binyamzechristos | Unsorted

Telegram-канал binyamzechristos - Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

2518

ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️ ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot

Subscribe to a channel

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

📌ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ኩሉ ቦታ ይርከብ ዶ⁉️
ናይ ቅዱስ ገብርኤል በዓል ኣብ ሙሉእ ዓለም እንትነኽብሮ ምስ መኒና ውዒሉ? ከመይ ገይሩ ንኹልና ክርኢ ኾነ ክሰምዕ ይኽእል? እንተይልና መልሱ:- ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሙሉእ ዓለም ምስ ዘለና ሰባት #ክርከብን #ከድሕነናን ዝኽእል ዓብዪ መልኣኽ ምዃኑ መጽሐፍ ቅዱስ ስለዝናገር እዩ። ኸመይ? ብኣመክንዮ (Deductive Argument) ነቐምጣ!

#Premise 1:- «መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ #ይሰፍር #የድሕኖም ከኣ እዩ» (መዝ 34:7)

#Premise 2:- ንእግዚአብሔር ዝፈርሑን ካብ ብዙሕ ነገር ክድሕኑ ዝድለዩን ሰባት ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም እዮም ዘለው!

#Conclusion:- ስለዚ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሙሉእ ዓለም ኾይንና ንጎይታ ንእንፈርሕን ንቅዱስ ገብርኤል ንእንፈቱን ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ዙርያና ይሰፍር፣ የድሕነና ድማ እዩ።
©Binyam ZeChristos ሓምለ 19 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ቊርባን 1 - ክቖርብ ዝግቦኦ ሰብ መን እዩ?

https://youtu.be/wvpu2JaBoHg?si=JFniwT0UR69a8984

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኣነ:- ካባና ኣብሊፁ ክቐፅዖም ንዝኽእል ጎይታ ምፅባይ እናተገበአና፣ ብሓይልና ንቤተ እምነት ከሓድያን ክነፍርስ ምፍታንና ልክዕ ድዩ?

ንሱ:- ኣታ ወዲ "ትግራይ ኣሕሊፉ ከምዝህበና ጎይታ ብራእይ ነጊሩኒ" ፣ "ኣብ ትግራይ ዘሎ መንፈስ ወጊአዮ እየ ይብል ኣሎ አምላኽ" እናበሉ ንጨፍጨፍትና ዝመርሑ እዚኦምን ማህበር ቅርሱሳንን እንድዮም ግዲ?! ስለዚ ማሕበረ ቅርሱሳን ኾነ እዞም ከሓድቲ ዝዕንድሩላ ትግራይ ኣይትህልውን! ብሃይማኖት እንተይኮነስ ብሓርነት ረአዮ።

ኣነ:- ኣይተውሓጠለይን።

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

#ትርጉሙን_ምሳሌን_ሓርያ
ካብቶም ክርስቲያናዊ ትውፊት ዘለዎም ባህልታትና እቲ ሓደ ኣብ በዓል ሓዋርያ ዝስራሕ ሓርያ እዩ!
1. #ትርጉም_ኣሰራርሓ_ሓርያ
ሓርያ እንትስራሕ ዕረ (ዕረ ጣልያን) ደጋጊምኻ ቀጥቂጥኻ ብማይ ብምሕፃብን እቲ ክሪ መሳሊ ነገር ይወፅእ! ነዚ ክሪ መሳሊ ድማ አብ 3፣ 4፣ 5 ወይድማ 7 ብምኽፋል ይፍተል (ይእነም፦ ኡነ 3፣ ኡነ 4 ከምዝበሃል)! ኣብ ጫፉ ድማ ድምፂ ንክህብ ካብ ትርሽዋ ተፈቲሉ ዝእሰር #ነኳዒቶ ይንጥልጠል! ነቲ ሓርያ መትሐዚ ዝኸውን ዕንጨይቲ ድማ ኣብ ላዕሊ ይግበረሉ - #ለዓት ይበሃል። እዚ ኹሉ ግና መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ እዩ! እቲ ሓርያ ናይ #ሓለንጊ_ሮማውያን ምሳሌ እዩ! ኣብ ጫፉ ንድምፂ ዝኸውን ነኳዒቶ ከምዝግበረሉ፣ ሓለንጊ ሮማውያን እውን ኣብ ጫፉ በላሕቲ ነገራት (ላማ፣ ሚስማር፣ ቁራፅ ሓፂን...) ይኣስሩ ከምዝነበሩን ስቃይ ሐዋርያት መስካሕክሒ ከምዝነበረን ዘረድእ እዩ! #አንድም ፦ ሓርያ ናይ ቅዱሳን ሐዋርያት ምሳሌ እንትኸውን፣ ብብዙሕ ምቕጥቃጥን ምጭፍጫፍን ሓርያ ከምንሰርሖ፣ ከምኡ እውን ሐዋርያት ብናይ አይሁድን አሕዛብን መከራ ሐሊፎም፣ ስግኦም ከም ሽንጉርቲ ተቀርዲዱ፣ ብእብኒ ተቀጥቂጦም፣ ብሰይፊ አፃብዕቶም ተቆሪፆም፣ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቂሎም ከምዝሓለፉ ምስክርነት ዝህብ መልእኽቲ እዩ!

✝ #ትርጉም _አሰራርሕኡ፦ እቲ 1 ሓርያ ካብ 3 ምፍታሉ፦ ምስጢረ ሥላሴ የምህረና! አምላኽና ብስም፣ ብአካል፣ ብግብሪ 3 እኳ እንተኾነ ሓደ አምላኽ እምበር 3 አምላኽ ከምዘየለ ንምርዳእ! ካብ ኡነ 4 እንትፍተል ድማ 4 ወንጌላት ከምዘለዋን ብዛዕባ ሓደ ጎይታ ከምዝምህራን ምሳሌ እዩ! ካብ 5 ወይድማ ካብ 7 እንትኸውን ድማ 5ቱ አዕማደ ምሥጢራት ወይድማ 7ቱ ምሥጢራተ ቤ.ክ ከምዘለዋ ነገር ግን ሓንቲ ቤተክርስቲያን ከምዘላ ዘመላኽት ምስጢራዊ ትርጉም አለዎ!

2⃣ #ትርጉም_አከባብራ_ሓርያ
በዓለ ሐዋርያት እንትነኽብር ሓርያን ዕንጉታን ሒዝና ናብ በረኻ ወይድማ ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ብምውፃእ ነቲ ሓዋርያ ነንቱግ! ድምፁ ድማ ክሳብ ርሑቅ ቦታ ይስማዕ! እቲ ሓርያ እናተወቅዐ ድምፁ ክሳብ ርሑቅ ቦታ ከምዝስማዕ፣ ከምኡ ናይ ሐዋርያት ስብከቶምን ትምህርቶምን እውን ክሳብ ጫፍ ምድሪን ጸግዒ ዓለምን ከምዝበፅሐ ምሳሌ እዩ! ነዚ ድማ ቅዱስ ዳዊት ብትንቢቱ "ነገሮም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ" ብምባል ገሊፅዎ እዩ! (መዝ 19፡4) እቲ ዝብላዕ ዕንጉታ ድማ፣ ናይ ሰማያዊ መንግስቲ ሽልማትን ዕረፍትን ዝገልፅ ምሳሌ አለዎ! ሐዋርያት ከም ጸሐይን ወርሕን እናብርሁ ብኽብሪ ደሚቆም ኣብ ገነት ከምዘለዉ ይነግረና!

✝ #አንድም እቲ ዕንጉታ ብቅዱሳን ሐዋርያት ስም ዝቀርብ #ዝኽሪ እዩ! በረኸቶም ንክሕልወና፣ ጸሎቶም ንከድሕነና እንምሕፀነሉ እዩ! ስለዚ እዩ ድማ ንሕና ምስ በላዕና #ፈውሲ_ነጎዳ እናተብሃለ ነቲ ዝተረፈ ናብ ገገዛና ሒዝናዮ ንምለስ! ዋላኳ ብስሑት ልምዲ #ፎሲ_ነጎዳ እንተተብሃለ፣ እቲ ፈውሲ ነጎዳ ማለት ግና ኣብ ሰነን ሐምለን ዝናብ ስለዘሎን በርቂ (ነጎዳ) እናበረቀ ንብረት ስለዘጥፍእን ሕይወት ስለዘሕልፍ፣ እቲ ብስም ሐዋርያት ዝተባረኸ ዕንጉታ ግና ካብዚ ሓደጋን መዓትን ፈውስን መድሓኒትን ከምዝኸውን ዝገልፅ ግሩም መልእኽቲ እዩ! ፈውሲ ነጎዳ‼️ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዝኽሪ ቅዱሳን ሐዋርያት በረከት ከምዘለዎ ኣረጋጊፁልና እዩ። "በረኸት አብ ልዕሊ ርእሲ ፃድቅ እዩ...መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ" ከምዝብል መጽሐፍ (ምሳሌ 10፡6-7) ቡሩኽ በዓል!
©Binyam ZeChristos ሐምለ 05 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኢየሱስ አማላዲ ድዩ?

3ይ ክፋል
https://youtu.be/-8A5Jyzs7wQ?si=WPBd38yvL9Xqd7K2

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #መብረቅ_መብረቀ_ይወልድ ‼️
መምህራን ምፍራይ ካብ ዝጅምር 22 ዓመቱ ዝረገፀ ናይ ትግራይ ብሕታዊ ናይ ሥነመለኮትን ትርጓሜ መጻሕፍትን መምህራን መፍረያይ ቤት ትምህርቲ እዩ፣ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ! ፅባሕ ቀዳም ካብ 3:00 ጀሚሩ ብዲግሪ፣ ብዲፕሎማ፣ ብርሕቐትን ትርጓሜ መጻሕፍትን ዘምሀሮም መምህራንን ሊቃውንትን ከመረቕ ምዃኑ እንትንሰምዕ፣ በዞም መምህራን እዚኦም ዝስነዱ መጻሕፍት፣ ዝምልኡ ጉድለታት፣ ዝቅደሱ ምዕመናን፣ ዝምለሱ መናፍቃን እናሓሰብና ብታሕጓስ ነፍስና ትዘልል።

ርግፅ እዩ እዚ ኮሌጅ ክንዲ እቲ እንፅበዮ ኣይፀንሐን። ተመሪቖም ዝወፁ መምህራን መናፍቃን ዝምልም መዶሻ ዝኾነ መጽሓፍ ክጽሕፉ እንትንፅበ፣ ተዘይኾነ ሕቶታት ዝምልስ ምሥጢር ዘደላድል ክስንዱ እንትንትስፎ ዝተሳኸዐልና ኣይመስልን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብረዘንቲ ስብከቶም፣ ብዓሞቕቲ መጻሕፍቶም፣ ብዕቅበተ እምነት ሥራሕቶም ዝኽበሩ መምህራን ኣብ ቅ/ሥላሴን ቅ/ጳውሎስን መንፈሳዊ ኮሌጃት ዝተመረቑ እንትኾኑ፣ ኮሌጅና ግን ክንድቲ እንፅበዮ ዕጉባት ኣይኮናን።

ገለ ጊዜታት እውን ነይሮም ንአባጊዕ ከድሕኑ ዝተተስፈናሎም ንባዕሎም ብኑፋቄ ሓሚሞም እንትወፁ፣ ብኦርቶዶክሳዊነት እንትንፅበዮም ብተሃድሶነት እንትቖሙ ብምርኣይ ብዙሓት ነቲ ኮሌጅ ክሓምይዎን ክጥርጥሩዎን ገይሩ እዩ። ነገር ግን ብናይ ይሁዳ ምህላው ንሓዋርያት ኣይንጥርጥሮምን፣ ብናይ ሳጥናኤል ውድቀት ንመላእክቲ ኣይንሓምዮምን፣ ብናይ ንስጥሮስ ክሕደት ንሊቃነጳጳሳት ኣይንፀልእይ፣ ብስንኩላን ምክንያት እውን ናይዚ ኮሌጅ ርቱዓን ደቀመዛሙርት ከይንሓሚ ንጠንቀቕ፣ ብሰንኪ ንቑፃት ንብዙኃን ርሑሳት ከይንልክም ንጠቀቕ።

