‼️ቀለበት - መስቀል‼️
📌ቃልኪዳን/ሓዳር ዝገበረ ሰብ ኣብ ኣፃብዕቱ ምልክት-ቃልኪዳኑ ዝኾነ ቀለበት ይገብር። ንሕና እውን ነፍስና ከም መርዓት ንክርስቶስ እንትወሃብ ምልክት-ቃልኪዳን ዝኾነ መስቀል ንኣስር። ቀለበትና ናይቲ ኽቡር ሓዳርና ምልክት ከምዝኾነ ኹሉ፣ መስቀልና እውን ናይቲ ኽቡር ድሕነትናን ናይ ክርስቶስን ምልክት እዩ።
📌ቀለበት ምግባርና ሓዳር ከምዝገበርና እንገልፀሉ፣ ናይ ህይወት ቃል-ኪዳን ዝኣተናሉ ሰብ ከምዘሎ እንዛረበሉ፣ መዓልቲ መርዓና እናዘኻኸረ ብሓጎስ ዝመልእ ምልክት-ፍቕሪ እዩ። መስቀል እውን ከምኡ፣ ንሕና ናይ ክርስቶስ ከምዝኾንና እንናገረሉ፣ ብደሙ ዝተጠረና ምዃንና እንዛረበሉ፣ መዓልቲ ድሕነትና እናዘኻኸረ ድማ ብሓጎስ ዝመልእ ምልክት-ፍቕሪ እዩ።
📌ሓደ ሰብ ብውሱን አጋጣሚ ሃንደበት ቀለበት ካብ አፃብዕቱ እንተወፂኡ ሓዳሩ ፈሪሱ ማለት ኣይኬነን፣ ቀለበት ምልክት-ሓዳርና እምበር ሓዳርና ኣብ ቀለበትና ዝተሰረተ ኣይኮነን። መስቀል እውን ብዝኾነ ሃንደበታዊ ምክንያት ካብ ኽሳድና እንትወፅእ ክርስትናና ፈሪሱ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ መስቀል ምልክት ድሕነትና እምበር፣ ድሕነትና ኣብ ምእሳር-መስቀል ዝውሰን ስለዘይኾነ እዩ።
📌ማንም ሰብ ካልእ ኽፉእ ነገር ተዘይሓሲቡ፣ ቀለበቱ ካብ ኣፃብዕቱ ኣይውፅኦን፣ ንኸውፅኦን እውን ኣይደልን። ሰበይቱ ወይ ሰብኣያ ቀለበታ/ቱ ንኸውፅእ ዝፈቅድ ሰብ እውን የለን። ክርስቲያን እውን ካልእ ክፉእ ነገር ተዘይሓሲብና ናይ ኽሳድና መስቀል ኣይነውፅኦን። ንክነውፅኦ እውን ኣይንደልን። ካልእ ክርስትያን እውን ብዘይ መስቀል ክመላለስ ኣይንፍቀድን።
ሎሚ ዘመን ቀለበትና ካብ ኣፃብዕትና ዘውፅኡ ዘማውያን፣ መስቀልና እውን ካብ ኽሳድና ዝበትኩ መናፍቃን ዝመፁሉ ጊዜ ምዃኑ ፈሊጥና ቀለበትናን መስቀልናን ንሓሉ!
©Binyam ZeChristos መስከረም 18 - 2017
✝ « #ቅዱስ_መስቀል ~ Part 2⃣ » ✝
ኣብ 1ይ ክፋል ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘለዉ 3 ትርጉማት መስቀል ከምዝረአና ሎሚ ድማ ዓይነትን ኽብርን መስቀል ክንርኢ ኢና! ክርስቶስ ኢየሱስ ዋላ'ኳ ንጉስ ምኳኑ እንተተፈለጠ ነገር ግና ኣብ ምድራዊ ዙፋንን አይኸበረን። ንሱ ዝኸበረን ዝነገስን ኣብ መስቀል እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብትንቢቱ "ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ" (መዝ 132፡7) ኢሉ ዝተነበዮ ምስጢሩ ንቅዱስ መስቀል ከምዝኾነ ሊቃውንቲ ቤ.ክ የረድኡ። ስለዚህ ድማ ንመስቀል ነኽብሮን ኣብ ቅድሚኡ 'ውን ንሰግድ! እግዚአብሔር ንአዳም እንትፈጥር ኣእጋሩ ኣብ ዝባን ኪሩቤል ከምዝነበራ፣ ከምኡ እውን ንደቂ ሰባት ንከድሕን ኣእጋሩ ኣብ መስቀል ተሰቂለን ነይረን እየን'ሞ፣ መስቀል ዙፋን ክርስቶስ እዩ! ስለዚ እውን ነኽብሮ!
@BinyamZeChristos
✅መስቀል ነኽብረሉ 5 ምኽንያታት ክጠቅስ!
1⃣ ኣብ ልዕሊ መስቀል ኾይኑ ብዝገበረልና ዘይኽፈል ውዕለታ ፍቅሩ ስለእንሕስበሉ "ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና" (1ዮሐ3፡16)
2⃣ ጥንተ ፀላኢና ዲያብሎስ ዝተስዓረሉን ሞት-ነፍሲ እውን ዝተወገደሉን እዩሞ ንፈትዎን ነኽብሮን! "ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ #መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ" (ቆላ2፡14)
3⃣ ውህብቶ ኣምላኽ ዝኾነት እምበይትና ማርያም ድማ ኣዶ ኾይና ንዓና ዝተውሃበትሉን ዝተቀብልናያን ቦታ እዩሞ ንመስቀል ነኽብሮ! "ኢየሱስ ነዲኡን ነቲ ዘፍቅሮ ደቀመዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ደቀመዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ"(ዮሐ19፡26)
4⃣ ደቂ ሰባት ካብ ሲኦል ዝወፁሉ፣ ፅልኢ ድማ ዝተቀተለሉ ስለዝኾነ ነኽብሮ " #ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ #ቐቲሉ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም" (ኤፌ2፡16)
5⃣ ንመስቀል ዝፀልኡ ሰባት ድማ እቶም ዝጠፍኡን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቁን ምኳኖም ተማሂርና ኢና "ብዙሓትሲ #ጸላእቲ_መስቀል
ጸላእቲ_መስቀል? ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም።መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ ክብረቶም 'ውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ" (ፊልጵ3፡18)
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብአገልግሎት)
ቅዱስ መስቀል ብመዳይ አገልግሎቱን ዝህቦ ጥቕምን ኣብ 5 ይኽፈል። ንሳቶም ድማ፦
1⃣ #መጾር_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እቲ ዲያቆን ዝሕዞን "ተንስኡ ለጸሎት" እንትብል እውን ኣብ ቅድሚ አዕይንቱ ዝገብሮን እዩ! እዚ 'ውን አዳም ኣብ ሲኦል ኾይኑ ነቲ ኣምላኽ ዝኣተወሉ ቃልኪዳንን መስቀልን እናሓሰበ፣ ነቶም ነፍሳት "ተንስኡ ለጸሎት" ይብሎም ከምዝነበረ ምሳሌ እዩ!
2⃣ #ናይ_ኢድ_መስቀል፦ እዚ መስቀል ጳጳሳት፣ ቆሞሳትን ካህናትን ኣቦታትና ኣብ ኢዶም ዝሕዝዎ፣ ዘሳልሙሉን ዝባርኹሉን እዩ! እዚ እውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ያዕቆብ ንደቂ ዮሴፍ (ምናሴን ኤፍሬምን) ኣእዳዊ አተሓላሊፉ መስቀል ብምስራሕ ስለዝባረኾም እዩ! (ዘፍ 48፡13)
3⃣ #ዕርፈ_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ድማ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ፣ እቲ ዲያቆን ንምዕመናን ኽቡር ደም ክርስቶስ ዘቀብለሉ ቅዱስ ንዋይ ኾይኑ ቅርፁ ከም ማንካ መሲሉ ኣብ መትሐዚኡ ድማ መስቀል ዘለዎ እዩ!
4⃣ #ማዕተብ_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ድማ ኣብ ኽሳድና ኣሲርና እምነትና እንምስክረሉ፣ በታ ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖትና ንዝመጽእ ኽሳድና ከምንህብ እንምስክረሉ እዩ! ኻሊእ ጊዜ ብሰፊሑ ክንምለሶ ኢና!
5⃣ #ጉልላት_መስቀል፦ እዚ መስቀል እዚ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤ.ክ ዝትከል፣ ኣብቲ ልዕሊ ጉልላት ዝስቀል፣ ናይ ቤ.ክ መሰረታን ጉልላታን፣ መሰረታን መደምደምያኣን ናይ ክርስቶስ መስቀል፣ ናይ ጎይታ ወንጌል ምኳና ዝገልፅ ዘረድእ እዩ።
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብአሰራርሓ)
ቅዱስ መስቀል ካብ ዝሰረሐሉ ነገር ብምልዓል ድማ 5 ዓይነታት መስቀል እንትህልዉ ንሳቶም ድማ
1⃣ ወርቂ መስቀል፦ ወርቂ ኽቡር ጽሩይ ከምዝኾነ ጎይታና እውን ኽቡርን ጽሩይን ብመለኮቱ ምኳኑ የረድእ።
2⃣ ብሪ መስቀል፦ ካብ ብሪ እንትስራሕ ድማ ይሁዳ ንጎይታ ንምሻጥ ካብ ኣይሁድ 30 ብሪታት ከምዝተቐበለ የረድእ።
3⃣ ነሐስ መስቀል፦ ነሓስ መልክዑ ናብ ደም ዘበለ እንትኸውን እዚ ድማ ጎይታ ደሙ ኣፍሲሲ ዝቀደሶ መስቀል ምኳኑ የረድእ
4⃣ ዕንጨይቲ መስቀል፦ እዚ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ኣብ ቀራንዮ ጎቦ ኣብ ዕፀ መስቀል ከምዝተሰቐለ የመልክት
5⃣ ብትረ መስቀል፦ እዚ ድማ ጎይታና ክርስቶስ ኣብ 5 ቦታታት ብብረት ከምዝተወግአ (ከምዝተቸንከረ) ንምርዳእ እዩ። እተን ችንካራን ድማ ሳዶር ፣ ኣላዶር ፣ ዳናት ፣ ኣዴራ ፣ ሮዳስ ይበሃላ።
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብቕርፂ):-
መስቀል ካብ ብዝስረሐሉ ዓይነታት ቕርፅን መልክዕን ድማ ብዙሕ ዓይነት እንትኾን ካብኣቶም ድማ፦ 1.ቀርነ በግዕ 2.አርዌ ብርት 3.ቀራንዮ ሐዋርያት 4.ልሳነ ከለባት 5.እፀ ስርናይ 6.ዕፀ ሳቤቅ 7.ጽጌ ደንጎላ 8.ዓምደ አራም 9.ትእምርተ ከዋክብት 10.ሐረገወይን 11.እሳየ ገቡዕ 12.ሌንጊኖስ ... ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤ.ክ ከምዚ ገይራ ብአገልግሎታ ናይ ክርስቶስ ውዕለታን ናይ ኣምላኻን ፍቅሪ ትገልፅ! መጽሐፍ ቅዱስ እውን ብጥበብ ተስተምህር!
©Binyam ZeChristos መስከረም 15 - 2017
‼️ብመስቀል ነማዕትብ - Sign with the Cross‼️
1⃣ ሊቅ ጠርጡለስ/Tertullian (160-240/
«... At every forward step and movement, at every going in and out, when we put on our our clothes and shoes, when we bathe, when we sit at table, when we light the lamps, on couch, on seat, in all the ordinary actions of daily life, we trace upon the forehead #the_sign.
👉« ኣብ ኹሉ ስጉምን ምንቅስቓስን፣ ኣብ ምእታውን ምውፃእን፣ ኽዳንና ጭማናን እንትንገብር፣ እንትንሕፀብ፣ እንትንቕመጥ፣ መብራህቲ እንትነብርህ፣ ኣብ ወንበር፣ ኣብ ኹሉ መዓልታዊ ስራሕና ግንባርና በቲ ምልክት ነዕማትብ »
(The Chaplet: chapter 3)
2⃣ ቅዱስ አትናቴዎስ/Athanasius (296-373)
« But we by the mention of Christ crucified put all demons to flight, whom you fear as if they were gods. Where the #sign_of_the_Cross is, magic is weak and witchcraft has no strength.
