1⃣ #ኣመፃፅኣ_ጳጉሜን፦ ጳጉሜን ዝብል ቃል Hepagumene - ትርፊ (ካብተን ካልኦት ኣዋርሕ ተደሚራ ዝተረፈት) ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመፀ እንትኸውን፣ እናተለዋወጠት 5 መዓልቲ፣ ኣብ 4 ዓመት ድማ 6፣ ኣብ 500 ዓመት ድማ 7 መዓልቲ ትኸውን ሓፃርን ፍልይትን ወርሒ እያ:: ብሒሳባዊ ስልሒት (ባሕረ ሐሳብ) መሰረት ኣመፃፅኣኣ እንትንርኢ ድማ፦
ብዓውደ ጸሐይ ኣቆፃፅራ (Solar Calander) ሓደ ወርሒ ዝበሃል 30 መዓልቲን 26 ኬክሮስን እዩ! ኣብ ዓመት ድማ 12 ኣዋርሕ ኣለዋ:: ስለዚ ሓደ ዓመት ብመዓልቲ እንትንገልፆ (30×12=360) ፣ እተን 26 ኬክሮሳት እውን እንትንድምረን ኣብ ዓመት (26×12=312)፣ ስለዚ 1 ዓመት ማለት 360 መዓልቲ 312 ኬክሮስን ይስለውን።
እዘን ኬክሮሳት ናብ መዓልቲ እንትንቕይረም:- 60 ኬክሮስ = 1 መዓልቲ እዩ፣ 312 ኬክሮሳት ከ ክንደይ መዓልቲ ይኾን? ብምባል እንትነስልሖ (312÷60=5.2) 5 መዓልቲ ትርፊ ይህበና! እዘን 5 መዓልቲ እየን ጳጉሜን ዝበሃላ:: ስለዚ 1 ዓመት ማለት 365 መዓልትታትን 15 ኬክሮስን ይኸውን።
📌 ጳጉሜን ኣብ 6 ዓመት 5 መዓልቲ ከምትኸውን ንምርኣይ:- እዘን ኣብ 1 ዓመት ዘለዋ '15 ኬክሮስ'' እናተደመራ ኣብ 4 ዓመት 60 ኬክሮስ ይኾና። 60 ኬክሮስ ድማ 1 መዓልቲ እዩሞ፣ በቢ 4 ዓመቱ ጳጉሜን 6 ትኸውን ማለት እዩ። ኣብ 600 ዓመት ድማ 7 ትኸውን።
ጳጉሜን 5 ብሊቃውንተ ቤ/ክ "ዕለተ ምርያ" ወይ ድማ "ዝተመረፀት መዓልቲ" ትበሃል። እዚ ድማ ናይ ክርስቶስ በዓለ ልደት ዝፍለጠላ ስለዝኾነት እንትኸውን ንኣብነት ሎሚ ጳጉሜን 5 ሠሉስ ስለትውዕል ናይ 2016 ዓ/ም በዓለ ልደት እውን ሠሉስ እዩ ዝውዕል::
2⃣ #ማይ_ጳጉሜን (ቋቁሜን)፦ ማይ ጳጒሜን ኢልና እንሕፀበሉ ምኽንያት:- 1ይ) ናይ ጻዲቅ ኢዮብ ምሳሌ እዩ! ኢዮብ ብሰይጣን ፈተና ምኽንያት ንብረቱን ደቁን ስኢኑ፣ ሰብነቱ ብቁስሊ ተወሪሩ እንትነብር፣ ብትዕግስቱን ጸኒዑ ደሓር ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ከይዱ ምስጠምቀ እዩ ዝሓወየ! ንሕና እውን ነዚ ምሳሌ ብምግባር ቊስለ ስጋን ቊስለ ነፍስን ዘለና ንክንፍወስ ጸበል ንሕፀብ! 2ይ) ድማ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት ምስቲ ምኳኑ፣ ሓዱሽ ዓመት ድማ ብሓዱሽ መንፈስን ብሓዱሽ ልብን ክንኣትዎ ስለዝግባእ፣ ብንስሐ ተሓፂብናን ጸሪናን ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉን ቡሩኽ ዓመት ንክገብረልና ልምነሉን ስለዝኾነ እዩ! ቡሩኽ ሓዱሽ ዓመት!
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 1 - 2016
« #ጾመ_ዮዲት - ጾመ ጳጉሜን »
✅በቤተክርስቲያናችን የፈቃድ ጾም ተብለው የሚታወቁት ጾመ ጽጌ እና ጾመ ዮዲት ናቸው። የዮዲት ጾም የሚባለውም እርሷ ስለ ጾመችው ነው፡፡ ለፋርስ ንጉሥ ለናቡከደነፆር የጦር አበጋዝ የነበረው ሆሎፎርኒስ ፈቃድ ተሰጥቶት እስራኤልን ለመውረር ሲመጣ በሠራዊቱ (ዮዲ2፣2-7) የእሥራኤል ልጆችም ሆሎፎርኒስ የአሕዛብን አገር እንዳጠፋና ንብረታቸውን እንደዘረፈ ሰምተው ስለ ቤተ መቅደሱ መፍረስና ሰለ ንዋያተ ቅድሳት መርከሰ ማቅ ለብሰው አመድ ነስንሰው ከቤተ መቅደሱ በር ወድቀው አለቀሱ። (ዮዲ4፡2-15) ሆሎፎርኒስ ግን የሚጠጡትን ምንጫቸውን በመያዙ ፣ የእሥራኤል ልጆች በውኃ ጥም ከመቸገርና ከመሞት ይልቅ እጃቸውን ለጠላት ለመስጠት ወሰኑ፤ነገር ግን ዖዝያን
የአባቶቻቸው አምላክ መልስ እስኪሰጣቸውና ቸርነቱን እስኪመልስላቸው መከራውን በትዕግሥት እንዲቀበሉ ስለመከራቸው ጸኑ (ዮዲ7 ፣10-32)
✅በዚያም ባሏ ምናሴ የሞቶባት፣ ከወንድ ርቃ ንጽሕናዋን ጠብቃ በጾም፣ በቀኖና፣ በትኅርምት፣ በኀዘን፣ በጸሎት ተወስና የምትኖር የሜራሪ ልጅ #ዮዲት ማቅ ለብሳ በራስዋ ላይ ትቢያ ነስንሳ፣ ሱባዔ ገባች! አምላክም ሕዝቡን የሚያድንበትን ዕውቀትና ጥበብ ግብር በገባች በሦስተኛ ቀን ገለጸላት፡፡(ዮዲ8፡2) ከዚያም “ወዴት
ትሔጃለሽ አትበሉኝ አምላክ እሥራኤል ይከተልሽ ብሉኝ” ብላ የኀዘን ልብሷን ጣለች፡፡ ሰውነቷን ታጠበችና ሽቱ ተቀባች፣ ባሏ በሕይወት ሳለ የምትለብሰውን የክት ልብሷን ለበሰች፣ የጠላት ሰዎች ሁሉ እስኪወዷት ድረስ ፈጽማ አጊጣ ሄደች፡፡(ዮዲ.10፡2-3) እነርሱም ለእኔ ትገባለች ለእኔ ትገባለች እያሉ ተሻሙባት፡፡ የንጉሥ ጃንደረባ ጋይ የሚባል ይህችስ ለጌታዬ ትገባለች አለ፣ ለምን እንደመጣች ጠይቀዋት ለመልካም ነገር እንደመጣች ሲረዱ ከጦር አበጋዙ አደረሷት፡፡(ዮዲ10፡12-22)
✅ በአንዲትም ዕለት ሆሎፎርኒስ የአሽከሮች የምሣ ግብዣ አድርጎ ሲያበላ ሲያጠጣ ያችን እብራዊት ጥሩ ብሎ አስጠርቶ ከፊቱ አስቀምጦ ሲበላ አብዝቶ ሲጠጣ ውሎ ሰከረ፡፡(ዮዲ12፡1-20) ከዚያም አሽከሮችን ከሁሉ አስወጥቶ ድንኳኑን ቆልፎ እንደተኛ ከባድ እንቅልፍ ያዘው ዮዲትም ከፀለየች በኋላ ከራስጌው ያለውን ሰይፍ አንስታ የራስ ጠጉሩን ይዛ አንገቱን ቆርጣ በድኑን ከመሬት ጥላ ቸብቸቦውን በአቁማዳ ቋጥራ ለብላቴናዋ አሸክማ ግንዱን በታች ገልብጣ ዙፋኑን በላይ አድርጋ ወደ ሃገሯ ተመለሰች፡፡ (ዮዲ13፡1-10) ሕዝበ እሥራኤል በዚህ ድርጊቷ እጅግ ተደነቁ፣ ጠላታቸውን በእጃቸው የጣለላቸውን አግዚአብሔር አምላካቸውንም አመሰገኑ፡፡ በኋላም የሆሎፎርኒስን ራስ በተራራው ላይ ሰቅለው መዋጋት ጀመሩ፡፡ እስከ ዮርዳኖስም እየተከተሉ አጥፍተዋቸዋል፡፡
✝ ቅድስት ቤ.ክንም እግዚአብሔር የዮዲት ጾም ተቀብሎ ከጠላት እጅ እንዳዳናቸው፣ ለእኛም ከሰይጣን ወጥመድ እናመልጥ ዘንድ ይህንን ጾም እንድንጾመው ታበረታታለች (የፈቃድ ጾም ነውና) ለእኛም ለሃገራችን ፍቅር ሰላምና አንድነትን፣
የመከፋፈልን አዚም የምንቆርጥበት፣ የብሔርተኝነት ጥግ የምናፈርስባት፣ ለ፩ ኢትዮጵያ ለ፩ ቤ/ክ የምንቆምበት ጾም ያድርግልን!