እቲ ኮሌጅ ግን ተደኸመ እንድግፎ፣ ተሰሓተ እንምልሶ፣ ተወደቐ እነልዕሎ ናይ ባዕልና ኮሌጅ እዩሞ እንሆ ፅባሕ ቀዳም መፂና ደቁ ንመርቐሉ፣ "እንኳዕ ማርያም ኣውፀአትካ" ንበሎ። መብረቅ ኾይኑ መብረቓት ክወልድ ርእሲ- ጸሎትና ንግበሮ። መብረቅ ንመብረቕ ይወልድ ከምብል ሄኔክ (ሄኖክ 12:7)
©Binyam Zechristos ሰነ 28 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ወንጌልን_በኦሪት_ውስጥ_አየናት!
#በኖኅ_ታሪክም_አገኘናት! .... part 1
1⃣ እነሆ አባታችን ኖኅ ከጥፋት ውሃ ለመዳን 3 ክፍል ያላትን መርከብ ሰርቶ፣ ቤተሰቦቹን በቀኝ በግራ አስቀምጦ፣ እንስሳቱን አስገብቶ ከጥፋት ውሃ ድኗል (ዘፍ6:14-22)
✅ መርከብ የሕገ እግዚአብሔር የሥልጣነ እግዚአብሔር ምሳሌ፣ ኖህና ልጆቹ የፃድቃነ ብሉይ ምሳሌ! በመርከብ የኖሩት ኖኅና ልጆቹ የጥፋት ውኃ እንዳላገኛቸው የብሉይ ኪዳን ፃድቃንም የሲኦል እሳት አልገኛቸውና! ከመርከቧ ውጭ የነበሩት ውሃው እንዳገኛቸው ኃጥአነ ብሉይም የሲኦል እሳት አግኝቷቸዋልና!(ሉቃ16:22) አንድም:- ኖኅ የጌታ፣ መርከብ የመስቀል፣በቀኝ በግራ ያሉት የፈያታዊ ዘየማንና ዘፀጋም ምሳሌ! ኖህ በመርከቡ በውስጥ የነበሩት ወገኖቹን እንዳዳነ ጌታም በመስቀሉ ባደረገው ቤዛነት በቀኝ በግራ የተሰቀሉትን አድኗልና! አንድም:- ኖኅ የጌታ፣ መርከብ የእመቤታችን፣ በውስጥ የነበሩት የምዕመናን ምሳሌ! ኖኅ በመርከቡ ምክንያት ወገኖቹን እንዳዳነ ጌታም ከእመቤታችን ስጋንና ነፍስን በመንሳት ወገኖቹን ከሞት አድኗልና!

✅ አንድም:- መርከብ የጥምቀት፣ ኖኅና ወገኖቹ የጥሙቃን፣ የመርከብዋ 3 ክፍል የሥላሴ ምሳሌ፣ እነዚያ በመርከብዋ ምክንያት እንደዳኑ የሐዲስ ኪዳን ጥሙቃንም በሥላሴ ስም በምትፈፀመው በጥምቀት ይድናሉና! አንድም:- መርከብ የትንሳኤ፣ 3 ክፍል መሆንዋ የ3ቀንና 3 ሌሊት ምሳሌ! ኖኅና ልጆቹ 3 ክፍል ባላት መርከብ እንደዳኑ ምዕመናንም ጌታ ከ3ቀንና ሌሊት ባደረጋት ትንሳኤው አምነው ከሞት ይድናሉና! አንድም:- መርከብ የቤ/ክ፣ 3 ክፍል መሆንዋ የ3ቱ ክፍሎች(ቅድስት፣ መቅደስ፣ የዝማሬ/ቅኔ ማኅሌት)፣ ኖኅና ልጆቹም የሐዲስ ኪዳን ምዕመናን ምሳሌ ናቸው! እነዝያ በመርከብዋ ውስጥ ፀንተው እንደተሻገሩ የሐዲስ ኪዳን ምዕመናንም በቤ/ክ አገልግሎት ፀንተው ከድህነት ይደርሳሉና ነው!

2⃣ ኖህ ውሃው ከምድር መጉደሉን ያውቅ ዘንድ ቁራን ላከ! እርሱም ሳይመለስ ቀረ! ርግብን ቢልካት "ውሃው አልጎደለም" ስትል ተመልሳ መጣች! በ7ኛው ቀን ሲልካት "ውሃው ጎድሏል" ስትል የለመለመ የወይራ ቅጠል ይዛ መጣች! በ14ኛው ቀን ሲልካት "ከእንግዲህስ እናንተ ወደኔ እንጂ እኔ ወደናንተ አልመጣም" ስትል አልተመለሰችም!(ዘፍ8:7-12)
✅ እነሆ ኖኅ የጌታ፣ ቁራም የሰይጣን ምሳሌ ነው! ቁራ ከኖህ ወጥቶ እናዳልተመለሰ ሰይጣንም ከጌታ መንግስት ወጥቶ አልተመለሰምና! አንድም:- ርግብ የመንፈስ ቅዱስ ምሳሌ! ርግብ የጥፋት ውሃ ጎደለ ብላ እንደመጣች መንፈስ ቅዱስም ፍዳ መርገም ጎደለ ብሎ ጌታ ሲጠመቅ በርግብ አምሳል ወርዷልና! አንድም:- ቁራ የኦሪት፣ ርግብ የወንጌል ምሳሌ! ቁራ የውሃው መጉደል እንዳልተናገረ ኦሪትም የሰዎችን ድህነት አትናገርምና! ርግብ ጥፋቱ እንደጎደለ በቅጠል እንዳሳየች ወንጌልም የአዳኛችንና የቤዛችን የክርስቶስን አዳኝነት በመግለጥ ድህነታችንን ታውጃለችና! አንድም:- ርግብ የእመቤታችን ምሳሌ! ርግብ የጥፋት ውሃ ቀረ ስትል የወይራ ቅጠል ይዛ እንደተገኘች እመቤታችንም መርገም ቀለለ ስትል ጌታን በማህፀንዋ ተሸክማ ተገኝታለችና!

3⃣ ጌታ ድጋሜ ምድርን እንደማያጠፋት ለኖኅ ምልክትን አሳየው! ይሄም ብዙ ሕብር ያለው የቀስት ምልክት ነበር (ዘፍ 9:12-17)
✅ የቀስቱ ምልክት ደጋኑን ወደራሱ አውታሩን ደግሞ ወደኖኅ አድርጎ አሳይቶታል! ይሄስ ለምን አደረገ ቢሉ:- ቀስት ወርዋሪ ቀስቱን በሚወረውርበት ጊዜ ደጋኑን ወደ ጠላቱ አውታሩን ደግሞ ወደራሱ ያደርጋል! በሰላም ጊዜ (ሳይወረውር ሲቀር) ደግሞ ደጋኑን ወደርሱ አውታሩን ወደ ፊት ያደርጋል! አንድም:- ቀስቱ የመቅሰፍት ምሳሌ፣ ኖህም የሰው ልጆች ምሳሌ! ጌታ እንዳማያጠፋው ለኖህ እንዳሳየው እንዲሁ ለኛ ለሰው ልጆች እንደማያጠፋን ነግሮናልና! አንድም የቀስቱን ደጋን ወደርሱ ማድረጉ አሁንስ በመዓት ሳይሆን በምሕረት ዓይኔ አይቻችኋለሁ አድናችኋለሁ ሲል ነውና! አንድም:- ቀስቱ ብዙ ሕብር ያለው መሆኑ:- ሰዎች በብዙ ዓይነት ኃጢአት ቢበድሉኝም በአንድ ልጄ በክርስቶስ ኢየሱስ ደም ይቅር እላቸዋለሁ ሲለን ነውና!

👇ለሌሎች መንፈሳዊ ጽሑፎች ወደ ቻናሉ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos  ሰነ 18 - 2012

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ዓርቢ ~ #ጥብጣብን_ምጥላቕን ~ ፩ ✝
1⃣ #ጥብጣብ:- ኣብ ዓርቢ ስቅለት ካብ ዝግበሩ ነገራት እቲ ሓደ ጥብጣብ እዩ። እዚ ድማ ናይ ዓርቢ ስቅለት ጸሎት ተወዲኡ "እግዚኦታ" ምስተገበረ፤ ኹልና ምዕመናን ናብ ካህናት እናቀረብና ኣብ ሕማማት ጊዜ (ካብ ሰኑይ - ዓርቢ) ዝገበርናዮ ሓጢአት ነቲ ናይ ክርስቶስ ተወካሊ ዝኾነ ካህን ንናዘዝ/ንናገር። ካህናት ድማ #ብሰንቲ ብምጥብጣብ (ብምግራፍ) ስግደት ንክንሰግድ ይነግሩና። እዚ ጥብጣብ ድማ ናይ 6666 #ናይ_ክርስቶስ_መግረፍቲ_ምሳሌ እዩ።

2⃣ #አክፍሎት:- አክፍሎት ወይድማ #ምጥላቕ እንብሎ እንትኸውን፣ እምበይትና ማርያም ምስ ዮሐንስን ያዕቆብን ኾይና ብሕሱም ሓዘን «ንጎይታ ተሲኡ እንተይረአና ኣይንበልዕን» ብምባሎም ዝመጸ እንትኸውን፣ ሓሙስ ምሸት ዝበላዕና ዓርቢ ጾምና ውዒልናን ሓዲርናን፣ ቀዳም እውን ውዒልና ለይቲ ትንሳኤኡ ምስተኣወጀ እንምገብሉ ሥርዓት እዩ። ናይ ቤ/ክ ናይ ሥርዓት መጽሐፍ ዝኾነ ፍትሕ መንፈሳዊ ድማ፣ ምጥላቕ ዘይኸኣልና ዓርቢ ተደሪርና፣ ቀዳም ሥዑር ግና ብምጿም፣ ለይቲ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን" ተባሂሉ ምስተኣወጀን ብምምጋብ ምስ ድንግል ኣዴናን ሓዋርያትን በረከት ሓደ ይኸውን። #ቀዳም_ምብላዕ ግን #ፍጹም_ኣይፍቀድን! ናይ ኣክፍሎት ጸጋን በረኸት ከየምልጠኩም!

✝ ዕውር ስለዘድሓነ፣ ለምፃም ስለዝፈወሰ ክንዲ ምስጋና መከራ፣ ክንዲ ኽብሪ ስቃይ ፈደይዎ፡፡ ንሱ ግን ቃል'ኳ ኣየውጸአን። ሓያል እንትኸውን ድኹም መሰለ፣ ብፍጥረታቱ ተንገላተዐ። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝውሰድ በጊዕ፣ ኣብ ቅድሚ ሓረድቱ ሱቅ ከምዝብል በጊዕ ኣፉ 'ኳ ኣይከፈተን። ብግፍዒ ሒዞም ፈረድዎ! ናብቲ ዝቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም እንትወሰድዎ ኳ ናበይ ከምዝወስድዎ እናፈለጠ ብፍቕሪ ተኸተሎም። (ኢሳ 53፦7)

✝ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹህ እናሃለወ ብሰንኪ ናትና ሓጥያት 6666 ጊዜ ስግኡ ኃሊቑ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝረኣይ ተኸትከተ።  ነፍሲ ወከፍና እቲ ንሓጢኣትና ዝፈሰሰ ክቡር ደሙን፣ ምእንታና ዝተፈተተ ቅዱስ ስግኡን፣ ተቐቢልና ሰማያዊ መንግስቱ ንክንኸውንን እዩ‼️ ጎይታየ ችንካርካ እናዘከርና፣ ብትዕግስትኻ ተማሪኽና ኢና ሞ ተመስገን! ነቲ ዝገርም ፍቅርኻ ክንዝክር ከለና ንብዓት ይቕድመና፤ ኦ ጎይታየ ውዕለታኻ ከይንርስዕ ብደምኻ ዝረሓሰ መስቀልኻ ኣብ ጽላት ልብና ጸሓፎ‼️
©Binyam zeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

🛐 #ሐሙስ_ፅግቦ ~ #ጥቕጡቆን_ሸውላሎን 🛐
ኣብ ዕለተ ሓሙስ ካብ ዝግበሩ ትውፊታዊ ግብራት እቶም ክልተ ጥቕጡቖ ምብላዕን፣ ሸውላሎ ምጭዋትን እዮም። ትርጉሞም ድማ:-
1⃣ #ጥቕጡቖ፦ ልተፈተገ ስንዳይ ምስ ፅፁይ ዓተር ብምግባር ይነትዕሞ ቅመምን ጨውን ተወሲኹሉ ዝዳሎ ምግቢ እዩ። ዝዳለወሉ ምኽንያት ግን ከም ተራ ምግቢ እንተይኮነስ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ምሳሌን ትርጉምን ስለዘለዎ እዩ። እስራኤላውያን ድሕሪ 430 ዓመታት ባርነት ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብፂ እንትወፁ ይህወኹ ስለዝነበሩ፣ ምግቢ ኣብሲሎም፣ አብኲዖምን ጋጊሮምን ክምገቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ድማ ዘይቦኽዐ ሊጥ እናጋገሩ፣ ዘለዎም አዝርእቲ 'ውን ሓዋዊሶም እናብሰሉ ይምገቡ ነይሮም። (ዘፀ 12:34) እዛ ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ድማ "#ፋሲካ" ትበሃል። ፋሲካ - ብዕብራይስጥ #ፓሳህ ማለት #ምሕላፍ፣ ምውፃእ፣ ምሽጋር ማለት እንትኸውን ካብ ግብጺ ምውፅኦምን ካብ ሞት ምሕላፎምን ዘረድእ እዩ። ስለዚ እዛ ሓሙስ መዓልቲ፣ ፋሲካ ኣይሁድ ምን ብር ብምዝካር #ድሕሪ_ስግደት ጥቅጥቆ ይብላዕ።

