመቅደስ እንትኣቱ ኣብ ክንዲ መስዋእትን ጸሎትን፣ ቤት ሸቐጥትን መሽረፍትን ኮይኑ ስለ ዝጸንሖ፣ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ኩሎም ሰጎጎም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግቢ እውን ገልበጠ። “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩሞ” ብምባል ድማ ገሰፆም። (ማቴ 21፡12-17፣ ማር 11፡15-19፣ ሉቃ 19፡45-48፣ ዮሓ 2፡13-22) ሐዚ ግና ናይ ክርስቶስ ቤተ መቕደስ ንሕና ኢናሞ፣ ንቤተ መቕደስ ሰብነትና ካብ ጸሎትን ምስጋናን ወፃኢ ዘርኣውነትን ኽፍኣትን፣ ሓሳባት ስጋን ዓለምን ንክነፅሪ እንምከረላ መዓልቲ እያ።

#ሠሉስ ~ #ትምህርታዊት_ዕለት ~ ክቕፅል እዩ!

©Binyam ZeChristos - ሚያዝያ 21 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝግበሩን ዘይግበሩን ነገራት

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

⁉️ #እዚኦም_ብምንታይ_ድሒኖም⁉️
1⃣ ነቲ መርዓዊ ንምቕባል ካብ ዝወፃ 10 ደናግል፣ እተን 5 ሰነፋት ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ እንተይሓዛ ክቐበልኦ ኸዳ። መርዓዊ እንትመፅእ እተን 5 ለባማት ብዘይቲ መብራህተን እንተብርሃ፣ እተን ሰነፋት ግና ዘብርሃሉ ዘይቲ ሰኣና'ሞ እቲ መርዓዊ ሓሊፉ ኣተወ። ተን ሰነፋት በሪ እንተንኳሕኮሓ "ኣይፈልጠክንን" ኢሉ ኣባረረን። 📌(ማቴ 25:1-12) እዘን ሰነፋት ደናግል ነቲ መርዓዊ /ክርስቶስ/ ይኣምንኦን ይኽተልኦን እንተነበራ፣ ግን ሰኒፈን፣ ተጊሀን ኣይተፀበይኦን። እሞድኣ ናብቲ መርዓ ዘይኣተዋሉ ምክንያት ብእምነት ጉድለት ወይስ ብምግባር ጉድለት?

2⃣ ካብቶም በቢጸግኦም መክሊት ዝተውሃቦም 3 መገልገልቲ፣ እቶም ክልተ ዝተውሃቦም መክሊት 5ን 2ን ዝነበሮም ኣትሪፎም እንትምልሱሉ፣ እቲ ሓደ ሃካይ መገልገሊ ግና እንተይነገደን እንተይኣትረፈን ቐቢሩዎ ፀንሐ። እቲ ጎይታ ድማ ናብ ጸልማት ደርበዮ። 📌(ማቴ 25:14-30) እሞ ደኣ እቲ ናብ ጸልማት ዝተደርበየ ሃካይ መገልገሊ እምነት ስለዘይነበሮ ዶ ምግባር ስለዘይነበሮ እዩ ናብ ጸልማት ዝተደርበየ?

3⃣ ጎይታ ኣብ ምጽኣቱ ንፍርዲ እንትመፅእ ንአባጊዕ(ቅዱሳን) ብየማኑ፣ ንአጣሊ (ኃጥአን) ብጸጋሙ ከምዘቑሞም፣ ነቶም ቅዱሳን ድማ "ጠምየ ኣብሊዕኹሙኒ፣ ፀሚአ አስቲኹምኑ... ኢኹም እሞ መንግስትን ውረሱ" በሎም። ነቶም ኃጥኣን ድማ "ጠምየ ኣየብላዕኹምንን፣ ፀሚአ ኣየስተኹምንን ... ኢኹም እሞ ካባይ ረሓቑ" ይብሎም። 📌(ማቴ 25:32-46) እቶም ኃጥኣን "እምነት ኣይነበረኩምን" ተባሂሎም ድዩ ወይስ "ምግባር ስለዘይነበሮም" እዩ ናብ ሓዊ ዝተደርበዩ? ጻድቃን ኸ መንግሥቱ ዝወረሱ ብእምነት ወይስ ብምግባር?
📌«ሰብ #ብግብሪ_ኸም_ዝጸድቕ ትርእዩ አሎኹም» (ያዕ 2:24)
©Binyam ZeChrist   መጋቢት 23 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ሰብ_ብምንታይ_ይድሕን?‼️
እዚ ኣብ ትምህርቲ ነገረ ድኅነት ዝለዓል መሠረታዊ ሕቶ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ መልስና ድማ «ሰብ ዝድሕን ብጸግኡ፣ ብእምነት፣ ብምሥጢራተ ቤ/ክ፣ ብክርስቲያናዊ ምግባራትን እዩ» ዝብል ይኸውን። ብሓፂሩ ብመርትዖ እንትነቕምጦ ድማ:-

📌ድሕነት = ጸጋ + እምነት + ምሥጢራት + ምግባራት

1⃣ ብጸግኡን ብሓይሉን
📌1 ቆሮንቶስ 15:10፤ « እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፣ #ብጸጋ_እግዚአብሔር እየ ኾይነዮ ዘለኹ »
📌ኤፌሶን 1:7:- « ከምቲ #ሃብቲ_ጸግኡ ድማ ሥርየት ሓጢኣት ረኸብና »

2⃣ ብእምነት
📌ዮሐንስ 3:36:- «ብወዲ #ዝኣምን ናይ #ዘለኣለም_ህይወት ኣላቶ።»
📌 ግብሪ 16:30:- «ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ #እመን፣ ንስኻን ድራኻን ድማ #ክትድሕኑ ኢኹም»

3⃣ ብምሥጢራት
📌1 ጴጥሮስ 3:21:- «እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ ማለት #ጥምቀት_የድሕነኩም አሎ»
📌ዮሐንስ 6:54:- « ስጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ናይ #ዘለኣለም_ህይወት ኣላቶ። »
📌ግብሪ 11:18:- « እምብኣርስ ኣምላኽ ንኣህዛብ ድማ #ንህይወት_ዝኸውን_ንስሓ ሂብዎም »

4⃣ ብክርስቶሳዊ ምግባራት
📌 ዮሐ 5:28-29:- « ሰናይ #ዝገበረ ናብ #ትንሳኤ_ህይወት፣ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም። »
📌 ያዕ 2:24:- « ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኮነ #ብግብሪ _ከም_ዝጸድቕ ትርእዩ አሎኹም።
©Binyam ZeChristos  መጋቢት 19 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

<<ገብርኄር>> .... #ክርስቲያን_በስራው_አይድንምን?
የተሐድሶ መናፍቃን "መዳን በእምነት ብቻ እንጂ በስራ አይገኝም" ሲሉ እንሰማለን:: የሚገምረው ደግሞ ይህ ኑፋቄያቸው "ኦርቶዶክሳዊ አስተምህሮ" አስመስለው ማስተማራቸው ነው! ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ግን አንድ ክርስቲያን መልካም ስራን በመስራት መንግስቱን እንደሚወርስ መልካም ስራ የሌለው ደግሞ መንግስቱን እንደማይወርስ አስረግጣ ታስተምራለች:: ነገረ ድኅነት በጥንት አበው ሊቃውንት እንሆ!

......... ክርስቲያን በስራው ይጸድቃል/ይድናል? .........

1)"ሕይወት የሚሰጠው ማየ ጥምቀት የገሃነምን እሳት እንደሚያጠፋው ሁሉ፤ በምጽዋት እና #በጽድቅ_ስራዎች_የኃጢአት_እሳት_ያጠፋል ... መንፈሳዊ ተጋድሎና መልካም ነገር በማድረግ ጽሙዳን መሆን የእግዚአብሔር ምሕረት(ድኅነት) በኛ ላይ እንዲመጣ ያደርገዋል" (ሰማዕቱ ቅ.ቆጵርያኖስ "On Works and Alms" ቁጥር 2)

2)"በመልካም ምግባር ፣በተጋድሎና በትኅርምት የሚኖር ሰው የክብርን አክሊል በእርግጠኝነት(ድኅነት) ያገኝ ዘንድ ሞትን ይናፍቀዋል" (ቅ.ዮሐ አፈወርቅ Homilies on the statues 6:7-8)

3)"በአግባቡ ከተጠቀመበት፤ #ሰው_በገንዘቡ_ሊጸድቅ_ይችላል:: ጌታችን <ተርቤ አብልታችሁኛል> የሚለው ይህ በገንዘብ የሚፈጸም ተግባር መሆኑ ግልጽ አይደለምን? ስለዚህ ገንዘብ በአግባቡ ከተጠቀሙበት #የመንግስተ_ሰማያት_በር ሊሆን እንደሚችል አታስተውልምን? " (ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም ትምህርት 8:6)

4)"ብቻ አንተ በርታ! መስራት ያለብህን ስራ በርትተህ ተጋደል ! ለእግዚብሔር ብልህ #ከምታደርጋቸው_መልካም_ነገሮች አንዳቸው እንኳ እንዲሁ አይጠፉብህም! #ያለ_ዋጋ_አይቀሩብህም! ዝማሬህ ይመዘገባል፣ እያንዳንዱ ምጽዋትህ፣ እያንዳንዱ ጾምህ ይመዘገባል" (ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም On the Clause, and shall come in Glory to judge the Quick and the dead 15:23)

5)"በቀኙ መቆም ትችል ዘንድና ሰማያዊ መንግስትን ትወርስ ዘንድ (ትድን ዘንድ) #በመልካም_ስራ_የበረታህ_የተጋህ ሁን" (ቅ.ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም On the Clause, and shall come in Glory to judge the Quick and the dead ትምህርት 15:33)

6)"ዝምታ ሃይምኖትን ትጠብቃለች፤ #ምግባርም_ወደ_ሰማያት_ታወጣለች/ታድናለች/ " (ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝማሬ ዘምኩራብ)

..... እምነት እንጂ ስራ የሌለው ክርስቲያን ይድናልን? ....

1)"ራስህን ለመልካም ስራና ለተጋድሎ ሰነፍና ደካማ አታድርግ:: ለክርስቲያናዊ ስራና ለተጋድሎ ሰነፍ የሆነ ሰው #ከእምነት_ብኋላም (ቢያምንም)እንኳ #ሊድን_አይችልም!" (ቅ.ዮሐንስ አፈወርቅ Homilies on the epistle to the Romans ክፍል 13)

2)"እግዚአብሔር ፍሩድን የሚሰጠው መልካም ስራ በሚያደርጉት ሰዎች ነው ... መልካም ስራ ያላደረጉ ኃጥአን ግን ቁጥራቸው ብዙ መሆኑ አንዳቸው ሌላቸውን ሊረዳቸውና ሊያድናቸው አልቻለም ... #መልካም_ስራ ባለማድረጋቸው #ተፈረደባቸው ተቀጡ እንጂ" (ቅ.ዮሐ አፈወርቅ Homilies on the statues 6:15)

3)"እሳቱን የምናመልጠው እንዴት አድርገን ነው? ወደ #መንግስተ_ሰማያት_የምንገባውስ_እንዴት ነው? የሚሉ ይኖራሉ:: ጌታ ራሱ <ተርቤ አብልታችሁኛል፣ ተጠምቼ አጠጥታችሁኛል፣ እንግዳ ሁኜ ተቀብላችሁኛል... > አለ:: #እነዚህን_ነገሮች_ብታደርግ ከርሱ ጋር አብረህ #ትነግሳለህ(ትድናለህ)። #እነዚህ_ካላረግህ_ደግሞ_ትኮነናለህ" (ቅ.ቄርሎስ ክፍል On the Clause, and shall come in Glory to judge the Quick and the dead... 15:26)

....መዳናችን በጸጋ ብቻ ወይስ የኛም አስተዋጽኦ አለበት? ...