@BinyamZeChristos ነሐሴ 30 - 2016
‼️ኣማላድነት ሥላሴ - ከመይ?‼️
1⃣ #ወልድ የማልድ/ይልምን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌ሮሜ 8:34:- እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና #ዝልምን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
2⃣ #መንፈስ ቅዱስ የማልድ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌ሮሜ 8:27:- መንፈስ [ቅዱስ] ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን #ይልምን እዩ እሞ።
3⃣ #አብ የማልድ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌2 ቆሮ 5:20:- እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ #ይልምን (Parakaleo - beseech) ኣሎ።
"ፓራካልዮ" ዝብል ግሪካዊ ቃል፣ ትርጉሙ ምልማን ከምዝኾነ መነፃፀሪ ጥቕስታት ንርአ።
📌ሮሜ 12:1:- "እምበኣር ኣሕዋተይ ...ብምሕረት እግዚኣብሄር #ይልምነኩም ኣለኹ" (Parakaleo/Beseech you/)
📌ሮሜ 15:30:- "ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን... ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ #ይልምነኩም ኣለኹ" (Parakaleo/Beseech)
_መጠቓለሊ____
1) ኢየሱስ ጥራሕ አማላዲ/ለማኒ ኣይኮነን።
2) አብ፣ ወልድ መንፈስ ቅዱስ "ይልምኑ/የማልድ" ክበሃል እንከሎ ከም ቅዱሳን "ይፅልዩ" ማለት እንተይኮነስ፣ ናብ ባዕሎም የቕርቡ፣ ይሕግዙ ማለት እዩ።
3) ቅዱሳን የማልዱ እንተበሃል ግን ጸልዮም፣ ለሚኖም፣ ሓቲቶም የውህቡ ማለትና እዩ።
©Binyam Zechristos ነሓሰ 28 - 2016
‼️ዘይትረፈሉ ዓውደ ዘተ (Panel Discussion)‼️
✏️ ብጹዓን ሊቃነ-ጳጳሳት ዝርከቡሉ፣ ኣብ መቐለ ዘለው ናይ ኹለን አድባራት አሕሉቕ ኣቦታት ዝመፁሉ፣ ኣብ መቐለ ዘለው ኹሎም ሰባክያን፣ ሊቃውንትን ዝተፀውዑሉ
✏️ባህልን ቱሪዝምን ሓዊሱ መንግሥታውን ዘይመንግሥታውን ትካላት ዝተኣንገዱሉ ፍሉይ መድረኽ
📌 እንታይነት፣ ኣመፃፅኣን ኣከባብራን ኣሸንዳ ብመጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝቐርበሉ፣ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ብመዳይ ሥነ-ልቦናን ሕውየትን ዳህሳስ ዝቐርበሉ፣ ሕቶታት ካብ ዕዱማት መብራህርሂ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ዝወሃበሉ ፍሉይ ጉባኤ
📌 ብሕብረት አሓት ኣብያተ ት/ሰንበት ዝተዳለወ
⏰ ሰንበት 4:00 ኣብ ቤ/ክ ማርያም ጉግሳ
Share Share Share
‼️ #መድሓኒት_ክትበሃሊ_ይግበኣኪ »‼️
ኑዚ ዝተናገረ ቅዱስ ያሬድ እዩ! እግዚአብሔር አምላክ ነቶም ዘስመሩዎ ቅዱሳን ናይ ባዕሉ ባሕርይ ተኻፈልቲ ከምዝገበሮም ነጊሩና እዩ። « #ተኻፈልቲ_መለኮታዊ_ባሕርዩ ምእንቲ ክትኾኑ ተስፋ ሂቡና » (2ጴጥ 1:4) ተባሂሎም እዩ። ክርስቶስ ብባሕርዩ ቅዱስ፣ ንጹሕ፣ ንጉሥ፣ መድኃኒት እዩ። ቅዱሳን ድማ ካብዚ ቅዱሳን፣ ነገሥታት፣ መድሓኒት ክኾኑ ገይሩዎም። ንሱ ካብ ባሕርዩ ተኻፈልቲ ንዝገበሮም፣ ሓደ ሓደ ንምንታይ ቅር ከምዝብሎም ይገርም እዩ። ብሓቂ ማርያም ክብ ሞት ተድሕነና እያ። ከመይ?
1⃣ #ሞተ_ሥጋ:- እመ ብርሃን ብሥጋና ካብ ዝመፅእ መከራ፣ ጭንቀት፣ ሕማምን ሞትን ከምተድሕን ንኣምን‼️ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚአብሔር በይኑ መድሓኒት ከምዝኾነ «ብዘይካ ኣነ ካልእ መድሓኒት የለን» (ሆሴ 13:4) ይብለና። ነገር ግን ድማ ንዝመረፆም ካብዚ ባሕርዩ ተኻፈልቲ እንትገብሮም ንርኢ። ንኣብነት ንዖትኒኤልን ንኤሁድን መድኃኒት ገይሩ ከምዝለኣኾ ነንብብ። « ንደቂ እስራኤል #ዘድሕኖም_መድሓኒ ዖትኒኤል ኣተንስኣሎም» (መሳፍ 3:9፣15) ነቢዩ ኤልሳዕ እኳ ምስሞተ፣ ኣብ መቓብሩ ንዝወደቐ ሬሳ ከንተሰኦ ነንብብ። (2 ነገ 13:21 ) እሞ ድኣ ኣምላኽ ዝለኣኾም ሰባት መድሓኒት ካብተብሃሉን ካብ ሞት ካብኣድሓኑን፣ እመአምላክ ድንግል ማርያም ዝያዳ ዶ መድሓኒት ኣይትበሃልን? ዝያዳ ዶ ካብ ሞት ኣይተድሕን?