👉 «ነቲ ዝተሰቐለ ንክርስቶአ ብምፅዋዕ፣ ነቶም ከም ኣማልኽቲ እትፈርሕዎም ንኹሎም አጋንንቲ ነርሕቖም::ናይ መስቀል ምልክት ኣብ ዘለዎ ኣስማት ድኹም እዩ ጥንቁልና እውን ሓይሊ የብሉን::
(Life of St Anthony, para 78)
3⃣ ቅዱስ ኤፍሬም/Ephraim the Syrian (306-373)/
«With the #sign of the living #cross, seal all thy doings, my son. Go not forth from the door of thy house till thou hast #signed_the_cross. Whether in eating or in drinking, whether in sleeping or in waking, whether in thy house or on the road, or again in the season of leisure, neglect not this sign; for there is no guardian like it. It shall be unto thee as a wall, in the forefront of all thy doings. And teach this to thy children, that heedfully they be conformed to it.
👉 «ወደይ በቲ ሕያው መስቀል ምልክት ገይርኻ ኹሉ ነገርኻ ሓትሞ/ባርኮ:: ናይ መስቀል ምልክት እንተይገበርኻ ካብ በሪ ገዛኻ ኣይትውፃእ:: እንትበልዕ፣ እንትሰቲ፣ ኣብ ድቃስ ይኹን ኣብ ምንቃሕ፣ ኣብ መንገዲ ይኹን ኣብ ገዛ፣ ዋላ ኣብ ዕረፍቲ ጊዜ፣ ነዚ ዝመልስ ሓላዊ የለንሞ ነዚ ምልክት ኣይትግደፎ:: ኣብ እትሰርሖ ኹሉ ነገር ከም መንደቕ ክኾነልኻ እዩ:: ንክሕስብዎ ድማ ንደቅኻ መሃሮም »
(On Admonition and Repentance: para17)
©Binyam ZeChristos መስከረም 15 - 2017
«ኢየሱስ ጎይታ 'ዩ» ምባል የድሕን ዶ? ‼️
መጽሑፍ ቅዱስ "ኢየሱስ ጎይታ እዩ" ኢልኻ ብኣፍኻ እንተመስኪርኻ ከምትድሕን ይዛረብ።
📌 ሮሜ 10:9:- ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ #ትድሕን።
"ኢየሱስ ጎይታ" ኡሉ ዝዛረብ ሰብ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ምዃኑ የረድእ።
📌 1 ቆሮ 12:3:- ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ።
እዚ ኹሉ ሓቂ ኾይኑ፣ ነገር ግን ካብዚ ተላዒሎም ሙሉእ መዓልቲ እናደጋገሙ "ኢየሱስ ጎይታ እዩ" ዝብሉን፣ ከምኡ ብምባሎም ድማ ዝድሕኑ ንዝመስሎም አካላት ሕቶ ክሓትት።
✏️ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ "ሥላሴ የለን" ዝብል ሰብ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝተናገሮ ኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
✏️ ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ ግን ኢየሱስ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን ዝብል ኸ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝተናገሮኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
✏️ ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ ግን አብን፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ባዕሉ ሓደ ኢየሱስ እዩ፣ ዝብል ኸ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝበሎኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
📌 ሕቶይ ብዘይካ Fallacy ከምትምልሱለይ ተስፋ እገብር!
©Binyam Zechristos መስከረም 13 - 2017
✝ #ጸደንያ_ማርያም - መስከረም 10 ✝
መስከረም 10 ናይ ጎይታና መስቀል የማነይቲ ኢድ (ጉማድ) ብሃፀይ ዳዊት ዘመን ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀትሉ ፣ ብተወሳኺ ድማ ካብተን 33 ናይ እምበይተና ማርያም በዓላት ዝኾነት #ጸደንያ_ማርያም ተብሂላ እትኽበረሉን እዩ። #ጸደንያ ኣብ እትበሃል ዓዲ እትነብር፣ ንእምበይትና ማርያም እውን ኣዚያ እትፈትዋ፣ ኣጋይሽ ተቀባሊት ዝኾነት #ማርታ እትበሃል ሓንቲ ደጊ ሰበይቲ ነበረት። ሓደ ጊዜ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ #ኣባ_ቴዎድሮስ ዝበሃል ፈላሲ (መነኮስ) ኣብ ገዝኣ ይሓድርሞ፤ ካብ ኢየሩሳሌም ቅዱስ ሉቃስ ዝሰኣላ ናይ ድንግል ማርያም ስዕለ አድኅኖ ንከምፀአላ ሓደራ በለቶ። እታ ስዕሊ ልክዕ ስጋ ዝለበሰት እትመስልን ወዝ ካብ ገፃ እናወፀ እትረአን ምልክዕቲ ነበረት!
ንሱ እውን ኸይዱ ነዛ ስዕሊ ገዚኡላ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፤ ኣብ መንገዲ ሸፋቱ እንትግንይዎ፣ ዘፍርሕ ድምፂ ካብታ ስዕሊ እናወፀ ካብ ሓደጋ ይከላኸሎ ነበረ። በዚ ናይዛ ተምአረኛ ስዕሊ ዝደንገፀን ዝተሓጎሰን ኣባ ቴዎድሮስ ድማ፣ ነዛ ስዕሊ ንማርታ እንተይነገራ ንባዕሉ ንክወስዳ ሓሰበሞ ብኻሊእ መንገዲ ብመርከብ እንትኸይድ ሓያል ንፋስ መፂኡ ነታ መርከብ እናደፍአን እናናወፀን ናብ ጸዴንያ መሊሱ ወሰዳ! ኣባ ቴዎድሮስ እውን ምንም ክገብር ስለዘይከኣለ፣ መሕደሪ እውን ስለዘይነበሮ ምስ ካልኦት መነኮሳት ተመሳሲሉ ናብ እንዳ ማርታ ኸይዱ ሓደረ።
✅ ኣባ ቴዎድሮስ ንጉሆ ንክወፅእ እንትብል እቲ መውፅኢ በሪ እናተሰወሮ ምውፃእ ይኣብዮ! በዚ ተደናጊፁ ሓደ መዓልቲ ይሓድር! ብፅባሒትኡ እውን ካብ ገዝኣ ክወፅእ እንትብል ምውፃእ ይኣብዮ! 3ይ መዓልቲ እውን ከምኡ። ነዚ ዝረኣየት ማርታ ድማ ስለ ዘይፈለጠቶም "ኣባ ንምንታይ እዮም ክወፁ ይብሉሞ ዝምለሱ? ክወፁ ይብሉሞ ይምለሱ?" ኢላ ሓተተት። ኣባ ቴዎድሮስ ግን ካብዚ ንላዕሊ ከታልላ ስለዘይከኣለ፣ በደሉ ተረዲኡ ኣብ እግራ ወዲቁ ይቅርታ ይሓታ! ንሱ ኣባ ቴዎድርስ ምኳኑ፣ ነታ ስዕሊ እውን ንባዕሉ ክወስዳ ሓሲቡ ምንባሩን እታ ስዕሊ ተአምራዊት ብምኳና እውን ካብቲ በሪ ገዝኣ ንከይወፅእ ከምዝኸልከለቶን ይነግራ! ማርታ ድማ ነታ ስዕሊ ምስረኣየት ደስ ኢልዋ ብታሕጓስ ኣእዳውን ኣእጋሩን ተሳለመቶ! ፍቓድ ኣምላኽ ምኳኑ እውን ፈሊጣ ነታ ስዕሊ ናይ ነሓስ መሽኮት፣ ናይ ሃሪ መጋረዲ ሰሪሓ፣ ዝበርህ መብራህቲ አዳልያ፣ ነቲ ካብታ ስዕሊ ንዝወፅእ ወዝ እውን መአከቢ ካብ እብነበረድ ሰሪሓ ኣብ ገዝኣ ብኽብሪ ኣቐመጠታ!
✅ ብዙሓት ሕሙማን እውን ነዛ ስዕሊ እናዳህሰሱ ይፍወሱ ጀመሩ! በዚ መሰረት እቲ በዓል ተኣምር ብዝተገበረሉ መዓልቲ "#ጸደንያ_ማርያም" ይበሃል! ናይ እምበይተና ማርያም ስዕላ እውን ተአምር ይገብር! እግዚአብሔር ናይ ኪሩቤል ምስሊ ሰሪሑ ኣብ ልዕሊ ታቦት ንክገብሮ ንሙሴ ከምዝኣዘዞ (ዘጸ 25:25)፣ ኣብ ሐዲስ ኪዳን ቤተመቕደስ ድማ ናይታ ምድራዊት ኪሩቤል ናይ እም ብርሃን ስዕሊ ንገብር!
✝ኽልተ ዓይኖም ዓይነ ሥውር ዝኾኑ ሓደ ሊቅ ኣብ ጉባኤ ከምዚ እንትብሉ ሰሚዐ "ከምቲ እትሪኡኒ ካብ ዝፍጠር ዓይነ ስውር እየ። ነገር ግን ብህይወተይ ንሓንቲ ደቒቓ ጥራሕ ናይ ምርኣይ ዕድል ተዝረክብ፣ ናይ እምበይተይ ማርያም ስዕላ ክርኢ ይምነ" ኢሎም ብፍቕሪ ኣብክዮምና! ኦ ድንግል ምስ ወድኺ ኣብ ዓይነይን ኣብ ልበይን ተስኣሊ‼️
©BinyamZeChristos መስከረም 10 - 2016
‼️ Ecclesiology ‼️
1) ቤተክርስቲያን በዓላት እናብዘሐት ሰብ ከይሰርሕ ብምግባር ናይ ድኽነትን ድንቁርናን ምንጪ እያ።
2) ኢየሱስ እምበር ሃይማኖት ዝበሃል ኣየድልን፣ ኣየድሕንን፣ ኢየሱስ ሃይማኖት ኣይመስረተን።
3) ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕለይ ኣንቢበ ክርድኦ ስለዝኽእል፣ ናይ ቤ/ክ ዝበሃል ትርጉም ኣየድልየንን።
4) ኣነ ኣብ ናይ ዓድና ቤ/ክን እምበር ኣብ ካልእ ቤ/ክ ኣየቀድስን፣ ኣይቖርብን።
5) ወዲ ዓድና ንዝኾነ ካህን/ቀሺ እምበር ካልእ ቐሺ ኣይሳለምን።
6) ‹ቤተ ክርስቲያን› ብፖለቲካን ዘርኣውነትን ብዙሕ ስለዝተበረዘት ሱር ነቀል ለውጢ የድልያ።
7) ኹለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ አምላኽ ዝመርሓ ዝተፈላለያ መንገድታት ስለዝኾና ኹለን ልክዕ እየን።
8) ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ንጉሥ ዘርዓያዕቆብ ‹ጊጉይ አስተምህሮ› ስለዝሓዘትን፣ ሸዋዊት ስለዝኾነትን ክትሕደስ ይግባእ።
9) መምርሒና መጽሐፍ ቅዱስ ጥራሕ ደኣ እምበር ቤ/ክ ኣይኮነትን።
10) ቤ/ክ ኢየሱስ ጥራሕ ክስበኽ እናተገበኦ፣ ካብ ዕለት 1-30 ንቅዱሳን እናሰበኸት ንፍጡራት ተምልኽ።
ነዚኦምን መሰሎምን ናይ ስሕተት ትምህርታትን ሕቶታትን ንባዕልና መልሲ ንረኽበሉ፣ ንዝገገዩ ንምልሰሉ፣ ብዕምቆት ክንፈልጦ ዝግባእን ትምህርቲ ቤ/ክ "#ነገረ_ቤተ ክርስቲያን (Ecclesiology) ይበሃል።
©Binyam ZeChristos መስከረም 6 - 2017
ኣብ ትግራይ ኣብ ኲለን ኣብያተ ት/ሰንበት ክወሃባ ዘለወን፣ ንኹሎም ካህናት ኣብ ዝዳሎ ሥልጠናታትን ኮርስታትን እውን ብስፍሓት ክትንተና ዝግበአን፣ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጃት እውን ብጥልቀት ክፅንዓን ኣብ ካሪኩለም ክኣትዋ ዘለወን፣ ዘማርያን ኣብ መዝሙራቶም ክገልፁወን፣ ሰባክያን ናይ ስብከትን ርእሲ ክገብሩወን፣ ጸሓፍቲ እውን ክጽሕፉወን ዘለወን 2 መሠረታዊ ትምህርታት ኣለዋ።
1) ነገረ ድኅነት (Soteriology)
2) ነገረ ቤተ ክርስትያን (Ecclesiology)
📌 ኣብዚ ፅልግል ዘመን፣ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ውሽጥን ናይ ደገ ፈተነታትን ተቓውሞታትን ኸሊለን ናብ ቐፃሊ ትውልዲ ዘሻግራ ዓምድታት እየን። ነንብበን፣ ነፅንዐየን!