1)"... መዳናችን #ከርሱ_ፍቅር_ብቻ_አይደለም ከኛ መልካም ምግባርና የተጋድሎ ሕይወትም ነው እንጂ! ከርሱ ፍቅር ብቻ የተገኘ ቢሆን ኖሮ ሁሉም ሰው መዳን ነበረበት ያሰኛል:: እንዲሁም ደግሞ ከኛ የመልካም ምግባርና ተጋድሎ ብቻ የተገኘ ቢሆን ኖሮ የእርሱ መምጣትና ሰው ሆኖ ያደረገው ነገር ሁሉ አላስፈላጊ በሆን ነበር ... ሆኖም ግን መዳናችን የርሱ ፍቅር ብቻ ውጤት፤ የኛ መልካም ምግባርም ውጤትም አይደለም! #የሁለቱም_ተዋሕዶ_ውጤት_እንጂ" (ቅ.ዮሐ አፈወርቅ Homilis on the epistlof ephesians ክፍል 1)

2)"የዘላለም ሕይወትን(መዳን) የምናገኝበትን መንገዶች ቅዱሳት መጻሕፍት ያሳዩናል:: አንድ ጊዜ ሕይወት የሚገኘው በእምነት መሆኑን ይነግሩናል(ዮሐ3:16 5:24) … እንደ ገናም ክርስቶስን ከዘመድና ከሃብት ንብረት በላይ በመውደድና በመምረጥ እንደሆነ ሲነግሩን(ማቴ19:29) በተጨማሪም #ትእዛዛቱንና_ሕግጋቱን_በመጠበቅ_መሆኑን ደግሞ ይነግሩናል(ማቴ19:16-18)... " (ቅ.ቄርሎስ On the Holy Catholic Church and in the Resurrection of the flesh and the life everlasting ክፍል18:33)

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰብ_ብኸመይ_ይጸድቕ? ✝
1⃣ ሰብ በክርስቶስ ንመጀመርያ ጊዜ ብክርስቶስ ክኣምን እንተሎ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቑፀረሉ። ጽድቂ ይጅምር፣ ይጸድቕ! እዚ ጽድቂ እንተይኣመንኻ ብምግባር ፍፁም ኣይርከብን።
📌 «አብርሃም ብስርሑ ጸዲቑ እንተዝኸውን ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሓንቲ እኳ የብሉን። ነገር ግን አብርሃም ብእግዚአብሔር #አመነ። ጽድቂ ኾይኑ ድማ #ተቖፀረሉ» (ሮሜ 4:2-3 ፣ ገላ 3:6)
📌 «እምበኣር #ብእምነት_ካብ_ጸደቕና ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚአብሔር ሰላም ኣለና።» (ሮሜ 5:1)
📌 «እቲ ኹሉ ብሙሴ ሕጊ ክጸድቕ ዘይተኽኣሎ፣ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ» (ግብሪ 13:39)

2⃣ ሰብ ምስ ኣመነን እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ምስተቖፀረሉን ድማ ብተግባር ዝፍፀም ፅድቂ ክህልዎ ይግባእ። በዚ ብመንፈሳዊ ምግባሩ ድማ ጽድቂ ይረክብ ይጸድቕ።
📌 «ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሐቅ ኣብ መሰውኢ ምስኣቕረቦ #ብተግባሩ ዶ ኣይኮነን #ዝፀደቐ?» (ያዕ 2:22)
📌«ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ #ብተግባር_እውን_ከምዝፀድቕ ትሪኦ ዶ ኣለኹም»  (ያዕ 2:24)
📌 «#እትፀድቕ_ብቃልኻ፣ እትኹነን ብቃልኻ ኢኻ'ሞ ሰባት ብዝዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኹሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ክጥየቕሉ እዮም » (ማቴ 12:36)
📌 «ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር #ገበርቲ_ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም #ዝፀድቁ_እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቑ » (ሮሜ 2:23)
©Binyam ZeChristos  መጋቢት 13/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ቡቊልቲ_ብሰናፍጨ‼️
⚡️ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ናይ ክርስቶስ ዳግም ምምጻእ (ምጸአተ ዓለም) ብጥልቀት እትሰበኸለን 3 ጊዜያት #ጳጉሜን፣ #ደብረዘይት፣ ዘመነ አስተምህሮ/ታሕሳስ እየን። ስለዚ ኣብ በዓለ ደብረዘይት ጎይታ ከምዝመፅእ፣ ዓለም እውን ከምትጠፍእን ከምትሓልፍን፣ ዓለም ካብዝፍጠር ጀሚሩ ዝሞቱ ሰባት ኹሎም ከም ዝትስኡ እንዝክረሉ ዕለት፣ ብፍሉይ መልክዑ ድማ #ቡቊልቲ_ብሰናፍጨ ብምብላዕ እነብዕሎ እዩ።

⚡️ብትውፊትና መሠረት ቡቊልቲ ናይ ተስፋን ናይ ትንሳኤን ምልክት። እቲ ጥረ ዝነበረ ቡቊልቲ ኣብ ማይ ተኣዚኹ፣ ርሒሱን በስቢሱን  ብደረቑ ኣይወፅእን። እኳ ድኣስ ቦቒሉ ጠጢዑ ይወፅእ! እዚ ድማ ናይ ክርስቶስን ናትናን ምሳሌ እዩ። እቲ ቡቁልቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ፀኒሑ ኣብ 3ይ መዓልቲ ከምዝበቁል፣ ክርስቶስ እውን ኣብ ውሽጢ መቓብር 3 መዓልቲ ፀኒሑ ከምዝተሰአ ምሳሌ እዩ።

⚡️ንሕና እውን ከም እንስሳት ሞይትናን በስቢስናን ከምዘይንተርፍ፣ ክርስቶስ ዳግም እንትመፅእ ድማ ስጋና ከም ሃዱሽ ስጋ ኾይኑ ካብ መቓብር ከምዝወፅእ ንምግላፅ ቡቁልቲ ነዳሉ። ናይ ምፅኣት ምልክታት ግና ዘፍርሑን ዘጨነቑን ምኻኖም ንምግላፅ ድማ እቲ ብአፍንጫኻ በለል ዝብል መቃፀሊ #ሰናፍጨ ድማ ብምውሳኽ ከምዝብላዕ ሊቃውንቲ ኣቦታት ይናገሩ።

ተወሰኽቲ ጽሑፋት ብቴሌግራም ቻናል የንብቡ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos    መጋቢት 10 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❤️ #ዕረፍቱ_ለገብረ_መንፈስቅዱስ  - መጋቢት 5 ❤️
(ነዚኣ ንምንባብ እውን'ኮ ንህከ ንኸውን?)

✅ ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ግብጺ ክኸውን እንከሎ፡ ኣቡኦም ስምኦን ኣዲኦም ኣቅሌስያ ይበሃሉ። ን30 ዓመታት ዝኣክል ውላድ ብምስኣን ንእግዚኣብሄር ለሚኖም ዝረኸብዎ ውላድ እዩ። መጋቢት ዕለት 29 ሰንበት መዓልቲ ብ 852 ዓ.ም. ተጸኒሶም፣ ታሕሳስ ዕለት 29 ብ 853 ዓ.ም. ተወለዱ። ዕለት ልደቶም ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ እዩ ነይሩ! ደሓር ግን ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሁራን "ማዕረ ኣምላኹ ክኸውን ስለ ዘይግባእ" ታሕሳስ ዕለት 30 ንክኽበር ጌሮም። ክውለዱ እንከለው ስሞም “ኒኮላዎስ” ወይ "ኮቤዝ" እዩ ነይሩ። ምስ ተወልዱ ኣብ መበል 3ይ መዓልቶም “ስብሐት ለአብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ” ኢሎም ኣመስገኑ። ኣባ ገብረመንፈስ ቅዱስ ፍልይ ዘብሎም፣ ገብርኤል ካብ ሕቑፎ ኣዲኦም ወሲዱ ኣብ በረኻ ስለዘቐመጦም፣ ክዳን ኣይተኸድኑን፡ ምድራዊ መግቢ ኣይተመገቡን፡ ናይ ኣዲኦም ጡብ ኣይጠበውን፡ ኣብ መሬት ኣይተቐብሩን። ✅

✝ ኣብ ግብፂ ገዳመ ንሂሳ ብብሕትውና፣ ን300 ዓመታት ምስ ጸንሑ ናብ ሃገርና ኢትዮጵያን ኤርትራን (ከባቢ ላሊበላ ሮሃ) መፁ። እግዚአብሔር 60 ኣናብስት፡ 60 ኣናብርት ልክዕ ከም 120 ቤተሰብ ኮይኖም ከም ዘገልግልዎም ከምዝስዕብዎም ጌሩ ሃቦም። «ነዚኣቶም ኩላቶም እንታይ ድኣ ክቕልቦም እየ?» እንትብሉ: ጐይታ «ንስኩም ዝረገጽኩሞ መሬት ይልሓሱ» ኢሉ ነገሮም። በዚ መሰረት ንሶም ዝረገጽዎ እናለሓሱ ምስኦም ሓቢሮም እናሰዓብዎ ይነብሩ ነበሩ። ካብ ላሊበላ ድማ ናብ ጎቦ ምድረ ከብድ (ሐዚ ኦሮሚያ፣ ደብረዘይት) ናብ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ፣ ን100 ዓመታት ኣብቲ ጎቦ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ፣ ጾሙን ጸሎቱን ቀጸሉ። ጎይታ መጺኡ "ተንስኡ ካብዚ ቀላይ ውጹ" እንትብሎም እውን "ንህዝቢ ኢትዮጵያ እሞ መሓረለይ ክወጽእ" በሉ። ጎይታ «ብናትኩም ልማኖ ብናተይ ኣምላኽነት ኣሚኑ ብስምኩም ንቤተክርስትያን ዕጣን፡ ሽምዓ፡ መባእ ዝሃበ ክምሕረልኩም እየ» በሎም። ሽዑ ንሶም ጥሪ ዕለት 5 ካብቲ ቀላይ ወፁ። በዚ ድማ እቲ ቦታ "ዝ ቀላይ -እቲ ቓላይ" ካብ ዝብል ቃል፣ #ዝቋላ ተብሃለ።✝

❇️ ድሕሪኡ እውን ን100 ዓመታት፣ 1000 ዝኾኑ ልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንቲ (አስማተኛታት) ብኲናት እንትዋግእዎም ንሶም ድማ ብናይ ጸሎት መብረቕ የባርርዎም ነበሩ። ናይ መብረቅ ጸጋ ዝተውሃቦም፣ ካብ ሰባት ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ካብ መላእክቲ ድማ ቅ/ገብርኤል እዩ። ሓደ ጊዜ ኣቦና ኣብ ጸሎት እናሃለዉ፣ ሰይጣን ማይ ከምዝፀምኦ ርግቢ ተመሲሉ እንትቐርቦም ኣዕይንቶም ቋሕ ኣቢሎም እንትጥምቱ ዓይኖም ኣውጺኣ ሰተየታ። ድንግል ማርያም ግና ብርሃናዊት ዓይኒ ኣምጺኣ ተከኣትሎም። እዚ ዝኾነሉ ሓምለ ዕለት 5 እዩ። ሓደ ጊዜ ድማ 3 ባሕታውያን [ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፣ ኣቡነ ኣንበስ ዘሀዘሎ፣ ኣባ ብንያም ዘምድረ ግብጽ] ኣብ ኣናብስ ተጻዒኖም መጺኦም ናብ ገብረ መንፈስቅዱስ ዝቋላ ምስ በጽሑ ነቶም ኣናብሶም ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ኣናብስ በልዕዎም። ነዚ ዝሰምዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መፍርህ ብዝኾነ ግርማ ካብ በዓቶም ብኢዶም የጣቕዑሚ ነቶም 60 ኣናብሶም ፀውዑ። «ርጋፀይ ክትልሕሱ እምበር ንካልኦት ኣናብስ ንክትበልዑ ኣይተኣዘዝኩምንሞ ትፍእዎም» በሉዎም። እዚ ዝተገብረ ጥቅምቲ ዕለት 5 እዩ።

ድሕሪ እዚ ቅዱስ ኣቦና ን60 ዓመታት ዝኣክል እናተዘዋወሩ ወንጌል እናሰበኹ ብምፅናሕ ኣብ መበል 562 ዕድሚኦም ብ 1415 ዓ.ም መጋቢት ዕለት 5 ነፍሶም ካብ ስግኦም ተፈልየት። 12 መልእኽቲ ድማ መጺኦም ንስኦም ሓጺቦም፣ ገኒዞም፣ ተሰኪሞም ናብ ገነት ኣእተውዎም! ስለዚ ጥቅምት 5 - ቃል ኪዳን ዝተቐበሉሉ፣ መጋቢት 5ን ድማ ዝዓረፉሉ ብድምቀት ነኽብር። ❇️
❌ ብስም ቅዱስ ኣቦና ዝግበር ፍሰስ ተፋሰስ፣ ብፍላይ ድማ ዘይመጠንኻ ሰቲኻን ሰኺርካን ምርካስ እውን ክነውግዞ ይግባእ❌

