zechristoss?_t=8qOMmGDnHUs&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qOMmGDnHUs&_r=1
Читать полностью…⁉️ #ትርጉም_ሥእሊ_ቅድስቲ_አርሴማ⁉️
✅ ከም ትውፊት ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ቅዱሳን ሰማዕታት እንትሰኣሉ መስቀል ዓቲሮም፣ ጽዋዕ ጨቢጦም፣ ቖጽሊ ስየ ሒዞም፣ አንስቲ ተኾይነን እውን ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝበሎ (1ይ ቆሮ 11:5) ጸጉረን ተሸፊነን ዝሰኣሉ ኾይኖም፣ ከከም ታሪኽ ገድሎም ድማ ዝውሰኹ ነገራት ይህልዉ:: እዚኣቶም ኹሎም መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎም እዮም።
📌እቲ ዝሕዝዎ መስቀል:- ጎይታ <ክስዕበኒ ዝፎቱ እንተሎ ሕይወቱ ቐቢፁ መስቀሉ አልዒሉ ይስዓበኒ> ከምዝበሎ (ማቴ16:24) ንናይ ክርስቶስ መስቀል ሕይወቶም ከምዝሃቡ ዝነግረና እዩ::
📌እቲ ዝዓተሩዎ ጽዋዕ ድማ፣ ጎይታ ኢየሱስ <እዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ትሕለፍ> (ማቴ 26:39) ከምዝበሎ፣ ጽዋእ ናይ ሞትን መከራን ምሳሌ ስለዝኾነ ሰማዕታት ድማ ንክርስቶስ ክብሉ መከራን ሞትን ምቕባሎም ዘረድእ እዩ::
📌እቲ ዝሕዝዎ ቖጽሊ ስየ ድማ:- ቖፅሊ ድማ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ዓወትን ናይ ምስጋናን ምልክት ስልለዝኾነ፣ ናይ ሰማእታት ንዓለም ምሽናፎም ዘረድእ እዩ። ብተወሳኺ፣ ቖፅሊ ስየ ኣብ ገነት ዘለዉ ቅዱሳን ነፍሳት እውን ኣብ ኢዶም ዝሕዝዎ ስለዝኾነ፣ ናይ ሰማዕታት ኣብ ሰማይ ዝህልዎም ሰማያዊ ኽብሪ ዝገልፅ እዩ:: <ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኖም ጨንፈር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ... ረአኹ> (ራእይ 7:9) ከም ዝብል።
በዓል ቅድስት አርሴማ ምኽንያት ብምግባር፣ "አማላጅነት ቅዱሳን" ብTiktok Live ተተመሃሃርና ኸ?
©BinyamZeChristos መስከረም 28 - 2016
‼ #ጻድቅ_አባ_ጽጌ_ድንግል ‼️
@BinyamZeChristos