ጎይታይ ኣይትስመዐኒ‼️
ኦ ጎይታይ ኢየሱስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ዘድልዩኒ ነገራት ከምዝለመንኩኻ ይፈልጥ እየ። ስለ'ቲ ዝገበርካለይን ስለ'ቲ ዘይገበርካለይን ነገር የመስግን። ብፍላይ ድማ ስለ'ቶም ዘይጠቕሙኒ ግን ሃበኒ ዝበልኩኻ፣ ስለ'ቶም ዝጎድኡኒ ግን ዝየማሕፀንኩኻ ኹሎም ስለዘይሃብካኒ የመስግነካ። ጊዜ እንትሓልፍ፣ እንኳዕ'ኳ ጸሎተይ ዘይሰምዐ፣ እንኳዕ'ኳ ዝለመንኹዌ ኹሉ ኣይሃበኒ ዝብሎም ብዙሓት ልማኖታት ሓሊፎም እዮም'ሞ፣ ኦ ጎይታ ንፅባሐይ እምበር ንኣፈይ ስለዘይሰማዕኻኒ ክብሪ ንዓኻ ይኹን።
Lord Jesus please Have mercy on me sinner
ክንደይ'ሞ ዘይበልኹ፣ ነዚ ተዘይሂብካኒ ሞይተ ይግነ'ለኹ፤ ከምዚ ተዘይገይርኻለይ ይሕነቕለኹ እናበልኹ፣ ከቃፅለኒ ንዝኽእል ሓዊ ተዘይጨበጥኹዎ ኢለ ከም ሕንጦ እናበኸኹ ዝሓለፍኹዎም ጊዜያት ብዕሽነት እዩሞ፣ ከም ጥበብኻ እምበር ከም ዕሽነተይ ስለዘይሃብካኒ፣ ከም ኣቦነትኻ እምበር ከም ሕንጦነተይ ስለዘይገበርካለይ ምስጋናይ ሓለፋ ኣለዎ።
Lord Jesus please Have mercy on me sinner
ኦ ርኅሩህ ኢየሱስ ወዲ ማርያም፣ ኣብዛ መፃኢት ዓመት እውን ዘይጠቕመኒ ነገር ተለመንኩኻ፣ ዝጎድአኒ ነገር እንተሓተትኩኻ፣ መሊሱ ንዘንብዐኒ ነገር ብንብዓት ኾይነ ሃበኒ እንተበልኩኻ ኣይትሃበኒ። ካባኻ ዘርሕቐኒ ትምኒት ተተመነይኹ፣ ካብ ዘለዓለማዊ መንግስትኻ ዘርሕቐኒ ነገር እንተበሃግኹ እውን ዝምልምኖ ስለዘይፈልጥ እየሞ "እሺ" ኣይትበለኒ፣ ኣይትስመዐኒ! ደጊመ ስለ'ቲ ዘይሃብኻንን ዘይገበረኻለይን ነገር ኹሉ ግን ተመስገን! ብድንግል እነኻ፣ ብኣማኑኤል ስምኻ፣ ብስጋኻን ደምኻን! አሜን!
ታይ ትምነዩ⁉️
እስኪ ቑሩብ ካብቲ ምድራዊ ፖለቲካ ምልስ ኢልና ስለቲ ሰማያዊ ሕይወትናን ስለ'ታ ዝረሳዕናያ ነፍስናን ሓደ ነገር ንመነ። እዚ ሓዱሽ ዓመት
1) ንጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚሐ ዘፍቅረሉ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ
2) ናይ ጎይታ መለኮታዊ ሥጋን ደምን ኣብዚሐ ዝቕበለሉ /ዝቖርበሉ/ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ
3) ብዛዕባ እታ ሓቀኛ መንገዱ ሕይወት ዝኾነት ሃይማኖት ዝምስክረሉ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ።
ንስኹም ኸ?
1⃣ #ኣመፃፅኣ_ጳጉሜን፦ ጳጉሜን ዝብል ቃል Hepagumene - ትርፊ (ካብተን ካልኦት ኣዋርሕ ተደሚራ ዝተረፈት) ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመፀ እንትኸውን፣ እናተለዋወጠት 5 መዓልቲ፣ ኣብ 4 ዓመት ድማ 6፣ ኣብ 500 ዓመት ድማ 7 መዓልቲ ትኸውን ሓፃርን ፍልይትን ወርሒ እያ:: ብሒሳባዊ ስልሒት (ባሕረ ሐሳብ) መሰረት ኣመፃፅኣኣ እንትንርኢ ድማ፦
ብዓውደ ጸሐይ ኣቆፃፅራ (Solar Calander) ሓደ ወርሒ ዝበሃል 30 መዓልቲን 26 ኬክሮስን እዩ! ኣብ ዓመት ድማ 12 ኣዋርሕ ኣለዋ:: ስለዚ ሓደ ዓመት ብመዓልቲ እንትንገልፆ (30×12=360) ፣ እተን 26 ኬክሮሳት እውን እንትንድምረን ኣብ ዓመት (26×12=312)፣ ስለዚ 1 ዓመት ማለት 360 መዓልቲ 312 ኬክሮስን ይስለውን።
እዘን ኬክሮሳት ናብ መዓልቲ እንትንቕይረም:- 60 ኬክሮስ = 1 መዓልቲ እዩ፣ 312 ኬክሮሳት ከ ክንደይ መዓልቲ ይኾን? ብምባል እንትነስልሖ (312÷60=5.2) 5 መዓልቲ ትርፊ ይህበና! እዘን 5 መዓልቲ እየን ጳጉሜን ዝበሃላ:: ስለዚ 1 ዓመት ማለት 365 መዓልትታትን 15 ኬክሮስን ይኸውን።
📌 ጳጉሜን ኣብ 6 ዓመት 5 መዓልቲ ከምትኸውን ንምርኣይ:- እዘን ኣብ 1 ዓመት ዘለዋ '15 ኬክሮስ'' እናተደመራ ኣብ 4 ዓመት 60 ኬክሮስ ይኾና። 60 ኬክሮስ ድማ 1 መዓልቲ እዩሞ፣ በቢ 4 ዓመቱ ጳጉሜን 6 ትኸውን ማለት እዩ። ኣብ 600 ዓመት ድማ 7 ትኸውን።
ጳጉሜን 5 ብሊቃውንተ ቤ/ክ "ዕለተ ምርያ" ወይ ድማ "ዝተመረፀት መዓልቲ" ትበሃል። እዚ ድማ ናይ ክርስቶስ በዓለ ልደት ዝፍለጠላ ስለዝኾነት እንትኸውን ንኣብነት ሎሚ ጳጉሜን 5 ሠሉስ ስለትውዕል ናይ 2016 ዓ/ም በዓለ ልደት እውን ሠሉስ እዩ ዝውዕል::
2⃣ #ማይ_ጳጉሜን (ቋቁሜን)፦ ማይ ጳጒሜን ኢልና እንሕፀበሉ ምኽንያት:- 1ይ) ናይ ጻዲቅ ኢዮብ ምሳሌ እዩ! ኢዮብ ብሰይጣን ፈተና ምኽንያት ንብረቱን ደቁን ስኢኑ፣ ሰብነቱ ብቁስሊ ተወሪሩ እንትነብር፣ ብትዕግስቱን ጸኒዑ ደሓር ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ከይዱ ምስጠምቀ እዩ ዝሓወየ! ንሕና እውን ነዚ ምሳሌ ብምግባር ቊስለ ስጋን ቊስለ ነፍስን ዘለና ንክንፍወስ ጸበል ንሕፀብ! 2ይ) ድማ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት ምስቲ ምኳኑ፣ ሓዱሽ ዓመት ድማ ብሓዱሽ መንፈስን ብሓዱሽ ልብን ክንኣትዎ ስለዝግባእ፣ ብንስሐ ተሓፂብናን ጸሪናን ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉን ቡሩኽ ዓመት ንክገብረልና ልምነሉን ስለዝኾነ እዩ! ቡሩኽ ሓዱሽ ዓመት!
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 1 - 2016
« #ጾመ_ዮዲት - ጾመ ጳጉሜን »
✅በቤተክርስቲያናችን የፈቃድ ጾም ተብለው የሚታወቁት ጾመ ጽጌ እና ጾመ ዮዲት ናቸው። የዮዲት ጾም የሚባለውም እርሷ ስለ ጾመችው ነው፡፡ ለፋርስ ንጉሥ ለናቡከደነፆር የጦር አበጋዝ የነበረው ሆሎፎርኒስ ፈቃድ ተሰጥቶት እስራኤልን ለመውረር ሲመጣ በሠራዊቱ (ዮዲ2፣2-7) የእሥራኤል ልጆችም ሆሎፎርኒስ የአሕዛብን አገር እንዳጠፋና ንብረታቸውን እንደዘረፈ ሰምተው ስለ ቤተ መቅደሱ መፍረስና ሰለ ንዋያተ ቅድሳት መርከሰ ማቅ ለብሰው አመድ ነስንሰው ከቤተ መቅደሱ በር ወድቀው አለቀሱ። (ዮዲ4፡2-15) ሆሎፎርኒስ ግን የሚጠጡትን ምንጫቸውን በመያዙ ፣ የእሥራኤል ልጆች በውኃ ጥም ከመቸገርና ከመሞት ይልቅ እጃቸውን ለጠላት ለመስጠት ወሰኑ፤ነገር ግን ዖዝያን
የአባቶቻቸው አምላክ መልስ እስኪሰጣቸውና ቸርነቱን እስኪመልስላቸው መከራውን በትዕግሥት እንዲቀበሉ ስለመከራቸው ጸኑ (ዮዲ7 ፣10-32)
✅በዚያም ባሏ ምናሴ የሞቶባት፣ ከወንድ ርቃ ንጽሕናዋን ጠብቃ በጾም፣ በቀኖና፣ በትኅርምት፣ በኀዘን፣ በጸሎት ተወስና የምትኖር የሜራሪ ልጅ #ዮዲት ማቅ ለብሳ በራስዋ ላይ ትቢያ ነስንሳ፣ ሱባዔ ገባች! አምላክም ሕዝቡን የሚያድንበትን ዕውቀትና ጥበብ ግብር በገባች በሦስተኛ ቀን ገለጸላት፡፡(ዮዲ8፡2) ከዚያም “ወዴት
ትሔጃለሽ አትበሉኝ አምላክ እሥራኤል ይከተልሽ ብሉኝ” ብላ የኀዘን ልብሷን ጣለች፡፡ ሰውነቷን ታጠበችና ሽቱ ተቀባች፣ ባሏ በሕይወት ሳለ የምትለብሰውን የክት ልብሷን ለበሰች፣ የጠላት ሰዎች ሁሉ እስኪወዷት ድረስ ፈጽማ አጊጣ ሄደች፡፡(ዮዲ.10፡2-3) እነርሱም ለእኔ ትገባለች ለእኔ ትገባለች እያሉ ተሻሙባት፡፡ የንጉሥ ጃንደረባ ጋይ የሚባል ይህችስ ለጌታዬ ትገባለች አለ፣ ለምን እንደመጣች ጠይቀዋት ለመልካም ነገር እንደመጣች ሲረዱ ከጦር አበጋዙ አደረሷት፡፡(ዮዲ10፡12-22)
✅ በአንዲትም ዕለት ሆሎፎርኒስ የአሽከሮች የምሣ ግብዣ አድርጎ ሲያበላ ሲያጠጣ ያችን እብራዊት ጥሩ ብሎ አስጠርቶ ከፊቱ አስቀምጦ ሲበላ አብዝቶ ሲጠጣ ውሎ ሰከረ፡፡(ዮዲ12፡1-20) ከዚያም አሽከሮችን ከሁሉ አስወጥቶ ድንኳኑን ቆልፎ እንደተኛ ከባድ እንቅልፍ ያዘው ዮዲትም ከፀለየች በኋላ ከራስጌው ያለውን ሰይፍ አንስታ የራስ ጠጉሩን ይዛ አንገቱን ቆርጣ በድኑን ከመሬት ጥላ ቸብቸቦውን በአቁማዳ ቋጥራ ለብላቴናዋ አሸክማ ግንዱን በታች ገልብጣ ዙፋኑን በላይ አድርጋ ወደ ሃገሯ ተመለሰች፡፡ (ዮዲ13፡1-10) ሕዝበ እሥራኤል በዚህ ድርጊቷ እጅግ ተደነቁ፣ ጠላታቸውን በእጃቸው የጣለላቸውን አግዚአብሔር አምላካቸውንም አመሰገኑ፡፡ በኋላም የሆሎፎርኒስን ራስ በተራራው ላይ ሰቅለው መዋጋት ጀመሩ፡፡ እስከ ዮርዳኖስም እየተከተሉ አጥፍተዋቸዋል፡፡
✝ ቅድስት ቤ.ክንም እግዚአብሔር የዮዲት ጾም ተቀብሎ ከጠላት እጅ እንዳዳናቸው፣ ለእኛም ከሰይጣን ወጥመድ እናመልጥ ዘንድ ይህንን ጾም እንድንጾመው ታበረታታለች (የፈቃድ ጾም ነውና) ለእኛም ለሃገራችን ፍቅር ሰላምና አንድነትን፣
የመከፋፈልን አዚም የምንቆርጥበት፣ የብሔርተኝነት ጥግ የምናፈርስባት፣ ለ፩ ኢትዮጵያ ለ፩ ቤ/ክ የምንቆምበት ጾም ያድርግልን!