2⃣ #ሞተ_ነፍስ:- ብነፍስና እውን መድሓኒት ንክትኾነና ዝተውሃበትና እያ - እመብርሃን። ሰብ ኾይኑ ከክንዳና ዝሞተ ክርስቶስ እምበር ኻልእ ወይከ የለን፣ ክህሉ እውን ኣይኽእልን‼️ ብኣዳም ዝመፀ መርገም በክርስቶስ ተወገደ። እዚ ምሥጢር ናብ ሔዋን እም ብርሃን ይወስደና። ቅዱስ ጳውሎስ ብኣዳም ሞት ከምዝመፀ ከምዝነግረና፣ ብሔዋን ስሕተት ከምዝኣተወ «ዝተታለለ ኣዳም ኣይኮነን፤ እታ #ሰበይቲ ግን ተታሊላ #ወደቐት» ይብል (1ጢሞ 2:14) ስለዚ ውድቀት ብሔዋን መፂኡ እንተይልና፣ ድህነት ብድንግል ማርያም ኾይኑ ንብል። ሔዋን መውደቒትና እንተኾይና፣ ድንግል ማርያም ድማ መድሓኒትና እያ‼️ ነዚ እዩ ቅዱስ ያሬድ "ብኪ ድኅነ ዓለም - ብኣኺ ዓለም ድሒኑ ዝበለ። ቅ/ኤፍሬም እውን " ተፈሥሒ ኦ መድኃኒታ ለሔዋን - ናይ ሔዋን መድሓኒት ደስ ይበልኪ" ዝበላ። ምስ ሔዋን ብምንፅፃር እምበር ንሳ ከልንዳና ሞይታ ዝብል ትርጉም የብሉን። ተመሲሉካ ድማ ርእስኻ ፈትሽ‼️
ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ድማ፣ ነፍስና እትሓምምን እትሞትን ብሓጢኣት እዩ። ንሓደ ኣብ ሓጢኣት ዘሎ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንክወፅእ ምግባር ነፍሱ ምድሓን እዩ። ነዚ እዩ ቅዱስ ይሁዳ «ንካልኦት ካብ ሓዊ #ኣድሕኑ» ዝበለ (ይሁዳ 1:22) እሞ ደኣ ንሕና ንሰባት ክብ ሓጢኣት ሞት ክንድ ግን ሥልጣን ዝተውሃበና ካብ ኾነ፣ ድንግል ማርያምም ብበረከታ፣ ብተአምራታ፣ ብኣማላድነታ ክንደይ ድሒኑ ይኸውን? ስለዚ ምስቲ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ አንቀጸ ብርሃን ዝበሎ «ለኪ ይደሉ ከመ ትኲኒ መድኃኒቶሙ ለመሃይምናን - ንምዕመናን መድሓኒቶም ንክትኾኒ ንዓኺ ይግባእ» ንበል።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 19 - 2016
‼️ #አሸንዳ_ባህሊ_ንምግባር_ዝቐርቡ_ሕቶታት‼️
1⃣ #ኣፈላላይ_ስያመ:- ሓደ ሓደ "ምሁራን" አሸንዳ ሃይማኖታዊ ኣይኮነን ንምባል ካብ ዘቕርብዎም ነጥብታት <ኣሸንዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈላለዩ ኣስማት ምሃልዉ> ከም መርትዖ የቕርቡ:: ግን አሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ ሶለል፣ ሻደይ ... ዝብል ስም ምህላዉ ንኣሸንዳ ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! ንኣብነት ኣብ ትግራይ ደብረታቦር ዝበሃል በዓል፤ ኣብ ኣምሓራ "ቡሄ" ስለዝበልዎ ነቲ በዓል ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! እኳ ድኣስ #ማርያ (ማርያም)፣ #ዓይኒዋሪ ዝብሉ አስማት ምስ እምበይትና ማርያም እናተራኸበ ንቲ በዓል ዝበለፀ ሃይማኖታዊ ምኳኑ ዝገልፅ ደኣምበር::
2⃣ #ኣፈላላይ_ዝጅምረሉ_ጊዜ:- ኣሸንዳ ኣብ ኣኽሱም ተፈልዩ ኣብ ነሓሰ 24 ስለዝጅምር ባህሊ እዩ" ዝብሉ ኣለው። ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኬነስ ኣብ ኩሉ ዓለም በዓለ ዕርገታ ነሓሰ 16 እዩ ዝኽበር። ኣብ ኣኽሱም 24 ዝኽበረሉ ድማ፣ ብምኽንያት በዓለ አቡነ ተክለሃይማኖትን ንበዓሎም ዝግበር ምድላውን እዩ።
3⃣ ዝፀንሐሉ_ጊዜ:- ካልኦት ድማ <ኣሸንዳ ኣብ ሓደ ቦታ ን3 መዓልቲ፣ ኣብ ካሊእ ድማ ክሳብ መስቀል ምጽንሑ> ነቲ በዓል ሃይማኖታዊ ከምዘይኮነ ንምርዳእ ይጥቀሙሉ:: ነገር ግን ናይ ሓደ በዓል ኣከባብራ መዓልቲ ምፍልላዩ፣ ኣብቲ ሕዝቢ ዝተውሃቦ ኽብርን ምውርራስን እዩ ዘረድእ:: ንኣብነት በዓል መስቀል፣ ኣብ አምሓራ መስከረም 16 ምኽባሮም፣ ኣብ ትግራይ ብበዝሒ መስከረም 17 ምኽባርና፣ ኣብ ጉራጌ ድማ ካብ መስከረም 12-24 ን2 ሰሙን ምኽባሮም ንበዓል መስቀል "ሃይማኖታዊ ኣይኮነን" የብሎዶ? ኣየብሎን! ልክዕ ከምኡ ብቤ/ክ ደረጃ በዓል አሸንዳ ዝጅምረሉ መዓልቲ (ነሓሰ 16) እምበር ዝውደአሉ አይተቐመጠን:: ኹሉ ከምፈቓዱን ክንዲ ዝኽእሎን ከኽብሮ ስለዝኽእል እዩ::
4⃣ #ኣብ_ካልኦት_ዘይምህላዉ:- ዝተወሰኑ አካላት ድማ <አሸንዳ ናይ ኦርቶዶክስ ተዝኸውን ድኣ ንምንታይ ኣብ ካልኦት ክልላት ኾነ ኣብ ካልኦት ኦርቶዶክሳውያን ሃገራት ዘይንረኽቦ?> ኢሎም ይሓቱ:: ብሱሩ ግን ኣባና ዘሎ ነገር እንድሕር ኣብ ካልኦት ዘየለስ ባህላዊ እዩ ማለት ድዩ? ኢትዮጵያኮ ኣብ ብሉይ ካብ እስራኤል ቐጺላ፣ ኣብ ሐዲስ ድማ ቕድሚ ኹሉ ክርስትና ዝተቐበለት ቐዳመይቲ ሀገር እያ:: ስለዚ ድማ ንኻልኦት ዘይተውሃቡ ጸጋታት አለውዋ! ንኣብነት ናይ ቅዱስ ያሬድ ሰማያዊ ዝማሬታት (ድጓ፣ ጾመ ድጓ፣ ዝማሬ፣ መዋስዕት፣ ምዕራፍ) ኣብ ግብፂ፣ ሶርያ፣ ሕንድን ኣርመንን የለን! ጸሎተ ሰዓታት፣ ኪዳንን ማኅሌትን እውን ከምኡ:: እሞ ኣብ ካልኦት ስለዘየለዉስ እዞም ጸሎታት "ሃይማኖታዊ ኣይኮኑን" ክንብሎም ማለት ድዩ? ሃመቢልና?! ኣብ ውሽጢ ሀገርና እውን እንተኾነ፣ ንኣብነት ኣብ ሓምለ 5 "ሓርያ" እናበልና ጭጉራፍ ምስራሕና፣ ኣብ ሕማማት ድማ አዋልድ "ሸውላሎ" ምጽዋተን፣ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ጥራይ እውን መስቀል ዘለዎ ጥልፊ ምግባርናን፣ እዚ ንሓርያን ንሸውላሎን "ባህላዊ" የብሎም ዶ? ኣየብሎምን! ከምኡ እውን ኣሸንዳ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ምህላዉ ዝበለጸ ነቲ ትውፊት ንሕና ምዕቃብና ደኣ የረድእ እምበር ባህላዊ እዩ ዘበል ነጥቢ የብሉን::
5⃣ #ብደርፍን_ጓይላን_ምኳኑ:- ገሊኦም ድማ <አሸንዳ ሃይማኖታዊ ተዝኸውን ነይሩ ንምንታይ ብደርፍን ጓይላን እምበር ብመዝሙር ትኽበር ዘይረአ?> ይብሉ:: እዚ ሕቶ ኳ ናይ ቤ/ክ ታሪኽ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጸ ይመስል:: ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ናይ 40 ዓመታት ናይ ዮዲት ጥፍኣት ኽኢላ፣ ናይ 15 ዓመታት ናይ ግራኝ ኣሕመድ ማሕረድቲ ተፀሚማ፣ ናይ ሱስንዮስ ክሕደት ተሸኪማ፣ ናይ ድርቡሽን ጣልያንን ወራር ተፃዊራ፣ ናይ ደርጊ ዓምፃፅነት ሸጊራ ክሳብ ሐዚ ዝጸንሐት እኳ እንተኾነ ገለገለ ዝጠፍኡዋ ኾኑ ዝተረስዑ እሴታታ ከምዘለዉ ግን ፍሉጥ እዩ:: ኣብ መስቀልን ጥምቀትን ወለድና ዝምህሮም ስለዝሰኣኑ ዶ ኣይኮነን ንታቦት ብተልሂትን ብሁራ ሰለስተን ዘኽብሩ ዝነበሩ? ብመዝሙር ምኽባር ዝተጀመረ እውን አብያተ ት/ሰንበት ምስመፁ ዶ ኣይኮንነ? ልክዕ ከምኡ ካብቶም ዝጠፍኡና በዓላት ሓደ አሸንዳ ብምኳኑ፣ ናብቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ኽብሪን መንነትን ንክንምልሶ ይግባእ! ስለዚ ድማ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል አሸንዳ ብዝማሬን ምስጋናን ብምኽባር ልክዕ ከም መስቀልን ጥምቀትን ኣብ UNESCO ንክነመዝግቦ ንዳሎ!