✅ ብዙሓት ቅዱሳን እምበይትና ማርያም እናተገለፀትሎምን እናባረኸቶምን ምስጋናኣ ደሪሶም እዮም! ማኅሌታይ ቅ.ያሬድ - አንቀጸ ብርሃን ፣ አባ ኤፍሬም - ውዳሴ ማርያም ፣ አባ ሕርያቆስ - ቅዳሴ ማርያም፣ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ - ሰዓታት! ከምቲ ዝፍለጥ ድማ ካብ መስከ 26 - ሕዳር 6 ኣብ ዘሎ "ዘመነ ጽጌ" ድማ ጥዑም ዝኾነ "#ማኅሌተ_ጽጌ" ዝበሃል ምስጋና እናተዘመረን እናተወረበን እዩ ዝቕኒ! ነዚ ማኅሌተ ጽጌ ዝደረስዎ ድማ አባ ጽጌ ድንግልን አባ ገብረማርያምን ዝበሃሉ ኣቦታት እዮም! አባ ጽጌ ድንግል ኣብ ሰሜን ሸዋ ይፋት አውራጃ ኣብ መበል 14 ክ.ዘ ዝነበረ፣ መጻሕፍተ ኦሪት ዝተምሃረን ዘይተጠመቐን አይሁዳዊን (ፈላሻ) ሰብ እዩ ነይሩ! ሓደ ጊዜ ንሃደን ናብ ጫካ ይኸይድሞ ብዕምበባ ዝተኸበበት ምልክዕቲ "ሥዕለ ማርያም" ይረክብ! ብፅባቐኣ እናተገረመ እናሃለወ ድማ ሓደ አይሁዳዊ ዓርኩ መፂኡ "እዚኣኮ ናይቶም ክርስቲያን ዝበሃሉ ሥእሊ እያ" ብምባል ብኹራ በቲ ዝሓዞ በትሪ ነታ ስእሊ እንትወቅዓ ኣብኣ እንተሎ ተቀሲፉ ወዲቁ ሞተ! አባ ጽጌ ድንግል ነዚ ርእዩ ምሒር እንትድንግፅ፣ #ሩፋኤል መልኣክ ከም ጻዕዳ ዒፍ ተመሲሉ ተገለፀሞ "ሓደ ፈላሲ መፂኡ ክሳብ ዝምህረካ ነዛ ሥዕሊ ሓልዋ" ይብሎ!
@BinyamZeChristos
✅ በዚ ዘመን እቲ ኣብ ሀገርና ብወንጌል ስራሕን ብቅድስናን ዓብዪ ኣቦ ዝኾኑ #አቡነ_ዜናማርቆስ ስለዝነበሩ (ኣኩኦም ንኣቡነ ተክለሃይማኖት) ፤ ሓደ ጊዜ ንወንጌል አገልግሎት ናብቲ አባ ጽጌ ዝነበረሉ ናይ አይሁዳያን ከባቢ ብምኻድ ካብ ብሉይ ኪዳን እናጠቀሱ ክምህሩ ጀመሩ! ካብ ነቢዩ ኢሳይያስ ትንቢት ድማ “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፤ ወየዐርግ ጽጌ እምኔሃ - ካብቲ ጒንዲ እሰይ ሓንቲ ጠጥዒ ክትጥጥዕ እያ። ካብ ሱራ እውን ፍረ ክፈሪ እዩ" (ኢሳ.11፡1) ዝብል ብግእዝ እናንበቡን እናተርጎሙን አባ ጽጌ ድንግል ይሰምዖምሞ «ኣቦታተይ አይሁድ ናይ ነቢያት ትንቢት አምሂሮሙኒ እዮም። ናይዛ ትንቢት ትርጉማ ግን ኣይፈለጥክዋን» ይብሎም! ንሶም ድማ «እቲ <ካብቲ ጒንዲ እሰይ ጠጥዒ ክትጥጥዕ እያ> ዝተብሃለት ካብ እሴይ ዘርኢ ዝወፀት ጠጥዒ ሕይወት ዝኾነ ድንግል ማርያም እያ! እቲ <ካብ ሱራ እውን ፍረ ክፈሪ እዩ> ዝተብሃለ ድማ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ፍረ ሕይወት ዝኾነ አምላኽና ክርስቶስ እዩ» ብምባል ብዛዕባ ሥላሴ፣ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነትን ቤዛነትን ብጥዑም ዘይቤ አረድእዎ! አባ ጽጌ ድንግል ድማ እቲ «ሓደ ፈላሲ ክሳብ ዝመፅእ ነታ ሥዕሊ ሓልዋ» ዝተብሃሎ ነገር ዘኪሩ፣ ነታ ሥዕሊ ኣምፂኡ ንአቡነ ዜናማርቆስ ሃቦም! ንሶም ድማ ኣብቲ "#ደብረ_ብሥራት" ዝበሃል ገዳሞም ብዘመነ ጽጌ ጥቅምቲ 1 ኣንበርዋ! ትኸብረሉ መዓልቲ ድማ ጥቅምቲ 3ን ሰነ 8 ገበሩዎ።