@BinyamZeChristos ነሐሴ 30 - 2016
‼️ኣማላድነት ሥላሴ - ከመይ?‼️
1⃣ #ወልድ የማልድ/ይልምን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌ሮሜ 8:34:- እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና #ዝልምን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
2⃣ #መንፈስ ቅዱስ የማልድ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌ሮሜ 8:27:- መንፈስ [ቅዱስ] ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን #ይልምን እዩ እሞ።
3⃣ #አብ የማልድ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
📌2 ቆሮ 5:20:- እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ #ይልምን (Parakaleo - beseech) ኣሎ።
"ፓራካልዮ" ዝብል ግሪካዊ ቃል፣ ትርጉሙ ምልማን ከምዝኾነ መነፃፀሪ ጥቕስታት ንርአ።
📌ሮሜ 12:1:- "እምበኣር ኣሕዋተይ ...ብምሕረት እግዚኣብሄር #ይልምነኩም ኣለኹ" (Parakaleo/Beseech you/)
📌ሮሜ 15:30:- "ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን... ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ #ይልምነኩም ኣለኹ" (Parakaleo/Beseech)
_መጠቓለሊ____
1) ኢየሱስ ጥራሕ አማላዲ/ለማኒ ኣይኮነን።
2) አብ፣ ወልድ መንፈስ ቅዱስ "ይልምኑ/የማልድ" ክበሃል እንከሎ ከም ቅዱሳን "ይፅልዩ" ማለት እንተይኮነስ፣ ናብ ባዕሎም የቕርቡ፣ ይሕግዙ ማለት እዩ።
3) ቅዱሳን የማልዱ እንተበሃል ግን ጸልዮም፣ ለሚኖም፣ ሓቲቶም የውህቡ ማለትና እዩ።
©Binyam Zechristos ነሓሰ 28 - 2016
‼️ዘይትረፈሉ ዓውደ ዘተ (Panel Discussion)‼️
✏️ ብጹዓን ሊቃነ-ጳጳሳት ዝርከቡሉ፣ ኣብ መቐለ ዘለው ናይ ኹለን አድባራት አሕሉቕ ኣቦታት ዝመፁሉ፣ ኣብ መቐለ ዘለው ኹሎም ሰባክያን፣ ሊቃውንትን ዝተፀውዑሉ
✏️ባህልን ቱሪዝምን ሓዊሱ መንግሥታውን ዘይመንግሥታውን ትካላት ዝተኣንገዱሉ ፍሉይ መድረኽ
📌 እንታይነት፣ ኣመፃፅኣን ኣከባብራን ኣሸንዳ ብመጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝቐርበሉ፣ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ብመዳይ ሥነ-ልቦናን ሕውየትን ዳህሳስ ዝቐርበሉ፣ ሕቶታት ካብ ዕዱማት መብራህርሂ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ዝወሃበሉ ፍሉይ ጉባኤ
📌 ብሕብረት አሓት ኣብያተ ት/ሰንበት ዝተዳለወ
⏰ ሰንበት 4:00 ኣብ ቤ/ክ ማርያም ጉግሳ
Share Share Share
‼️ #መድሓኒት_ክትበሃሊ_ይግበኣኪ »‼️
ኑዚ ዝተናገረ ቅዱስ ያሬድ እዩ! እግዚአብሔር አምላክ ነቶም ዘስመሩዎ ቅዱሳን ናይ ባዕሉ ባሕርይ ተኻፈልቲ ከምዝገበሮም ነጊሩና እዩ። « #ተኻፈልቲ_መለኮታዊ_ባሕርዩ ምእንቲ ክትኾኑ ተስፋ ሂቡና » (2ጴጥ 1:4) ተባሂሎም እዩ። ክርስቶስ ብባሕርዩ ቅዱስ፣ ንጹሕ፣ ንጉሥ፣ መድኃኒት እዩ። ቅዱሳን ድማ ካብዚ ቅዱሳን፣ ነገሥታት፣ መድሓኒት ክኾኑ ገይሩዎም። ንሱ ካብ ባሕርዩ ተኻፈልቲ ንዝገበሮም፣ ሓደ ሓደ ንምንታይ ቅር ከምዝብሎም ይገርም እዩ። ብሓቂ ማርያም ክብ ሞት ተድሕነና እያ። ከመይ?
1⃣ #ሞተ_ሥጋ:- እመ ብርሃን ብሥጋና ካብ ዝመፅእ መከራ፣ ጭንቀት፣ ሕማምን ሞትን ከምተድሕን ንኣምን‼️ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚአብሔር በይኑ መድሓኒት ከምዝኾነ «ብዘይካ ኣነ ካልእ መድሓኒት የለን» (ሆሴ 13:4) ይብለና። ነገር ግን ድማ ንዝመረፆም ካብዚ ባሕርዩ ተኻፈልቲ እንትገብሮም ንርኢ። ንኣብነት ንዖትኒኤልን ንኤሁድን መድኃኒት ገይሩ ከምዝለኣኾ ነንብብ። « ንደቂ እስራኤል #ዘድሕኖም_መድሓኒ ዖትኒኤል ኣተንስኣሎም» (መሳፍ 3:9፣15) ነቢዩ ኤልሳዕ እኳ ምስሞተ፣ ኣብ መቓብሩ ንዝወደቐ ሬሳ ከንተሰኦ ነንብብ። (2 ነገ 13:21 ) እሞ ድኣ ኣምላኽ ዝለኣኾም ሰባት መድሓኒት ካብተብሃሉን ካብ ሞት ካብኣድሓኑን፣ እመአምላክ ድንግል ማርያም ዝያዳ ዶ መድሓኒት ኣይትበሃልን? ዝያዳ ዶ ካብ ሞት ኣይተድሕን?
2⃣ #ሞተ_ነፍስ:- ብነፍስና እውን መድሓኒት ንክትኾነና ዝተውሃበትና እያ - እመብርሃን። ሰብ ኾይኑ ከክንዳና ዝሞተ ክርስቶስ እምበር ኻልእ ወይከ የለን፣ ክህሉ እውን ኣይኽእልን‼️ ብኣዳም ዝመፀ መርገም በክርስቶስ ተወገደ። እዚ ምሥጢር ናብ ሔዋን እም ብርሃን ይወስደና። ቅዱስ ጳውሎስ ብኣዳም ሞት ከምዝመፀ ከምዝነግረና፣ ብሔዋን ስሕተት ከምዝኣተወ «ዝተታለለ ኣዳም ኣይኮነን፤ እታ #ሰበይቲ ግን ተታሊላ #ወደቐት» ይብል (1ጢሞ 2:14) ስለዚ ውድቀት ብሔዋን መፂኡ እንተይልና፣ ድህነት ብድንግል ማርያም ኾይኑ ንብል። ሔዋን መውደቒትና እንተኾይና፣ ድንግል ማርያም ድማ መድሓኒትና እያ‼️ ነዚ እዩ ቅዱስ ያሬድ "ብኪ ድኅነ ዓለም - ብኣኺ ዓለም ድሒኑ ዝበለ። ቅ/ኤፍሬም እውን " ተፈሥሒ ኦ መድኃኒታ ለሔዋን - ናይ ሔዋን መድሓኒት ደስ ይበልኪ" ዝበላ። ምስ ሔዋን ብምንፅፃር እምበር ንሳ ከልንዳና ሞይታ ዝብል ትርጉም የብሉን። ተመሲሉካ ድማ ርእስኻ ፈትሽ‼️
ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ድማ፣ ነፍስና እትሓምምን እትሞትን ብሓጢኣት እዩ። ንሓደ ኣብ ሓጢኣት ዘሎ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንክወፅእ ምግባር ነፍሱ ምድሓን እዩ። ነዚ እዩ ቅዱስ ይሁዳ «ንካልኦት ካብ ሓዊ #ኣድሕኑ» ዝበለ (ይሁዳ 1:22) እሞ ደኣ ንሕና ንሰባት ክብ ሓጢኣት ሞት ክንድ ግን ሥልጣን ዝተውሃበና ካብ ኾነ፣ ድንግል ማርያምም ብበረከታ፣ ብተአምራታ፣ ብኣማላድነታ ክንደይ ድሒኑ ይኸውን? ስለዚ ምስቲ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ አንቀጸ ብርሃን ዝበሎ «ለኪ ይደሉ ከመ ትኲኒ መድኃኒቶሙ ለመሃይምናን - ንምዕመናን መድሓኒቶም ንክትኾኒ ንዓኺ ይግባእ» ንበል።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 19 - 2016
‼️ #አሸንዳ_ባህሊ_ንምግባር_ዝቐርቡ_ሕቶታት‼️
1⃣ #ኣፈላላይ_ስያመ:- ሓደ ሓደ "ምሁራን" አሸንዳ ሃይማኖታዊ ኣይኮነን ንምባል ካብ ዘቕርብዎም ነጥብታት <ኣሸንዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈላለዩ ኣስማት ምሃልዉ> ከም መርትዖ የቕርቡ:: ግን አሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ ሶለል፣ ሻደይ ... ዝብል ስም ምህላዉ ንኣሸንዳ ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! ንኣብነት ኣብ ትግራይ ደብረታቦር ዝበሃል በዓል፤ ኣብ ኣምሓራ "ቡሄ" ስለዝበልዎ ነቲ በዓል ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! እኳ ድኣስ #ማርያ (ማርያም)፣ #ዓይኒዋሪ ዝብሉ አስማት ምስ እምበይትና ማርያም እናተራኸበ ንቲ በዓል ዝበለፀ ሃይማኖታዊ ምኳኑ ዝገልፅ ደኣምበር::
2⃣ #ኣፈላላይ_ዝጅምረሉ_ጊዜ:- ኣሸንዳ ኣብ ኣኽሱም ተፈልዩ ኣብ ነሓሰ 24 ስለዝጅምር ባህሊ እዩ" ዝብሉ ኣለው። ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኬነስ ኣብ ኩሉ ዓለም በዓለ ዕርገታ ነሓሰ 16 እዩ ዝኽበር። ኣብ ኣኽሱም 24 ዝኽበረሉ ድማ፣ ብምኽንያት በዓለ አቡነ ተክለሃይማኖትን ንበዓሎም ዝግበር ምድላውን እዩ።
3⃣ ዝፀንሐሉ_ጊዜ:- ካልኦት ድማ <ኣሸንዳ ኣብ ሓደ ቦታ ን3 መዓልቲ፣ ኣብ ካሊእ ድማ ክሳብ መስቀል ምጽንሑ> ነቲ በዓል ሃይማኖታዊ ከምዘይኮነ ንምርዳእ ይጥቀሙሉ:: ነገር ግን ናይ ሓደ በዓል ኣከባብራ መዓልቲ ምፍልላዩ፣ ኣብቲ ሕዝቢ ዝተውሃቦ ኽብርን ምውርራስን እዩ ዘረድእ:: ንኣብነት በዓል መስቀል፣ ኣብ አምሓራ መስከረም 16 ምኽባሮም፣ ኣብ ትግራይ ብበዝሒ መስከረም 17 ምኽባርና፣ ኣብ ጉራጌ ድማ ካብ መስከረም 12-24 ን2 ሰሙን ምኽባሮም ንበዓል መስቀል "ሃይማኖታዊ ኣይኮነን" የብሎዶ? ኣየብሎን! ልክዕ ከምኡ ብቤ/ክ ደረጃ በዓል አሸንዳ ዝጅምረሉ መዓልቲ (ነሓሰ 16) እምበር ዝውደአሉ አይተቐመጠን:: ኹሉ ከምፈቓዱን ክንዲ ዝኽእሎን ከኽብሮ ስለዝኽእል እዩ::
4⃣ #ኣብ_ካልኦት_ዘይምህላዉ:- ዝተወሰኑ አካላት ድማ <አሸንዳ ናይ ኦርቶዶክስ ተዝኸውን ድኣ ንምንታይ ኣብ ካልኦት ክልላት ኾነ ኣብ ካልኦት ኦርቶዶክሳውያን ሃገራት ዘይንረኽቦ?> ኢሎም ይሓቱ:: ብሱሩ ግን ኣባና ዘሎ ነገር እንድሕር ኣብ ካልኦት ዘየለስ ባህላዊ እዩ ማለት ድዩ? ኢትዮጵያኮ ኣብ ብሉይ ካብ እስራኤል ቐጺላ፣ ኣብ ሐዲስ ድማ ቕድሚ ኹሉ ክርስትና ዝተቐበለት ቐዳመይቲ ሀገር እያ:: ስለዚ ድማ ንኻልኦት ዘይተውሃቡ ጸጋታት አለውዋ! ንኣብነት ናይ ቅዱስ ያሬድ ሰማያዊ ዝማሬታት (ድጓ፣ ጾመ ድጓ፣ ዝማሬ፣ መዋስዕት፣ ምዕራፍ) ኣብ ግብፂ፣ ሶርያ፣ ሕንድን ኣርመንን የለን! ጸሎተ ሰዓታት፣ ኪዳንን ማኅሌትን እውን ከምኡ:: እሞ ኣብ ካልኦት ስለዘየለዉስ እዞም ጸሎታት "ሃይማኖታዊ ኣይኮኑን" ክንብሎም ማለት ድዩ? ሃመቢልና?! ኣብ ውሽጢ ሀገርና እውን እንተኾነ፣ ንኣብነት ኣብ ሓምለ 5 "ሓርያ" እናበልና ጭጉራፍ ምስራሕና፣ ኣብ ሕማማት ድማ አዋልድ "ሸውላሎ" ምጽዋተን፣ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ጥራይ እውን መስቀል ዘለዎ ጥልፊ ምግባርናን፣ እዚ ንሓርያን ንሸውላሎን "ባህላዊ" የብሎም ዶ? ኣየብሎምን! ከምኡ እውን ኣሸንዳ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ምህላዉ ዝበለጸ ነቲ ትውፊት ንሕና ምዕቃብና ደኣ የረድእ እምበር ባህላዊ እዩ ዘበል ነጥቢ የብሉን::