✅ እዚ ድማ አይሁዳውያን በዛ ዕለት ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብፂ ባርነት ከምዝወፁ፣ ንሕና እውን ብደም ክርስቶስ ካብ ሲኦል ከምንወፅእ ዘረድእ ምሳሌ እዩ። በዚ መዓልቲ ብዙሕ ጥቅጥቆ ስለዝዳሎን ኣብ መሬት ወዲቁ እውን ንኣዕዋፍ ስለዝኸውንን፣ ኣዋልድ «#ሓሙስ_ፅግቦ_ዒፍኳ_ትፀግቦ» እናበላ ሸውላሎ ይፃወታ! ኣብቲ ጥቕጡቆ #ብዙሕ_ጨው ምግባር እውን ትርጉም ዘለዎ እንትኸውን፣ ማይ ንክፀምና ብምግባር ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ስቓዩ ማይ ከምዝፀምኦን፣ "ጸማእኩ - ጸሚኡኒ" እንትብሎም እውን መፂፅ መስተ (ካብ ከርቤን ናይ ሓርማዝ ሓሞትን ዝተቐመመ) ከምዝሃቡዎ ንምዝካር እዩ። ሎሚ ክርስቶስ ካባና ፍቅርን ሓልዮትን ፀሚኡ ኣሎ! ፀሚኡኒ ዝብል ማይ ንክሰቲ እንተይኾነስ፣ ብዝሙትን ሕሾትን፣ ብጓይላን ስኻርን፣ ብፅልእን ፖለቲካን ንዝጠፍአት ነፍስና ናፊቑ ፀሚእዎ ኣሎ።

2⃣ #ሸዋላሎ:- እዚ ትውፊት ኣብ #ትግራይ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓሙስ ጽግቦ #ድግሪ_ስግደት ዝግበር ፀዋታ ኣዋልድ እንትኸውን፣ ኣይሁድ ንክርስቶስ ብገመድ ኣሲሮም ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት፣ ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት፣ ካብ ጎኒ ናብ ጎኒ #ሸው እናበሉን እናደፍኡ የወድቅዎን የንገላትዕዎን ከምዝነበሩ ዘረድእ ትውፊታዊ ተግባር ምኳኑ ሊቃውንቲ ይገልፁ! ነገር ግን ኣዋልድ ስግደትን ጸሎትን ገዲፈን፣ ሕማሙ እናሓሰባ ከም ማርያም እንተ ዕፍረት ኣብ እግሩ ወዲቐን ከክንዲ ዝበኽያ፣ ኣብ ሰሓቕን ጸዋታን ሸውላሎ ምውዓል ኣግባብ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ።
📌
©Binyam ZeChristos ሚያዝያ 23 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://vm.tiktok.com/ZMMsd7K17/

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ሠሉስ ✝
ሠሉስ ማለት ሠለስተ - 3ይቲ መዓልቲ ኾይና፣ በዛ ዕለት ድማ 2 መሠረታዊ ታሪኻት ንዝክር።
1⃣ #መዓልት_ትምህርቲ:- ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታና ክርስቶስ ንብዙሕ ህዝቢ ከምዘምሀረ፣ ኣጋንንቲ ከምዘውፀአ፣ ሕሙማን ከምዝፈወሰ፣ ግብሪ ምኽፋል ከምዝግባእ፣ ትንሳኤ ሙታን ከምዘሎ፣ ‹ወዲ ዳዊት› ዝተባህለ ባዕሉ ምዃኑ፣ ዘምሀረሉ ዝመሃረሉን ዕለት እዩሞ መዓልቲ ት/ቲ እያ (ማቴ 21፡8) ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቃልኻ ንዝረሓቐት ነፍሰይ ምሃራ። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ቃልኻ፣ ብሓጢኣት ንዝሞተ ልበይ ዳግም ፍጠሮ።

2⃣ #መዓልቲ_ሕቶን_መልስን:- ብትምህርቲ ክርስቶስ ሕሱም ኾርዮምን ተቐይሞም ስለዝነበሩ ኣይሁድ ፣ «በየናይ ሥልጣን ኢኻ እዚ ትገብር ዘለኻ? እዚ ሥልጣን እዝስ መን ሃበካ» ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ 21:23) ጎይታና ክርስቶስ ድማ ብኽፍኣት ከምዝመፁ ፈሊጡ «ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም:: ነዚኣ እንተነጊርኹምኒ ኣነ ድማ በየናይ ሥልጣን እዚ ከምዝገብር ክነግረኩም እየ:: ጥምቀት ዮሐንስ ካበይ እያ? ካብ ሰማይ ዶ ወይስ ካብ ሰብ» ኢሉ ሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም:: ንሳቶም ግና ነዚ ናይ ጎይታ ሕቶ ክምልሱ አይደፈሩን::

✝ ምኽንያቱ "ጥምቀት ዮሐንስ ካብ ሰማይ እያ ነይራ (ሓቀኛ እያ ነይራ)" እንተይሎም «ንምንታይ ደኣ ዘይተቐበልክምዎ? ንምንታይኸ ኽሳዱ ቖሪፅኩም ቐተልኹምዎ?» ኢሉ ክሓቶም እዩ:: "ካብ ሰብ እያ (ናይ ሓሶት እያ)" እንተይሎሞ ድማ እቲ ህዝቢ ንዮሐንስ መጥምቅ የኽብሮ ስለዝነበረ ከምዚ ክብሉ እውን ኣይከኣሉን:: ስለዚ "መልሱ ኣይንፈልጥን" በልዎ:: ጎይታና ክርስቶስ እውን መሊሱ «ኣነ እውን በየናይ ሥልጣን ከምዚ ከምዝገብር አይነግረኩምን» በሎም (ማቴ 21:23-27) ሥልጣን ኹሉ ናይኻ ዝኾነ ኦ ጎይታይ ክርስቶስ! ንስኻ ንኹሉ ትእዝዝ፣ ንስኻ ንኹሉ ትገብር ኢኻሞ ድኽምቲ ህይወተይ ኣብቲ ሓያል ቕልፅምኻ ኣማዕቑባ‼️
©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 21 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ሰኑይ ‼️
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ - ቀዳም ዘለዋ መዓልትታት ነናይ ባዕለን ስያመን ትርጉምን ዘለወን እየን። ሰኑይ ማለት ሰነየ - ክልተ ገበረ ማለት ኮይና ፣ 2ይቲ መዓልቲ ማለት እያ። ትርጉማ ድማ
1⃣ #ጎይታ_ንበለስ_ዝረገመላ_መዓልቲ:-
ክርስቶስ ድሕሪ በዓለ ሆሳዕና ንጽባሒቱ ንግሆ ሰኑይ ዳግም ናብ ኢየሩሳሌም ክምለስ ከሎ ጠመየ እሞ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ረኣየ። ቆጽሊ እምበር ፍረ ስለዘይረኸበላ ድማ ”ንሓዋሩ ካባኺ #ፍረ_ኣይረኸብ” ኢሉ ረገማ፣ እታ በለስ ከዓ ነቐጸት (ማቴ21፡18-21)።

✅ማቴዎስ ብወንጌሉ "ብዛዕባ ምንቃጽ ናይታ በለስ" ክዛረብ ከሎ እታ መዓልቲ #ሰኑይ ከምዝኾነት እንትነግረና፣ ማርቆስ ግና #ሠሉስ ከም ዝኾነ ይገልጽ። እዚ ከመይ እዩ እንተበልና፣ ማቴዎስ:- እታ በለስ ሰኑይ ተረጊማ ምንቃጽ ስለ ዝጀመረት #ሰኑይ እንትብል (ማቴ 21፡19) ማርቆስ ድማ: ጎይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሠሉስ ንግሆ በቲ መንገዲ ክምለሱ ከለዉ ካብ ሱራ ነቒጻ ስለ ዝረኣይዋ ሰሉስ ከምዝነቐጸት ገይሩ ጽሓፈ። ምኽንያቱ ዑደት ሆሳዕና ሰንበት (እሑድ) ስለ ዝነበረ እዩ (ዮሓ12፡1-3)።

✅ማርቆስ ወንጌላዊ፣ እታ በለስ ንምንታይ ነቒፃን ብዘይ ፍረ ከም ዝተረኸበትን እንትነግረና “እስመ ኢኮነ ግዜሁ ለበለስ - በለስ ዝፈርየሉ ጊዜ ስለዘይነበረ" ብምባል ይገልፀልና። (ማር11፡13) ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ “እስመ መዋዕለ ክረምት ውእቱ - ጊዜኡ ክረምቲ ስለዝነበረ እዩ" ይብል። (መጽሓፈ ግብረ ሕማማት) እታ በለስ ፍረ እተፍርየሉ ጊዜ ተዘይኮይኑ ደኣ፣ ንምንታይ ጎይታ ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ? ኣቐዲሙ ስለዘይፈልጥ ድዩ? ወይስ ምኽንያት ነይሩዎ? እንተይልና፣ ሊቃውንቲ 3 ምኽንያት የቕርቡ።

✝1.1) #ስጋ_ምውሃዱ_ንምግላፅ:-
ኢየሱስ ኹሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ጥራይ እንተይኮነስ፣ "ሕቡእ ዘይፈልጥ ናይ ስጋ ባህርይ ከምዝተዋሃደ" ከምህር ኡሉ እምበር፣ ንሱ ኣቐዲሙ ንነገራት ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይነበረን። [ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው 75፡3፣ 79፡32)

✝1.2) #በለስ_ናይ_እስራኤል_ምሳሌ_እያ
ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኦም በለስ ናይ ቤት እስራኤል ምሳሌ ምዃኑ ይዝከር። (ኢሳ 5፡1-7 ፣ ሉቃ 13፡6-9) ስለዚ ድማ እታ ደሪቓ ዝተረኸበት በለስ ናይ እስራኤላውያን ምሳሌ እንትኸውን፣ በዚ ድማ ጎይታ ክርስቶስ ካብታ በለስ ፍረ ክረኽበላ ከምዝኸደ፣ ካብ አይሁድ እውን ናይ እምነትን ግብርን ፍረ ደልዩ ከምዝኸደን ካብ ናይ እምነትን ምግባርን ፍረ ደሪቖም ከምዝተረኸቡን ዘረድእ መልእኽቲ እዩ።

✝1.3) #በለስ_ናይ_ሓጢኣት_ምሳሌ_እያ:-
ጎይታ ብስጋ ማርያም ናብዛ ዓለም ቅድሚ ምምፅኡ፣ ሓጢኣት ኣብዚ ዓለም ሰልጢና ረኣያ። ፍረ በለስ ክትበልዖ ንግዚኡ ጥዑም ኾይኑ፣ ድሓር ግና መሪር ከምዝኾነ ኹሉ፣ ሓጢኣት እውን ንግዚኡ ክትፍጽሞ ደስ ዝብል፣ ኣብ መወዳእታ ግና ዘጣዕስን ዋግኡ እውን ምረረ ገሃነምን እዩ። ጎይታ ስጋና ተዋሒዱ ናብ ምድሪ ምስመፀ ግን፣ ኣብ ልዕልና ሰልጢኖም ዝነበሩ ሓይልታት ሓጢኣትን ኣጋንንትን ስዒሩ ፣ ዝተገፈፈ ፀጋና እውን መሊሱልና እዩ። በዚ አንጻር ጎይታ ካብታ በለስ ፍረ ደልዩ ከም ዘይረኸበላን ደጊም ንዘለኣለም ፍረ ኣይረኸብኺ ከምዝበላን፣ ከምኡ ንሓጢኣት እውን ንዘለዓለም ኣብ ባህርይ ሥልጣን ንከይህልዋ ገይሩ ከም ዝረገማ ንምርዳእ ናብታ በለስ ኸደ። ነዚ እዩ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወረቅ “ህየንተ በለስ ረገማ ለኃጢአት - ብመንጽር ኦም በለስ ንሓጢኣት ረገማ" ኢሉ ዝተርጎሞ።

2⃣ #ቤት_መቕደስ_ዘንጽሃላ_መዓልቲ :-
ክርስቶስ ድሕሪ ሆሳዕና ናብቲ ቤተመቅደስ እንትኣቱ ኣብ ክንዲ መስዋእትን ጸሎትን፣ ቤት ሸቐጥትን መሽረፍትን ኮይኑ ስለ ዝጸንሖ፣ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ኩሎም ሰጎጎም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግቢ እውን ገልበጠ። “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩሞ” ብምባል ድማ ገሰፆም። (ማቴ 21፡12-17፣ ማር 11፡15-19፣ ሉቃ 19፡45-48፣ ዮሓ 2፡13-22) ሐዚ ግና ናይ ክርስቶስ ቤተ መቕደስ ንሕና ኢናሞ፣ ንቤተ መቕደስ ሰብነትና ካብ ጸሎትን ምስጋናን ወፃኢ ዘርኣውነትን ኽፍኣትን፣ ሓሳባት ስጋን ዓለምን ንክነፅሪ እንምከረላ መዓልቲ እያ።

#ሠሉስ ~ #ትምህርታዊት_ዕለት ~ ክቕፅል እዩ!