©Binyam ZeChristos  መጋቢት 5 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ « ... #ብልጫ_ክርስትና ... » ✝
1⃣ አብ ዓለም ንፈለማ ጊዜ ፈርዲናንድ ማጅላን ንዓለም ብመርከብ ዘይሩዋ:: ንወንጌል ክብል ከም ሐዋርያት መርከቦም ሓዲጎም ንዓለም ዝዘሩ ግን የለውን። (ማቴ 28:19)

2⃣ «ሎሚ ይዘንብ ጽባሕ ይዘንብ» ኢሎም ዝናገሩ ሜትሮሎጂስታት አለው:: ከም ኤልያስ ግና ዝናብ ከይዘንብ ሰማይ ዝዓፀወ፣ ዳግም ንኽዘንብ ድማ ሰማይ ዝኸፈተ ግና ፍፁም የለን። (ያዕ 5:17)

3⃣ ብላብራቶሪ ፈቲኑ፣ ብኤክስሬይ ግሊፁ ብአልትራሳውንድ ሪኡ ንሕሙማን ዝፍውስ ሓኪም መሊኡ እዩ:: ከም ጴጥሮስ በጽላሎቱ ድዉያን ዘድሐነ ግን ፍጹም አይርከብን:: (ግብሪ ሓዋ 5:15)

4⃣ ብደርፉን ብጓይልኡን ኣጋንንቲ ዝጽውዕ ብዙሕ ሰብ አሎ:: ነገር ግና ብናይ በገና መዝሙር አጋንንቲ አውፂኡ መንፈስ ዝሕድስ ከም ዳዊት ዝበለ የለን:: (1ሳሙ 16:23)

5⃣ ብብዙሕ ሽሕ ቕርሺ ብዝዕደግ ኽባር ኽዳን ዝኽደን ሰም ብዙሕ እዩ:: ነገር ግን ብቑራፅ ጫፍ ኽዳኑ ኣጋንንቲ ከውፅእ ዝኽእል ከም ጳውሎስ ዝበለ የለን:: (ግብሪ ሓዋ 19:11)

6⃣ ናይ ነገስታት ኾነ ናይ ሃፋትም አዕፅምቶም በስቢሱን ጨይኑን አብ መቓብር ይቕመጥ። ብዝሞተ ዓጽሙ ንኻሊእ ዝሞተ ሰብ ካብ መቃብር ዘተስእ ከም ነቢይ ኤልሳዕ ዝበለ ግን አይረአናን:: (2ነገ 13:21)

7⃣ አብ ዓለም ናይ ብዙሓት ሃገራት ምስጢር ዝስልሉ ሰለልቲ ድርጅታት አለው:: ከም ኤልሳዕ ግን አብ እስራኤል ኾይኑ አብ ሶርያ ዝግበር ነገር ኹሉ ዝስልልን ዝፈልጥን አይተረኽበን:: (2ነገ 6:11)

8⃣ ንፈለማ እዋን ንወርሒ ብእግሩ ዝረገፀ ዩሪ ጋጋሪ ብዙሓት አድኒቖሞ:: ፀሓይ ደው ኣቢሉ፣ ንወርሒ ኣዚዙ ንለይቲ ናብ ቐትሪ ዝቐየረ ከም ኢያሱ ዝበለ ግን ኣይመፀን:: (ኢያ 10:12)

9⃣ አብ ዓለም ዘለዉ ናይ ቋንቋ ምሁራን ተገደደ 10 ወይ 20 ቋንቋታት ክፈልጡ ይኽእሉ:: ከም ሓዋርያት 72 ቋንቋ እናተዛረቡ ወንጌል ዝምስክሩ ግና የለውን። (ግብሪ ሓዋ 2:4)

🔟 ዓበይቲ መራሕቲ ዓድን ፍሉጣት ተመራመርትን ዝወለዳ ኣዴታት አለዋ:: ናይ ንጉሳት ንጉስ ንዝኾነ ክርስቶስ ዝወለደት ግና ሓንትን ሓንትን አዴና ማርያም ጥራሕ እያ:: (ሉቃ 1:31)

1⃣1⃣ ኣንስቲ ዓለም ክሳብ ዝወልዳ ድንግል ኾይነን ክፀንሓ ይኽእላ:: ቕድሚ ምውላዳን ድሕሪ ምውላዳን ድንግል ዝኾነት ግና ከም እምበይተና ዝበለት ፍፁም አይትርከብን:: (ሕዝ 44:1፣ ሉቃ 1:35)

1⃣2⃣ ብክንፊ ኣየርን መንኮራኹርን ተጠቒሞም ንሰማይ ዝወፁ ብዘሓት እዮም፣ ብአክናፍ ጸጋ ሰማይ ኸይዶም መንበረ ሥላሴ ከንዝዓጠና ከም አቡነ ተክለሃይማኖት ዝበሉ ግን የለውን።

1⃣3⃣ ንብዙሕ ዘመን ኣላሚዶም ምስ አራዊት ዘገዳም ዝቀራረቡ ሰባት ይህልዉ፣ አናብስን አናብርን ብርጋፅ እግሮም እናመገቡ ዝነበሩ ከም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝበለ ግን ካበይ ይርከብ?

1⃣4⃣ ንነዊሕ ዘመን ጽንዓት ገይሮምን እናስተኻኸሉን ዜማታት ዘሰናድኡ ኣለው። ከም ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዓመት ሙሉእ ዝዝየም ዜማ ሰተት አቢሉ ዘዜመ ግን ከቶ የለን።

1⃣5⃣ ብዙሓት ጀመርትን መራሕትን ሃይማኖት ሞይቶም አብ መቓብር ይርከቡ:: ናይ ክርስትናና ሐዋርያ ዝኾነ ጎይታ ክርስቶስ ኢየሱስ ግና ከብ ሙታን ተሲኡ ናብ ሰማይ ዓረገ:: (ዮሐ 21:14፣ ሉቃ 24:51)

©Binyam ZeChristos  የካቲት 4 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝....... #ትግራይን_አቡነ_ተክለሃይማኖትን ....... ✝
ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ ካብቶም ኣዝዮም ዝኽበሩላ ዓዲ ቐዳመይቲ እያ - #ትግራይና! መሬታ በረከቶም፣ ገረባ ጸበሎም፣ ገዳማታ መጸለዪ በዓቶም፣ ኣድባራታ መዕቖቢኦም፣ ብራናታታ እውን ገድላቶም ኾይኑ ትዝምረሎም ቅዱስ እዮም! ኣቡነ ተክለሃይማኖት!

1⃣ #ናይ_ትግራይ_ገድላት:- እስኪ ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተረኸቡ ጥንታውያን ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ ብራና ገድላት ዝተወሰኑ ብምርኣይ ምስክር ንፀውዕ።
📌1.1)#ገድሊ_ዘዋልድባ:- ብኣቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ ዳግም ዝተጣየሸ ጥንታዊ ዓብዪ ገዳም እዩ። ገዳም ዋልድባ! ናይ ኣቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ መምህር ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ እንትኾኑ፣ ናይ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ኣቦን መምህርን ድማ ብጹዕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረ ሊባኖስ እዮም:: ስለዚ ዋልድባውያን ከም ኣቦኦም አቡነ ሳሙኤል ብፍቕሪ ኣቡነ ተክለሃይምኖት ዝተቓጸሉ ስለዝነበሩ ገድሎም ጽሒፎም ኣብ ገዳሞም ኣቐሚጦሙልና እዮም:: ነገር ግን ተሰሪቑ ኣብ ፓሪስ ብሔራዊ ሙዝየም ዝርከብ ኾይኑ (NB, 136) ን600 ዓመታት ዘቑፀረ ብራና እዩ:: ኣብዚ ገድሊ:- ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብታሕሳሳ 24 ኣብ ሸዋ ከዝተወለዱን ከምዝዓበዩን፣ ከምዘምህሩን ደሓር ድማ "ፈለሰ ምድረ ትግራይ" ብምባል ናይ ትግራይ ከምዝመፁ፣ ኣብ ዳሞ ድማ "ወነሥአ በህየ ቆብዐ ወአስኬማ" ብምባል ሙሉእ ታሪኾም ክሳብ ዕረፍቶም ምስ ተኣምራቶም ይገልፅ:: ብዛዕባ ኻሊእ ተክለሃይማኖት ዝበሃል ጻድቕ ግና ኣይዛረብን::

📌1.2) #ገድሊ_ዘጉንዳጉንዶ:- ጉንዳጉንዶ ዝመስረተ መራሒ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝነበረ አባ እስጢፋኖስ (አባ ይስሐቅ ዝብል እውን ኣሎ) እዩ:: ንኣባ እስጢፋኖስ ዘምሀረ ኣባ ሳሙኤል ዘቆየጻ፣ ንኣባ ሳሙኤል ዘመንኮሱ ድማ ኣብ መድኃኒነ እግዚእ፣ ንኣብ መድኃኒ እግዚአ ድማ አቡነ ተክለሃይማኖት! ስለዚ ደቂቀ እስጢፋኖስ እውን ናይ ምንኩስና ሓረጎም ካብ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዝምዘዝ ከም ምዃኑ መጠን ፍሉይ ፍቕርን ኽብርን ከምዝህልዎም ይግመት:: ግምትና ካብ ዘረጋግፁልና መረዳእታታት ድማ እቲ ኣብ ገዳም ጉንዳጉንዶ ዝርከብ 400 ዓመታት ዝገበረ ጥንታዊ ገድሊ አባ ተክለሃይማኖት እንትኸውን ጸሓፊኡ ድማ ካብቶም ዓበይቲ ደቂቀ እስጢፋኖሳውያን ቅዱሳን ዝኾኑ ኣባ መዝገበ ሥላሴ እዮም:: እቲ ገድሊ ናይ ኣባ ተክለሃይማኖት ካብ ሸዋ ተልዒሎም ክሳብ ደብረዳሞ ኾነ ክሳብ ደብረ ሊባኖስ ከመይ ከምዝበጽሑ መንገዲ ቅድስንኦም ይትርኽ:: ብድሕሪኡ "ወነበረ አባ ዮሐኒ በደብረ ዳሞ በከዊነ መምህር" ብምባል ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረ ሊባኖስ ናይ ምንኩስና ሐረግ የቕርበልና::

📌1.3) #ገድሊ_ዘሥላሴ_ጨለቖት:- ሥላሴ ጨለቖት ካብ መቐለ ውጽእ ኢልኻ ዝርከብ ብዘመን ራእሲ ወልደ ሣላሴ "ቆት" ካብ ዝበሃል ዛፍ ዝተሃንጸ ገዳም እንትኸውን ኣብዚ ጥንታዊ ገዳም ዝተረኸበ ጥንታዊ ብራና  እውን ብተመሳሳሊ መልክዑ ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ሸዋ ልደቶም ክሳብ ናይ ደብረ ዳሞ አስኬማኦም፣ ክሳብ ናይ ደብረሊባኖስ ዕረፍቶም የዘንቱ::📌 እዚ ኹሉ ነገር ምስፈለጥኻ፣ ትግራይ ናይ ኣቡነ ተክለሃይምኖት ናይ በረኸት ዕፃኦም ምዃና ይርደአካሞ "#ይፍቱኝ_አቡነ_ተክለ" ትብል::

2⃣ #ገዳማት:- ናይ ትግራይ ገዳማት ብዛዕባ አቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ እንታይ ይብላ?
📌2.1) #ገዳም_ደብረ_ዳሞ:- ገድለ አቡነ ተክለሃይማኖት ከምዝነግረና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ደብረዳሞ 7 ዓመታት (ኣብ ትግራይ 12 ዓመታት) ተቐሚጦም እዮም:: ስለዚ ድማ ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ ኣሠር አቡነ ተክለ ንክንረክብ ተስፋ ንገብር:: ብሓብሊ ተጎቲትና ናብቲ ገዳም ምስደየብና፤ ካብቲ ቤ/ክ ብምብራቕ ገጽ ናይ አቡነ ኣረጋዊ ምስዋሮም፣ ብምዕራብ ድማ አዕጽምቲ ቅዱሳን ዝሓዘ በዓቲ ንረክብ:: ካብቲ በዓቲ ብምብራቕ ገጽ ሕልፍ እንትንብል ድማ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ይጽልዩሉ ዝነበሩ በዓቲ እንትህሉ ኣብ ውሽጡ ድማ ስቁረት (ነዃል) ዘለወን ክልተ አእባን ንታሪኽ ይርከባ:: ካብዚ በዓቲ ንምዕራብ ገጽ ድማ ኣቡነ ተክለ ቐይሕን ጸሊምን ቀለማት ይብጽብጹሉ ዝነበሩ ስቁረታት ይርከባ:: ካብዚ ላዕሊ ቤ/ክ እንትንወርድ ድማ ትሕት ኢሉ ሓንቲ ቤ/ክ ትርኢ:: ታይ ቤ/ክ እያ? ኢልካ እንተጠይቕኻ "ኣቡነ ተክለ በዚ ሓብሊ እንትወርዱ ሰይጣን ነቲ ገመድ ምስ ቖሮጾ 6 ክንፊ ተዋሂቡዎም ነፊሮም ኣብ መሬት ዝዓረፉላ ቦታ እያ፣ ብስሞም ድማ ቤ/ክ ተሰሪሑሉ" ብምባል ኽብርን ቅድስናን እቶም ናይ መበል 13 ክዘ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ የዘንትዉልኻ::