5⃣ #ብደርፍን_ጓይላን_ምኳኑ:- ገሊኦም ድማ <አሸንዳ ሃይማኖታዊ ተዝኸውን ነይሩ ንምንታይ ብደርፍን ጓይላን እምበር ብመዝሙር ትኽበር ዘይረአ?> ይብሉ:: እዚ ሕቶ ኳ ናይ ቤ/ክ ታሪኽ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጸ ይመስል:: ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ናይ 40 ዓመታት ናይ ዮዲት ጥፍኣት ኽኢላ፣ ናይ 15 ዓመታት ናይ ግራኝ ኣሕመድ ማሕረድቲ ተፀሚማ፣ ናይ ሱስንዮስ ክሕደት ተሸኪማ፣ ናይ ድርቡሽን ጣልያንን ወራር ተፃዊራ፣ ናይ ደርጊ ዓምፃፅነት ሸጊራ ክሳብ ሐዚ ዝጸንሐት እኳ እንተኾነ ገለገለ ዝጠፍኡዋ ኾኑ ዝተረስዑ እሴታታ ከምዘለዉ ግን ፍሉጥ እዩ:: ኣብ መስቀልን ጥምቀትን ወለድና ዝምህሮም ስለዝሰኣኑ ዶ ኣይኮነን ንታቦት ብተልሂትን ብሁራ ሰለስተን ዘኽብሩ ዝነበሩ? ብመዝሙር ምኽባር ዝተጀመረ እውን አብያተ ት/ሰንበት ምስመፁ ዶ ኣይኮንነ? ልክዕ ከምኡ ካብቶም ዝጠፍኡና በዓላት ሓደ አሸንዳ ብምኳኑ፣ ናብቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ኽብሪን መንነትን ንክንምልሶ ይግባእ! ስለዚ ድማ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል አሸንዳ ብዝማሬን ምስጋናን ብምኽባር ልክዕ ከም መስቀልን ጥምቀትን ኣብ UNESCO ንክነመዝግቦ ንዳሎ!
‼️ #ኣዴና_እንትትስእ_ንሕና_ብሓጢአት_ኣይንመውትን‼️
©Binyam ZeChristos ሓምለ 18 - 2016 ዓ.ም
‼️#ምስ_መስቀል_ጉዳይ_ኣለና‼️
"ምስቲ ዝተሰቐለ እምበር ምስቲ መስቀሊ እንታይ ኣለኩም?" ዝብሉና ገርህታት ድማ ኣለው! ንሕናማ ብዙሕ ጉዳይ ኣለና! ነቲ ዝተሰቕለ እናምለኽና፣ ነቲ መስቀሊኡ ነኽብሮ! ነቲ ናይ መሥዋእቲ በጊዕ (ኢየሱስ) ኣብ ልብና ኣንጊስና፣ ነቲ መሰውኢ ታቦት (መስቀል) ድማ ምልክትና ንገብሮ።
መስቀሉኮ ሰላም እንተይኮነስ ጽልኢ ዝተቐተለሉ እዩ። (ኤፌ 2:14) ጎይታ ርእሲ ሰይጣን ዝቐጥቐጠሉ ቅዱስ ንዋይ እዩ። ደም ጎይታ ዝፈሰሶ፣ ንዓና ዝተኸፈለ ዋጋ ዘዘኻኽር፣ ናይ ዕርቅን ይቅርታን ሰነድ፣ ናይ ሥርየት ምልክት እዩ።
ንሕና ግን ዘይተሰቐለ ክርስቶስ ኣይንፈልጥን፣ መስቀል ዘይብሉ ኢየሱስ ኣይነምልኽን። ኢየሱስ ምስ መስቀሉ፣ ክርስቶስ ምስ እንኡ፣ ጎይታ ምስ ደቀመዛሙርቱ ብምልኣት ነምልኽ እምበር፣ ለክርስቶስ ካብ መስቀሉ ኣውሪድና ኣይነምልኽን፣ ካብ ሕቑፊ ኣዲኡ መንጢልና ኣይነኽብርን፣ ካብ ቅዱሳኑ ፈሊና ኣይነኽብርን።
"ንሕና ግን ነቲ ዝተሰቐለ ንክርስቶስ ንሰብኽ" (1ቆሮ 1:23)
✝ #ቅዱስ_መስቀል ... 1ይ ክፋል ✝
"መስቀል" ዝብል ቃል ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ 3 ዓይነት ዝገልፅ ቃል እዩ። መከራ ክርስቶስ፣ መከራ ክርስቲያን፣ ዕፀ መስቀልን እዮም!
@BinyamZeChristos
1⃣ #መከራ_ክርስቶስ ፦ ናይ ክርስቶስ መከራ ባዕሉ መስቀል ዝበሃል እንትኸውን፣ ኣምላኽና ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን ዝተቀበሎ ስቓይ፣ መከራን ሕማምን ኹሉ ዝውክል ቃል እዩ! ቅዱስ ጳውሎስ እውን " #ቃል_መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንንድሕን ግና
#ሓይሊ_ኣምላኽ እዩ" ብምባል ክርስቶስ ዝተቀበሎ ሕማምን መከራን ንዓና ንኣመንቱ ሓይሊ ምኳኑ ይነግረና! (1ቆሮ1፡18) ካብዚ ሓሊፉ እውን ብናይ ክርስቶስ መስቀል ከም ዝምካሕ እንትናግረና "በቲ
#መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰነስ፡ #ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሐቕ" ይብለና (ገላ6፡14)
@BinyamZeChristos
2⃣ #መከራ_ክርስቲያን ፦ ናይ ክርስቲያን ምዕመናን መከረኦም፣ ንሃይማኖቶም ኢሎም ዝኸፍልዎ መስዋዕትነትን ጭንቅን እውን ዝውክል እዩ! ባዕሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ " #መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን" ኢሉ ኣምሂሩና እዩ (ማቴ10፡38) ኣብዚ ጥቅሲ "መስቀሉ" በለ እምበር "መስቀለይ" ኣይበለን። እዚ ድማ ንሕና ንናይ ክርስቶስ መስቀል ንምሽካም ዓቕሙ ከምዘይብልና፣ እኳ ድኣስ ኩላትና ክንሽከሞ ዝግበአና ናይ ባዕልና መስቀል (መከራ) ከምዘሎ እንትነግረና እዩ! ኣብ ካሊእ ምዕራፍ ድማ "ክስዕበኒ ዝፈቱ እንተሎ ህይወቱ ቐቢጹ #መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ" ይብለና (ማቴ16፡24) ስለዚ እውን ቅዱስ ጴጥሮስ ቁልቁል እንትስቀል፣ ቅ.ጳውሎስ ኽሳዱ እንትሕረድ፣ ቅ.አርሴማ አጥባታ ተቆሪፁ ኣዕይንታ ነቁሩ እንትስየፍ፣ ቅ.ጊዮርጊስ ብመጋዝ እንትትርተር ... እዚ ኹሉ ናይ ቅዱሳን መከረኦም "መስቀል" ይበሃል!
@BinyamZeChristos
3⃣ #ዕፀ_መስቀል ፦ዕንጨይቲ መስቀል ማለት እንትኸውን፣ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ "መስቀል" ዝብል ቃል እቲ ክርስቶስ ዝተሰቀለሉ፣ ደሙ እውን ዝፈሰሰሉ ናይ ዕንጨይቲ መስቀል ዘመልክት እዩ! "ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ወዲ ኣምላኽ እንተኮንካስ ካብ #መስቀል ውረድ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ"(ማቴ27፡39) ናይ መስቀል ምልክት ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ቅድሚ ምስቃሉ ብፍላይ ኣብ እስራኤል ከም መርገም ምልክት ተገይሩ ይቁፀር ነይሩ! ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኦሪት "እቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር #ዝተረግመ_እዩ እሞ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር" ዝብል ናይ ሙሴ ቃል ስለዘሎ እዩ! (ዘዳ21፡23) ክርስቶስ ግና ናትና ሓጢአት ንከጥፍእ ንሱ ሓጢአትና ተሸኪሙ፣ መርገምናን ዕዳናን ንክድምስስ እውን ምእንታና መርገም ኾይኑ ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ደሙ ኣድሐነና! ክብሪ ይኹኖ! ቅ.ጳውሎስ ነዚ ነገር እንትገልፆ " #ብደም_መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ" ይብለና (ቆላስ1፡20)
✏️"ኽብርን ዓይነታትን መስቀል" 2ይ ክፋል ክቕፅል'ዩ
@BinyamZeChristos መስከረም 15 - 2016
ንሕና ባሮቱ ንስራሕ‼️
በዚ ወርሒ 2 ዓበይቲ ውራያት ኣለውና። ጥቅምቲ 4 ኣብ ውቕሮ፣ ጥቅምቲ 14 ኣብ ደብረ ዳሞ ብወንጌል ዝፈርስን ዝቕየርን ልማድ ክህልወና እዩ። ጥቅምቲ 4 በዓለ አብርሃ ወአጽብሐ ኮነ ጥቅምቲ 14 በዓለ አቡነ አረጋዊ ምክንያት ብምግባር ኣብቲ ቦታ ይግበር ዝነበረ ናይ ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ምድራፍን ምስዕሳዕን ብመጠኑኳ እንተቐነሰ፣ መሊኡ ስለዘይጠፍአ፣ ንሓጢኣት ብጽድቂ ንምቕያር ካብ ኩለኹም አገልገልቲ (ብፍላይ ካብ መቐለ ክሳብ ዓዲግራት ዘለኹም ሰባክያነ ወንጌል፣ ዘማርያን፣ አመራርሓ ኣብያተ ት/ሰንበተ) ዓብዪ ስራሕ ተስፋ ይግበር።
📌በቢቦትኡ ናይ ሓዲርኻ መልሲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ተዝዳሎ።
📌ለይቲ ናብቲ ማኅሌት ክኣቲ ዘይከኣለ ኣብ ደገ ዝሓድር ምዕመን ቃለ እግዚአብሔር እናተመገበ ንክሓድር መደብ ምድላው። ከዳሉ ዝኽእል አካላት ተዘይሃልዩ ድማ፣ ከዳሊ ንዝኽእል ቤት ት/ሰንበት ሓላፍነት ምሃብ ተዝከኣል።
📌ተነኣሰ 2 ተበዝሐ 4 ሰባክያን ተዳልዮም ይመፁ፣ ነቲ ዝደረቐ ልብና ብወንጋል እናሓረሱ ይሕደሩ።
📌ተነኣሰ 5 ተበዝሐ 10 ጸጋ ዘለዎም ዘማርያን ነቲ ዝሓረረ ህይወትና ብዝማሬ እናለምለሙ ይሕደሩ።
📌ነዚ ንምጥዕዓም ድማ ናይቶም አድባራት አመሓደርቲ ወይ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምዕመን፣ ዙርያ እቲ ቤ/ክ ሓፁር/ምልክት ብምግባር ካልእ ሥጋዊ ነገር ከይፍፀም ዘብዐኛ ክሳብ ምግባር ኣቐዲምኻ ምድላው።
📌ብፍላይ ነዚ ስራሕ ንብዙሕ ዓመታት ናተይ ኢሎም ነዚ ዓቢዪ ተልእኮ ዝሓዙ አባላት ቤት ት/ሰንበት ጽርሐ አርያም ቅ/ገብርኤል መቐለ አጀንድኦም ከምዝግበሩዎ ተስፋ ይገብር።
‼️ #ቅዱስ_እየ ... Vs ... #ገና_ክቕደስ_እየ‼️
"ኣነ ቅዱስ እየ፣ ገነት እየ ዝኣቱ" እናበሉ ዝፉክሩ ወገናት ዋና ፀገሞም ትርጉምን ዓይነታትን ቅድስና ዘይምርድኦም ይመስለኒ። #ቅዱስ ማለት "ፍሉይ፣ ኽቡር፣ ምስጉን" ማለት ኾይኑ ፣ ሰብ ቅዱስ ዝኸውን ኽልተ ዓይነት መንገዲ ምዃኑ መጽሓፍ ይነግረና።
1⃣ #እምነታዊ_ቅድስና (Theoretical Santification):- ሓደ ሰብ ካብ ኣምልኮ-ጣዖት ናብ ኣምልኮተ-ክርስቶስ እንትፍለ፣ ካብ ክሕደት ፀርዩ ብኣሚነ ሥላሴ እንትፀንዕ ተቐዲሱ (ንክርስቶስ ተፈልዩ) ይበሃል። እዚ ቅድስና ብእምነት ዝርከብ እንትኸውን፣ በዚ ምኽንያት ኹላትና ብክርስቶስ እንኣምን ኦርቶዶክሳውያን #ቅዱሳን ንበሃል።
📌« ነቶም ኣብ ቈሎስዩስ ዘለዉ #ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን...» (ቆላስ 1:2)
📌 ንቆሮንቶስ ምዕመናን « ናብታ ኣብ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ #ዅላቶም_ቅዱሳን » ተባሂሎም። (2ቆሮ 1:1) (2ቆሮ 13:13)
📌 ንዕብራውያን ምዕመናን እውን « ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ዘሎኩም #ቅዱሳን_ኣሕዋተይ...» (ዕብ 3:1፣ 13:24)
2⃣ #ተግባራዊ_ቅድስና (Practical Santification):- እዚ ቅድስና ድማ ሓደ #ክርስቲያን_ዝኾነ ሰብ፣ ካብ ሓጢኣትን ርኩሰትን እንትፍለ፣ ዝረኽቦ ቅድስና እዩ። እዚ ቅድስና ገና ንቕደስ ኢና ዘለና፣ ገና ኣይፈፀምናዮን። ነዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ‹ቅዱሳን ኢኹም› ዝበሎም ክርስቲያን ተመሊሱ ‹ቅዱሳን ኹኑ› ዝብሎም!