©Binyam ZeChristos - ሚያዝያ 21 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝግበሩን ዘይግበሩን ነገራት

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

⁉️ #እዚኦም_ብምንታይ_ድሒኖም⁉️
1⃣ ነቲ መርዓዊ ንምቕባል ካብ ዝወፃ 10 ደናግል፣ እተን 5 ሰነፋት ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ እንተይሓዛ ክቐበልኦ ኸዳ። መርዓዊ እንትመፅእ እተን 5 ለባማት ብዘይቲ መብራህተን እንተብርሃ፣ እተን ሰነፋት ግና ዘብርሃሉ ዘይቲ ሰኣና'ሞ እቲ መርዓዊ ሓሊፉ ኣተወ። ተን ሰነፋት በሪ እንተንኳሕኮሓ "ኣይፈልጠክንን" ኢሉ ኣባረረን። 📌(ማቴ 25:1-12) እዘን ሰነፋት ደናግል ነቲ መርዓዊ /ክርስቶስ/ ይኣምንኦን ይኽተልኦን እንተነበራ፣ ግን ሰኒፈን፣ ተጊሀን ኣይተፀበይኦን። እሞድኣ ናብቲ መርዓ ዘይኣተዋሉ ምክንያት ብእምነት ጉድለት ወይስ ብምግባር ጉድለት?

2⃣ ካብቶም በቢጸግኦም መክሊት ዝተውሃቦም 3 መገልገልቲ፣ እቶም ክልተ ዝተውሃቦም መክሊት 5ን 2ን ዝነበሮም ኣትሪፎም እንትምልሱሉ፣ እቲ ሓደ ሃካይ መገልገሊ ግና እንተይነገደን እንተይኣትረፈን ቐቢሩዎ ፀንሐ። እቲ ጎይታ ድማ ናብ ጸልማት ደርበዮ። 📌(ማቴ 25:14-30) እሞ ደኣ እቲ ናብ ጸልማት ዝተደርበየ ሃካይ መገልገሊ እምነት ስለዘይነበሮ ዶ ምግባር ስለዘይነበሮ እዩ ናብ ጸልማት ዝተደርበየ?

3⃣ ጎይታ ኣብ ምጽኣቱ ንፍርዲ እንትመፅእ ንአባጊዕ(ቅዱሳን) ብየማኑ፣ ንአጣሊ (ኃጥአን) ብጸጋሙ ከምዘቑሞም፣ ነቶም ቅዱሳን ድማ "ጠምየ ኣብሊዕኹሙኒ፣ ፀሚአ አስቲኹምኑ... ኢኹም እሞ መንግስትን ውረሱ" በሎም። ነቶም ኃጥኣን ድማ "ጠምየ ኣየብላዕኹምንን፣ ፀሚአ ኣየስተኹምንን ... ኢኹም እሞ ካባይ ረሓቑ" ይብሎም። 📌(ማቴ 25:32-46) እቶም ኃጥኣን "እምነት ኣይነበረኩምን" ተባሂሎም ድዩ ወይስ "ምግባር ስለዘይነበሮም" እዩ ናብ ሓዊ ዝተደርበዩ? ጻድቃን ኸ መንግሥቱ ዝወረሱ ብእምነት ወይስ ብምግባር?
📌«ሰብ #ብግብሪ_ኸም_ዝጸድቕ ትርእዩ አሎኹም» (ያዕ 2:24)
©Binyam ZeChrist   መጋቢት 23 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ሰብ_ብምንታይ_ይድሕን?‼️
እዚ ኣብ ትምህርቲ ነገረ ድኅነት ዝለዓል መሠረታዊ ሕቶ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ መልስና ድማ «ሰብ ዝድሕን ብጸግኡ፣ ብእምነት፣ ብምሥጢራተ ቤ/ክ፣ ብክርስቲያናዊ ምግባራትን እዩ» ዝብል ይኸውን። ብሓፂሩ ብመርትዖ እንትነቕምጦ ድማ:-

📌ድሕነት = ጸጋ + እምነት + ምሥጢራት + ምግባራት

1⃣ ብጸግኡን ብሓይሉን
📌1 ቆሮንቶስ 15:10፤ « እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፣ #ብጸጋ_እግዚአብሔር እየ ኾይነዮ ዘለኹ »
📌ኤፌሶን 1:7:- « ከምቲ #ሃብቲ_ጸግኡ ድማ ሥርየት ሓጢኣት ረኸብና »

2⃣ ብእምነት
📌ዮሐንስ 3:36:- «ብወዲ #ዝኣምን ናይ #ዘለኣለም_ህይወት ኣላቶ።»
📌 ግብሪ 16:30:- «ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ #እመን፣ ንስኻን ድራኻን ድማ #ክትድሕኑ ኢኹም»

3⃣ ብምሥጢራት
📌1 ጴጥሮስ 3:21:- «እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ ማለት #ጥምቀት_የድሕነኩም አሎ»
📌ዮሐንስ 6:54:- « ስጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ናይ #ዘለኣለም_ህይወት ኣላቶ። »
📌ግብሪ 11:18:- « እምብኣርስ ኣምላኽ ንኣህዛብ ድማ #ንህይወት_ዝኸውን_ንስሓ ሂብዎም »

4⃣ ብክርስቶሳዊ ምግባራት
📌 ዮሐ 5:28-29:- « ሰናይ #ዝገበረ ናብ #ትንሳኤ_ህይወት፣ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም። »
📌 ያዕ 2:24:- « ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኮነ #ብግብሪ _ከም_ዝጸድቕ ትርእዩ አሎኹም።
©Binyam ZeChristos  መጋቢት 19 - 2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://youtu.be/IoiJy6ZGwrc?si=76fqBLavpOEAxAdi

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ኦርቶዶክሳውያን_ኣዋልድ_ተዳለዋ ‼️
ድሕሪ ወርሒ ናይ እምበይትና ማርያም ናይ ትንሳኤኣን ዕርገታን በዓል እዩ። #በዓለ_ዕርገታ! ብልምዲ ድማ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ አሸንዳ! እዚ በዓል ፍፁም መንፈሳዊን ሃይማኖታውን ስለዝኾነ፣ ግን ድማ ንብዙሕ ጊዜ ብስም ባህልን ልማድን ተታሑዙ፣ ኣከባብርኡ ብድርፍን ጓይላን ኾይኑ፣ ናብ ኮንሰርትነት ተለዊጡ፣ ናይ ስኽራንን ዝሙትን ዕለት ኾይኑ ይርከብ። ነዚ በዓለ ዕርገት ኣዴና ድማ ናብቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ኽብሪ ንኽንምልሶ ብዝማሬ ንክነኽብሮን ሓላፍነቱ ኣባና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዋልድ ደቂ እመብርሃን እዩ ዘሎ። ስለዚ እንታይ ንግበር?

📌 ኣብ መላእ ትግራይ (ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት) ዘለኽን ተምሃሮ ኣብያተ ሰንበትን ካልኦት መንፈሳውያን ኣሓትን ካብ ፅባሕ ጀሚርኽን ነዚ ሓሳብ ኣብ ማእኸልኽን ብምንግጋር፣ ንእመብርሃን ንምዝማር ተዳለዋ።

📌 በቢደብርኽን ተወዲብኽን፣ ምስ ወረዳን ምስ ዞባን ሕብረት ቤት ት/ሰንበት ብቃልን ብደብዳቤን ብምንግጋር ኣብ ካልኦት ኣብያተ ት/ሰንበት ምስ ዘለዋ ኣዋልድ ብምሕባር ተወደባ። ኣብ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ ዕላማ ዕመማ!

📌 ኣብቲ መዓልቲ ዝዝመሩ መዝሙራት ተመሪፆም ተፃሒፎም ይዳለው። ናብ ካልኦት ኣድባራት እውን ብወረቐት ተላኢኾም ብኹልኽን ይፈለጡ፣ ይፀንዑ። ኣብ በዓለ ዕርገታ (አሸንዳ) ዝግበሩ መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎም ኣልባሳትን (ጥልፊ)፣ ቖፅሊ አሸንዳን ንከዳልዋ ንኹለን ኣፍልጦ ምሃብ።

📌 እንተተኻኢሉ ቕድሚ እቲ በዓል ኣቐዲምኻ ብዛዕባ በዓል አሸንዳ መንፈሳዊነትን ንዝለዓሉ ናይ ተቓውሞ ሕቶታት ድማ መልስታቶም ከም ስልጠና/ትምህርቲ ንክወሃበን ምግባር። ብተወሳሳሲ ድማ ኣብቲ በዓል ንኽንደይ መዓልትታት ብዝማሬ ከምተኽብራ፣ ክንደይ ሰዓት ከምዝጅመር፣ ኣበይ ከምዝጅመር፣ በየናይ መንገዲ እናዘመራ ከምዝኸዳን ኣበይ ከምዝጠናቐቕን ተዛተያ፣ ወስና!

📌ናይ መቐለ ኣባላት ኣብያተ ት/ሰንበት ኣብ 2011ን ብፍላይ ድማ ዓሚ 2015 ዓ/ም አሸንዳ ብዝማሬ ንምኽባር ዝገበርኦ ተኣምራዊን መንፈሳውን አከባብራ ክድገም ይግባእ።
(ኣብ 2011 ዓ/ም ካብ ዝነበረ ኣከባብራ ኣሸንዳ ዝተወሰዱ ፎቶታት)
#RestoringAshenda
#አሸንዳ_ንማርያም
©Binyam ZeChristos ሓምለ 13 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኢየሱስ አማላዲ ድዩ?

3 ክፋል:-
ኢየሱስ ማእኸላይ ድዩ ወይስ አማላዲ?

Full Video
https://youtu.be/Oyf2Ac4cQHA?si=O1x2SsxAFZX5fTSF

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #በዓል_ሐዋርያት - ሐምለ 5 ‼️
"ጾመ ሐዋርያት" ወዲእና ፋሲካና እዚ በዓል እዩ - #በዓለ_ሓዋርያት! ካብቶም 12 ቅዱሳን ሐዋርያት ሓደ ናይ #ቅዱስ_ጴጥሮስን ካብ 72 ኣርድእት ሓደ ዝኾነ ናይ #ቅዱስ_ጳውሎስን ሰማዕትነት ዝሕሰበሉ ብልምዲ #ሓርያ ዝበሃል በዓል እዩ።
1⃣ #ቅዱስ_ጴጥሮስ፦ ጴጥሮስ ካብቶም 12 ናይ ኢየሱስ ደቀመዛሙርቲ ሓደ ዝኾነ፣ አቀዲሙ ስሙ ስምዖን ዝበሃል ዝነበረ፣ #ጴርቴዋ ትበሃል ሰበይቲ ዝነበረቶ፣ ምስ ዓብዪ ሓዉ ምስ #እንድርያስ ዓሳ እናስገረ ዝመሓዳደር ዝነበረ፣ ጎይታ "ተኸተሉኒ! ዓሳ ከምተስግሩ ከምኡ ንሰባት እተስግሩ ክገብረኩም እየ" ኢሉ ሐዋርያ ንክኾን ምስ እንድርያስ ዝፀወዖ (ማቴ 4፡18) ጎይታ "ጴጥሮስ" ኢሉ ስም ዝሃቦ ሃዋርያ እዩ (ማቴ16፡18) "ጴጥሮስ-Petros" ዝብል ቃል ግሪክኛ እንትኸውን ትርጉሙ ድምን #ኮክሒ ማለት እዩ! ጴጥሮስ ናይ ሐዋርያት ሓለቃ እንትኸውን፣ ናይ መንግስተ ሰማያት መኽፈቲ ቊልፊ ዝተውሃቦ እዩ (ማቴ16፡19)!