📌2.2) #ሓውዜን_ደብረ_ሐዋዝ_አቡነ_ተክለ:- እዚ ገዳም እዚ ክንዲ ኽብራ ዘይተነገረላ ብንጉሥ አብርሃን አጽበሐን ዝተሃነጸ ጥንታዊት (1600 ዓመታት) ዝገበረት፣ ካብ ሓደ እብኒ ዝተፈልፈለት ታሪኻዊት ደብሪ እንትኾን ብንጉስ አላኣሜዳ ዝመጹ ጻድቃን (ብ5ይ ክዘ) እውን ዝዓረፉላ እያ:: አቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ትግራይ 12 ዓመት እንትጸንሑ ካብ ዝተቐመጡለን አድባራትን ገድማትን ሓንቲ እንትኾን ገድሎም እውን "ወሖረ #ምድረ_ሐውዜን ወተአምኆሙ ለቅዱሳን እለ ሀለዉ ውስቴታ - ናብ ምድሪ ሓውዜን ድማ ኸደ:: ኣብኣ ንዝነበሩ ቅዱሳን እውን ሰላም በሎም" ብምባል ሓበሬታ ይህበና:: እቶም ገዳማውያን ካብቲ ቤተመቅደስ ብምብራቕ ገጽ ልዕል ኢሉ አቡነ ተክለሃይማኖት ዝጸለዩሉ በዓቲ እውን ብኢዶም የርእዩኻሞ፣  በረከቶም ክትቕበል ብተመስጦ ነቲ በዓቲ ምስላምኻ ትጅምር::

📌2.3) #ደብረ_ዓሣ_አቡነ_ዮሐኒ_ገዳም:- እዚ ቖላ ተምቤን ዝርከብ ናይ አቡነ ዮሐኒ ገዳም ኣብ ውሽጡ 3 መቕደሳት እንትህልዉዎ እቲ ሓደ 4 ሜትር ቑመት ዘለዎ መቕደስ ግና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ይቕድሱሉን የቖርቡሉን ዝነበረ ምዃኑ ካብቶም ኣቦታት እንትንገረካ "ኹላ ምድሪ ድያ ብኣቡነ ተክለሃይማኖት ተባሪኻ" ብምባል ምድናቕኻ ኣይተርፍን::

✝ #ይፍቱኝ_ኣቡነ_ተክለ ✝

©BinyamZeChristos  ጥሪ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

😭 #ዓርቢ  ~ 13 #ሕማማተ_መስቀል  ~  ፪ 😭
✝ ቤዛና ክርስቶስ ካብ ሓሙስ ምሽት 3 ሰዓት ክሳብ ዓርቢ 9 ሰዓት ዝተቐበሎ መከራን ስቓይን ብንብዓት እምበር ብናይ ሰብ ይኹን ብናይ መላእክቲ ቋንቋ ክግለፅ ዘይኽእል እንትኸውን ሊቃውንት ግና ጥቕልል ኣቢሎም ጎይታ 13 ሕማማት መስቀል ከምዝተቐበለ ብሓዘን ይገልፁ።
1⃣ #ተአስሮ_ድኅሪት(ንድሕሪት ምእሳሩ):- ከም ገበነኛን ወንጀለኛን ክልተ ማሕጎፍኡ ንድሕሪት ካሳብ ዝጣበቕ፣ ቖርበቱ እውን ብሽመል ክሳብ ዝትልተል ኣሰርዎ።
2⃣ #ተስሕቦ_በሐብል (ብገመድ ምጉታቱ):- ምእሳሮም ጥራይ እንተይኮነስ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ኾይኖም እናላገፁ እንትስሕብዎ፣ ኣእዳዊ ካብ ማእገሩ ክብተኻ ክሳብ ዝብላ የሳቕይዎ ነይሮም።
3⃣ #ወዲቅ_ውስተ_ምድር (ናብ ምድሪ ምውዳቑ):- እናጎተቱ እንትስሕብዎዎ እንትደፍእዎን ድማ ብቕድሚት ብገፁ እናወደቐ ካብ ገጹን ኣፍንጭኡን ደም ይውሕዝ፣ ስግኡ ይፎሓቕ፣ ኣዕይንቱ ደም ቋፂሮም በእንታና ተሳቐየ።

4⃣ #ተከይዶ_በእግረ_አይሁድ (በእግሪ አይሁድ ምርጋፁ):- ኣብ ልዕሊ ምውዳቑ ድማ «ናበይ ኣምሊጡ» እናበሉ እቶም ሠራዊት ምስ ኣፍራሶም ብሕቕኡን ብደረቱን እናረገፀ ደም ክሳብ ዝጎስዕ መከራ ኣብዝሑሉ።
5⃣ #ተገፍዖ_ማዕከለ_ዓምድ (ምስ ኣዕምዲ ምግጫው):- ኣብ ማእኸል ክልተ ጉንዲ ብገመድ ኣሲሮም፣ ንቕድሚት እንትስሕብዎ ብገጹ፣ ንድሕሪት እንትስሕብዎ ድማ ብርእሱ ምስ ዓምዲ ክሳብ ዝደኽሞም የላትምዎ፣ ግንባሩን ርእሱን ቆሲሉን ተሰንጢቑን ነበሩ።
6⃣ #ተጽፍዖ_መልታሕት (ብፅፍዒት ምውቅዑ):- በዚ ከይኣኸሎም ወንጀለኛ እዩ እናበሉ ድማ ካብ ገጹ ደም ቲፍቲፍ ክሳብ ዝብል ይጸፍዕዎ ነበሩ።
7⃣ #ተቀስፎ_ዘባን (ዝባኑ ብሓለንጊ ምግራፉ):- ብሕጊ ኣይሁድ ወንጀለኛ 40 ግራፋት ዝግረፍ እንተኾነ እኳ፣ ንሳቶም ግና ንጎይታ ስግኡ ተወዲኡ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝረኣይ 6666 ጊዜ ገረፍዎ።
8⃣ #ተኰርዖተ_ርእስ (ርእሱ ብዘንጊ ምኽትኻቱ):- ኣዕይንቱ እናሸፈኑ ካብ ርእሱ ደም ክሳብ ዝጭቂ ብዘንጊ ርእሱ እናኸትኸቱ «መን ከምዝወቐዕካ ንገረና» ይብልዎ የባጭውሉ ነይሮም!

9⃣ #አክሊለ_ሦክ (ኣክሊል ዕሾኽ ምድፍኡ):- ንመላእኽቲ አክሊል ብርሃን ዝዕድል ጎይታ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቖሰለ ርእሱ ድማ ክንዲ ሚስማር ዝነውሕ ናይ በረኻ ዕሾኽ ከም ኣክሊል ጎንጒኖም ናብ ርእሱ እናፀቐጡ መግለፂ ዘይብሉ ግፍዒ ፈጸሙ።
1⃣0⃣ #ፀዊረ_መስቀል (መስቀል ምሽካሙ):- ሸኽምና ክወስድ ንዝመፀ ጎይታ፣ እንግድዕኡ ክሳብ ዝትልተል ካብ ርሑስ ዕንጨይቲ ኸቢድ መስቀል ተሸኪሙ እናወደቐ እናተልዓለ ናብ ጎቦ ቀራንዮ ብስቓይ ደየበ።
1⃣1⃣ #ተቀንዎ_በቅንዎት (ብሚስማር ምችንካሩ):- ምስቲ ተሸኪምዎ ዝመፀ መስቀል ድማ ብዓበይቲ ሚስማራት ቸንከርዎ። እተን ችንካራት ድማ ሳዶር፣ አላዶር፣ ዳናት፣ አዴራ፣ ሮዳስ ይበሃላ።
1⃣2⃣ #ተሰቅሎ_በዕፅ (ኣብ መስቀል ምስቃሉ):- ምስ ቸንከርዎ ድማ ኣብ ልዕሊ መስቀል አሲሮም ሰቐልዎ።
1⃣3⃣ #ሰሪበ_ሐሞት (ሓሞት ምስታዩ):- ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰቀል እንተሎ ካብ መሪር ከርቤ (ዕጣንን) ካብ ሓሞት ሓርማዝ ዝተዳለወ መሪር መስተ አስተይዎ። ንሱ ግና እንተይወሓጠ እንትፍ ኢሉ መከርኡ ፈፂሙ #ተፈጸመ በለ።

❤️ [ነገር ግን:- እንትፍ ከምዝተብሃለሉ፣ ከምዝፀረፉዎ፣ ዕራቑ ምውፅኡን ግና ንሰብ የቖጥዑ እምበር ቃንዛ ስለዘይፈጥሩ፣ ጎኑ ምውግኡ እውን እንተኾነ ጎይታ ምስሞተ ስለዝተወግአን ስለዘየሕመሞን፣ እዚኣቶም ካብዘን 13 ሕማማት ኣይቑፀሩን።] ❤️

#ቀዳም_ሥዑር  ~ #ምሳሌን_ትርጉምን ~ ክቕፅል'ዩ

👇መንፈሳውያት ጽሑፋት ብቴሌግራም የንብቡ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ዓርቢ_ስቕለት ✝
❤️ #ሓሙስ_ለይቲ:- ምሸት 3 ሰዓት ብወታደራት ተትሒዙ #ሊቀካህናት_ቀያፋ ናብ ዘለዎ ግቢ ወሲዶም፣ "ንቤተመቅደስ ከፍርስ እየ ይብል" ኢሎም ኸሰሱዎ። ቀያፋ ድማ "ንስኻ ወዲ እግዚአብሔር ዲኻ?" እንትብሎ "እወ" ስለዝበሎ (ማር 14:62) ሞት ፈረዱሉ። ሰማያዊ ሊቀካህን ብምድራዊ ሊቀ ካህን ተፈረዶ‼️ሙሉእ ለይቲ ድማ ርኩስ ምራቖም እንትፍ እናበሉ፤ ገፁ ቖሲሉ ደም ክሳብ ዝተፍእ እናፀፍዑ ቐለዱዎ፤ ብኣፍንጭኡን ኣፉን ደም ክሳብ ዝፈስስ ኣፍንጭኡ ደጋጊሞ ወቕዑዎ። ስቓዮም ክሽከም ንዝመፀ ጎይታ እናተባረዩ ሙሉእ ለይቲ ብስቓይ ኣሕደሩዎ‼️

❤️ #ዓርቢ_ንገሆ:- ዘይወግሕ የለን እንትወግሕ፣ ንክቐትሉዎ ስለዝተማኸሩ ናብቲ ሮማዊ በዓል ሥልጣን #ናብ_ግቢ_ጲላጦስ ወሲዶም ኸሰሱዎ። ንብዙሕ ኽስታቶም ዋላ ሓደ ኣይመለሰን‼️ ጲላጦስ ፋሲካ እንትመፅእ ሓደ እሡር ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዝነበሮ፣ በቲ ጊዜ ነቲ ወንጀለኛ በርባን ዶ ወይስ ክርስቶስ ንክፈትሐሎም እንትሓቶም ንህዝቢ ኣአዲሞም «ንበርባን ፍተሐልና» በሉዎ። ንክርስቶስ ግን ይሰቀል❗️ይሰቀል❗️በሉ። ጲላጦስ ድማ "ካብ ደሙ ንፁህ እየ" ብምባል ንክገርፉዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኹሉ ዝፈርድ አምላኽ ብፍጡራኑ ሞት ተፈረደሉ‼️