‼️ #ኣዴና_እንትትስእ_ንሕና_ብሓጢአት_ኣይንመውትን‼️
©Binyam ZeChristos ሓምለ 18 - 2016 ዓ.ም
በዓል ኣሸንዳ ብመዝሙር ምኽባሩ ዝቃወሙ አካላት 3 መሠረታዊ ምክንያት ኣለዎም።
1⃣ ትንሳኤኣ ዘይኣምኑ:- ድንግል ማርያም ካብ ምት ከምዝተሰአት ዘይኣምን ሰብ፣ አሸንዳ ብመዝሙር ንክኽበር ኾነ ትንሳኤኣ ንክስበኽ ኣይደልን። ስለዚ ድማ "ኣሸንዳ ባህሊ እዩ" እናበለ ይቃወም። ካብ ኦርቶዶክስ ወፃኢ ዘለው ኣካላት ዝቃወሙሉ ምኽንያት እዚ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ቕድሚ ኹሉ ናይ ድንግል ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን ብምትንታን እነረድኦም እዮም።
2⃣ እንታይነት ኣሸንዳ ዘይተረድኡ:- እዚኣቶም ዋላ ብትንሳኤ ድንግል ማርያም ዝኣምኑ ኾይኖም፣ ፍልሰታ ጸይሞም ይውድኡ፣ ነገር ግን ኣሸንዳ ምስ ትንሳኤኣ ኣይራኸብን ዝብል ታሪካዊ ሙግት የልዕሉ። ናይ ብሉይ ኪዳን በዓል ከምዝነበረ ንምግላፅ ዝፍትኑ እውን በዚ ምክንያት እዩ። ነዚኦም ድማ ኣብ ኣሸንዳ ዘለው ሕድሕድ ነገራት ከመይ ምስ ትንሳኤኣን ኦርቴዴክሳዊነትን ከምዝራኸብ ብምብርህራህ ዝምለሱ እዮም።
3⃣ ንባህሊ ዝግደሱ:- እዚኦም ድማ ኣሸንዳ ምስ ትንሳኤኣ ዝራኸብን ሃይማኖታዊ በዓል ምኻኑን ዝቕበሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ነገር ግን ኣሸንዳ ብመንፈሳዊ መልክዑ እንተኽቢርናዮ እቲ መግለፂ ተጋሩነትና ዝኾነ ባህልና ከይጠፍእ፣ ህዝብና ምንነት ከይስእን ብዝብል ሓሳብ እዩ። ነዚኣቶም ድማ ፣ ኣብ ኣሸንዳ ዘለው ዳርጋ 90% ዘለው ባህሊ ተንከፍ ትውፊታት ምስ ሃይማኖት ዝጠዓዓሙ፣ ዘይጋጨው፣ ክንሕልዎም ክንዕቅቤምን ዘለና ባህልታትና ምኻኖም ክንነግሮም ይግባእ። እታ ክትተርፍ እንደልያ እታ ቃል አምላክ ዝቃወማ ደርፍ፣ ጓይላን ስዕስዒትን ምኻኑ ብልዝብ ቃል ብምርዳእ ክንምልሶም ንኽእል።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 15 - 2016
ድንግል ማርያም ከምዝተሰአትን ከምዝዓረገትን ዘለና መጽሐፋውን ታሪካውን መርትዖታት!
Biblical and historical arguments for the Assumption of our Lady Theotokos
https://youtu.be/ezSkfhXbifA?si=7_feYyHqD9Sk1lG2
© Binyam ZeChristos
ፍልሰታ 2:-ኣብ ዙርያ ትንሳኤ ድንግል ማርያም ዝለዓሉ ሕቶታትን መልሶምን
https://youtu.be/NHsFC4jSmCM?si=MZDLEkDX1194bQHV
‼️ህፁፅ ህያብ ብርሃን ‼️
ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ 2 ወረዳታት ጥራሕ (ኣብ ቦራን፣ ስለዋን) 60 ዝኾና አድባራትን ገዳማትን ምንም ዓይነት መብራህቲ የብለንን። ጧፍን ሽምዓን ዝገዝኡሉ ቅርሺ ስለዘየለ እውን ብሰንኪ እዚ ጸሎትን ቅዳሴን ካብዝተርፍ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ንጾመ ፍልሰታ ንጸሎትን ቅዳሴን መፀገሚ ኾይኑ ኣሎ።
በዚ መሠረት ንሓንቲ ቤ/ክ ዝኸውን ብጸሐይ ዝሰርሕ ሓደ መብራህቲ (Solar Light) ንምግዛእ፣ ክሳብ 15 ሽሕ እንትኸውን፣ ንኹለን 60 አድባራትን ገዳማትን ድማ ብጠቕላላ ከባቢ 900 ሽሕ የድልይ። ስለዚ እንታይ ንግበር? ስቕ ኢልና ንቖዝም? ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣጀንዳ ካብ ምግባር ሓሊፍና እንታይ ንግበር?
ካብ ወረዳታት ቦራን ስለዋን ብዝመፀና ናይ "ሓግዙና" ፃውዒት መሠረት አድላዪ ሓገዝ ንምግባር «ኮሚቴ ተራድኦ ፍኖተ ጽድቅ» ምስ «ማሕበር ኣለና ደቕኺ» ብሓደ ብምዃን፣ ሠሉስ 30/11/12 ብTiktok LIVE መተኣኻኸቢ እቶት ክግበር እዩ። ሰባክያን ብዛዕባ ጾመ ፍልሰታ ክምህሩና፣ ዘማርያን ድማ ምስጋና ድንግል ማርያም ከቕርቡልና እዮም'ሞ ኹላትና ንሳተፍ።
📌ማሕበር ኣለና ደቅኺ
CBE 1000633345418
‼️አቡነ ሰላማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ይፈልጡ ዶ‼️
ሎመዓንቲ ኣብ ብዙሕ ቦታ በዓለ ዕረፍቶም ኣኽቢርና፣ ብዙሕ ዝማሬን ልመናን ዘቕረብናሎም ጻድቅ ኣቦና አቡነ ሰላማ ኣብ ሰማይ ኾይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለና ከምዝሰምዑና መጽሐፍ ዝመስከሮ ሓቂ እዩ። ከመይ ኢሎም? ዝብል ብመርትዖ ንርኣዮ!
📌ኣቦና አብርሃም ምስ ሞተ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት፣ 2 ድኻን ሃፍታምን ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም ሓዲኡ ናብ ሲኦል፣ ሓዱኡ ድማ ናብ ሕቑፊ አብርሃም ኣተወ። አብርሃም ነቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ሰብኣይ ከምዚ በሎ።
1⃣ ሉቃ 16:25 «ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ #ብህይወትካ_እንተለኻ፥ ኣብ #ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ #ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ»
👉 እዞም ሰባት ኣብ ምድሪ እንታይ ዓይነት ህይወት ከምዝነበሮም፣ ሓዲኡ ብምቾት ሓዲኡ ብስቓይ ከምዝነበሩ አብርሃም ኣብ ሰማይ ኾይኑ ከመይ ፈሊጡ? ቅዱሳን ኣብ ሰማይ ኾይኖም እውን ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ንኽፈልጡ ጸጋ ስለዝተውሃቦም እዩ‼️
2⃣ ሉቃስ 16:29: ኣብርሃም ድማ “[ኣብ ምድሪ ዘለው ኣሕዋትኻ] ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለዉዎም፤ ንዓኣቶም ይስምዑ” በሎ።
👉 ሙሴን ነቢያትን ዝተፈጠሩ ፣ አብርሃም ምስ ሞተ ድሕሪ 500 ዓመታት እዩ፣ ብአካል ኣይፋለጡን። ከመይ ኢሉ ደኣ አብርሃም ኣብ ምድሪ ሙሴን ነቢያትን ዝበሃሉ ከምዝተልዓሉ ፈለጠ? ቅዱሳን ኣብ ሰማይ ኾይኖም እውን ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ንኽፈልጡ ጸጋ ስለዝተውሃቦም እዩ‼️
@Binyam ZeChristos ሓምለ 26 - 2016
‼️አቡነ ተክለ ሃይማኖት ይሰምዑና ዶ?‼️
አቡነ ተክለሃይማኔት ኾኑ ኹሎም ንክርስቶስ ዝመስሉ ቅዱሳን፣ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰማይን ምድርን ኾነ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ፍጥረት ኹሉ ዝፅልዮን ዝዝመርን ይሰምዑ እዮም።
ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ምስክርና እዩ ‼️
📌ራእይ 5:13: እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ #ዅሎም_ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ #ሰማዕኹ።
©Binyam ZeChristos ሐምለ 24 - 2016
‼️ማርያም - አምላክ ዘበጸጋ‼️
ከም መጽሐፍ ቅዱስ ትምህርቲ፣ ኣዴና ወላዲተ አምላክ ብዘለዋ ጸጋ "አምላክ" ክትበሃል ትኽእል ዶ?
1⃣ ሙሴ አምላኽ ተባሂሉ ካብተፀወዐ፣ ማርያም ኸ?
👉ዘጸ 7:1:- እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ #ኣምላኽ_ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።
2⃣ አይሁዳውያን አማልኽቲ ኢኹም ካብ ተብሃሉ፣ ማርያም ኸ?
👉 መዝ 82:6: ኣነስ፥ “#ኣማልኽቲ ኢኹም፤
ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤
3⃣ ቃል አምላኽ ዝመፀሎም ሰባት አማልኽቲ ካብ ተብሃሉ ማርያም ኸ?
👉 ዮሐ 10:35:- ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘#ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
4⃣ ሰይጣን አምላኽ ካብተብሃለ፣ ማርያም ኸ?