📌ቅዱስ ጴጥሮስ ንክርስቲያን «ኣነ ቅዱስ እየ እሞ #ቅዱሳት_ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም #ቅዱሳት_ኩኑ» ይብሎን። [1 ጴጥ 1:15-16]
📌ንቆሮንቶስ ምዕመናን «ብፍርሃት ኣምላኽ #ንቅድስና_እናመላእና ካብቲ ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ዅሉ #ርእስና_ነንጽህ» ይብሎም [2 ቆሮ 7:1]
📌ንዕብራውያን «ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ እሞ፣ #ንቕድስናን ንሰላምን #ሰዓቡወን» ይብሎም። [ዕብ 12:14]
=> በዚ ምክንያት ዋላኳ ብእምነትና "ቅዱሳን" ክንበሃል ዝተዓደልና እንተኾንና ብህይወት ግን ገና ንዓለም ዘይሰዓርና ብሓጢኣት እንነብር ስለዝኾና ከም ተሃድሶ ብፈኸራ እንተይኾነስ ከም ኦርቶዶክሳውያን ብትሕትና «ሓጢኣተኛ እየ፣ ቅድስናይ ክፍፅም ይግበአኒ» ንብል።
©Binyam ZeChristos መስከረም 10 /2016
✝ #ሰብ_ብኸመይ_ይጸድቕ? ✝ (Sotoreology)
ጽድቂ ማለት ሓቂ፣ ቅቡል ፤ ጻድቕ ማለት ሓቀኛ፣ ተቐባልናት ዝረኸበ ማላት እዩ። ሰብ ሓቅን ተቐባልነትን ብምንታይ ይረክብ?
1⃣ ሰብ ንመጀመርያ ጊዜ ብክርስቶስ ክኣምን እንተሎ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቑፀረሉ። ጽድቂ ይጅምር፣ #ይጸድቕ! እዚ ጽድቂ እንተይተቐበልኻ ብምግባርኻ ክትጸድቕ ኣይትኽእልን።
📌 «አብርሃም ብስርሑ ጸዲቑ እንተዝኸውን ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሓንቲ እኳ የብሉን። ነገር ግን አብርሃም ብእግዚአብሔር #አመነ። ጽድቂ ኾይኑ ድማ #ተቖፀረሉ» (ሮሜ 4:2-3 ፣ ገላ 3:6)
📌 «እምበኣር #ብእምነት_ካብ_ጸደቕና ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚአብሔር ሰላም ኣለና።» (ሮሜ 5:1)
📌 «እቲ ኹሉ ብሙሴ ሕጊ ክጸድቕ ዘይተኽኣሎ፣ ብኢየሱስ #ብምእማን_ይፀድቕ» (ግብሪ 13:39)
2⃣ ሰብ ምስ ኣመነ፣ ብእምነቱ ጽድቂ ምስጀመረን ምስተቖፀረሉን ድማ ንጎይታ ብምእዛዝ ፅድቂ ይረክብ። ስለዚ ብክርስቲያናዊ ፍረ/ምግባር/ ጽድቂ ይረክብ ፣ ይጸድቕ።
📌 «ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሐቅ ኣብ መሰውኢ ምስኣቕረቦ #ብተግባሩ ዶ ኣይኮነን #ዝፀደቐ?» (ያዕ 2:22)
📌 «#እትፀድቕ_ብቃልኻ፣ እትኹነን ብቃልኻ ኢኻ'ሞ ሰባት ብዝዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኹሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ክጥየቕሉ እዮም » (ማቴ 12:36)
📌 «ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር #ገበርቲ_ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም #ዝፀድቁ_እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቑ » (ሮሜ 2:23)
‼️መጠቓለሊ‼️
ሰብ ብእምንነት ጥራህ እንተይኮነስ፣ ብእምነትን ብምግባርን ከምዝጸድቕ ንአምን።
📌«ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ #ብተግባር_እውን_ከምዝፀድቕ ትሪኦ ዶ ኣለኹም» (ያዕ 2:24)
©Binyam ZeChristos መስከረም 7 - 2017
‼️Heresy - Apologetics‼️
1) ክርስቶስ ንሓጢኣተይ ሞይቱ ዋጋ ስለዝኸፈለለይ፣ ኣነ ብሓጢኣተይ ኣይሕተትን
2) ሰብ ዝድሕን ኣብታ ዝኣመነላ ሰዓት ወይ ቅጽበት እዩ።
3) ሰብ ዝፀድቕ ብእምነት ጥራሕ እምበር ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብተኣዛዝነት ወይ ብምግባር ኣይኮነን።
4) ኣነ ብእምነት ጥራሕ እዩ ወዲ እግዚአብሔር ዝኸውን እምበር ብጥምቀት ኣይኮነን።
5) ሰብ አባል ቤ/ክ ንምኻን ይጥመቅ እምበር፣ ብጥምቀት ዝርከብ ድሕነት የለን።
6) ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን (ቁርባን) መዘከርታ እዩ'ምበር ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣይህብን።
7) ኣነ ባዕለይ ጻድቅን ቅዱስን ስለዝኾንኹ፣ ጻድቃናትን ቅዱሳንን ኣየድልዩንይ።
8) ሰብ ብእምነት ጥራሕ ስለድሕን፣ ምስ ኣመነ ድሕነቱ ኣይምንጠልን ኣይጠፍእን።
9) ስለዝጸደቕኹን ስለዝደሓንኹም ደኣ ምግባራት ይገብር እምበር ንኽጸድቕን ንክድሕንን ኢለ ምግባራት ኣይገብርን።
10) ሐዚ እንተሞይተ ገነት ከምዝኣቱ ርግፀኛ እየ
ነዚኦምን ካልኦትን ናይ ስሕተት ትምህርታት (Doctrinal Heresies) መልሲ እንህበሉ፣ ንዝጠፍኡ እንምልሰሉ፣ ንምዕመናን እንሕልወሉ፣ ልዕሊ ኹሎም ትምህርታት ቕድሚት ብጥልቀት ክንመሃሮን ክነምህሮን ዝግበአናን ትምህርቲ - #ነገር_ድኅነት (Sotereology) ይበሃል።
✝ #ቅዱስ_ዮሐንስ_መጥምቅ ~ መስከረም 1ን 2ን✝
📌መስከረም 1:- ሓዱሽ ዓመት መእተዊ ከም ምዃኑ "ኣውደ ዓመት" እናተብሃለ ይፅዋዕ። ካብ ሓዱሽ ዓመት ወፃኢ አውደ ዓመት ክበሃል ዝኽእል በዓል የለን! ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ ነቢይ፣ ናይ ሐዲስ ኪዳን ድማ ቕድሚ ሐዋርያት ዝመፀ ሐዋርያ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ኣብ ማእከል ብሉይን ሐዱሽን ኪዳን ማእከል ከምዝኾነ፣ መስከረም 1 ድማ ዝኣረገ ዓመት ሓሊፉ ሓዱሽ ዝመፀሉ ቅለዝኾነ ፣ "ቅዱስ ዮሐንስ" እናተብሃለት ትፅዋዕ።
📌መስከረም 2:- እዛ መዓልቲ ድማ ወዲ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ዝኾነ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ፣ ብትእዛዝ ንጉሥ ሄሮድስ ኽሳዱ ዝተቖረፀሉ (#ምትረተ_ርዕሱ) መዓልቲ ዝዝከረሉ እዩ።
ስየመታት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ
1⃣ #ነቢይ_ይበሃል፦ ሓደ ሰብ ነቢይ ዝበሃል ብእግዚአብሔር መንፈስ ተላኢኹ ብዛዕቢ መፃኢ ነገር ተገሊፁሉ ዝናገር እንተኾይኑ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ናይ ዓለም መድሕን ክርስቶስ ከምዝመፅእ፣ «ኣነስ ንንስሓ ብማይ የጥምቐኩም አሎኹ። እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ» ብምባል ተናጊሩ ነይሩ። [ማቴ 3:11]
2⃣ #ሓዋርያ_ይበሃል፦ ሐዋርያ ማለት እናዘረ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምስክር ማለት ስለዝኾነ፣ ዮሐንስ ድማ ናይ ክርስቶስ ናብ ባሕሪ ዮርዳኖስ እንትመፅእ ሪኡ «ናይ ዓለም ሓጢአት ዘወግድ በጊዕ እግዚአብሔር እንሆ» [ዮሐ 1:29] ኢሉ ክርስቶስ ናይ ዓለም ቤዛ ምኳኑ ስለዝመስከረ ሐዋርያ ይበሃል።
3⃣ #ካህን_ይበሃል፦ ካህን ማለት ንደቂ ሰባት ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ፣ ሓጢኣቶም ዝናዝዝን ዘጥምቕን ማለት ከምዝኾነ፣ ዮሐንስ መጥምቅ እውን ንምዕመናን እናናዘዘ፣ ንስሐ እናእተወን የጥምቕ ስለዝነበረ ካህን ይበሃል። [ ማቴ 3፡6 ]
4⃣ #ሰማዕት_ይበሃል ፦ ሰማዕት ማለት ምስክር ማለት ኾይኑ ብዋናነት ድማ ህይወቱ ለክርስቶስ ኣሕሊፉ ብምሃብ ዝሞት እዩ። ዮሐንስ እውን ምስክር ክርስቶስ ኾይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዘይምፍራሕ ንሓቂ ደው ብምባሉ ኽሳዱ ስለዝተሰየፈ እዩ! (ማቴ6፡27)
5⃣ #ዓርኪ_መርዓዊ_ይበሃል (ዮሐ3፡29)፦ ክርስቶስ ናይ ቤተክርስቲያን መርዓዊ ስለዝበሃል ንዮሐንስ ድማ ንመርዓዊ ዝዕጅብን በቲ መርዓዊ ደስ ዝብሎም ስለዝኾነ ዓርኪ መርዓዊ እናተብሃለ ይፅዋዕ!