❤️ #ዓርቢ_ረፋድ:- ከባቢ 3 ሰዓት #ፕራይቶሪዮን ናብ እትበሃል ውሽጣዊት ክፍሊ እቲ ግቢ ብምውሳድ፣ ኹሎም ወታደራት ክገርፉዎ ጀመሩ። መግረፊኦም ኣብ ጫፉ ክሳብ 5 ከም መላፀን ሚስማርን ዝመሰሉ በላሕቲ ነገራት ዝተኣሰሩሉ ስለዝነበረ እቲ ሓለንጊ ስግኡ እናተልተለን እናቖረፀን ከልዕሎ ጀመረ። ብሕጊ ኣይሁድ ሰብ 40 ጥራሕ ይግረፍ። ሮማውያን ወታደራት ግና እናተባረዩ ሥግኡ ተወዲኡ ደሙ ከም ውሑጅ ክሳብ ዝፈስስ 6,666 ጊዜ ገረፉዎ። ብድሕሪ እዙይ ቐይሕ ኽዳን #ከለሜዳ አልቢሶም፣ #ጉንጉን_ዕሾሕ ኣብ ርእሱ ወጊኦም፣ ብበትሪ ርእሱ እናቐጥቐጡ ቐለዱሉ።

❤️ #ዓርቢ_ቐትሪ:- ሰዓት 6 ምስኮነ ጲላጦስ ነቲ ብደም ዝተሓፀበ ክርስቶስ ካብ #ፕራይቶርዮን ንደገ ምስ ኣውፅአሎም «ተዘይሰቒልኻዮ ፈታዊ ንጉሥ/ቄሳር ኣይኾንካን» ብምባል ብፖለቲካዊ ሕቶ ኣፈራርሑዎ። ንክሰቕልዎ ድማ #ቀራንዮ ናብ ዝበሃል ከረን ርሑስ መስቀል ኣሸኪሞም ምስ ክልተ ወንጀለኛታት ወሰድዎ። መስቀል ኸቢድዎ እንትጎትዎ፣ ብዙሕ ጊዜ ብገፁ ይወድቕን ይለሓፅን ነበረ። ኣብ መንገዲ ግና #ቀሬና ካብ ትበሃል ዓዲ ዝመፀ #ስምዖን ሃንደበት ክሓልፍ ረኸቡዎሞ መስቀል ጎይታ ንክሽከም ተዓደለ። ኣብ ቀራንዮ ድማ ኽዳኑ ኣውፂኦም ነንባዕሎም ተኻፈሉ። ንቀሚሱ ብዕፃ ወሲዶም፣ ብ5 ቅንዋት ኣእዳው ኣእጋሩ ልቡን ደረቱን ወጊኦም ሰቐሉዎ‼️ ድሕሪ እዚ ክሳብ 9 ሰዓት ፀልማት ኾነ።

❤️ #ዓርቢ_ሰዓት_9:- በዚ ጊዜ ኣብ እግሪ መስቀሉ እምበይትና ኸብዳ ሒዛ ብቓንዛ ደም ትበኪ ኣላ። ዮሃንስ ብንብዓት ዓይኑ ሓቢጡ ኣሎ። ክርስቶስ «ኣምላኻይ ኣምላኸይ ንምንታይ ገዲፍካኒ?» ኢሉ ናትና ጸሎት ጸለየሞ «#ተፈፀመ» ኢሉ ነፍሱ ሃበ። እንሆ ዘይመውት ሞተ‼️ ስለዚ ድማ 3 ብሰማይ 4 ብምድሪ #ሸውዓተ_ተአምራት ተርኣዩ። ካብቶም ወታደራት ክርስቶስ ብሓቂ ምሟቱ ንምርግጋፅ እውን #ሌንጊኖስ ዝተብሃለ ወታደር ብጦር ጎኒ ክርስቶስ ወግአ፣ ደምን ማይን ድማ ፈሰሰ‼️

❤️ #ዓርቢ_ምሸት:- ዓርቢ ምስ መሸየ ካብ ኣይሁድ ሃፍታም ዝነበረን ብስውር ንክርስቶስ ይኣምን ዝነበረን #ዮሴፍ ናይ ክርስቶስ ሥጋ ካብ መስቀል ንከውርድ ንጲላጦስ ሓቲቱ ስለዝተፈቐደሉ ካብ መስቀል አውረዶ። ብለይቲ መፂኡ ይመሃር ዝነበረ #ኒቆዲሞስ እውን ኽቡር ጨርቂ ኣምፀአሞ ሽቱ ገይሮም ብኽብሪ ገነዝዎ። ኣብቲ ከባቢ ዮሴፍ ኣስሪሕዎ ዝነበረ ሓዱሽ መቓብር ስለዝነበረ ድማ ኣብኡ ቐበሩዎ። ኣፍደገ እቲ መቃብር ድማ ብዓብዪ ደንጎላ ዓፀዉዎ። ይኽተልኦም ካብ ዝነበራ ኣንስቲ ድማ ኣበይ ከምዝቐበሩዎ ብርሑቕ ሪአን ተመለሳ።
ትርጉም #ምጥላቕን #ምጥብጣብን ንፈልጦ ዶ ይኸውን?

📌እንተጠቒሙኩም #ሼር ግበሩ። ተወሰኽቲ ጽሑፋት ንምንባብ ብቴሌግራም ይእተዉ።

©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❇️ #ሰሙነ ሕማማት ~ #ሓሙስ ~ 1⃣ይ ❇️
ሓሙስ - ሐምስቱ/ሓምስ - 5ይቲ መዓልቲ ማለት ኾይኑ ካብ ኩለን ዕለታተ ፍልይ ዝበለ ስያመ፣ ትርጉምን ትውፊትን ዘለዋ እያ።
1⃣ #ሕጽበተ እግር:- በዛ መዓልቲ ጎይታና ክርስቶስ ድንን ኢሉ ናይ ሓዋርያት እግሪ ዝሓጸበሉ እዩ:: በዚ ድማ  ብጊዜኡ ዋላኳ ጴጥሮስ "ጎይታይ ከመይ ገይርካ ንስኻ ትሓፅበኒ?" እንተበለ ጎይታ ግና "እንድሕር ዘይሓፂበካ ምሳየ ኽፍሊ የብልኻን" ኢሉ እግሩ ሓፀቦ:: በዚ መሰረት ድማ ኹሎም ሐዋርያት (ይሁዳ እውን) ብኢድ ጎይታ ተሓፀቡ፤ #ከም_ጥምቀት ድማ ኾነሎም! (ዮሐ 13:6-13) ሎሚ እውን ኣቦታት ካህናት ትሕት ኢሎም #ብቖፅሊ_ወይንን #ቖፅሊ_ኣውሊዕን ናይ ምዕመናን እግሪ ይሓፅቡ! አውሊዕን ወይንን ምጥቃሞም ትርጉሙ፣ ወይኒ ናይ ደሙ ምሳሌ ስለዝኾነ፣ አውሊዕ (ቖጽሊ ዘይቲ) ድማ ንቑስሊ መድሓኒት ብምዃኑ ናይ ክርስቶስ መድሓኒትነት ዝውክል እዩ። ምዕመናን እውን አእዳው ካህናት እናተሳለሙ ይኸዱ! ኦ ጎይታ ንዓኻ ኣብዘየስምረካ ቦታ ተረኺበን ንዝረኸዳ ኣእጋረይ ሕፀበለይ! ዝሩሳሕኹ ኣቕሓኻ እየሞ ብደምኻ ኣይፀርየኒ!

2⃣ #መዓልቲ_ቊርባን/ምሥጢር:- ንሓዋርያት አእጋሮም ምስሓፀቦም ሕብስትን ወይንን ብምድላው «እዚ #ስጋይ_እዩ ውሰዱ ብልዑ... እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ #ሓድሽ_ኪዳን #ደመይ_እዩሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ» በሎም (ማቴ 26:26፣ ሉቃ 22:6) በዚ መሰረት ንመጀመርያ ጊዜ "ሥርዓተ ቁርባን" ሰርዐልና:: በዛ መዓልቲ ጥራሕ "ሥርዓተ ቅዳሴ" ይግበር:: ግና እቲ ሰሙን ሰሙነ ሓዘን ስለዝኾነ፣ አይሁድ ድምፆም ኣጥፊኦም ንክሕዝዎ ስለዝመፁን፣ ኣብ ቅዳሴ ጊዜ ደወል ኣይውቃዕን! ብለሆሳስ እምበር በብርቱዕ ድምፂ እውን አይዝየምን!

3⃣ #ጸሎተ_ሓሙስ:- ጎይታና «ወዲ ሰብ ሓሊፉ ዝወሃበላን ዝተሓዘላን ጊዜ በፂሓላ ኣላ» ብምባል ናብ ጌቴሴማኒ ኸይዱ ስለዝጸለየን "ናብ ፈተና ንከይትኣትው ተጊህኹም ጸልዩ" ስለዝበሎምን ጸሎተ ሓሙስ ትበሃል። (ማቴ 26:36-46) ይሁዳ ግና ናብ ኣይሁዳውያን ብምኻድ "ኣሕሊፈ ክህበኩምስ ክንደይ ትህቡኒ?" እንትብሎም 30 ብሪ ቖፂሮም ሃብዎ! ወዮ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጎይታ፣ ወዮ ወርቅን አልማዝን ዝሰርሐ አምላኽስ ብ30 ብሪ? ኸመይ ዓይነት ትዕግስቲ እዩ? በዚ መሰረት ሓሙስ ምሽት 3 ሰዓት አይሁዳውያን ምስ ሮማውያን ወታደራት ብምዃን ገበነኛ ክሕዙ ከምዝመፁ ሰይፊ ጎመድን ጦርን ሒዞም መፁሞ ንይሁዳ "ኣበይ ደኣ አሎ?" በልዎ:: ንሱ ድማ "ኣነ ኸይደ ዝስዕሞ ሰብ እዩ" በሎምሞ ኸይዱ ንጎይታ "መምህር ሰላም ንዓኻ" ኢሉ ሰዓሞ:: ጎይታ ግና ብፍቕሪ ዓይኑ እናጠመተ "ይሁዳ ንወዲሰብ ብምስዓም ኣሕሊፍካ ዶ ሃብካዮ" በሎ:: በቲ ጊዜ እቲ ኹሎም ወታደራት ኸቢቦም ሓዝዎ:: ኹሎም ሓዋርያት እውን ብፍርሒ ሃደሙ:: ካብ ሕማቕ ቦታ ብፍቕሩ ዝኣከቦም ጎይታ ገዲፎም ተበተኑ:: ክርስቶስ እውን ተኣሲሩ በእንተ ፍቕሪ ሰብ ክብል ደድሕሪ ዝቐትልዎ ወታደራት ተኸተለ! ወይ ፍቕሪ። ካብ ሃይማኖታዊ ትውፊት ብተወሳኺ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ዝግበሩ ካልኦት ነገራት ኣለውና። ሸውላሎን ጥቕጡቖን!

❓ኣብ ጊዜ ሓሙስ ፅግቦ ዝብላፅ #ጥቕጡቖን፣ ኣዋልድ ዝፃወትኦ #ሸውላሎን መንፈሳዊ ትርጉሙ ንፈልጦ ዶ ንኾን?