👉 2 ቆሮ 4:4:- ንዓኣቶም #ኣምላኽ_እዛ_ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ።
[ ካብ ቅዱሳን ኹሎም ናይ ማርያም ኽብሪ ይበልፅ - ቅዱስ ኤፍሬም ]
@Binyam Zechristos ሐምለ 21 - 2016
‼️ #ጾመ_ዮዲት - ጾመ ጳጉሜን ‼️
ካብ ጾመ ጽጌ ቐፂሉ ናይ ፈቓድ ጾም ዝበሃል ካብ ጳጉሜን 1 - 5 ዝጽወም "ጾመ ዮዲት" ወይድማ ብልምዲ "ጾመ ጳጉሜን" እዩ። ብዙሓት ምዕመናን እውን ይፆሙዎ። ስያመኡ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ብቅድስነአንን ብኽብረንን ካብ ዝለዓላ፣ ብስመን ዝጽዋዕ ክፍሊ መጽሐፍ ቅዱስ እውን ካብ ዘለወን ቅዱሳት አንስት እዩ - #ዮዲት! ሙሉእ ታሪኻ ኣብ «መጽሐፈ ዮዲት» ይርከብ።
ሆሎፎርኒስ ዝበሃል ናይ ፋርስ መራሒ ንእስራኤላውያን ክወርር ብምምፅእ፣ ኣፍደገ እታ ከተማ ብምዕፃው ኣጫነቖም! ንሳቶም ድማ መቅደሶም ከምዝፈርስ፣ ትውልዶም ድማ ከምዝጠፍእ ፈሊጦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በኸዩ! ኣብ መሬት ወዲቆም ሓመድ ነስኒሶም ጾሙ ጸለዩ! (ዮዲ 4፡2-5) እታ ብንጽሕናን ብቅድስናን ንኣምላኽ ተገልግል ዝነበረት ዮዲት እውን ከምኡ! ንቅዱሳን ቀረባ ዝኾነ ኣምላኽ ድማ ጸሎታ ተቀቢሉ ኣብ 3 መዓልቲ መንገዲ ድሕነቶም ገለፀላ! (ዮዲ 8፡2) ክዳውንታ ቀያይራ፣ ተቀባቢኣ፣ ምልኩዕ ኽዳና ለቢሳ ኣብ ኣፍደገ እታ ከተማ ናብ ዘለዉ ፋርሳውያን ኣምረሐት! ኣይሁዳውያን ግና ስለዘይተረደኦም ዮዲት ብፋርሳውያን ወታደራት ከምትሞት ፈሊጦም ሓዘኑ! ዝረኣይዋ ፋርሳውያን ግና ብመልክዓ ፈዚዞም እናተደነቁ "እዚኣስ ንሓለቃና ትኹን" ኢሎም ናብ ሆሎፎርኒስ ወሰድዋ (ዮዲ10፡12-22)
ንጉሥ ሆሎፎርኒስ ድማ ድግስ ብምግባር ንዮዲት ኣፀዊዑ ኣብ ጎኑ የቀምጣ! እናተበልዐን እናተሰተየን ምስተውዓለ፣ ሆሎፎርኒስ ሰኺሩ፣ ውንኡ ረሲዑ ኣብ ክፍሉ ይህርስ። በቲ ጊዜ ዮዲት ተልዒላ ናብኡ ብምኻድ ሓይልን ብርተዐን ንክህባ ድማ ብምጽላይ፣ ብናይ ባዕሉ ሰይፊ ርእሱ ቆረፀት! በዚ ድማ ሕፍረት እስራኤላውያን፣ ርኩሰት ቤተመቅደስን ጥፍኣት ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስኡ ቆረፀት! ዝተቆረፀ ርእሱ ኣብ ጨርቂ ሒዛ፣ ነቲ ዙፋኑ ድማ ገልቢጣ ብለይቲ ናብ ዓዳ ኣተወት! ማንም ጅግና ወታደር ዘይገብሮ መስተንክራዊ ስራሕ እውን፣ ንህዝባ ገበረት‼️
እዙይ ዝረኣዩ ኣይሁዳውያን ድማ ርእሲ ሆሎፎርኒስ ሒዞም ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዘመቱ። እግሪ ብእግሪ እናተኸታተሉ ድማ ኣጥፍእዎም! (ዮዲ13፡1-10) በዚ መንገዲ ድማ እግዚአብሔር ጥፍኣት ሕዝቡ ብዮዲት ተጠቂሙ ብተአምር ገልበጠ! ኦርቶዶክሳዊት ቤ.ክ ድማ ነዚ ጾም ብምጿም ብመንፈስ ንዝዋግኡና መናፍስትን አጋንንት ንቆራርፀሉ ጾም ንክገብረልና ትምህር‼️ ጾመ ዮዲት ብጾምን ብንስሐን ጾይምና ሐዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ዓመትን ብሓዱሽ ልብን ንቅበሎ ይግበረና‼️
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 30 - 2016
ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ነገር እምበር ፣ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘይተፅሓፉ ነገራት ኩሎም ስሕተት ኣይኮኑን። መጽሓፍ ቅዱስ ኹሉ ነገር ዝተጽሓፎ መጽሓፍ ስለዘይኮነ።
ሓደ ነገር እንቕበሎ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ትውፊትን ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ሓደ ነገር ዘይንቕበሎ ድማ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ምስ ትውፊትን ዝጋጮ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ነዚ ኢና "መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ - Sola Scriptura" ዝብል ሉተራዊ-ኣስተምህሮ ዘይንቕበሎ።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 27 - 2016
« አሸንዳ Vs ድንግልና »
ብኣንደበት ደቂ ኣሸንዳ መቐለ
ዘይተፀበናዮምን ዘይግመቱን መገረምቲ መልስታት!
https://youtu.be/sCrqeNfSzvw?si=NbdzzziIE7G_VDc1
Share and Subscribe
©ZeChristos Media
‼️ #ማርያም_መድሓኒትና ‼️
ኣዋልድ ኣሸንዳ «ምስጋና ንማርያም ካብ ሞት ኣድሒና ብህይወት ዘንበረትና፣ ናይ ቅዱሳን ህይወት ኣዶ መድሓኒትና» ዝብል መዝሙር እንትዝምራ፣ ፕሮቴስታንትን ተሐድሶን ብጉርሖም ፣ ገለገለ ኦርቶዶክሳውያን ድማ ብዘይምፍላጥ «ጌጋ መዝሙር እዩ፣ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ መድሓኒትና» ኢሎም ክቃወሙን ክፀርፉወንን ርኢና። እስኪ «ማርያም ካብ ሞት ተድሕን ዶ?» ዝብል ቕድሚ ምርኣይና፣ ናይዞም ኣካላት ተቓውሞ ካበይ ከምዝመፀ፣ ንምንታይ እዚ ቃል ከምዘናድዶምን ምክንያት ስሕተቶምን ንፈትሽ።
📌 #ምክንያተ_ስሒት📌
ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነት (Orthodox Sotoreology) ንዝፈልጥ ሰብ ንድንግል ማርያም ይኹን ንካልኦት ቅዱሳን ዝወሃብ ኽብሪ ብመንፅር ጸጋን ውህብቶም ይሪኦ እምበር ምስ ክርስቶስ እናጋጨየ ኣይህወኽን። ካብቶም ናይ ፕሮቴስታንት 5 ነገረ ድኅነታዊ ሠረታት እታ ሓንቲ «Sola Christos - ክርስቶስ ጥራሕ» ትብል። በዚ ኣስተምህሮ ኹሉ ኽብሪ ንክርስቶስ ጥራሕ እምበር ንኻልእ ኣይግባእን ይብል። ስለዚ ድማ ኽብሪ ልክዕ ከም ኣምልኮ ተገይሩ ብምውሳድ፣ ንኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዝግባእ ይብል። ብርግፅ ኣምልኮ ንሓደ ኣምላኽ ንክርስቶስ #ጥራሕ ዝወሃብ እንትኸውን፣ እቲ ስሕተቶም ግን ንቅዱሳን ዝዉሃብ ኽብሪ ከም ኣምልኮ ምቑፃሩ እዩ።
ኣብዚ ስሕተት ዝወደቑ ኣካላት "ውዳሴ/ቅዳሴ ማርያም" እንተንብል ይኹርዩ፤ «ውዳሴ ወይ ቅዳሴ ንክርስቶስ ጥራሕ እዩ» ይብሉ። "ንቅዱሳን ምስጋና ኾነ ስግደት ይግባእ" እንትንብል እውን ይሓርቁ፤ «ምስጋና ኾነ ስግደት ንኣምላኽ ጥራሕ እዩ» ስለዝብሉ። ንሕና «ድንግል ማርያም መድሓኒትና ቤዛና እያ» እንትንብል ሰሚዖም ይናወፁ፤ «ቤዛና ኾነ መድሓኒትና ኢየሱስ ጥራሕ እዩ» ናብ ዝብል ስለዝኸዱ። ናይዚ ኹሉ ፀገም ድማ «Sola Christos - ኢየሱስ ጥራሕ» ዝብል ዝምቡዕ ፕሮቴስታንታዊ ትምህርቲ ስለዘለዎም እዩ።
ኣብዚ ስሕተት ዝወደቐ ሰብ «ቅዱስ ጊዮርጊስ ብርሃነይ እዩ» እንተይልኻዮ «ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ብርሃን» ይብለካ። ጎይታ ባዕሉ ንቅዱሳን «ንስኻቱም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም» ከምዝበሎም (ማቴ 5:14) ኣይዝክርን። ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ናይ ባሕርዩ፣ ናይ ቅዱሳን ብርሃንነት ድማ ናይ ጸጋ ምዃኑ ይስሕቶ። በዚ ድማ «ንግሥና ክርስቶስ» ምስ «ንግሥና ነገሥታት» ይጋጨዮ። ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነትን ነገረ ቅዱሳንን ንዝፈልጥ ሰብ ግን ምንም ዝጋጮ የብሉን።
እግዚአብሔር በይኑ ኣምላኽ ኾይኑ እናሃለወ፣ ንሙሴ «ኣብ ልዕሊ ፈርዖን #ኣምላኽ_ገበርኩኻ» ከምዝበሎ ነንብብ (ዘጸ 7:1) ክርስቶስ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ፣ ቅዱሳን ድማ ኣማልክት ዘበጸጋ እዮም። ሐዚ እውን እቲ ፀገሞም፣ ንክርስቶስ «ካብ ሞት ኣድሒኑና» እንትንብልን «ማርያም/ሚካኤል/ገብርኤል ካብ ሞት ኣድሒናትና» እንትንብልን ሓደ ስለዝመስሎም እዩ። እቲ ‹ክርስቶስ ጥራሕ - Sola Christos› ዝብል ናይ ሉተር መርዚ ካብ ርእሶም ተዘይወፂኡ፣ ነገረ ቅዱሳን ምስ ነገረ ክርስቶስ ክጋጨዎም ግድን እዩ። ብሱሩ ግን ድንግል ማርያም «መድሓኒትና» ትበሃል ዶ? ብኸመይ መንገዲ? ዝብል ኣብ ቐፃሊ ክምለሶ።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 19 - 2016
‼️ #አሸንዳ_ሃይማኖታዊ_ወይስ_ባህላዊ ?‼️
ናይ እምበይትና ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን (በዓል አሸንዳ) ናይ ኦርቶዶክሳውያን በዓል፣ ብፍላይ ድማ በዓል ደናግል ደቂ አንስትዮ እምበር፣ ባህላዊ በዓል ኣይኮነን ኣይነበረን እውን። ብኸመይ?