ቅ.ጴጥሮስ፣ ብ66 ዓ/ም ንጉስ ኔሮን "ንጣዖት ስገዱ" ኢሉ እንትእዝዝ "እምብለይ" ኢሉ ብምቅዋሙ ምኽንያት ክቀትሎ እንትመፅእ፣ ምዕመናን ሓቢኦም ካብ #ሮም ከተማ የውፅእዎ! ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መንገዲ እንተሎ ጎይታ ልክዕ መስቀል ፀይሩ ከም ዝኸይድ መሲሉ ተርኣዮ። "ጎይታይ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?" እንትብሎ "ኣብ ሮም ዝስቀለለይ እንተዘየለማ ባዕለይ ዳግም ክስቀል ይኸይድ ኣለኹ" በሎ! ቅ.ጴጥሮስ እውን እዚ መልእኽቲ ንዕዑ ምኳኑ ተረዲእዎ ናብ ሮም ተመሊሱ፣ ነቶም እናደለይዎ ዝነበሩ ወታደራት «ከም ጎይታ እንተይኮነስ ቊልቊል ደፊእኹ ስቀሉ» በሎም! ንሳቶም ድማ ሐምለ 5 ቊልቊል ኣፉ ሰቐልዎሞ ብሰማዕትነት ገነት ወረሰ። ጸሎቱን ኣማላድነቱን ይሓልወና!

2⃣ #ቅዱስ_ጳውሎስ፦ ጳውሎስ ዋላኳ ካብቶም 12 ደቀመዛሙርቲ ኣይኹን፣ ብግብሩን ብስብከቱን ግና ሐዋርያ ዝተብሃለ፣ አቀዲሙ ስሙ #ሳውል ዝነበረ፣ #ገማልያል ካብ ዝበሃል አይሁዳዊ መምህር እውን ሕጊ ኦሪት ዝተምሃረ (ግብሪ 22፡3) ፣ ንክርስቲያን ምዕመናን ይኣስሮምን የንገላትዖምን ዝነበረ ኣይሁዳዊ ሰብ እዩ። ንክርስቲያን ክኣስር #ደማስቆ ናብ ትበሃል ከተማ እንትኸይድ ግና ጎይታ ክርስቶስ ብዓምዲ ብርሃን ዘነጋገሮን ዓይኑ ዘዕወሮን ሰብ እዩ!(ግብሪ 9፡4) ብድሕሪ እዚ ጎይታ "ምሩፅ ኣቅሓይ ክገብረካ እየ" ኢሉ ናብ ሐናንያ ዝበሃል ክርስቲያን ይልእኾ! ሐናንያ ድማ ጸሎት ገይሩ እተን ዝዓወራ ኣዕይንቲ ጳውሎስ መለሰሉ!

ብድሕሪ እዚ ክርስቲያን ኮይኑ፣ ብዙሓት ሀገራት እውን ብምዛርን ብምስባኽን ዘገልገለ፣ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ዝምደብ ሐዋርያ እዩ! ብ66 ዓ.ም ንጴጥሮስ ዝሰቀለ ንጉስ ኔሮን ንጳውሎስ እውን ብሰይፊ ኽሳዱ ተቆሪፁ ሰማዕትነት ንክቅበል ገይርዎ እዩ! ጸሎቱን ኣማላድነቱን ትሓልወና! ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ቤ.ክ እውን በቢመዓልቱ ኣብ ቅዳሴ « ተውህቦ መራኁት ለአቡነ ጴጥሮስ ... ወመልዕክት ለአቡነ ጳውሎስ እስመ ውእቱ ብርሃና ለቤ.ክ -- ንአቦና ጴጥሮስ መፍትሕ/ቊልፊ ተውሃቦ! ናይ ቤ.ክ ብርሃን ንዝኸውን ኣቦና ጳውሎስ ድማ መልእኽቲ ተውሃቦ » እናበለት ተመስግኖም ትዝክሮም!ኣብዚ በዓል እንሰርሖን እንወቅዖን ጭጉራፍ (#ሓርያ) ደኣ እንታይ እዩ ትርጉሙ? (ክቅፅል እየ)
#Share #Share #Share
©Binyam ZeChristos ሐምለ 04 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

ኢየሱስ አማላዲ ድዩ? 1ይ ክፋል

https://youtu.be/WABzhTb3sI0?si=_s3JI0puwnqxC5lI

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

🚫 « .. #ለዛቲ_ቤት_ሐነጻ_ወልድ - ሰኔ 21..» 🚫
✝ ቤተ ክርስቲያን ማለት ትርጉሙ 1⃣ ክርስቲያን የሆነን ሰው (1ቆሮ 3፥16፤ገላ1፥13) 2⃣የክርስቲያኖች ሕብረትና ጉባኤ (ማቴ 18፥17፤ የሐዋ 5፥11፤ ቆላ4፥15) 3⃣ ክርስቲያኖች የሚሰበሰቡበት፥ ቅዱስ ስጋውን ክቡር ደሙን የሚቀበሉበት የከበረ የተወደደ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ማለት ነው (የሐዋ11፥26፣ 1ጢሞ 3:15) የሐዲስ ኪዳንዋ ቤ/ክ በብሉይ አስቀድማ በትንቢት የተነገረች በሐዲስም ራሱ ጌታ በቃሉና በእጁ የሰራት የአማናዊው/እውነተኛው መስዋዕት መሰውያ ናት:: አስቀድሞ በነብዩ በሚልክያስ "ከፀሐይ መውጫ ጀምሮ እስከ መግቢያዋ ድረስ ስሜ በአሕዛብ ዘንድ ታላቅ ይሆናልና በየስፍራውም ለስሜ ዕጣን ያጥናሉ፥ ንጹሕም ቍርባን ያቀርባሉ"(📌ሚልክ1፥11)ተብሎ ነበር::

በብሉይ ዘመን የኦሪት ቤተ መቅደስ፣ ዕጣንና ቁርባን በእስራኤላውያን ዘንድ እንጂ በአሕዛብ ዘንድ ፍጹም አልነበረም! ስለዚህ ይህ የሚልክያስ ትንቢት በሐዲስ ኪዳን ስጋውና ደሙ ለሚሰጥበት፣ የቅዳሴው ዕጣንም ለሚቀርብበት ቤ/ክ የተነገረ መሆኑ ግልፅ ነው:: ነብዩ ኢሳይያስም "በዚያም ቀን እግዚአብሔር በግብጽ የታወቀ ይሆናል፥ ግብጻውያንም እግዚአብሔርን ያውቃሉ በመሥዋዕትና በቍርባን ያመልካሉ" (📌ኢሳ19፥21) አለ:: በብሉይ ኪዳን ጊዜ ግብፅ የአሕዛብ ከተማ የነበረች፣ እስራኤላውያን በግብፅ ምድር ሆነው መስዋዕት እንዳይሰው የተከለከለች ሀገር ነበረች:: (📌ዘፀ 8፥1-29) ስለዚህም ግብጽ ጌታን ያወቀችው በዓመተ ምሕረት ነውና ኢሳይያስ በትንቢቱ የሚናገረው በዘመነ ሐዲስ ኪዳን በቤተክርስቲያን በቁርባኑና በመስዋዕቱ እንድናከብረው ጌታ መውደዱን ይገለጥ ዘንድ ነው::

በትንቢት የተነገረው ይፈፅም ዘንድ መሰረትዋም ይመሰርት ዘንድ "አንተ ጴጥሮስ ነህ፥ በዚችም ዓለት ላይ ቤተ ክርስቲያኔን እሠራለሁ፥ የገሃነም ደጆችም አይችሉአትም" በማለት ወልድ ዋሕድ በሚል እምነት እቺን ቤ/ክ ሰራ:: በማይናወፅ ምስክርነት የማትናወፅ ቤ/ክ አቆመ:: በክርስቶስም የማዕዘን ድንጋይነት፣ በጴጥሮስ ዓለትነት፣ በሐዋርያትና በነብያት መሰረትነት መቅደሱን መሰረተ::"በሐዋርያትና በነቢያት መሠረት ላይ ታንጻችኋል፥ የማዕዘኑም ራስ ድንጋይ ክርስቶስ ኢየሱስ ነው" እንዲል(📌ኤፌ 2፥20 ፤ 5፥23):: የሐዲስ ኪዳንዋ ቤ/ክ ለሐዲስ ኪዳኑ መስዋዕት የመሰውያው ቦታ ሆና ተሾመች:: "መሰዊያ አለን" እንዳለው ቅዱስ ጳውሎስ (📌ዕብ13፥10)

✅ በመጀመርያው ክ/ዘ ጌታ ካረገ ከ15 ዓመት ብኋላ እመበታችን አርፋ ካረገች ብኋላ 4 ዓመታት እንዳለፉ በ53 ዓ.ም ቤተ ክርስቲያን በጉባኤ መልክ እየሰፋ ሲሄድ ጳውሎስና በርናባስ ባስተማሩባት የፍልጵስዩስ ከተማ ቤ/ክ ይሰራ ዘንድ ግድ ነበር:: በዚህም ሐዋርያት ሱባዔ ይዘው ወደ ጌታ አመለከቱ:: ጌታም በፊልጶስ ቂሳርያ ለጴጥሮስ በገባለት ቃል ኪዳን መሰረት ሐዋርያትን ለስብከት ከሄዱበት ሀገረ ስብከታቸው በደመና እየጠራ ፊልጵስዩስ ከሰበሰባቸው ብኋላ አስቀድሞ በነብያት በየቦታው መቅደሱ ይሰራ ዘንድ ባዘዘው መሰረት 3 ድንጋዮችን አንስቶ በእጁ እየለመለሙለት የመጀመርያዋን ቤ/ክ መሰረትዋን ግድግዳዋንና ጣራዋን ሰርቶ በእናቱ በእናታችን በወዳጁ በእመቤታችን ስም ሰይሞ ስጥቷቸዋል:: ሕንጸተ ቤታም አከበሩ:: በነጋታው በሰኔ 21 ጌታ ራሱ በሰራት ቤ/ክ ቀድሶ የራሱን ስጋና ደም በማቁረብ ቅዳሴ ቤታን አክብሯል:: ቅዱስ ያሬድ ይህንን ዕለት በማስመልከት "ለዛቲ ቤት ሐነፃ ወልድ ወፈፀማ መንፈስ ቅዱስ - ይህቺን ቤት ወልድ ሰራት መንፈስ ቅዱስም አጠናቀቃት"አለ:: ይህም ክርስቶስ እንደሰራት፣ መንፈስ ቅዱስም "የእውነት መንፈስ በመጣ ጊዜ ወደ እውነት ሁሉ ይመራችኋል"እንዲል (📌ዮሐ16፥13) አጠናቀቃት አለ! መራት ጠበቃት፥ ይመራታል ይጠብቃታል ሲል ነው::

✅ ዛሬ ይህንን የቤ/ክ የመሰራትና የቅዳሴዋ በዓል ስናከብር እቺን ቤ/ክ ለመጠበቅ ደም የለበሱትን፥ ሊያኖርዋት የሞቱትን፥ ቅርሶችዋን ለመጠበቅ በየዱሩ የአውሬ እራት የሆኑትን በየገደሉም የተረሱትን አባቶች በማስታወስ ነው::ክርስቲያኖች በድንጋይ ተወግረው ወደ ገደል ቢጣሉም፥ ቆዳቸው ተልጦ ጨው ቢጨመርባቸውም፥ አንገታቸው ተቀልቶ ቁልቁል ቢሰቀሉም ሞታቸው ብዙዎችን እየወለደ፥ ደማቸውም ለራሳቸውና ለብዙዎች ጥምቀት እየሆነ፥ እቺን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ለኛ አስረክበዋል:: በእውነት ምስጋና ይገባቸዋል:: ምስጋና- በ9ኛው ክ/ዘ በዮዲት ጉዲት ጊዜ 40 ዓመት ሙሉ በየጫካው ታቦታቱንና ንዋየ ቅድሳቱን ይዘው ለተሰደዱት አባቶች! ክብር- በ16ኛው ክ/ዘ በአሕመድ ግራኝ ጊዜ ማዕተባችንን አንበጥስም ላሉት ቅዱሳን! ውዳሴ- በ17ኛው ክ/ዘ በንጉስ ሱስንዮስ ለታወጀው ካቶሊካዊ አዋጅ አንቀበልም ብለው ለታረዱት 8000 ኦርቶዶክሳውያን ምዕመናን! ልዕልና- በዘመነ መሳፍንት ቅብዓትንና ጸጋን ተከራክረው በመርታት ተዋሕዶን ለመሰከሩ ሊቃውንት አባቶች! መወደድ- የዛሬዋን ቤ/ክ ለመጠበቅ በየገዳማቱ በጸሎት ለተጠመዱት አበው መነኮሳት፥ የጽድቅም አክሊል ቤ/ክንን ለቀጣይ ትውልድ ለማስተላለፍ መናፍቃንንና ተሐድሶን ለሚቃወሙ መምህራን፥ ምዕመናንና የሰንበት ትምህርት ቤት ወጣቶች! አምልኮና ስግደትም ይቺን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ለመሰረታት ለትንሳኤው ጌታ ለክርስቶስ ኢየሱስ ይሁን!!
#ለዛቲ_ቤት_ሐነጻ_ወልድ_ወፈፀማ_መንፈስ_ቅዱስ !!