©Binyam ZeChristos ሚያዝያ 23 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ረቡዕ ✝
ረቡዕ - #ኣርባዕተ - 4ይቲ መዓልቲ ማለት ኾይና 3 ታሪኻት ይዝከረላ።
1⃣ #ማርያም_እንተ_ዕፍረት:- ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን እናሃለወ፣ ኣብቲ ሰፈር ስጋኣ ሸይጣ እትነብር ማርያም እትበሃል ሰበይቲ፣ ዝሙት ሰሪሓ ዝኣከበቶ 300 ዲናር "ጎይታ ሓጢኣተይ እንተደምሰሰለይ" ብምባል #አልባስጥሮስ ዝበሃል ጥዑም ሽታ ገዚኣ ብምምፃእ ናብ እግሪ ጎይታ ወደቐት! ነቲ ሽታ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ፣ እናበኸየት ብንብዓታ ድማ ኣእጋሩ ኣርሒሳ ብጨጉራ ትሕብሶ ነበረት። ጎይታ ድማ ጣዕሳኣን ብኽያታን ተቐቢሉ፣ ካበይ መፂኺ?፣ ኣበይ ዓድኺ? እንተይበለ #ሓጢኣትኪ_ተሓዲጉልኹ ኢሉ መሓራ። ንሳ ድማ ሓጢኣቶም ኣሚኖም ኣብ እግሩ ንዝወድቁ ተነሳህያን ኹሎም ምሳሌ ስለዝኾነት፣ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ታሪኻ ጽሒፎሙልና። [ማቴ 26:6-13፣ ማር 14:3-9፣ ሉቃ 7:36-50፣ ዮሐ 12:1-8]

2⃣ #ምክረ_አይሁድ:- በዛ መዓልቲ እዚኣ ፈሪሳውያን፣ ሰዱቃውያን፣ ጸሓፍቲን ሽማግለታት ኣይሁድን ኣብቲ #ሲንሃንድሪን ዝበሃል ናይ አይሁድ ምክርቤት ብምእካብ፣ «ነዚ ሰብ እንተዘይሰቒልናን እንተዘይቐቲልናን ምግቢ ኣይንበልዕን» ብምባል ከምዝመኸሩን ቃል ከምዝኣተውን ንዝክረላ መዓልቲ እያ። በዚ ምክንያት ድማ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን፣ ነዛ ንጎይታ ንምስቃል ዝመኸሩላ ረቡዕ መዓልቲ #ጾመ_ድኅነት ብምባል ዘወትር እንጾማ ጾም ኾነት። አይሁድ «ከመይ ገይርናሞ ክንሕዞ?» እናበሉ እናሃለዉ እዩ፣ ካብ 12 ሐዋርያት ሓደ ኣስቆርታዊ ይሁዳ ናብቲ ምክር ቤት ተሓቢኡ ዝመፀ።

3⃣ #ክሕደት ይሁዳ:- ይሁዳ ናብ ኣይሁዳውያን ብምኻድ «ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒ» በሎም። ንሳቶም ድማ #ሰላሳ_ብሪ መዘኑሉ። ንሱ ድማ ንጎይታ ኣሕሊፉ ንክህቦ ምችው ጊዜ ይደሊ ነበረ» [ማቴ 26:14 ፣ ማር 14:10 ፣ ሉቃ 22:3]። ይሁዳ ድማ ዘመንና ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነይርንን ኣብ መወዳእታ ግን ብዘርኣውነት ብዓሌታዉ ትምክሕትን ንዝወደቕና፣ ብትዕቢት ንዝተሰነኻኸልና፣ ብቕርሺ፣ ብስራሕን ብሓዳርን ካብ ፍቕሩ ንዝተፈለና ኹልና ምሳሌ ኾነ። ይሁዳ ዘመኑ ኹሉ ምስ ጎይታ ነይሩ ኣብ መወዳእታ ናብ ሰይጣን እንትኸይድ፣ ዘማዊት ማርያም ግና ዘመና ኹሉ ምስ ሰይጣን ብርኹሰት ነይራ ኣብ መወዳእታ ብንብዓታ ተዓሪቓ ናብ ጓጓ ክርስቶስ ኣተወት። ንሕናኸ ከም ይሁዳ ዲና ከም ማርያም?
©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 22 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❌ #ኣብ_ግብረ_ሕማማት_ዘለዉ_ባዕድ_ቃላት❌
ኣብ ግብረ ሕማማት ናብ ግእዝ ይኹን ናብ ትግርኛ ዘይተተርጎሙ፣ ግና ድማ ክንጽሊ ከለና ትርጉሞም ምፍላጥ ግድን ዝኾኑ ቃላት ኣለው።
📌1) #ኪርዬኣላይሶን:- ቃሉ ናይ #ግሪክ ክኸውን ከሎ ኣጸዋውዕኡ “ኪርዬ-ኣላይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማለት “እግዝእትነ -እምበይት” ፣  “ኪርዬ” ማለት ድማ  “እግዚኦ-ጎይታ” ፣ ስለዚ ድማ “ኪርዬ ኣላይሶን” እንትበሃል “#እግዚኦ_መሓረና” ማለት እዩ።
📌2) #ናይናን:- እዚ ቃል ናይ #ቅብጢ (ግብፂ) ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “መሐረነ - #መሓረና” ማለት እዩ።
📌3) #እብኖዲ:- እዚ ቃል እውን ናይ #ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “#አምላክ” ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ሙሉእ ሕማማት ጊዜ “ኪርዬኣላይሶን እብኖዲ ናይናን” ክበሃል ከሎ “ኦ አምላክ መሓረና፣ ጎይታ ይቕረ በለና” እናበልና ከምንሰግድ ክፍለጥ ኣለዎ።

📌4) #ታኦስ:- ናይ #ግሪክ ቃል ኾይኑ፤ ትርጉሙ ድማ “ጎይታ፣ አምላክ” ማለት እዩ። ስለዚ ድማ “ታኦስ ናይናን” እንትንብል “ኦ ጎይታ መሓረና” ማለትና እዩ።
📌5) #ማስያስ:- ናይ #እብራይስጥ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ “#መሲሕ - ዝተቐብአ” ማለት እዩ። ስለዚ “ማስያስ ናይናን”  እንትንብል “ኦ መሲሕ መሓረና” ማለትና እዩ።
📌6) #ትስቡጣ:- እዚ ቃል “ዴስፓታ” ካብ ዝብል ናይ #ግሪክ ቃል ዝወጸ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “#ርሕሩሕ_ገዛኢ” ማለት እዩ።
📌7) #ኣማኑኤል:- እዚ ቃል ናይ #ዕብራይስጥ ኮይኑ ትርጉም ድማ "ኣምላክ ምሳና ኮነ" ማለት እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ስግደትና “አማኑኤል ናይናን” እንትንብል “ኦ ምሳና ዝኾንካ ኣምላኽ ምሓረና” ማለትና እዩ።

📌8) #ኢየሱስ:- እዚ ቃል ናይ #የሹዓ ካብ ዝብል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ዝተረኸበ ኾይኑ፣  #ብግሪክ ድማ ኢየሱስ ይብሎ። ትርጉሙ ድማ #መድኃኒት ማለት እዩ።
📌9) #ክርስቶስ:- እዚ ቃል መሰረቱ ግሪክ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ድማ #ቅቡእ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ "ክርስቶስ ናይናን” እንትንብል  “#ኦ_ቅቡእ_መሓረና” ማለትና እዩ።

📌10) #አምነስቲቲ:- እዚ ጸሎት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ፣ ኹሉ ሰብ ብሓዘን ምልክት ርእሱ ኣድኒኑን ተጎልቢቡን ዘዚሞ ናይ ሓዘን ዜማ እዩ። ናይ #ቅብጥ ቃላት እንትኾና ትርጉሙ ድማ:-
📍አምኒስቲቲ -- ተዘከረነ -- ተዘከረና
📍አንቲ ፋሲልያሱ - በውስተ መንግስትከ - ብመንግስትኻ
📍ሙኪርያ -- እግዚኦ -- ጎይታ
📍ሙዓጊያ -- ቅዱስ  -- ቅዱስ
📍ሙዳሱጣ -- እግዚኣ ኲሉ -- ጎይታ ኹሉ

👉አምኑስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-ki-riey enti vasilia so :- "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ - ኦ ጎይታ ብመብግስትኻ ዘክረና" ከም ማለት እዩ።

👉አምነስቲቲ መዓግያ አንቲ ፋሲልያሱ
 Em-nees the-tee  mo-a-geh-e enti vasilia so :- "ተዘከረነ ኦ ቅዱስ በውስተ መንግሥትከ -- ኦ ቅዱስ ዝኮኾካ ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና” ማለት እዩ።

👉አምኒስቲቲ ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee  mo-zess-pota enti vasilia so :- "ተዘከረነ እግዚአ ኲሉ በውስተ መንግስትከ - ኦ ጎይታ ኹሉ ብመብግስትኻ ዘክረና"

✝ እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻማ ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሐኒ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በፍስሐ ወበሰላም ✝

©Binyam ZeChristos  -  ሚያዝያ 21 - 2016 ዓ/ም

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://youtu.be/nz8GNU3NuOk?si=8G60F4cECYh8l6mY

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://youtu.be/12CGBIw9XMk?si=zudhTtI5qnb_99B_

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❌  #ሰብ_ብምግባር_ይድሕን_ዶ?  ❌
እዚ ሕቶ ንኦርቶዶክሳውያን ካብ መ*ና*ፍ*ቃን ዝፈልየና መሠረታዊ ናይ ነገር ድኅነት (Sotoriology) ነጥቢ እዩ። ነዚ ሕቶ ኣቐዲምና «እንታይ ዓይነት ሰብ❓ብክርስቶስ ዘይኣመነ ድዩ ወይስ ዝኣመነ❓» ኢልና ድማ ንሓትት።
1⃣ #ዘይኣመነ_ሰብ:- ብክርስቶስ ዘይኣመነ ሰብ እግዚአብሔር ኣይፈልጦን/ኣይቕበሎን። "ብወዱ ዘይኣምን ንህይወት ኣይሪኣን" (ዮሐ 3:36) ስለዝብል፣ በክርስቶስ ዘይኣመነ ህይወት የብሉን። ናብ እግዚአብሔር መእተዊ በሪ ክርስቶስ እዩሞ ሓደ ኣስላማይ ወይ አይሁዳዊ በክርስቶስ ተዘይኣሚኑ ተፆመ፣ ተመፅወተ፣ ተሰገደ ፅድቂ ኾነ ድሕነት ኣይረክብን። ስለዚ ንዘይኣመነ ሰብ ምግባሩ ኣየፅድቖን! ምግባሩ ኣየድሕኖን!
📌ሮሜ 4:5: ነቲ በቲ ንሓጥእ ዘጽድቕ #ዝአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ #እምነቱ_ንጽድቂ_ትቚጸረሉ እያ።
📌 2 ጢሞ 1:9:- ብክርስቶስ ኢየሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ #ብግብርና_ኣይኰነን።
📌 ኤፌ 2:8-9:- ሓደ እኳ ኸይምካሕ #ካብ_ግብሪ ኣይኰነን እሞ #ብእምነት_ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ #ውህበት_ኣምላኽ እዩ እምበር #ካባኻትኩም_ኣይኰነን።

2⃣ #ዝኣመነ_ሰብ:- ንሕና ብክርስቶስ ዝኣመና ግና፣ ብክርስቶስ በሪነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተፈለጠና ኢናሞ ምግባራትና ናይ ጽድቂ ስራሕቲ፣ ናይ ድህነት ስራሕቲ ገይሩ ይቕበሎም። ክርስቶስ ንዝኣመንዎ ሰባት ብመጠን ምግባሮም ስለዝፍርደሎም ምግባራት ንድሕነትና ወሰንቲ እዮም!
📌 ዮሐ 5:28-29:- "#ሰናይ_ዝገበረ ናብ #ትንሳኤ_ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኽወጹ እዮም"
📌ሮሜ 2:10:- "ነቶም #ሰናይ_እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፣ #ናይ_ዘለኣለም_ህይወት ክህቦም እዩ።"
📌ያዕ 2:21-24:- "ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ #ብግብሩ_ኣይጸደቐን_እዩ? ሰብ #ብግብሪ_ኸም_ዝጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም"

=> ጠቓሚ ጽሑፍ እንተመሲልኩም #ሼር ግበሩዎ።
=> ዝሓለፈኩም ጽሑግ ብቴሌግራም ቻናል ምንባብ ይከኣል።

/channel/BinyamZeChristos
©Binyam ZeChristos መጋቢት 21/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ብምግባረን_ዝደሓና_ኣሓት‼️
ኣብ ሓደ ዓዲ መርዓ ነበረ። መርዓዊ ንክቕበላ መብራህቲ ሒዘን ዝወጻ 10 ደናግል ድማ ኣብኡ ነበራ። እተን 5 ግና ዓያሹ ስለዝነበራ ነቲ መብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ካልኦት 5 ግና ለቢመን መብራህቲ ምስ ዘይቲ ሒዘን ወፃ። ኣጋጣሚ ኾይኑ እቲ መርዓዊ ምስ ደንጎየ ኵለን ብድኻም ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ "መርዓዊ መፂኡ ክትቕበሉዎ ውፁ" ተብሃለሞ፣ እተን 10 ኣዋልድ መብራህተን ኣዳለዋ። እቲ መብራህተን ግና ክጠፍእ ስለዝበለ፣ እተን ዓያሹ ግና ዘይቲ ስለዘይነበረን "ካብ ዘይትኽን ሃባና" በለአን። "ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን" በለአን። እንተ ዓያሹ ዘይቲ ክዕድጋ ምስኸዳ ሃንደበት እቲ መርዓዊ መጸ'ሞ እተን ለባማት ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋሞ ቲ ማዕጾ ተዓጸወ። ደሓር እተን ዓያሸ መጺአን "ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና" ዋላ እንተበላ፣ መርዓዊ ግና "ብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን" ኢሉ ኣባረረን። (ማቴ 25:1-13)