1⃣ #ዝጅምረሉ_ዕለት፦ አሸንዳ ኣብ ኤርትራ፣ ትግራይ፣ አገውን ኣምሓራን ኩሉሻብ ነሐሰ 16 እዩ ዝጅምር! እዚ መዓልቲ ድማ እምበይትና ማርያም ብሓይሊ ወዳ ካብ ሙታን ተንሲኣ ዝዓረገትሉ መዓልቲ እዩ! ኣብ ኣኽሱም ድማ ዕለት 24 ዝጅምር ኾይኑ፣ እዚ ድማ ነሓሰ 24 በዓለ ተክለሃይማኖት በድምቀት ስለዝኽበር ፣ ነዚ በዓል ኣኽቢረን ናብ ኣሸንዳ ንምውፃእ ምዃኑ ሉቃውንቲ ኣኽሱም ይናገሩ።
2⃣ #ናይ_ደናግል_አዋልድ_ምዃኑ:- እምበይትና ማርያም እንትዓርግ ምስኣ ዝነበራ 36 ቅዱሳት አንስት፣ ነቢይ ዳዊትን መላእክቲን እንትዝምሩላ ሪአን ኣመስጊነንኣ እየን። ብፍላይ አይሁዳውያን «ብኣኻትን ምኽንያት ካብ ገነት ወፂና» እናበሉ ንደቂኣንስትዮ ምልክት-ሓጢኣትን መርገምን ገይሮም ይንዕቅወን ስለዝነበሩ፣ ነገር ግን ብሔዋን ዝተዓፀወ ገነት ብድንግል ስለዝተኸፈተ፣ እመብርሃን ናይ ኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ናይ አንስቲ መመክሒተን እያ‼️ ቅዱስ ኤፍሬም «ምክሖን ለደናግል - መመክሒት ደናግል» ከምዝበላ /ዘዓርብ/፣ አባ ሕርያቆስ እውን "ትምክሕቶሙ ለወራዙት ወደናግል ወመነኮሳት - ትምክሕቲ መናእሰይ፣ ደናግልን መነኮሳትን ኢኺ" ከምዝበላ፣ ናይ ደናግል አዋልድ መመክሒት እያሞ አሸንዳ በዓል ደናግል አዩ።
3⃣ #ሥርዓት_ኣካዳድና_ኣሸንዳ፦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ኣሸንዳ፣ መስቀል ዘለዎ ቀምሽ(ጥልፊ)፣ ናይ ኽሳድ ብሪ መስቀል፣ ኣብ መዓንጣ ዝግበር ቆፅሊ ኣሸንዳ ይገብራ‼️ 📌እቲ መስቀል-ኽሳደን:- ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብደሙ ንዘድሐነን ክርስቶስ መስበኺ፣📌 እቲ ዝዕጠቕኦ ቆፅሊ፣ ብኖኅ ዘመን እታ ርግቢት "ሰላም ኾነ" ንምባል ሒዛቶ ዝመፀት ቆፅሊ ምሳሌ እዩ‼️ እቲ ቆፅሊ ምልክት ሰላም ከምዝኾነ፣ እምበይትና እውን ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከመት ኣዶ-ፍቅሪ ምልክት-ሰላም ምኳና ንምምስካር እዩ! 👉 ሕድሕድ ቆፅሊ ኣብ ጎነን ምእሳረን ድማ እምበይትና እንትዓርግ መላእኽቲ ክንፊ ንክንፊ ተታሒዞም ከምዝዘመሩላ ንምግላፅ እዩ!
4⃣ #ካብ_ቤተክርስቲያን_ምጅማሩ፦ ኣሸንዳ እንትጅመር እተን ደናግል ንጉሆ ነሐሰ 16 ቤ.ክ ኸይደን፣ ነቲ በዓል ኣኽቢረን፣ ጸሎት ገይረን፣ በቶም ካህናት ኣቦታተን ተባሪኸን፣ ትንሳኤን ዕርገትን እመብርሃን ብመዝሙር ንከብስራን ንክእውጃን መንገደን የቅንዓ‼️
5⃣ #ምርኢቱ:- ኣብ አሸንዳ ካብ ዝረኣየ ብሕታዊ ምርኢታት ድማ ካብተን ደናግል ነታ ዝነኣሰት ኣብ ማእገረን ደው የብላኣ። እዚ ድማ ሰርከስ ንምርኣይ እንተይኮነስ ናይ እምበይትና ማርያም ካብ ሙታን ተሲኣ ንብ ሰማያት ከምዝዓረገት ብግልፂ ዘረድእ ሕያው ምስክር እዩ።
6⃣ #ኣብ_ቤተክርስቲያን_ይጠናቐቕ:- እተን ደናግል እናዘመራ እንትኸዳ፣ ብዙሕ ሰብ መጽብዕኡ፣ ሕምባሻ፣ ገንዘብ ይህብ። ንሳተን ድማ ነዚ ኹሉ ኣኪበን ኣብ መወዳእታ ናብ ቤ.ክ የረክብኦ እምበር ንባዕለን ኣይካፈልኦን! ንምንታይ? እቲ ዝተውሃበን ናይ ማርያም እምበር ናይተን ስለዘይኾነ!
❌ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ነገር ግን ሕንግርጢጥ እዩ! ንነዊሕ ዘመን ዝምህር ሰብ ካብ ዘምህላው ዝተልዓለ፣ መንፈሳዊነቱ ሃሲሱ ብባህላውን ስጋውነትን እናተዓብለለ፣ ዝማሬታቱ ጠፊኡ ብደርፍን ጓይላን እናተውሐጠ፣ ዕርገታን ትንሳኤን ዝምለከቱ ግጥምታት እናተረስዑ ብፀርፍን ዕብዳንን ይትካእ ኣሎ‼️እንተ ንሕና ግን ብደርፍን ጓይላን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣይንፈልጥን ኣይምልከተናን እውን‼️
#RestoringAshenda
#ኣሸንዳ_ንማርያም
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 18 - 2016
ኣሸንዳ ብምንታይ ክነኽብሮ ይግባእ?
ብዝማሬ ወይስ ብጓይላ?