6⃣ #ቃለ_አዋዲ (አዋጅ ነጋሪ) ይበሃል፦ ዮሐንስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምፅኡ ብዛዕባ ክርስቶስ አቀዲሙ ኣዋጅ ይናገርን ይሰብኽን ብምንባሩ ቃለ ዓዋዲ እናተብሃለ ይፅዋዕ። (ኢሳ40፡3፤ ማር1፡2)
@BinyamZeChristos መስከረም 2 - 2017
🌻🌻 #ሓዱሽ_ልቢ ዶ #ሓዱሽ_ዓመት 🌻🌻
✅ መቸም ናይ ሎሚ መስከረም 1 ካብተን ዝሓለፋ መዓልትታት ዝፈልያ ዋላ ሓደ ነገር ኣይህሉን! ልክዕ ከምኲለን 24 ሰዓት ዘለዋ እያ! እቲ ሓዱሽ ነገር ደኣ እንታይ እዩ? እቲ ሓዱሽ ነገርማ እቲ ናተይን ናትኩምን ልቢ እዩ! ሓዱሽ ልቢ እምበር ሓዱሽ ዓመት ኣየፅድቅን! ብናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓጢአትን በድለን፣ ምስ ዝሓዝናዮ ቂምን ፈደያን ኽፍኣትን ናብ ቀፃሊ ዘመን ምሽጋር እንተሃልዩ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሓዱሽ ዓመት? ዝሓለፈ ዓመት ብፖለቲካ ክርክር፣ ብመስተ ስኻር ሓሊፍናዮ፣ ቐፃሊ ዓመት ኸ?
✅ ሰብነትና ብሳሙና እምበር ነፍስና ብንስሐ ንሕፀብዶ? ንፈተውትና ውህብቶ ንህብ እምበር ንዘቀየሙና ይቅሬታ ንገብር ዶ? ሎሚ እውን ከም ዓሚ ብዛዕባ ዘርእን ብሔርን ዲና ክንፅሕፍን ክነውግዕን? ጽባሕ እውን ከም ትማሊ ኣብ ውሽጢ አረቂ ቢራን አልኮልን ዲና ክንሕባእ? ብሲጋራን ጫትን ዲና ክንወሓጥ? ድማ ዘይንሓፍር "ሓዱሽ ዓመት" ኢልና ንፅውዖ። እቲ ዓሚ ዝነበረ 24 ሰዓታት፣ 7 መዓልትታት፣ ሰሙናትን ኣዋርሕን እዩ ሐዚ'ውን ዘሎ! ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ሓዱሽ ልቢ እምበር ሓዱሽ ዘመን የለን! ዘመን "ሓዱሽ" ዝኸውን ብሓዱሽ ልቢ ጥራይ እዩ።
✅ ጎይታ እግዚአብሔር "#ተመለሱ ፣ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፣ ካብ ኵሉ በደልኹም ተመለሱ። ... ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ" 📌(ሕዝ 18፡30-31) ይብለናሎ! ብሓዱሽ ልብን መንፈስን፣ ብፍቅርን ይቅሬታን እንሕደሰሉ ይኹን! ብዘይተሓደሰ ልቢ ሓዱሽ ዓመት እናበልኻ ንዓርስኻ ምትላል ይኣኽለና። እንቅደሰሉን ናብ ክርስቶስ እንቀርበሉን ዓመት ይኹነልና!
📌1ይ ጴጥ 4፡3 "እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፣ #ብጓይላ፣ ብመስተ፣ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ #ዝሐለፈ_ዘመን ይኣክል እዩ። ስለዚ ናብ ሓዱሽ ልቢ እንኳዕ ኣብፀሐኩም!
✝ Happy New You! Happy new Heart! ✝
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 5 - 2016
✝ #ቅዱስ_ሩፋኤል - Saint Rafael ✝
ሩፋኤል ማለት "እግዚአብሔር ፈዋሲ እዩ" ማለት ኾይኑ ካብቶም 10 ናይ መላኽቲ መዓርጋት ናይ #መናብርት ሓለቓ ኾይኑ፣ ካብተን 3 ዓለማተ መላእክት ኣብ #ራማ ዝነብር፣ ነቢዩ ሄኖክ እውን "ኣብ ቁስሊ ሰብ ዝተሾመ ካብ ዝኸበሩ መላእኽቲ ሓደ #ሩፋኤል እዩ" ዝበሎ 📌[ሄኖክ 6:3]፣ ከምኡ ድማ "ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሕማምን ኣብ ልዕሊ ቑስሊ ደቂ ሰባትን ዝተሾመ ቅዱስ #ሩፋኤል እዩ" 📌[ሄኖክ ፲፥፲፫] ብምባል ዝገለፆ፣ ንጥኑሳት ኣዴታት ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝራድአን "ፈታሔ ማኅጸን" ዝኾነ ዓቢይ መልኣክ እዩ:: በዓሉ ጳጉሜን 3 ዝኽበረሉ 2 ምኽንያት ኣለዎ።
✏️ 1ይ:- ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀመላእኽት ኾይኑ ዝተሾመሉን ዝኸበረሉን መዓልቲ ዝዝከረሉ እዩ።
✏️2ይ:- ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ዝተሰርሐት ቤ/ክ «ቅዳሴ ቤታ» ዝተኸበረትሉ መዓልቲ እዩ:: በዛ መዓልቲ እዚኣ በዓሉ እንትነኽብሮ ድማ ቅዱስ ሩፋኤል ዝገበሮም ክልተ ዓበይቲ ተኣምራት (ሓደ ካብ መጽሐፍ ቅዱስ፣ 2ይ ድማ ካብ ድርሳነ ሩፋኤል) ብምዝካር እዩ! እቶም ተኣምራት ድማ:-
1⃣ይ ተኣምር:- ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ #መጽሐፈ_ጦቢት ከምዝተጽሓፈ ፣ ጦቢት ዝበሃል ጻድቕ ሰብ ዓይኑ ዓዊሩ ከምዝነበረን ሩፋኤል ድማ ከምዝፈወሶን ይዝከር። ንወዱ #ንጦቢያ ድማ ኣብ ኹሉ መንገዱ ዝረድኦ፣ ክሳብ መርዓ ዘብፀሖ፣ ነታ መርዓቱ እውን #ኣስማንድዮስ ካብ ዝበሃል ጋኔን ዝፈወሳን ቡሩኽ ህዳር ክህልዎም ዝገበረን መልአክ ፍቕሪ እዩ። [ሙሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሐፈ ጦቢት አሎ]
2⃣ይ ተኣምር:- ኣብ ጥቓ ከተማ እስክንድርያ ኣብ ዝነበረት ንኡሽተይ ደሴት ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤ/ክ ነበረት:: ኣብ ትሕቲ እታ ደሴት ድማ ሓደ ዓቢይ ዓሳ ነባሪ ነበረ:: ናይታ ቤ/ክ ቅዳሴ ቤት ንምኽባር ምዕመናን ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ግን ሰይጣን ነቲ ዓሳ ነባሪ ብምንቅስቓስ እቲ መሬት ተንቀጥቂጡ እታ ቤ/ክ ክትፈርስ፣ ምዕመናን እውን ክሞቱ ምስበሉ ብሓደ ልቢ ኾይኖም "ኦ ቅዱስ ሩፋኤል ርድኣና ሓግዘና" እናበሉ ይበኽዩ ጀመሩ:: ጸሎቶም ዝሰምዐ ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ነቲ ዓሳ ኣንበሪ "ብስም እግዚአብሔር ኣብ ዘለኻዮ ጽናዕ" ብምባል ኣዚዙን ተኣምር ገይሩን ንዓኣቶም ዘድሐነሉ መዓልቲ እዩ:: ኣማልድነቱ ምሳና ይኹን።
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 3 - 2016
‼️ #ጾመ_ዮዲት - ጾመ ጳጉሜን ‼️
ካብ ጾመ ጽጌ ቐፂሉ ናይ ፈቓድ ጾም ዝበሃል ካብ ጳጉሜን 1 - 5 ዝጽወም "ጾመ ዮዲት" ወይድማ ብልምዲ "ጾመ ጳጉሜን" እዩ። ብዙሓት ምዕመናን እውን ይፆሙዎ። ስያመኡ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ብቅድስነአንን ብኽብረንን ካብ ዝለዓላ፣ ብስመን ዝጽዋዕ ክፍሊ መጽሐፍ ቅዱስ እውን ካብ ዘለወን ቅዱሳት አንስት እዩ - #ዮዲት! ሙሉእ ታሪኻ ኣብ «መጽሐፈ ዮዲት» ይርከብ።
ሆሎፎርኒስ ዝበሃል ናይ ፋርስ መራሒ ንእስራኤላውያን ክወርር ብምምፅእ፣ ኣፍደገ እታ ከተማ ብምዕፃው ኣጫነቖም! ንሳቶም ድማ መቅደሶም ከምዝፈርስ፣ ትውልዶም ድማ ከምዝጠፍእ ፈሊጦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በኸዩ! ኣብ መሬት ወዲቆም ሓመድ ነስኒሶም ጾሙ ጸለዩ! (ዮዲ 4፡2-5) እታ ብንጽሕናን ብቅድስናን ንኣምላኽ ተገልግል ዝነበረት ዮዲት እውን ከምኡ! ንቅዱሳን ቀረባ ዝኾነ ኣምላኽ ድማ ጸሎታ ተቀቢሉ ኣብ 3 መዓልቲ መንገዲ ድሕነቶም ገለፀላ! (ዮዲ 8፡2) ክዳውንታ ቀያይራ፣ ተቀባቢኣ፣ ምልኩዕ ኽዳና ለቢሳ ኣብ ኣፍደገ እታ ከተማ ናብ ዘለዉ ፋርሳውያን ኣምረሐት! ኣይሁዳውያን ግና ስለዘይተረደኦም ዮዲት ብፋርሳውያን ወታደራት ከምትሞት ፈሊጦም ሓዘኑ! ዝረኣይዋ ፋርሳውያን ግና ብመልክዓ ፈዚዞም እናተደነቁ "እዚኣስ ንሓለቃና ትኹን" ኢሎም ናብ ሆሎፎርኒስ ወሰድዋ (ዮዲ10፡12-22)
ንጉሥ ሆሎፎርኒስ ድማ ድግስ ብምግባር ንዮዲት ኣፀዊዑ ኣብ ጎኑ የቀምጣ! እናተበልዐን እናተሰተየን ምስተውዓለ፣ ሆሎፎርኒስ ሰኺሩ፣ ውንኡ ረሲዑ ኣብ ክፍሉ ይህርስ። በቲ ጊዜ ዮዲት ተልዒላ ናብኡ ብምኻድ ሓይልን ብርተዐን ንክህባ ድማ ብምጽላይ፣ ብናይ ባዕሉ ሰይፊ ርእሱ ቆረፀት! በዚ ድማ ሕፍረት እስራኤላውያን፣ ርኩሰት ቤተመቅደስን ጥፍኣት ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስኡ ቆረፀት! ዝተቆረፀ ርእሱ ኣብ ጨርቂ ሒዛ፣ ነቲ ዙፋኑ ድማ ገልቢጣ ብለይቲ ናብ ዓዳ ኣተወት! ማንም ጅግና ወታደር ዘይገብሮ መስተንክራዊ ስራሕ እውን፣ ንህዝባ ገበረት‼️
እዙይ ዝረኣዩ ኣይሁዳውያን ድማ ርእሲ ሆሎፎርኒስ ሒዞም ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዘመቱ። እግሪ ብእግሪ እናተኸታተሉ ድማ ኣጥፍእዎም! (ዮዲ13፡1-10) በዚ መንገዲ ድማ እግዚአብሔር ጥፍኣት ሕዝቡ ብዮዲት ተጠቂሙ ብተአምር ገልበጠ! ኦርቶዶክሳዊት ቤ.ክ ድማ ነዚ ጾም ብምጿም ብመንፈስ ንዝዋግኡና መናፍስትን አጋንንት ንቆራርፀሉ ጾም ንክገብረልና ትምህር‼️ ጾመ ዮዲት ብጾምን ብንስሐን ጾይምና ሐዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ዓመትን ብሓዱሽ ልብን ንቅበሎ ይግበረና‼️
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 30 - 2016
ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ነገር እምበር ፣ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘይተፅሓፉ ነገራት ኩሎም ስሕተት ኣይኮኑን። መጽሓፍ ቅዱስ ኹሉ ነገር ዝተጽሓፎ መጽሓፍ ስለዘይኮነ።
ሓደ ነገር እንቕበሎ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ትውፊትን ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ሓደ ነገር ዘይንቕበሎ ድማ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ምስ ትውፊትን ዝጋጮ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ነዚ ኢና "መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ - Sola Scriptura" ዝብል ሉተራዊ-ኣስተምህሮ ዘይንቕበሎ።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 27 - 2016
« አሸንዳ Vs ድንግልና »
ብኣንደበት ደቂ ኣሸንዳ መቐለ
ዘይተፀበናዮምን ዘይግመቱን መገረምቲ መልስታት!