እተን ዓያሹ ናብቲ መርዓ ዘይኣተዋሉ ምክንያት እንታይ ስለ ዘጉደላ እዩ? ብእምነት ገድለት ድዩ ወይስ ብምግባር ጉድለት? እምነትማ ነይሩወን። በቲ መርዓዊ ስለዝኣምና እየን ንክቕበልኦ ዝወፃ፣ ስለዝኣምና እየን ሙሉእ ለይቲ መብራህቲ ሒዘን ዝተፀበያ፣ ስለዝኣምና እየን ምስመፀ ንክቕበልኦ ዝተጨነቓ፣ ስለዝኣምንኦ እየን ንዕኡ ንምቕባል ዘይቲ ንክገዝኣ ዝወፈራ። እሞ ደኣ ንዕኡ ዝኣምና ኾይነን እናሃለዋ ንምንታይ እተን ዓያሹ ናብ መርዕኡ ዘይኣተዋ? ድሕነት ብእምነት እንተዝኸውን ንምንታይ ዘይጸደቓ? እንተይልና ፣ ዝኣምን ሰብ ብምግባሩ እምበር ብእምነቱ ስለዘይድሕን እዩ።

እተን ዓያሹ እምነት ዋላ እንተነበረን ናይ ምግባር ገድለት ነይሩወን። እቲ መርዓዊ ዝደልዮ ነገር እንተይሓዛ፣ እንተይተዳለዋ እየን ፀኒሐን። ስለዚ ድማ ብምግባረን ጉድለት ካብቲ መርዓዊ ሓጎስ ካብ መንግስት ሰማያት ኽብሪ ተባረራ። እቲ ታሪኽ እንትውዳእ «ወዲ ሰብ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ #ንቕሑ» ይብል (ማቴ 25:13) ስለዚ ድማ ሰብ ብእምነት ጥራሕ እንተይኮነስ ብምግባር ስለዝፀድቕን ስለዝድሕንን፣ ብንስሃ ተዳሊና፣ ብቁርባኑ ፀኒዕና ንጎይታ ንፀበ።
©Binyam ZeChristos  መጋቢት 17/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ቅዱስ_እየ Vs #ገና_ክቕደስ_እየ‼️
"ኣነ ቅዱስ እየ፣ ገነት እየ ዝኣቱ" እናበሉ ዝፉክሩ ኣመንቲ ፕሮቴስታንትን ተሐድሶን ዋና ጌግኦም ትርጉምን ዓይነታትን ቅድስና ዘይምርድኦም ይመስለኒ። ቅዱስ ማለት "ፍሉይ፣ ኽቡር፣ ምስጉን" ማለት ኾይኑ ብኽልተ ዓይነት መንገዲ ዝርከብ ኽልተ ዓይነት ቅድስና ኣሎ።
1⃣ #እምነታዊ_ቅድስና (Theoretical Santification):- ሓደ ሰብ ካብ ኣምልኮ-ጣዖት ናብ ኣምልኮተ-ክርስቶስ እንትፍለ፣ ካብ ክሕደት ፀርዩ ብኣሚነ ሥላሴ እንትፀንዕ ተቐዲሱ (ንክርስቶስ ተፈልዩ) ይበሃል። እዚ ቅድስና ብእምነት ዝርከብ እንትኸውን፣ በዚ ምኽንያት ኹላትና ብክርስቶስ እንኣምን ኦርቶዶክሳውያን #ቅዱሳን ንበሃል።

📌« ነቶም ኣብ ቈሎስዩስ ዘለዉ #ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን...» (ቆላስ 1:2)
📌 ንቆሮንቶስ ምዕመናን « ናብታ ኣብ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ #ዅላቶም_ቅዱሳን » ተባሂሎም። (2ቆሮ 1:1) (2ቆሮ 13:13)
📌 ንዕብራውያን ምዕመናን እውን « ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ዘሎኩም #ቅዱሳን_ኣሕዋተይ...» (ዕብ 3:1፣ 13:24)

2⃣ #ተግባራዊ_ቅድስና (Practical Santification):- እዚ ቅድስና ድማ ሓደ #ክርስቲያን_ዝኾነ ሰብ፣ ካብ ሓጢኣትን ርኩሰትን እንትፍለ፣ ዝረኽቦ ቅድስና እዩ። እዚ ቅድስና ገና ንቕደስ ኢና ዘለና፣ ገና ኣይፈፀምናዮን። ነዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ‹ቅዱሳን ኢኹም› ዝበሎም ክርስቲያን ተመሊሱ ‹ቅዱሳን ኹኑ› ዝብሎም!

    📌ቅዱስ ጴጥሮስ ንክርስቲያን «ኣነ ቅዱስ እየ እሞ #ቅዱሳት_ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም #ቅዱሳት_ኩኑ» ይብሎን። [1 ጴጥ 1:15-16]
    📌ንቆሮንቶስ ምዕመናን «ብፍርሃት ኣምላኽ #ንቅድስና_እናመላእና ካብቲ ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ዅሉ #ርእስና_ነንጽህ» ይብሎም [2 ቆሮ 7:1]
    📌ንዕብራውያን «ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ እሞ፣ #ንቕድስናን ንሰላምን #ሰዓቡወን» ይብሎም። [ዕብ 12:14]
    => በዚ ምክንያት ዋላኳ ብእምነትና "ቅዱሳን" ክንበሃል ዝተዓደልና እንተኾንና ብህይወት ግን ገና ንዓለም ዘይሰዓርና ብሓጢኣት እንነብር ስለዝኾና ከም ተሃድሶ ብፈኸራ እንተይኾነስ ከም ኦርቶዶክሳውያን ብትሕትና «ሓጢኣተኛ እየ፣ ቅድስናይ ክፍፅም ይግበአኒ» ንብል።

@ZeChristosComments_Bot

©Binyam ZeChristos  መጋቢት 15/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://vm.tiktok.com/ZMMucYJpg/

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ኽልተ_ምጽኣት‼️
❇️ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ #ኽልተ_ልደታት ኣለዎ ኢልና ንኣምን።
📌1ይ:- ቅድሚ ዓለም ብባሕርየ መለኮት ኣቡኡ ካብ ዝኾነ ካብ #አብ ብዘይ ኣዶ፣ ኣካል ካብ ኣካል፣ ባሕርይ ካብ ባሕርይ ብዘይምቅድዳም ዝተወለዶ ረቂቕ ልደት እዩ።

📌2ይ:- ድሕሪ ዓለም (ናብ ምድሪ መፂኡ) ብባሕርየ ሥጋ ካብ #እምበይትና ማርያም ብዘይ ኣዶ ዝተወለዶ ልደት እዩ። ስለዚ ድማ እምነትና እንትንምስክር « ነአምን ክልኤተ ልደታተ - ብኽልተ ልደታት ነአምን » ንብል።

❇️ ልክዕ ከምኡ ጎይታና ክርስቶስ #ኽልተ_ምጽኣታት ኣለዎ ኢልና ንኣምን።
📌1ይ ምፅኣት:- ካብ እምበይትና ማርያም ስጋ ለቢሱ፣ ብትሕትና ባርያ ኾይኑ፣ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ንምፅዋዕ ዝመፆ ምፅኣት እዩ።

📌2ይ ምፅኣት ድማ ኣብ ፍፃመ ዓለም ብኽብሪ መለኮት፣ ብመላእኽቲ ተኸቢቡ፣ ብመባርቕቲ ተዓጂቡ፣ ዓለም ንምሕላፍን ንቅዱሳን ናብ መንግስቱ ንምፅዋዕን ዝመፆ ምፅኣት እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣት እንዝክረሉ በዓል እዩ #በዓለ_ደብረዘይት ማለት!
©Binyam ZeChristos መጋቢት 8/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

💚💛🧡 ... #ፍቅሪ_ንኹሉ_ይስዕር ...❤️💛💚
✏️ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ መንደር ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናዘረ ደረቅ እንጀራ ብምሻጥ ቁራስ መዓልቱ፣ ኽዳን ዓመቱን ናይ ትምህርቲ ኽፍሊቱን ዘማልእ ሓደ ቆልዓ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግና ኣሽምባይዶ መኽፈሊ ትምህርቲ፣ ንመዓልታዊ ምግቢ ዝኸውን ቅርሺ 'ኳ ክረክብ ኣይከኣለን። ብፅምኢ ከናፍሩ ደሪቐን ጎረርኡ ነቂዑ፤ ምግቢ ዝበሃል ካብዝጥዕም 3 መዓልቲ ሓሊፍዎ ኣሎ!! ዝብላዕ ነገር ንክልምን ድማ ኣብቲ ሰፈር ካብ ዘለዋ ገዛታት ናብታ ሓንቲ ቀሪቡ በሪ ኣንኳሕኮሐ። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ሓንቲ ፅብቅቲ ቆልዓ በሪ ኸፊታቶ ምስረአያ "በይዛኺባ ዝስተ ማ.. ማይ ሃብኒ" ኢሉ ይልምና ዓይና ዓይና እንረአየ። ንሳ እውን ድርቀት ከናፍሩን ድኻም ሰብነቱን ሪኣ ሐዘነት። ዋላኳ ኣብቲ ገዛ ዝብላዕ ነገር እንተዘይብላ "ሰሪሕኻ ብላዕ" ኢላ ክትስንዮ ግና ኣይደለየትን! ሰብ ዝኽእሎ እዩ ዝገብር'ሞ ዝስተ ፀባ ሒዛትሉ መፀት። "ካብ ምቕባል ንላዕሊ ምሃብ የመስግን እዩ" (ግብሪ ሐዋ 20:35)

❇️ ነቲ ፀባ ምስተየ "ክንደይ እየ ክኸፍል?" በላ ዋላሓንቲ ቅርሺ ከምዘይብሉ ፈሊጡ ርእሱ እናሓኸኸ። ንሳ ግና "ኣበይ እዩ ብሔርካ?" ፣ "ናትና ድዩ ዘርእኻ?" ፣ "ሃይማኖትካ ምሳና ድዩ?"... ዘይትብል ንኹሉ ሰብ ፍቅሪ እትህብ ክርስቲያን ነበረትሞ "«ፀገም የብሉን ዝሓወይ ዋላሓንቲ ኣይትኸፍልን! ወላዲት ኣደይ 'ንትገብርዮ ሰናይ ምግባር ኽፍሊት ኣይትፀበዪ' ኢላ እያ ትመኽረኒ» በለቶ። ንሱ 'ውን ካብ ልቡ ኣመስጊኑን እግዚአብሔር ውዕለታኣ ንክኸፍላ መሪቑን ተማሕፂኑን ኸደ። ... ዘመን ብዘመን ተተኪኡ ብዙሓት ዓመታት ሓለፉ! ድሕሪ ብዙሓት ዘመናት እታ ቆልዓ ከም ኣጋጣሚ ብጣዕሚ ትሓምም! እቲ ዝተውሃባ ሕክምና እውን ከጥዕያ ብዘይምኽኣሉ ናብ ኻሊእ ዓዲ 'ሪፈር' ተብሂላ ተዛወረት። ናብቲ ዝተዛወረትሉ ሆስፒታል እንትኸይድ ግና፤ ንሕክምና ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘድልያ፣ ነዚ ገንዘብ ኸፊላ እንድሕር ዘይተሓከመት ግና በቲ ሕማም ተሳቕያ ንክትሞት 3 ወርሒ ጥራይ ከምዝተርፋ ይነግሩዋ። ንሳ ግና 'ቲ ዘድልያ መጠን ገንዘብ ስለዘይነበራ ብጣዕሚ ሓዚና ኣምሪራ ትበኪ። ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ግና እተን ነርስታት መፂአን ሕክምናኣ ክትቅፅል ከምዝተፈቐደላ  ይነግርኣ። «ከመይ ኢለ'ሞ? ገንዘብ 'ኮ የብለይን» እንተበለተን፤ «ኹሉ ዘድልየኪ ገንዘብ ተኸፊሉልኪ 'ዩ» በላኣ።