ብመዝሙር ምኽባር ባህልና ከጥፍኦ ዶ ኣይገብሮይ?
https://youtu.be/PAVCHvx_J6Q?si=TeChq_fpSKtoO0W3
በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖት መሠረት ዘለዎ ከምዝኾነ እነቕርቦም ምኽንያታት
https://youtu.be/y6f710jOEGI?si=aeysNsFKGqPfJynq
‼️አሸንዳ ብመዝሙር ዶ ብጓይላ?‼️
(ምስ ሰዋስው ሚድያ)
📌ሆቴላት መሊኦም ኣብ ባጃጅ ዝፍፀም ዝሙት
📌መሸጣ ድንግልና ኣዋልድ ኣብ መቐለ
📌መደንገፁ ዕዳጋ መከላኸሊ ጥንሲ ጥንሲ መውረድን
https://youtu.be/7eWi_O1FPFc?feature=shared
‼️ #መትሐዚ_ጾም ‼️
ካብ ወረዳታት ቦራን ስለዋን ብዝመፀና ናይ ሓግዙና ፃውዒት መሠረት ፣ አድላዪ ሓገዝ ንምግባር ሎምዓንቲ ሠሉስ 30/11/12 ብTiktok LIVE መተኣኻኸቢ እቶት ክግበር እዩ። ኣብቲ ላይቭ
📌 ብመምህራን ብዛዕባ ጾምን ፍልሰታን ክስበኽ
📌 ብኣሕዋት ብዛዕባ አሸንዳን አከባብርኡን ክንገር
📌 ብዘማርያን ኦርቶዶክሳዊ መዝሙር ክዝመር
📌 ኹልና ድማ ን60 ዝኾና አድባራትን ገዳማትን ትግራይ መብርሃቲ ዝኸውን ክሳብ 900 ሽሕ ክንእክብ ኢና።
👉ኹለኹም ብTikTok Live በዚ መፈንጠሪ ገይርኹም ተሳተፉ👇
alenadekiki?_t=8oe9Nb2wPVm&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@alenadekiki?_t=8oe9Nb2wPVm&_r=1
👉 ዘይኸኣልኹም ዝኸኣልኹሞ ሓግዙ፣ ክሕግዙ ንዝኽእሉ እውን ኣመሓላልፉ።
CBE ማሕበር ኣለና ደቅኺ
1000633345418
©Binyam Zechristos ሓምለ 30 - 2016
✝ #የፍልሰታ_ስጦታ!... እውነተኛ ታሪክ ✝
(...የፍልሰትዋ ተአምር...)
✅ ከቅርብ ዓመታት በፊት ነው! በግብፅ ይኖር የነበረው ወጣት ምንም እንኳን ገና በወጣትነቱ በትምህርት፣ ሃብትና ትዳር "የተሳካለት ሰው" የሚባል ቢሆንም ከጥቂት ቀናት በፊት ግን ይመካበት የነበረውን ትዳሩን ጥያቄ ውስጥ ገብቶበታል:: ባላወቀው ምክንያት የሚወዳት ባለቤቱ ከወገብ በታች ፓራላያዝ ትሆናለች:: እርስዋን ለማሳከም ያልሄደበት ሆስፒታል ባይኖርም የሚሄድበት ሆስፒታል እንደሌለ ግን ተነግሮታል:: "የያዛት በሽታ አይድንም!" የሚል መራራ ሐዘንን ሰምቷል! ብዙ ያሰበለት የልቡ ፍቅር ሲጠወልግ፣ የወደፊት ሕልሙ ሲጨልም፣ የልጅ አምሮቱም እንዲሁ ላይመጣ ሲቀር አስቀድሞ አውቋል ባለቤቱ አልጋዋ ላይ ትበላለች አልጋዋ ላይ ትፀዳዳለች! ለጥቂት ጊዜ እዛው አልጋዋ ላይ ሳምንታትንና ወራትን ስታሳልፍ ከራሱ ጋር እየታገለ በትዕግስት ቢያስታምማትም ከዚህ በላይ መቆየት ግን በአካል ሲኦል የመግባት ያህል ሁኖ ተሰማው:: ስለዚህ በፍቺ ከርስዋ ጋር መለያየትን መረጠ:: ነገር ግን ፍርድ ቤት ከመሄዱ በፊት አስቀድሞ የንስሃ አባቱን ማማከር እንዳለበት አመነና ወደሳቸው ሄዶ ያሰበውን ይነግራቸዋል!
📌 እሳቸው ግን በፍፁም እንደማይሆን፣ ጌታ "መፋታትን እጠላለሁ" እንዳለ፤ ያጣመረውን እርሱ መፍታት እንደማይገባ ከመጽሐፍ ቅዱስ እየጠቀሱ ያስረዱታል:: ከዚያም ሁለቱም በጸሎት እንዲተጉና ወደ እመቤታችን እንዲያመለክቱ ተነጋግረው ይለያይሉ:: የንስሃ አባቱም የወጣቱንና የባለቤቱን የክርስትና ስማቸውን ፅፈው በመቅደሱ መንበር ላይ አስቀምጠው ለ 3 ቀና ያህል በፅኑ ፆምና ጸሎት እየተጉ ቆዩ:: ከ3 ቀን ብኋላ ወጣቱ በሕልሙ፣ እርሱ ከሚሰራው ፎቅ ተወርውሮ ወድቆ ሲሰባብር፣ ሰዎችም መጥተው ሲያለቅሱለት፣ ባለቤቱ ግን መጥታ ለሰዎቹ "ምንም እንዲህ ተሰብሮ ቢጎዳም ከልቤ አፈቅረዋለሁና አልለየውም! ባለቤቴ ነውና አልለየውም! እስከ ሞት ድረስ አስታምመዋለሁ" ስትላቸው በሕልሙ ያያል:: ወጣቱም "ይሄ የጌታ መልዕክት ይሆን እንዴ?" ይልና ያየውን ሄዶ ለንስሃ አባቱ ይነግራቸዋል! እሳቸውም የእግዚአብሔር እጅ በድንግል ማርያም ምልጃ ስራውን እንደሚሰራ፣ ምንም እንኳን ሚስቱ በሞት አፋፍ ላይ ብትሆንም ሞትን የሚገድል ክርስቶስ ግን እንደሚፈውሳት፣ ፍቺዉንም መሰረዝ እንዳለበት የሚናገር ሕልም እንደሆነ ይተረጉሙለታል::
❇️ እርሱም "ያሰብኩትን ሳይሆን ጌታዬ ያሰበው ይሁን" ብሎ ፍቺውን ሰርዞ ለሚወዳት ባለቤቱ በፀሎት ፈውስን ይለምን ጀመረ:: ከጥቂት ሳምንታት ብኋላ የተወደደው #ጾመ_ፍልሰታ ይገባና እርሱም 14 ቀናት በተመስጦ በጾምና በጸሎትና ቆይቶ ነሐሴ 16 ቀን የእመቤታችንን የትንሳኤዋና የዕርገትዋን በዓል ያከብር ዘንድ ወደ ቤ/ክ ሲሄድ፣ ባል ከሚስቱ ልጆችም ከወላጆቻቸው ጋራ ጧፍ አብርተው ሲዘምሩ ተመልክቶ ልቡ በሐዘን ይመ'ታል! ልጅም ሚስትም በማጣቱም በማዘን በቤ/ክኑ በነበረው የእመቤታችን ስዕለ አድኅኖ ፊት ተደፍቶ <እመቤቴ ሆይ የወጣትነት ዕድሜዬን በደስታ ያልፈፀምኩበት፣ የልቤን ጓደኛ በበሽታ ያጣሁበትስ ምን ዓይነት ቀን ነው? እርስዋ በአልጋ ታስራ የምትቆይበት እኔ ደግሞ በእርስዋ ስቃይ የምሰቃይበት እስከመቼ ነው? እባክሽን ጽንሱን ያዘለለ ድምፅሽን አሰሚኝና እኔም ለክብርሽ ልዝለል! እባክሽን ለቶማስ የሰጠሽውን ሰበንሽን በሚስቴ ላይ ጣይ!> እያለ ምርር ብሎ ያለቅሳል::
🚫 ከቤ/ክ መልስ ወደ ቤቱ ሲገባ ግን ሚስቱ ከአልጋዋ የለችም! ፍርሃት ፍርሃት አለው! ምናልባት ሞታ ሊቀብርዋት ሂደው ይሆን? ብሎ አሰበ:: ደግሞ ቆይቶ "አይ! አይደለም! በፍፁም አይሆንም" ይላል ወደ ኩሽና ቤቱ ሲገባ ፍፁም ለማመን በማይቻል መልኩ ሚስቱ በ2 እግርዋ ቆማ ስትሰራ ያያታል:: አንደበቱ መናግር ቢያቅተውም ዓይኖቹ ግን የዕንባን ዘለላ እያፈለቁ ይናገሩለት ጀመር:: ሚስቱም ስታየው እየሮጠች መጣችን ተጠመጠመችበት:: <አንተ ወደ ቤ/ክ ከሄድክ ብኋላ ቤታችን ባለው የእመቤቴ ስዕለ አድህኖ ላይ ተንበርክኬ አለቀስኩ! "እመቤት ሆይ ችግሬን ታውቂያለሽና አማልጂኝ ለተጠማ ውሻ የራራው ልብሽ እባክሽ ለኔም ይራራልኝ! ቆሜ የትንሳኤሽንና የዕርገትሽን በዓል አክበር ዘንድ እግዚአብሔርንም አመሰግነው ዘንድ ፈውሺኝ" አልኳት::
✝ ከዚያም አንዲት ብርሃን የለበሰች ሴት መጣችና "ተነስተሽ ቁሚ" አለችኝ! እኔም "መቆምኮ አልችልም" አልኳት:: እርስዋም "ልጄ ሆይ አይዞሽ! ጌታ ፈውሶሻልና አቆምሽ ዘንድ መጥቻለሁ" አለችኝ! ከዚያም ሁለት እጄን ይዛ አስነሳችኝ! ከዚህ በፊት ተሰምቶኝ የማያውቅ ስሜትም ተሰማኝ! ኃይልም በእግሮቼ መሃል አልፈና እግሮቼም ፀንተው ቆሙልኝ ከዚያም ባርካኝ ከዓይኔ ተሰወረች ብላ ለባልዋ ትነግረዋለች! እርሱም ከሚሰማው ነገር የተነሳ ዲዳ ሆነ በእግርዋም ተንበርክኮም ሊፈታት እንዳሰበና ተስፋ ቆርጦ እንደነበረ ይቅርታ ይጠይቃታል:: እርስዋም ይቅር ብላው ተቃቅፈው ጌታን አመሰገኑ! ተያይዘውም ትንሳኤዋንና እርገትዋን ለማክበር በጋራ ወደ ቤተክርስቲያን አመሩ! ስሟ በጌታ ዘንድ የሰለጠነ ንግስታችን እመቤታችን ፍቅርዋ በልባችን ጣዕሟም በአንደበታችን ያሳድርብን ጸጋውን ክብሩን እንዳይነሳን ትለምንልን! ኣዕምሮውን ለብዎውን ትሳልብን ታሳድርብን!