https://youtu.be/sCrqeNfSzvw?si=NbdzzziIE7G_VDc1
Share and Subscribe
©ZeChristos Media
‼️ #ማርያም_መድሓኒትና ‼️
ኣዋልድ ኣሸንዳ «ምስጋና ንማርያም ካብ ሞት ኣድሒና ብህይወት ዘንበረትና፣ ናይ ቅዱሳን ህይወት ኣዶ መድሓኒትና» ዝብል መዝሙር እንትዝምራ፣ ፕሮቴስታንትን ተሐድሶን ብጉርሖም ፣ ገለገለ ኦርቶዶክሳውያን ድማ ብዘይምፍላጥ «ጌጋ መዝሙር እዩ፣ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ መድሓኒትና» ኢሎም ክቃወሙን ክፀርፉወንን ርኢና። እስኪ «ማርያም ካብ ሞት ተድሕን ዶ?» ዝብል ቕድሚ ምርኣይና፣ ናይዞም ኣካላት ተቓውሞ ካበይ ከምዝመፀ፣ ንምንታይ እዚ ቃል ከምዘናድዶምን ምክንያት ስሕተቶምን ንፈትሽ።
📌 #ምክንያተ_ስሒት📌
ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነት (Orthodox Sotoreology) ንዝፈልጥ ሰብ ንድንግል ማርያም ይኹን ንካልኦት ቅዱሳን ዝወሃብ ኽብሪ ብመንፅር ጸጋን ውህብቶም ይሪኦ እምበር ምስ ክርስቶስ እናጋጨየ ኣይህወኽን። ካብቶም ናይ ፕሮቴስታንት 5 ነገረ ድኅነታዊ ሠረታት እታ ሓንቲ «Sola Christos - ክርስቶስ ጥራሕ» ትብል። በዚ ኣስተምህሮ ኹሉ ኽብሪ ንክርስቶስ ጥራሕ እምበር ንኻልእ ኣይግባእን ይብል። ስለዚ ድማ ኽብሪ ልክዕ ከም ኣምልኮ ተገይሩ ብምውሳድ፣ ንኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዝግባእ ይብል። ብርግፅ ኣምልኮ ንሓደ ኣምላኽ ንክርስቶስ #ጥራሕ ዝወሃብ እንትኸውን፣ እቲ ስሕተቶም ግን ንቅዱሳን ዝዉሃብ ኽብሪ ከም ኣምልኮ ምቑፃሩ እዩ።
ኣብዚ ስሕተት ዝወደቑ ኣካላት "ውዳሴ/ቅዳሴ ማርያም" እንተንብል ይኹርዩ፤ «ውዳሴ ወይ ቅዳሴ ንክርስቶስ ጥራሕ እዩ» ይብሉ። "ንቅዱሳን ምስጋና ኾነ ስግደት ይግባእ" እንትንብል እውን ይሓርቁ፤ «ምስጋና ኾነ ስግደት ንኣምላኽ ጥራሕ እዩ» ስለዝብሉ። ንሕና «ድንግል ማርያም መድሓኒትና ቤዛና እያ» እንትንብል ሰሚዖም ይናወፁ፤ «ቤዛና ኾነ መድሓኒትና ኢየሱስ ጥራሕ እዩ» ናብ ዝብል ስለዝኸዱ። ናይዚ ኹሉ ፀገም ድማ «Sola Christos - ኢየሱስ ጥራሕ» ዝብል ዝምቡዕ ፕሮቴስታንታዊ ትምህርቲ ስለዘለዎም እዩ።
ኣብዚ ስሕተት ዝወደቐ ሰብ «ቅዱስ ጊዮርጊስ ብርሃነይ እዩ» እንተይልኻዮ «ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ብርሃን» ይብለካ። ጎይታ ባዕሉ ንቅዱሳን «ንስኻቱም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም» ከምዝበሎም (ማቴ 5:14) ኣይዝክርን። ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ናይ ባሕርዩ፣ ናይ ቅዱሳን ብርሃንነት ድማ ናይ ጸጋ ምዃኑ ይስሕቶ። በዚ ድማ «ንግሥና ክርስቶስ» ምስ «ንግሥና ነገሥታት» ይጋጨዮ። ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነትን ነገረ ቅዱሳንን ንዝፈልጥ ሰብ ግን ምንም ዝጋጮ የብሉን።
እግዚአብሔር በይኑ ኣምላኽ ኾይኑ እናሃለወ፣ ንሙሴ «ኣብ ልዕሊ ፈርዖን #ኣምላኽ_ገበርኩኻ» ከምዝበሎ ነንብብ (ዘጸ 7:1) ክርስቶስ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ፣ ቅዱሳን ድማ ኣማልክት ዘበጸጋ እዮም። ሐዚ እውን እቲ ፀገሞም፣ ንክርስቶስ «ካብ ሞት ኣድሒኑና» እንትንብልን «ማርያም/ሚካኤል/ገብርኤል ካብ ሞት ኣድሒናትና» እንትንብልን ሓደ ስለዝመስሎም እዩ። እቲ ‹ክርስቶስ ጥራሕ - Sola Christos› ዝብል ናይ ሉተር መርዚ ካብ ርእሶም ተዘይወፂኡ፣ ነገረ ቅዱሳን ምስ ነገረ ክርስቶስ ክጋጨዎም ግድን እዩ። ብሱሩ ግን ድንግል ማርያም «መድሓኒትና» ትበሃል ዶ? ብኸመይ መንገዲ? ዝብል ኣብ ቐፃሊ ክምለሶ።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 19 - 2016
‼️ #አሸንዳ_ሃይማኖታዊ_ወይስ_ባህላዊ ?‼️
ናይ እምበይትና ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን (በዓል አሸንዳ) ናይ ኦርቶዶክሳውያን በዓል፣ ብፍላይ ድማ በዓል ደናግል ደቂ አንስትዮ እምበር፣ ባህላዊ በዓል ኣይኮነን ኣይነበረን እውን። ብኸመይ?
1⃣ #ዝጅምረሉ_ዕለት፦ አሸንዳ ኣብ ኤርትራ፣ ትግራይ፣ አገውን ኣምሓራን ኩሉሻብ ነሐሰ 16 እዩ ዝጅምር! እዚ መዓልቲ ድማ እምበይትና ማርያም ብሓይሊ ወዳ ካብ ሙታን ተንሲኣ ዝዓረገትሉ መዓልቲ እዩ! ኣብ ኣኽሱም ድማ ዕለት 24 ዝጅምር ኾይኑ፣ እዚ ድማ ነሓሰ 24 በዓለ ተክለሃይማኖት በድምቀት ስለዝኽበር ፣ ነዚ በዓል ኣኽቢረን ናብ ኣሸንዳ ንምውፃእ ምዃኑ ሉቃውንቲ ኣኽሱም ይናገሩ።
2⃣ #ናይ_ደናግል_አዋልድ_ምዃኑ:- እምበይትና ማርያም እንትዓርግ ምስኣ ዝነበራ 36 ቅዱሳት አንስት፣ ነቢይ ዳዊትን መላእክቲን እንትዝምሩላ ሪአን ኣመስጊነንኣ እየን። ብፍላይ አይሁዳውያን «ብኣኻትን ምኽንያት ካብ ገነት ወፂና» እናበሉ ንደቂኣንስትዮ ምልክት-ሓጢኣትን መርገምን ገይሮም ይንዕቅወን ስለዝነበሩ፣ ነገር ግን ብሔዋን ዝተዓፀወ ገነት ብድንግል ስለዝተኸፈተ፣ እመብርሃን ናይ ኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ናይ አንስቲ መመክሒተን እያ‼️ ቅዱስ ኤፍሬም «ምክሖን ለደናግል - መመክሒት ደናግል» ከምዝበላ /ዘዓርብ/፣ አባ ሕርያቆስ እውን "ትምክሕቶሙ ለወራዙት ወደናግል ወመነኮሳት - ትምክሕቲ መናእሰይ፣ ደናግልን መነኮሳትን ኢኺ" ከምዝበላ፣ ናይ ደናግል አዋልድ መመክሒት እያሞ አሸንዳ በዓል ደናግል አዩ።
3⃣ #ሥርዓት_ኣካዳድና_ኣሸንዳ፦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ኣሸንዳ፣ መስቀል ዘለዎ ቀምሽ(ጥልፊ)፣ ናይ ኽሳድ ብሪ መስቀል፣ ኣብ መዓንጣ ዝግበር ቆፅሊ ኣሸንዳ ይገብራ‼️ 📌እቲ መስቀል-ኽሳደን:- ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብደሙ ንዘድሐነን ክርስቶስ መስበኺ፣📌 እቲ ዝዕጠቕኦ ቆፅሊ፣ ብኖኅ ዘመን እታ ርግቢት "ሰላም ኾነ" ንምባል ሒዛቶ ዝመፀት ቆፅሊ ምሳሌ እዩ‼️ እቲ ቆፅሊ ምልክት ሰላም ከምዝኾነ፣ እምበይትና እውን ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከመት ኣዶ-ፍቅሪ ምልክት-ሰላም ምኳና ንምምስካር እዩ! 👉 ሕድሕድ ቆፅሊ ኣብ ጎነን ምእሳረን ድማ እምበይትና እንትዓርግ መላእኽቲ ክንፊ ንክንፊ ተታሒዞም ከምዝዘመሩላ ንምግላፅ እዩ!
4⃣ #ካብ_ቤተክርስቲያን_ምጅማሩ፦ ኣሸንዳ እንትጅመር እተን ደናግል ንጉሆ ነሐሰ 16 ቤ.ክ ኸይደን፣ ነቲ በዓል ኣኽቢረን፣ ጸሎት ገይረን፣ በቶም ካህናት ኣቦታተን ተባሪኸን፣ ትንሳኤን ዕርገትን እመብርሃን ብመዝሙር ንከብስራን ንክእውጃን መንገደን የቅንዓ‼️
5⃣ #ምርኢቱ:- ኣብ አሸንዳ ካብ ዝረኣየ ብሕታዊ ምርኢታት ድማ ካብተን ደናግል ነታ ዝነኣሰት ኣብ ማእገረን ደው የብላኣ። እዚ ድማ ሰርከስ ንምርኣይ እንተይኮነስ ናይ እምበይትና ማርያም ካብ ሙታን ተሲኣ ንብ ሰማያት ከምዝዓረገት ብግልፂ ዘረድእ ሕያው ምስክር እዩ።
6⃣ #ኣብ_ቤተክርስቲያን_ይጠናቐቕ:- እተን ደናግል እናዘመራ እንትኸዳ፣ ብዙሕ ሰብ መጽብዕኡ፣ ሕምባሻ፣ ገንዘብ ይህብ። ንሳተን ድማ ነዚ ኹሉ ኣኪበን ኣብ መወዳእታ ናብ ቤ.ክ የረክብኦ እምበር ንባዕለን ኣይካፈልኦን! ንምንታይ? እቲ ዝተውሃበን ናይ ማርያም እምበር ናይተን ስለዘይኾነ!
❌ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ነገር ግን ሕንግርጢጥ እዩ! ንነዊሕ ዘመን ዝምህር ሰብ ካብ ዘምህላው ዝተልዓለ፣ መንፈሳዊነቱ ሃሲሱ ብባህላውን ስጋውነትን እናተዓብለለ፣ ዝማሬታቱ ጠፊኡ ብደርፍን ጓይላን እናተውሐጠ፣ ዕርገታን ትንሳኤን ዝምለከቱ ግጥምታት እናተረስዑ ብፀርፍን ዕብዳንን ይትካእ ኣሎ‼️እንተ ንሕና ግን ብደርፍን ጓይላን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣይንፈልጥን ኣይምልከተናን እውን‼️
#RestoringAshenda
#ኣሸንዳ_ንማርያም
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 18 - 2016