👇ለሌሌች ጽሑፎች ቴሌግራም ቻናሉን ይጎብኙ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos   ሰኔ 20 - 2010

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

😭 #ዓርቢ  ~ 13 #ሕማማተ_መስቀል  ~  ፪ 😭
✝ ቤዛና ክርስቶስ ካብ ሓሙስ ምሽት 3 ሰዓት ክሳብ ዓርቢ 9 ሰዓት ዝተቐበሎ መከራን ስቓይን ብንብዓት እምበር ብናይ ሰብ ይኹን ብናይ መላእክቲ ቋንቋ ክግለፅ ዘይኽእል እንትኸውን ሊቃውንት ግና ጥቕልል ኣቢሎም ጎይታ 13 ሕማማት መስቀል ከምዝተቐበለ ብሓዘን ይገልፁ።
1⃣ #ተአስሮ_ድኅሪት(ንድሕሪት ምእሳሩ):- ከም ገበነኛን ወንጀለኛን ክልተ ማሕጎፍኡ ንድሕሪት ካሳብ ዝጣበቕ፣ ቖርበቱ እውን ብሽመል ክሳብ ዝትልተል ኣሰርዎ።
2⃣ #ተስሕቦ_በሐብል (ብገመድ ምጉታቱ):- ምእሳሮም ጥራይ እንተይኮነስ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ኾይኖም እናላገፁ እንትስሕብዎ፣ ኣእዳዊ ካብ ማእገሩ ክብተኻ ክሳብ ዝብላ የሳቕይዎ ነይሮም።
3⃣ #ወዲቅ_ውስተ_ምድር (ናብ ምድሪ ምውዳቑ):- እናጎተቱ እንትስሕብዎዎ እንትደፍእዎን ድማ ብቕድሚት ብገፁ እናወደቐ ካብ ገጹን ኣፍንጭኡን ደም ይውሕዝ፣ ስግኡ ይፎሓቕ፣ ኣዕይንቱ ደም ቋፂሮም በእንታና ተሳቐየ።

4⃣ #ተከይዶ_በእግረ_አይሁድ (በእግሪ አይሁድ ምርጋፁ):- ኣብ ልዕሊ ምውዳቑ ድማ «ናበይ ኣምሊጡ» እናበሉ እቶም ሠራዊት ምስ ኣፍራሶም ብሕቕኡን ብደረቱን እናረገፀ ደም ክሳብ ዝጎስዕ መከራ ኣብዝሑሉ።
5⃣ #ተገፍዖ_ማዕከለ_ዓምድ (ምስ ኣዕምዲ ምግጫው):- ኣብ ማእኸል ክልተ ጉንዲ ብገመድ ኣሲሮም፣ ንቕድሚት እንትስሕብዎ ብገጹ፣ ንድሕሪት እንትስሕብዎ ድማ ብርእሱ ምስ ዓምዲ ክሳብ ዝደኽሞም የላትምዎ፣ ግንባሩን ርእሱን ቆሲሉን ተሰንጢቑን ነበሩ።
6⃣ #ተጽፍዖ_መልታሕት (ብፅፍዒት ምውቅዑ):- በዚ ከይኣኸሎም ወንጀለኛ እዩ እናበሉ ድማ ካብ ገጹ ደም ቲፍቲፍ ክሳብ ዝብል ይጸፍዕዎ ነበሩ።
7⃣ #ተቀስፎ_ዘባን (ዝባኑ ብሓለንጊ ምግራፉ):- ብሕጊ ኣይሁድ ወንጀለኛ 40 ግራፋት ዝግረፍ እንተኾነ እኳ፣ ንሳቶም ግና ንጎይታ ስግኡ ተወዲኡ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝረኣይ 6666 ጊዜ ገረፍዎ።
8⃣ #ተኰርዖተ_ርእስ (ርእሱ ብዘንጊ ምኽትኻቱ):- ኣዕይንቱ እናሸፈኑ ካብ ርእሱ ደም ክሳብ ዝጭቂ ብዘንጊ ርእሱ እናኸትኸቱ «መን ከምዝወቐዕካ ንገረና» ይብልዎ የባጭውሉ ነይሮም!

9⃣ #አክሊለ_ሦክ (ኣክሊል ዕሾኽ ምድፍኡ):- ንመላእኽቲ አክሊል ብርሃን ዝዕድል ጎይታ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቖሰለ ርእሱ ድማ ክንዲ ሚስማር ዝነውሕ ናይ በረኻ ዕሾኽ ከም ኣክሊል ጎንጒኖም ናብ ርእሱ እናፀቐጡ መግለፂ ዘይብሉ ግፍዒ ፈጸሙ።
1⃣0⃣ #ፀዊረ_መስቀል (መስቀል ምሽካሙ):- ሸኽምና ክወስድ ንዝመፀ ጎይታ፣ እንግድዕኡ ክሳብ ዝትልተል ካብ ርሑስ ዕንጨይቲ ኸቢድ መስቀል ተሸኪሙ እናወደቐ እናተልዓለ ናብ ጎቦ ቀራንዮ ብስቓይ ደየበ።
1⃣1⃣ #ተቀንዎ_በቅንዎት (ብሚስማር ምችንካሩ):- ምስቲ ተሸኪምዎ ዝመፀ መስቀል ድማ ብዓበይቲ ሚስማራት ቸንከርዎ። እተን ችንካራት ድማ ሳዶር፣ አላዶር፣ ዳናት፣ አዴራ፣ ሮዳስ ይበሃላ።
1⃣2⃣ #ተሰቅሎ_በዕፅ (ኣብ መስቀል ምስቃሉ):- ምስ ቸንከርዎ ድማ ኣብ ልዕሊ መስቀል አሲሮም ሰቐልዎ።
1⃣3⃣ #ሰሪበ_ሐሞት (ሓሞት ምስታዩ):- ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰቀል እንተሎ ካብ መሪር ከርቤ (ዕጣንን) ካብ ሓሞት ሓርማዝ ዝተዳለወ መሪር መስተ አስተይዎ። ንሱ ግና እንተይወሓጠ እንትፍ ኢሉ መከርኡ ፈፂሙ #ተፈጸመ በለ።

❤️ [ነገር ግን:- እንትፍ ከምዝተብሃለሉ፣ ከምዝፀረፉዎ፣ ዕራቑ ምውፅኡን ግና ንሰብ የቖጥዑ እምበር ቃንዛ ስለዘይፈጥሩ፣ ጎኑ ምውግኡ እውን እንተኾነ ጎይታ ምስሞተ ስለዝተወግአን ስለዘየሕመሞን፣ እዚኣቶም ካብዘን 13 ሕማማት ኣይቑፀሩን።] ❤️

#ቀዳም_ሥዑር  ~ #ምሳሌን_ትርጉምን ~ ክቕፅል'ዩ

👇መንፈሳውያት ጽሑፋት ብቴሌግራም የንብቡ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg

©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ዓርቢ_ስቕለት ✝
❤️ #ሓሙስ_ለይቲ:- ምሸት 3 ሰዓት ብወታደራት ተትሒዙ #ሊቀካህናት_ቀያፋ ናብ ዘለዎ ግቢ ወሲዶም፣ "ንቤተመቅደስ ከፍርስ እየ ይብል" ኢሎም ኸሰሱዎ። ቀያፋ ድማ "ንስኻ ወዲ እግዚአብሔር ዲኻ?" እንትብሎ "እወ" ስለዝበሎ (ማር 14:62) ሞት ፈረዱሉ። ሰማያዊ ሊቀካህን ብምድራዊ ሊቀ ካህን ተፈረዶ‼️ሙሉእ ለይቲ ድማ ርኩስ ምራቖም እንትፍ እናበሉ፤ ገፁ ቖሲሉ ደም ክሳብ ዝተፍእ እናፀፍዑ ቐለዱዎ፤ ብኣፍንጭኡን ኣፉን ደም ክሳብ ዝፈስስ ኣፍንጭኡ ደጋጊሞ ወቕዑዎ። ስቓዮም ክሽከም ንዝመፀ ጎይታ እናተባረዩ ሙሉእ ለይቲ ብስቓይ ኣሕደሩዎ‼️

❤️ #ዓርቢ_ንገሆ:- ዘይወግሕ የለን እንትወግሕ፣ ንክቐትሉዎ ስለዝተማኸሩ ናብቲ ሮማዊ በዓል ሥልጣን #ናብ_ግቢ_ጲላጦስ ወሲዶም ኸሰሱዎ። ንብዙሕ ኽስታቶም ዋላ ሓደ ኣይመለሰን‼️ ጲላጦስ ፋሲካ እንትመፅእ ሓደ እሡር ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዝነበሮ፣ በቲ ጊዜ ነቲ ወንጀለኛ በርባን ዶ ወይስ ክርስቶስ ንክፈትሐሎም እንትሓቶም ንህዝቢ ኣአዲሞም «ንበርባን ፍተሐልና» በሉዎ። ንክርስቶስ ግን ይሰቀል❗️ይሰቀል❗️በሉ። ጲላጦስ ድማ "ካብ ደሙ ንፁህ እየ" ብምባል ንክገርፉዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኹሉ ዝፈርድ አምላኽ ብፍጡራኑ ሞት ተፈረደሉ‼️

❤️ #ዓርቢ_ረፋድ:- ከባቢ 3 ሰዓት #ፕራይቶሪዮን ናብ እትበሃል ውሽጣዊት ክፍሊ እቲ ግቢ ብምውሳድ፣ ኹሎም ወታደራት ክገርፉዎ ጀመሩ። መግረፊኦም ኣብ ጫፉ ክሳብ 5 ከም መላፀን ሚስማርን ዝመሰሉ በላሕቲ ነገራት ዝተኣሰሩሉ ስለዝነበረ እቲ ሓለንጊ ስግኡ እናተልተለን እናቖረፀን ከልዕሎ ጀመረ። ብሕጊ ኣይሁድ ሰብ 40 ጥራሕ ይግረፍ። ሮማውያን ወታደራት ግና እናተባረዩ ሥግኡ ተወዲኡ ደሙ ከም ውሑጅ ክሳብ ዝፈስስ 6,666 ጊዜ ገረፉዎ። ብድሕሪ እዙይ ቐይሕ ኽዳን #ከለሜዳ አልቢሶም፣ #ጉንጉን_ዕሾሕ ኣብ ርእሱ ወጊኦም፣ ብበትሪ ርእሱ እናቐጥቐጡ ቐለዱሉ።

❤️ #ዓርቢ_ቐትሪ:- ሰዓት 6 ምስኮነ ጲላጦስ ነቲ ብደም ዝተሓፀበ ክርስቶስ ካብ #ፕራይቶርዮን ንደገ ምስ ኣውፅአሎም «ተዘይሰቒልኻዮ ፈታዊ ንጉሥ/ቄሳር ኣይኾንካን» ብምባል ብፖለቲካዊ ሕቶ ኣፈራርሑዎ። ንክሰቕልዎ ድማ #ቀራንዮ ናብ ዝበሃል ከረን ርሑስ መስቀል ኣሸኪሞም ምስ ክልተ ወንጀለኛታት ወሰድዎ። መስቀል ኸቢድዎ እንትጎትዎ፣ ብዙሕ ጊዜ ብገፁ ይወድቕን ይለሓፅን ነበረ። ኣብ መንገዲ ግና #ቀሬና ካብ ትበሃል ዓዲ ዝመፀ #ስምዖን ሃንደበት ክሓልፍ ረኸቡዎሞ መስቀል ጎይታ ንክሽከም ተዓደለ። ኣብ ቀራንዮ ድማ ኽዳኑ ኣውፂኦም ነንባዕሎም ተኻፈሉ። ንቀሚሱ ብዕፃ ወሲዶም፣ ብ5 ቅንዋት ኣእዳው ኣእጋሩ ልቡን ደረቱን ወጊኦም ሰቐሉዎ‼️ ድሕሪ እዚ ክሳብ 9 ሰዓት ፀልማት ኾነ።