#ምንጭ፦ Miracles of Saint Mery in Coptic orthodox church (Pop shinoda 3rd)
👇ተመሳሳይ መንፈሳዊ ጽሑፎችን ለማንበብ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg
@Binyam ZeChristos ሓምሌ 29 - 2016
✝ #ብጹዕ_አቡነ_ሰላማ_ከሣቴብርሃን ✝
ስሞም ፍሬምናጦስ እዩ! ፅርዓዊ ግሪካዊ ኮይኖም ኣቡኦም ሜሮጵዮስ (መረጵዮን) ፍሉጥ ነጋዳይ ኮይኑ ኣብ ከባቢ 303 ዓ.ም. ብሥራሕ ንግዲ ናብ ከባቢና ምስ ክልተ ደቁ (ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስን) ብመርከብ ኣቢሉ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ኣብ ወደብ ኣዱሊስ የብፅሑሉም'ሞሞ ይመውት። ነቶም 2 ደቁ ግና ሓለፍቲ መንገዲ ኣርኪቦም ብምድሓን ናብ ንጉሠ አክሱም #አልዓሜዳ (ታዜር) 1ይ ወሰድዎም። ንጉስ ግና ድሕሪ ጊዜ እንበረም ካብ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ኦሪት ንባብን መጻሕፍትን ይመሃሩ ምስ ዝነበሩ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ (ኢዛናን ሲዛናን) ገዲፉዎም ሞተ። ኣዴኦም # አሕየዋ (ሶፍያ) ድማ ደቃ ክሳብ ዝዓብዩ፣ ንኤደስዮስ ናይ ኣዛዝነትን ሓላፊ ምስላፍን ሥራሕ፣ ንፍሬምናጦስ ኸኣ ሓላፊ ቤተ መጻሕፍትን መምህር ደቃን ገበረቶ። ፍሬመናጦስ ግና ብርሃን ወንጌል ዝተረደኦ ስለዝነበረ፣ ነቶም ካህናተ ኦሪት በብቝሩብ ብርሃነ ወንጌል የብርሃሎም ነበረ። ዋላኳ ብትምህርቱ ኵሎም ሕጉሳት ተነበሩ፤ ጥምቀት፣ ቍርባንን ክህነትን ስለዘይነበሮም ግና ሓጐሶም ምሉእነት ኣይነበሮን።
✅ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ግና ኢዛና ዘውዲ ኣቡኡ ምስ ደፈአ፤ ኤዴስዮስ ናብ ሃገሩ ጢሮስ ተመልሰ። ፍሬምናጦስ ምስ ንጉሥን ኣብኡ ምስ ዝነበሩ ካህናተ ኦሪትን ብዝገበሮ ምርድዳእ ናይ ክርስትና ጥምቀትን ቁርባንን ከምኡ 'ውን ክህነት ዝህብ ጳጳስ ካብ ግብፂ ንክለኣኸ ናብ እስክንድርያ ተላእኸ። ኣብ ግብፂ ድማ እቶ ዓብዪ ሊቅን ቅዱስ አቡነ አትናቴዎስ እዩ ነይሩ። አርዮስ ዝተወገዘሉ ጉባኤ ኑቅያ ምስ ሓለፈ፣ "ካባኻ ንላዕሊ ቋንቊኦምን ባህሎምን ዝፈለጥ ስለዘየለ ንስኻ ጳጳስ ክትኾኖም ይግባእ" ኢሉ ንፍሬመናጦስ 5 ዓመት አምሂሩን ስልጣነ ክህነት ሂቡን " # ሊቀጳጳስ_ዘአክሱም " ኢሉ ሸይሙ ለኣኾ! ሕዝቢ ኢትዮጵያ (ኣኽሱም) ድማ ብዓብይ ደስታን ሓጎስን ምስ ተቀበልዎ "አባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን" ኢሎም ስም አውፅእሉ! ብርሃን ዝኾነ ወንጌል ዘብርህ፣ ሰላማዊ አቦ ንምባል እዩ! ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ድማ ንኢዛናን ሳይዛናን ብምምሃርን ንክጥመቁ ብምግባርን አብርሃ ወ አጽብሐ ኢሉ ስም ሃቦም! ብድሕሪኡ ካብ ትግራይ ሓሊፎም ማእኸል ሸዋን ክሳብ ደቡብ ኢትዮጵያን ብምኻድ አምሂሮምን ሰቢኾምን እዮም! (ኣብ ሸዋ ኣብ ጥቃ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ዘሎ #ዘጋመል ቤ.ክ ንሶም ከምዝሰርሕዎ ይንገር።)
✅ አቡነ ሰላማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ትምህርተ ሃይማኖት ብምስትምሃር፣ ስብከተ ወንጌል ብምስፍሕፋሕ፣ ካህናትን ዲያቆናት ብምሻም፣ አብያተ ክርስቲያናት ብምህናፅ፣ ምንኲስና ብምስፍሕፋሕ፣ መጻሕፍቲ ናብ ግዕዝ ብምትርጓም፣ ኣበ ነፍስን ኣበ ልገን ብምጅማር፣ ክልብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ንወንጌል ዝጓየ " # ማሕበረ_ጽዮን " ዝበሃል ማሕበር ብምምስራትን ቋንቋ ግዕዝ ንክዓቢ ብምግባርን ዓብዪ ግደ ዝነበሮም ቅዱስ ኣቦ እዮም! 26 ሓምለ ዕረፍቶም ኣብ ኦርቶዶክስ ቤ.ክ እንትኽበር፣ ኣብ ሮማውያን 27 ጥቅምቲ፣ ብግሪኻውያን ድማ 30 ሕዳር በዓሎም የኽብሩሎምን ይዝክርዎምን እዮም። ኣብ ተንቤም ብስሞም ኣብ ዝፅዋዕ ገዳሞም፣ ኣብ መቐለ ደብረ ሰላም ሚካኤል ብድሙቅ መልክዑ ይኽበር አሎ! በረኸቶም ይሓልወና!
👇ኻልኦት መንፈሳውያን ጽሑፋት ንምንባብ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg
@Binyam ZeChristos ሐምለ 25 - 2016
« ቅዱስ ዑራኤል ኣቦይ ኣምህረኒ፣ ጥበብን ምስትውዓልን ሃበኒ፣ ጸሎተይ እውን ናብ ክርስቶስ ኣዕርገለይ » ምባልና ልክዕ ድዩ?
1⃣ ያዕቆብ ንቲ መልአክ በኽዩ ከምዝለመኖ፣ ንሕና እውን ንመላእኽቲ በኺና ንልምኖም።
👉 ሆሴዕ 12:4:- ያዕቆብ ምስ መልኣኽ እውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ #በኽዩ_ኸአ_ለመኖ። ንሱ እውን ኣብ ቤቴል ረኸቦ።
2⃣ መላእኽቲ የንህሩና፣ ጥበብን ምስትውዓልን እውን ክህቡና ዝኽእሉ ሓያላት ፍጥረታት እዮም።
👉 ዳንኤል 9:21:- #ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ ... ንሱ #መሃረኒ፤ ተዛረበኒውን፦ “ዳንኤል! ኣነ ሕዚ #ጥበብን_ምስትውዓልን #ክህበካ መፂአ ኣለኹ።
3⃣ ናይ ኹሎም ቅዱሳን ጸሎት ናብ ክርስቶስ አምላኽና ዘዕርጉ መላእኽቲ እዮም።
👉 ራእይ 8:4:- ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ #ፀሎት_ቅዱሳን ኮይኑ፥ #ካብ_ኢድ እቲ መልኣኽ፥ #ናብ_ቅድሚ እግዚኣብሄር #ዓረገ።
©Binyam Zechristos ሐምለ 22 - 2016