✅ ነዚ ክትኣምን ኣይከኣለትን! "መን ኸፊሉለይ? ኣብዚ ከተማኮ ዘመድ የብለይን? ሰብ ዶ ተጋግየን ይኾና?" ...ብዙሕ እናሓሰበት እንተላ ሓደ ዶክተር መፀሞ «ብጣዕሚ እየ ዘመስግን» ኢሉ ሓንቲ ወረቀት ሂብዋ ኸደ። ኣይትፈልጦን! ሪኣቶ እውን ኣይትፈልጥን! እንታይ ከምዝበላ እውን ኣይተረደኣን! «ንምንታይ እዩ ዘመስገነኒ?» በለት። ነቲ ዝሃባ ወረቀት ዘርጊሓ እንተንብብ ግና «ብሓንቲ ብርጭቆ ፀባ ሙሉእ ሕክምናኺ ተሸፊኑ ኣሎ! ንዝገበርክለይ ነገር የመስግን» ይብል። ክትኣምን ኣይከኣለትን! ብኽልተ ኣዕይንታ ንብዓታ ይፈስስ ጀመረ። ቅድሚ ብዙሕ ዓመት ብፍቕሪ ሓንቲ ብርጭቆ ጸባ ዘስተየቶ ቆልዓ፣ ሎሚ ግና ንሱ ክረድኣ ዝኽእል ሓኪም ኾይኑ ከክንዲ ጸባ ሕይወት ሃባ። ብልባ እውን  «ጎይታይ መዓረይ ስራሕካ ዘይምርመር፣ ደቅኻ ዘይትርስዕ፣ ናትካ ፍቅሪ ኣብ ሰብ ኹሉ በፂሑ እዩሞ የመስግነካ» ኢላ ኣንቃዕሪራ አመስገነት።

✝ ብዙሕ ጊዜ ንዝፈትውና እምበር ንዘይንፈልጦም ይኹን ንዝጸልኡና ሰባት ፍቅሪ ምሃብ ዓቅሊ ፅበት ይኾነና። እዚ ኹሉ ግን ነቲ ሕያዋይ መፍቀሪ ዝኾነ ንክርስቶስ ዘይምርኣይ እዩ። ገና ምስ ሓጢኣትና ከለና፣ ዘፍትው ነገር እኳ እንተይሃለወና እግዚአብሔር አብ ብሓደ ወዱ ብክርስቶስ ከምዘፍቀረና ምፈለጥና፣ ፍቅሪ ውህብቶ እምበር ልቃሕ ወይድማ ውዕለታ ከምዘይኮነ ምተቐበልና። ሰባት እንፈትዎም ንክፈትውና ዘይኮነስ ጎይታ ክርስቶስ ፀላእቱ እናሃለና ምስ ሓጢኣትና ክሳብ ሞት ስለዘፍቀረና እዩ። ፍቅሪ ድማ ዘየስተኻኽሎን ዘይረትዖን ነገር የለን። ብዙሓት ሰባት " #ብበትሪ እምበር #ብፍቕሪ " አይኣምኑን! ፍቕሪ ግና ኣሽምባይ ንሰብስ፣ ንጎይታ ክርስቶስ እውን ካብ መንበሩ ከወርዶን ክሳብ ሞት ከብጽሖን ዝኽእል እየ። #ፍቅሪ_ካብ_እግዚአብሔር ዝተቀበልናዮ #ውህብቶ እዩ! ካብ ፀላኢኻ ክትስወር እንደተደሊኻ ንፀላኢኻ ኣፍቅሮ! ፍቅሪ ዘይትነግሮ ነገር እንተሎ ሰይጣን ጥራሕ እዩሞ፣ ፍቅሪ ዝግብኦን ዘይግብኦን ሰብ የለንሞ ንኹሉ ፍቅሪ ንሃብ! #ፍቅሪ_ንኹሉ_ይረትዕ! ፍቅሪ ባዕሉ መሊሱ ብፍቅሪ ይምልስ!

©Binyam ZeChristos  የካቲት 4 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ዝተበላሸወ_ድንች_ሒዝካ_ኣይትዝር ✝
📌 ኣብ ሓደ ዪኒቨርስቲ ናይ ሳይኮሎጂ (Psychology) ክፍለ ትምህርቲ ሓላፊት ዝኾነት መምህርት ነቶም ተምሃሮኣ ዕዮ(Assignment) ክትህቦም ደለየትሞ ንኲሎም ተምሃሮኣ ድንች ሒዞም ንክመፁ ነገረቶም! ኣብቲ ልዕሊ ድንች ድማ ናይ ዝፀልእዎ ሰብ ስም ንክፅሕፉ ብምሕባር፤ ዘምፅእዎ መጠን ድንች ድማ ብቁፅሪ እቶም ዝፀልእዎም ሰባት ንኽገብሩ ኣተሓሳሰበቶም። በዚ መሰረት ብኻልኣይ መዓልቱ ሕድሕድ ተምሃሮ ብቁፅሪ ዝፀልእዎም ሰባት፣ ዝተወሰኑ 5 ፣ ገሊኦም 8፣ ሓደሓደ ድማ 10 ድንቻት ብምሓዝ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይ ዝፀልእዎም ሰባት ስም ፅሒፎም መፁ። እታ መምህርት ድማ ነዚ ሪኣ «ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ንሓደ ሰሙን ነዘን ድንቻት ኣብ ቦርሳኹም ሒዝኹም ከምትዘሩ » ኢላ ኣዘዘቶም። ብትእዛዛ ዝተገረሙ ተምሃሮ ንሕቶኣ ብ"እሺ" ተቐበልዎ።

✅መዓልቲ እናወሰኸ ብዝኸደ ቊፅሪ እቲ ድንች እናተበላሸወን እናጨነየን ስለዝስካሕክሖም 'ቶም ተምሃሮ ጥርዓኖም ከቅርቡ ጀመሩ። ብፍላይ እቶም ብዙሕ ድንች ዝሓዙ ካብቲ ኽፉእ ጨና ብተወሳኺ፣ ኽብደት ወሲኹ ንምሽካም ከምዘፀገሞምን እናማረሩ ተናገሩ። እዚ ኹሉ ሓሊፉ ሰሙን ምስኾኖም፣ 'ቶም ተምሃሮ ነተን ድንቻት ንክድርብይወን ተፈቀደሎም። እታ መምህርት ድማ «እህ? ከመይ ነይሩ ዕዮኹም?» በለቶም። ኹላቶም ከጒረምርሙ ጀመሩ። «ዋይ! ሸኽሙ በዚሑ እናድኸመና ተፀጊምና! ካብቲ ኽብድቱ ድማ እቲ አፍንጫ ዝቖርፅ ጨንኡ!... አረ መከራ ኢና ቀኒና» በሉ ርእሶም እናነቕነቑ።

❇️ እታ መምህርት ድማ « ርኢኹም?! ኣብ ልብና እንሕዞ ቂምን ፅልኢትን እውን ልክዕ ኸምዚ እዩ! ፅልኢት ልቢ ሰብ ይምርዝ እዩ! ሕሊና ሰብ የበላሽው! ናብ እትኸዶ ቦታ ኹሉ እናተኸተለ ይርብሽ! ንሓንቲ ሰሙን ናይ ዝተበላሸወ ድንች ጨና ምዕጋስ ኣይከኣልኲምን! ብቂምታን ፅልኢትን ዝተመረዘን ዝተበላሸውን ልቢ፣ ዕድመ ልክዕና ሒዝና ንዘውር! ንምንታይ? » በለቶም!

💠ሓቂ እዩ! ሓንቲ ጠብታ መርዚ ንበርሚል ሙሉእ ፀባ ከምተባላሽዎ፣ ሓንቲ ቂምታን ፅልኢትን እውን ንንፁሕ ሕልናና ትምርዞን ተፅልሞን እያ! ስለዚ ፅልኢ ካብ ልብና ነውፅእ! ንሰባት እንፈትዎም ፅቡቅ ስለዝገበሩልና ወይም ስለዘይበደሉና እንተይኾነስ፣ እናበደልናዮን እናሕዘናዮን ብትዕግስቲ እናረኣየ ዘፍቅረና ጎይታ ስለዘለና እዩ! #ሓቀኛ_ፍቅሪ_ማለት ስሕተት ንዘይብሉ ንፁህ ሰብ ምፍቃር ማለት እንተይኮነስ፣ ንፁሕ ንዘይኮነ ወገን ብንፅሕና ምፍቃር ማለት እዩ። ሕንኡያ ለይፈድስ ወዲ ኣምላኽ እምበር ወዲ አድጊ ኣይኮነን! "ፍቁራተይ #ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ #ይብል እግዚኣብሄር ጽሑፍ እዩ እሞ። ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ #ባዕላትኩም ሕነ #ኣይትፍደዩ" (ሮሜ 12:19) ብቃልና እንናገሮን፣ ኣብ ፌስቡክ ብእንፅሕፎን ጽልኢትን ኽፍኣትን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቐሪብና እንትንሕተት እንታይ ኢልና ኾን ኢና ክንምልስ?

❤️"ደቂ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ #ጸላእትኹም_ፍተዉ_ንዝረግሙኹ_መርቑ ! ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፤ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፤ #ንዝፀልእኹም_ጽቡቕ ግበሩ። ስለቶም ዝጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ" ማቴ 5፡44-45 ❤️

©Binyam ZeChristos  የካቲት 4  2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ማርያም_ብቻ - #Only_Mery ✝
1.አምላክን የወለደች ክብርት እናት - ማርያም ብቻ!

2.ከመውለዳ በፊትም ሆነ ብኋላ ድንግል የሆነች -  ማርያም ብቻ!

3.ከሰው ወገን ተለይታ መርገም ያልነካት - ማርያም ብቻ!

4.የእግዚአብሔር ሀገር ከተማ የተባለች - ማርያም ብቻ!

5.በድምጽዋ መንፈስ ቅዱስን የምትሞላ ንግስት- ማርያም ብቻ!

6.ጽንስ በማሕፀን የዘለለላት ብጽዕት - ማርያም ብቻ!

7.ያላፈውም የሚመጣውም ትውልድ የሚያመሰግናት - ማርያም ብቻ!

8.ጸሐይን ተጎናፅፋ ጨረቃን የተጫማች ልዩ እናት - ማርያም ብቻ!

9.በጌታ ሞት ያዘነውን ዓለም እንድታፅናና ጌታ የሰጠን ሥጦታችን - ማርያም ብቻ!

10.በስጋዋ፣ በነፍስዋና በሕሊናዋ በሶስት ወገን ድንግል የሆናች - ማርያም ብቻ!

11.ከፈጣሪ በታች ከፍጡራን በላይ የሆነች - ማርያም ብቻ!

12.ከፍጥረት ሁሉ ተላይታ አምላኳን "ልጄ" የምትል - ማርያም ብቻ!

13. ፍቅርዋ በልቤ የሚቀጣጠል አማላጅነትዋን ነፍሴ የሚመሰክርላት እናቴ - ማርያም ብቻ!

14.ከሰው ወገን 'ቤዛዊተ ዓለም' የሚል የጸጋ ስም ያላት - ማርያም ብቻ!

15.በንጉሱ ቀኝ ቆማ የምትማልድ ንግስት - ማርያም ብቻ!

16. ሰው ሁሉ እናታችን ጽዮን የሚላት - ማርያም ብቻ!

17. አባ ኤፍሬም ያወደሳት፣ አባ ሕርያቆስ ያመሰገናት፣ ቅ.ያሬድ የተቀኘላት እመቤት - ማርያም ብቻ!

18.ከሰው ወገን በስጋ ከሞት ተነስታ ያረገች ንጽሕት እናት - ማርያም ብቻ!

19. የመላእክት እህታቸው፣ የሰማዕታት አክሊላቸው፣ የመነኮሳት መመኪያቸው - ማርያም ብቻ!

20. ዘንዶው በሰው ልብ እንዳትቀረፅ ሊውጣት የሚፈልግ፣ ዘርዋንም ሊዋጋ የሚሻቸው ባለ ሁለት ክንፍ እመቤት - ማርያም ብቻ!

21. ጌታ ከፍጥረት ሁሉ ለይቶ "እናቴ" የሚላት - ማርያም ብቻ!

22.እንደ ማንኛውም ሰው ጸጋ ተካፍሎ ሳይሆን ጻጋ ሞልቶ ያላት የጻጋ ግምጃ ቤት - ማርያም ብቻ!

23.መለኮት ስጋዋንና ነፍስዋን ነስቶ የተወሐደላት - ማርያም ብቻ!

24. በቤተመቅደስ ኣድጋ ከመላእክት ጋር እየተጫወተች፣ ሰማያዊ ሕብስትና ጽዋዕ የተመገበች ንጽሕት - ማርያም ብቻ!

25. ከፍጥረት ሁሉ ተለይታ መንግስተ ሰማያትን የወረሰች ብቸኛዋ ወራሽ ንግስት - ማርያም ብቻ!

‼️ፍቅራን በልባችን ጣዕሟን ባንደበታችን፣ አንድነቷን በቤ/ክናችን ታሳድርብን‼️

©Binyam ZeChristos ጥር 20 - 2016

Читать полностью…
Subscribe to a channel