❤️ #ዓርቢ_ሰዓት_9:- በዚ ጊዜ ኣብ እግሪ መስቀሉ እምበይትና ኸብዳ ሒዛ ብቓንዛ ደም ትበኪ ኣላ። ዮሃንስ ብንብዓት ዓይኑ ሓቢጡ ኣሎ። ክርስቶስ «ኣምላኻይ ኣምላኸይ ንምንታይ ገዲፍካኒ?» ኢሉ ናትና ጸሎት ጸለየሞ «#ተፈፀመ» ኢሉ ነፍሱ ሃበ። እንሆ ዘይመውት ሞተ‼️ ስለዚ ድማ 3 ብሰማይ 4 ብምድሪ #ሸውዓተ_ተአምራት ተርኣዩ። ካብቶም ወታደራት ክርስቶስ ብሓቂ ምሟቱ ንምርግጋፅ እውን #ሌንጊኖስ ዝተብሃለ ወታደር ብጦር ጎኒ ክርስቶስ ወግአ፣ ደምን ማይን ድማ ፈሰሰ‼️

❤️ #ዓርቢ_ምሸት:- ዓርቢ ምስ መሸየ ካብ ኣይሁድ ሃፍታም ዝነበረን ብስውር ንክርስቶስ ይኣምን ዝነበረን #ዮሴፍ ናይ ክርስቶስ ሥጋ ካብ መስቀል ንከውርድ ንጲላጦስ ሓቲቱ ስለዝተፈቐደሉ ካብ መስቀል አውረዶ። ብለይቲ መፂኡ ይመሃር ዝነበረ #ኒቆዲሞስ እውን ኽቡር ጨርቂ ኣምፀአሞ ሽቱ ገይሮም ብኽብሪ ገነዝዎ። ኣብቲ ከባቢ ዮሴፍ ኣስሪሕዎ ዝነበረ ሓዱሽ መቓብር ስለዝነበረ ድማ ኣብኡ ቐበሩዎ። ኣፍደገ እቲ መቃብር ድማ ብዓብዪ ደንጎላ ዓፀዉዎ። ይኽተልኦም ካብ ዝነበራ ኣንስቲ ድማ ኣበይ ከምዝቐበሩዎ ብርሑቕ ሪአን ተመለሳ።
ትርጉም #ምጥላቕን #ምጥብጣብን ንፈልጦ ዶ ይኸውን?

📌እንተጠቒሙኩም #ሼር ግበሩ። ተወሰኽቲ ጽሑፋት ንምንባብ ብቴሌግራም ይእተዉ።

©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 24 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❇️ #ሰሙነ ሕማማት ~ #ሓሙስ ~ 1⃣ይ ❇️
ሓሙስ - ሐምስቱ/ሓምስ - 5ይቲ መዓልቲ ማለት ኾይኑ ካብ ኩለን ዕለታተ ፍልይ ዝበለ ስያመ፣ ትርጉምን ትውፊትን ዘለዋ እያ።
1⃣ #ሕጽበተ እግር:- በዛ መዓልቲ ጎይታና ክርስቶስ ድንን ኢሉ ናይ ሓዋርያት እግሪ ዝሓጸበሉ እዩ:: በዚ ድማ  ብጊዜኡ ዋላኳ ጴጥሮስ "ጎይታይ ከመይ ገይርካ ንስኻ ትሓፅበኒ?" እንተበለ ጎይታ ግና "እንድሕር ዘይሓፂበካ ምሳየ ኽፍሊ የብልኻን" ኢሉ እግሩ ሓፀቦ:: በዚ መሰረት ድማ ኹሎም ሐዋርያት (ይሁዳ እውን) ብኢድ ጎይታ ተሓፀቡ፤ #ከም_ጥምቀት ድማ ኾነሎም! (ዮሐ 13:6-13) ሎሚ እውን ኣቦታት ካህናት ትሕት ኢሎም #ብቖፅሊ_ወይንን #ቖፅሊ_ኣውሊዕን ናይ ምዕመናን እግሪ ይሓፅቡ! አውሊዕን ወይንን ምጥቃሞም ትርጉሙ፣ ወይኒ ናይ ደሙ ምሳሌ ስለዝኾነ፣ አውሊዕ (ቖጽሊ ዘይቲ) ድማ ንቑስሊ መድሓኒት ብምዃኑ ናይ ክርስቶስ መድሓኒትነት ዝውክል እዩ። ምዕመናን እውን አእዳው ካህናት እናተሳለሙ ይኸዱ! ኦ ጎይታ ንዓኻ ኣብዘየስምረካ ቦታ ተረኺበን ንዝረኸዳ ኣእጋረይ ሕፀበለይ! ዝሩሳሕኹ ኣቕሓኻ እየሞ ብደምኻ ኣይፀርየኒ!

2⃣ #መዓልቲ_ቊርባን/ምሥጢር:- ንሓዋርያት አእጋሮም ምስሓፀቦም ሕብስትን ወይንን ብምድላው «እዚ #ስጋይ_እዩ ውሰዱ ብልዑ... እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ #ሓድሽ_ኪዳን #ደመይ_እዩሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ» በሎም (ማቴ 26:26፣ ሉቃ 22:6) በዚ መሰረት ንመጀመርያ ጊዜ "ሥርዓተ ቁርባን" ሰርዐልና:: በዛ መዓልቲ ጥራሕ "ሥርዓተ ቅዳሴ" ይግበር:: ግና እቲ ሰሙን ሰሙነ ሓዘን ስለዝኾነ፣ አይሁድ ድምፆም ኣጥፊኦም ንክሕዝዎ ስለዝመፁን፣ ኣብ ቅዳሴ ጊዜ ደወል ኣይውቃዕን! ብለሆሳስ እምበር በብርቱዕ ድምፂ እውን አይዝየምን!

3⃣ #ጸሎተ_ሓሙስ:- ጎይታና «ወዲ ሰብ ሓሊፉ ዝወሃበላን ዝተሓዘላን ጊዜ በፂሓላ ኣላ» ብምባል ናብ ጌቴሴማኒ ኸይዱ ስለዝጸለየን "ናብ ፈተና ንከይትኣትው ተጊህኹም ጸልዩ" ስለዝበሎምን ጸሎተ ሓሙስ ትበሃል። (ማቴ 26:36-46) ይሁዳ ግና ናብ ኣይሁዳውያን ብምኻድ "ኣሕሊፈ ክህበኩምስ ክንደይ ትህቡኒ?" እንትብሎም 30 ብሪ ቖፂሮም ሃብዎ! ወዮ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጎይታ፣ ወዮ ወርቅን አልማዝን ዝሰርሐ አምላኽስ ብ30 ብሪ? ኸመይ ዓይነት ትዕግስቲ እዩ? በዚ መሰረት ሓሙስ ምሽት 3 ሰዓት አይሁዳውያን ምስ ሮማውያን ወታደራት ብምዃን ገበነኛ ክሕዙ ከምዝመፁ ሰይፊ ጎመድን ጦርን ሒዞም መፁሞ ንይሁዳ "ኣበይ ደኣ አሎ?" በልዎ:: ንሱ ድማ "ኣነ ኸይደ ዝስዕሞ ሰብ እዩ" በሎምሞ ኸይዱ ንጎይታ "መምህር ሰላም ንዓኻ" ኢሉ ሰዓሞ:: ጎይታ ግና ብፍቕሪ ዓይኑ እናጠመተ "ይሁዳ ንወዲሰብ ብምስዓም ኣሕሊፍካ ዶ ሃብካዮ" በሎ:: በቲ ጊዜ እቲ ኹሎም ወታደራት ኸቢቦም ሓዝዎ:: ኹሎም ሓዋርያት እውን ብፍርሒ ሃደሙ:: ካብ ሕማቕ ቦታ ብፍቕሩ ዝኣከቦም ጎይታ ገዲፎም ተበተኑ:: ክርስቶስ እውን ተኣሲሩ በእንተ ፍቕሪ ሰብ ክብል ደድሕሪ ዝቐትልዎ ወታደራት ተኸተለ! ወይ ፍቕሪ። ካብ ሃይማኖታዊ ትውፊት ብተወሳኺ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ዝግበሩ ካልኦት ነገራት ኣለውና። ሸውላሎን ጥቕጡቖን!

❓ኣብ ጊዜ ሓሙስ ፅግቦ ዝብላፅ #ጥቕጡቖን፣ ኣዋልድ ዝፃወትኦ #ሸውላሎን መንፈሳዊ ትርጉሙ ንፈልጦ ዶ ንኾን?

©Binyam ZeChristos ሚያዝያ 23 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

✝ #ሰሙነ_ሕማማት ~ #ረቡዕ ✝
ረቡዕ - #ኣርባዕተ - 4ይቲ መዓልቲ ማለት ኾይና 3 ታሪኻት ይዝከረላ።
1⃣ #ማርያም_እንተ_ዕፍረት:- ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን እናሃለወ፣ ኣብቲ ሰፈር ስጋኣ ሸይጣ እትነብር ማርያም እትበሃል ሰበይቲ፣ ዝሙት ሰሪሓ ዝኣከበቶ 300 ዲናር "ጎይታ ሓጢኣተይ እንተደምሰሰለይ" ብምባል #አልባስጥሮስ ዝበሃል ጥዑም ሽታ ገዚኣ ብምምፃእ ናብ እግሪ ጎይታ ወደቐት! ነቲ ሽታ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ፣ እናበኸየት ብንብዓታ ድማ ኣእጋሩ ኣርሒሳ ብጨጉራ ትሕብሶ ነበረት። ጎይታ ድማ ጣዕሳኣን ብኽያታን ተቐቢሉ፣ ካበይ መፂኺ?፣ ኣበይ ዓድኺ? እንተይበለ #ሓጢኣትኪ_ተሓዲጉልኹ ኢሉ መሓራ። ንሳ ድማ ሓጢኣቶም ኣሚኖም ኣብ እግሩ ንዝወድቁ ተነሳህያን ኹሎም ምሳሌ ስለዝኾነት፣ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ታሪኻ ጽሒፎሙልና። [ማቴ 26:6-13፣ ማር 14:3-9፣ ሉቃ 7:36-50፣ ዮሐ 12:1-8]

2⃣ #ምክረ_አይሁድ:- በዛ መዓልቲ እዚኣ ፈሪሳውያን፣ ሰዱቃውያን፣ ጸሓፍቲን ሽማግለታት ኣይሁድን ኣብቲ #ሲንሃንድሪን ዝበሃል ናይ አይሁድ ምክርቤት ብምእካብ፣ «ነዚ ሰብ እንተዘይሰቒልናን እንተዘይቐቲልናን ምግቢ ኣይንበልዕን» ብምባል ከምዝመኸሩን ቃል ከምዝኣተውን ንዝክረላ መዓልቲ እያ። በዚ ምክንያት ድማ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን፣ ነዛ ንጎይታ ንምስቃል ዝመኸሩላ ረቡዕ መዓልቲ #ጾመ_ድኅነት ብምባል ዘወትር እንጾማ ጾም ኾነት። አይሁድ «ከመይ ገይርናሞ ክንሕዞ?» እናበሉ እናሃለዉ እዩ፣ ካብ 12 ሐዋርያት ሓደ ኣስቆርታዊ ይሁዳ ናብቲ ምክር ቤት ተሓቢኡ ዝመፀ።

3⃣ #ክሕደት ይሁዳ:- ይሁዳ ናብ ኣይሁዳውያን ብምኻድ «ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒ» በሎም። ንሳቶም ድማ #ሰላሳ_ብሪ መዘኑሉ። ንሱ ድማ ንጎይታ ኣሕሊፉ ንክህቦ ምችው ጊዜ ይደሊ ነበረ» [ማቴ 26:14 ፣ ማር 14:10 ፣ ሉቃ 22:3]። ይሁዳ ድማ ዘመንና ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነይርንን ኣብ መወዳእታ ግን ብዘርኣውነት ብዓሌታዉ ትምክሕትን ንዝወደቕና፣ ብትዕቢት ንዝተሰነኻኸልና፣ ብቕርሺ፣ ብስራሕን ብሓዳርን ካብ ፍቕሩ ንዝተፈለና ኹልና ምሳሌ ኾነ። ይሁዳ ዘመኑ ኹሉ ምስ ጎይታ ነይሩ ኣብ መወዳእታ ናብ ሰይጣን እንትኸይድ፣ ዘማዊት ማርያም ግና ዘመና ኹሉ ምስ ሰይጣን ብርኹሰት ነይራ ኣብ መወዳእታ ብንብዓታ ተዓሪቓ ናብ ጓጓ ክርስቶስ ኣተወት። ንሕናኸ ከም ይሁዳ ዲና ከም ማርያም?
©Binyam ZeChristos  ሚያዝያ 22 - 2016

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❌ #ኣብ_ግብረ_ሕማማት_ዘለዉ_ባዕድ_ቃላት❌
ኣብ ግብረ ሕማማት ናብ ግእዝ ይኹን ናብ ትግርኛ ዘይተተርጎሙ፣ ግና ድማ ክንጽሊ ከለና ትርጉሞም ምፍላጥ ግድን ዝኾኑ ቃላት ኣለው።
📌1) #ኪርዬኣላይሶን:- ቃሉ ናይ #ግሪክ ክኸውን ከሎ ኣጸዋውዕኡ “ኪርዬ-ኣላይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማለት “እግዝእትነ -እምበይት” ፣  “ኪርዬ” ማለት ድማ  “እግዚኦ-ጎይታ” ፣ ስለዚ ድማ “ኪርዬ ኣላይሶን” እንትበሃል “#እግዚኦ_መሓረና” ማለት እዩ።
📌2) #ናይናን:- እዚ ቃል ናይ #ቅብጢ (ግብፂ) ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “መሐረነ - #መሓረና” ማለት እዩ።
📌3) #እብኖዲ:- እዚ ቃል እውን ናይ #ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “#አምላክ” ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ሙሉእ ሕማማት ጊዜ “ኪርዬኣላይሶን እብኖዲ ናይናን” ክበሃል ከሎ “ኦ አምላክ መሓረና፣ ጎይታ ይቕረ በለና” እናበልና ከምንሰግድ ክፍለጥ ኣለዎ።

📌4) #ታኦስ:- ናይ #ግሪክ ቃል ኾይኑ፤ ትርጉሙ ድማ “ጎይታ፣ አምላክ” ማለት እዩ። ስለዚ ድማ “ታኦስ ናይናን” እንትንብል “ኦ ጎይታ መሓረና” ማለትና እዩ።
📌5) #ማስያስ:- ናይ #እብራይስጥ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ “#መሲሕ - ዝተቐብአ” ማለት እዩ። ስለዚ “ማስያስ ናይናን”  እንትንብል “ኦ መሲሕ መሓረና” ማለትና እዩ።
📌6) #ትስቡጣ:- እዚ ቃል “ዴስፓታ” ካብ ዝብል ናይ #ግሪክ ቃል ዝወጸ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “#ርሕሩሕ_ገዛኢ” ማለት እዩ።
📌7) #ኣማኑኤል:- እዚ ቃል ናይ #ዕብራይስጥ ኮይኑ ትርጉም ድማ "ኣምላክ ምሳና ኮነ" ማለት እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ስግደትና “አማኑኤል ናይናን” እንትንብል “ኦ ምሳና ዝኾንካ ኣምላኽ ምሓረና” ማለትና እዩ።

📌8) #ኢየሱስ:- እዚ ቃል ናይ #የሹዓ ካብ ዝብል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ዝተረኸበ ኾይኑ፣  #ብግሪክ ድማ ኢየሱስ ይብሎ። ትርጉሙ ድማ #መድኃኒት ማለት እዩ።
📌9) #ክርስቶስ:- እዚ ቃል መሰረቱ ግሪክ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ድማ #ቅቡእ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ "ክርስቶስ ናይናን” እንትንብል  “#ኦ_ቅቡእ_መሓረና” ማለትና እዩ።

📌10) #አምነስቲቲ:- እዚ ጸሎት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ፣ ኹሉ ሰብ ብሓዘን ምልክት ርእሱ ኣድኒኑን ተጎልቢቡን ዘዚሞ ናይ ሓዘን ዜማ እዩ። ናይ #ቅብጥ ቃላት እንትኾና ትርጉሙ ድማ:-
📍አምኒስቲቲ -- ተዘከረነ -- ተዘከረና
📍አንቲ ፋሲልያሱ - በውስተ መንግስትከ - ብመንግስትኻ
📍ሙኪርያ -- እግዚኦ -- ጎይታ
📍ሙዓጊያ -- ቅዱስ  -- ቅዱስ
📍ሙዳሱጣ -- እግዚኣ ኲሉ -- ጎይታ ኹሉ

👉አምኑስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-ki-riey enti vasilia so :- "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ - ኦ ጎይታ ብመብግስትኻ ዘክረና" ከም ማለት እዩ።

👉አምነስቲቲ መዓግያ አንቲ ፋሲልያሱ
 Em-nees the-tee  mo-a-geh-e enti vasilia so :- "ተዘከረነ ኦ ቅዱስ በውስተ መንግሥትከ -- ኦ ቅዱስ ዝኮኾካ ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና” ማለት እዩ።

👉አምኒስቲቲ ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee  mo-zess-pota enti vasilia so :- "ተዘከረነ እግዚአ ኲሉ በውስተ መንግስትከ - ኦ ጎይታ ኹሉ ብመብግስትኻ ዘክረና"

✝ እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻማ ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሐኒ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በፍስሐ ወበሰላም ✝

©Binyam ZeChristos  -  ሚያዝያ 21 - 2016 ዓ/ም

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://youtu.be/nz8GNU3NuOk?si=8G60F4cECYh8l6mY

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

https://youtu.be/12CGBIw9XMk?si=zudhTtI5qnb_99B_

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

❌  #ሰብ_ብምግባር_ይድሕን_ዶ?  ❌
እዚ ሕቶ ንኦርቶዶክሳውያን ካብ መ*ና*ፍ*ቃን ዝፈልየና መሠረታዊ ናይ ነገር ድኅነት (Sotoriology) ነጥቢ እዩ። ነዚ ሕቶ ኣቐዲምና «እንታይ ዓይነት ሰብ❓ብክርስቶስ ዘይኣመነ ድዩ ወይስ ዝኣመነ❓» ኢልና ድማ ንሓትት።
1⃣ #ዘይኣመነ_ሰብ:- ብክርስቶስ ዘይኣመነ ሰብ እግዚአብሔር ኣይፈልጦን/ኣይቕበሎን። "ብወዱ ዘይኣምን ንህይወት ኣይሪኣን" (ዮሐ 3:36) ስለዝብል፣ በክርስቶስ ዘይኣመነ ህይወት የብሉን። ናብ እግዚአብሔር መእተዊ በሪ ክርስቶስ እዩሞ ሓደ ኣስላማይ ወይ አይሁዳዊ በክርስቶስ ተዘይኣሚኑ ተፆመ፣ ተመፅወተ፣ ተሰገደ ፅድቂ ኾነ ድሕነት ኣይረክብን። ስለዚ ንዘይኣመነ ሰብ ምግባሩ ኣየፅድቖን! ምግባሩ ኣየድሕኖን!
📌ሮሜ 4:5: ነቲ በቲ ንሓጥእ ዘጽድቕ #ዝአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ #እምነቱ_ንጽድቂ_ትቚጸረሉ እያ።
📌 2 ጢሞ 1:9:- ብክርስቶስ ኢየሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ #ብግብርና_ኣይኰነን።
📌 ኤፌ 2:8-9:- ሓደ እኳ ኸይምካሕ #ካብ_ግብሪ ኣይኰነን እሞ #ብእምነት_ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ #ውህበት_ኣምላኽ እዩ እምበር #ካባኻትኩም_ኣይኰነን።

2⃣ #ዝኣመነ_ሰብ:- ንሕና ብክርስቶስ ዝኣመና ግና፣ ብክርስቶስ በሪነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተፈለጠና ኢናሞ ምግባራትና ናይ ጽድቂ ስራሕቲ፣ ናይ ድህነት ስራሕቲ ገይሩ ይቕበሎም። ክርስቶስ ንዝኣመንዎ ሰባት ብመጠን ምግባሮም ስለዝፍርደሎም ምግባራት ንድሕነትና ወሰንቲ እዮም!
📌 ዮሐ 5:28-29:- "#ሰናይ_ዝገበረ ናብ #ትንሳኤ_ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኽወጹ እዮም"
📌ሮሜ 2:10:- "ነቶም #ሰናይ_እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፣ #ናይ_ዘለኣለም_ህይወት ክህቦም እዩ።"
📌ያዕ 2:21-24:- "ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ #ብግብሩ_ኣይጸደቐን_እዩ? ሰብ #ብግብሪ_ኸም_ዝጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም"

=> ጠቓሚ ጽሑፍ እንተመሲልኩም #ሼር ግበሩዎ።
=> ዝሓለፈኩም ጽሑግ ብቴሌግራም ቻናል ምንባብ ይከኣል።

/channel/BinyamZeChristos
©Binyam ZeChristos መጋቢት 21/2015

Читать полностью…

Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)

‼️ #ብምግባረን_ዝደሓና_ኣሓት‼️
ኣብ ሓደ ዓዲ መርዓ ነበረ። መርዓዊ ንክቕበላ መብራህቲ ሒዘን ዝወጻ 10 ደናግል ድማ ኣብኡ ነበራ። እተን 5 ግና ዓያሹ ስለዝነበራ ነቲ መብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ካልኦት 5 ግና ለቢመን መብራህቲ ምስ ዘይቲ ሒዘን ወፃ። ኣጋጣሚ ኾይኑ እቲ መርዓዊ ምስ ደንጎየ ኵለን ብድኻም ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ "መርዓዊ መፂኡ ክትቕበሉዎ ውፁ" ተብሃለሞ፣ እተን 10 ኣዋልድ መብራህተን ኣዳለዋ። እቲ መብራህተን ግና ክጠፍእ ስለዝበለ፣ እተን ዓያሹ ግና ዘይቲ ስለዘይነበረን "ካብ ዘይትኽን ሃባና" በለአን። "ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን" በለአን። እንተ ዓያሹ ዘይቲ ክዕድጋ ምስኸዳ ሃንደበት እቲ መርዓዊ መጸ'ሞ እተን ለባማት ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋሞ ቲ ማዕጾ ተዓጸወ። ደሓር እተን ዓያሸ መጺአን "ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና" ዋላ እንተበላ፣ መርዓዊ ግና "ብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን" ኢሉ ኣባረረን። (ማቴ 25:1-13)

እተን ዓያሹ ናብቲ መርዓ ዘይኣተዋሉ ምክንያት እንታይ ስለ ዘጉደላ እዩ? ብእምነት ገድለት ድዩ ወይስ ብምግባር ጉድለት? እምነትማ ነይሩወን። በቲ መርዓዊ ስለዝኣምና እየን ንክቕበልኦ ዝወፃ፣ ስለዝኣምና እየን ሙሉእ ለይቲ መብራህቲ ሒዘን ዝተፀበያ፣ ስለዝኣምና እየን ምስመፀ ንክቕበልኦ ዝተጨነቓ፣ ስለዝኣምንኦ እየን ንዕኡ ንምቕባል ዘይቲ ንክገዝኣ ዝወፈራ። እሞ ደኣ ንዕኡ ዝኣምና ኾይነን እናሃለዋ ንምንታይ እተን ዓያሹ ናብ መርዕኡ ዘይኣተዋ? ድሕነት ብእምነት እንተዝኸውን ንምንታይ ዘይጸደቓ? እንተይልና ፣ ዝኣምን ሰብ ብምግባሩ እምበር ብእምነቱ ስለዘይድሕን እዩ።

እተን ዓያሹ እምነት ዋላ እንተነበረን ናይ ምግባር ገድለት ነይሩወን። እቲ መርዓዊ ዝደልዮ ነገር እንተይሓዛ፣ እንተይተዳለዋ እየን ፀኒሐን። ስለዚ ድማ ብምግባረን ጉድለት ካብቲ መርዓዊ ሓጎስ ካብ መንግስት ሰማያት ኽብሪ ተባረራ። እቲ ታሪኽ እንትውዳእ «ወዲ ሰብ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ #ንቕሑ» ይብል (ማቴ 25:13) ስለዚ ድማ ሰብ ብእምነት ጥራሕ እንተይኮነስ ብምግባር ስለዝፀድቕን ስለዝድሕንን፣ ብንስሃ ተዳሊና፣ ብቁርባኑ ፀኒዕና ንጎይታ ንፀበ።
©Binyam ZeChristos  መጋቢት 17/2015

Читать полностью…
Subscribe to a channel