@BinyamZeChristos
✅ ድሕሪ እዚ አቡነ ዜናማርቆስ ንአባ ጽጌ ድንግል ብዙሕ ኣምሂሮም ብሥላሴ አምላኽነትን ብክርስቶስ ፈጣሪነትን ንክአምን ገበርዎ! ንሱ እውን ብፍቕሪ ክርስቶስ ልቡ ተነኺኡ «ኣነ ክርስቲያን ክኸውን ይደሊ» ስለዝበለ፣ ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም አጥሚቆም ስሙ እውን "አባ ጽጌ ብርሃን" ሓረይዎ። (አባ ጽጌ ድንግል ዝብል ስም ቅፅሎም እዩ) ደቀ መዝሙሮም ብምግባርን ናይ መጻሕፍተ ሐዲሳት ትርጓሜ ትምህርቲ እውን ብምምሃር ኣመንኮስዎ! ኣባ ጽጌ ድንግል ልክዕ ከም ኣቦታቱ ቅዱስ ያሬድን አባ ጊዮርጊስን ንድንግል ማርያም ኣዝዩ ይፈትዋን ነበረ። ብፍላይ ድማ አቡነ ዜናማርቆስ ነታ ሥዕለ ማርያም እናዓጠኑ እንትዘሩ ድንግል ማርያም ወሪዳ ነቶም ካህናት እንትባርኾም ይርኢ ስለዝነበረ ከም ኣቦታቱ ከመስግና ይምነ ነበረ። ድሕሪ ጊዜ ግን አቡነ ዜናማርቆስ ናይዛ ዓለም አገልግሎቶም ወዲኦም ኣብ 140 ዓመቶም ብ1402 ዓ.ም ዓረፉ! (በረኸቶም ይሓልወና) አባ ጽጌ ድንግል ድማ ልክዕ ከምኦም ብድንግል ማርያም ፍቅሪ ዝሓመመ፣ ንከመስግና ድማ ዘይደክም ኣባ #ገብረ_ማርያም ዝበሃል ጻድቅ ዓርኩ ነይሩዎ! አባ ገብረማርያም ገዳሙ አብ ወሎ ወረኢሉ አውራጃ ኣብ ትርከብ #ደብረ_ሓንታ ናይ መጻሕፍቲ መምህር ዝነበረ እንትኸውን፣ ምስ አባ ጽጌ ድንግል ብምኳን ከም ሓደ ልቢ እናመኸሩ ከም ሓደ ቃል እናተናገሩ ድንግል ማርያም እናተገለፀትሎም፣ ልክዕ ከም መዝሙረ ዳዊት 150 ዝማሬታት ዝሓዘ፣ ንድንግል ማርያም ብዝተፈላለዩ ዕምበባታት፣ ንወዳ ንክርስቶስ ድማ ብፍረ ሕይወት ዝናመሰለ ዝናገር ግሩም ጣዕምን ምስጢርን ዘለዎ "ማኅሌተ ጽጌ" ደረሱ! ማኅኣብ ዘመነ ጽጌ ድማ ብሓደ ኾይኖም ማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን እናዘመሩ ይነብሩ ነይሮም!
@BinyamZeChristos
✅ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ናይ ዕምበባ መዝሙር ማለት ኾይኑ፣ ንማርያም ብዕምበባ፣ ንወዳ ለክርስቶስ ድማ ብፍረ እናመሰለ ብዛዕባ ስደታ ዘዘንቱ መዝሙር እንትኸውን፣ ሰቆቃወ ድንግል ድማ ናይ ድንግል ስቃይ ማለት ኾይኑ፣ ኣብ በረኻ ዘጋጠማ ልብኻ ዝሰቅል ስቓይን መከራን ዘዘንቱ ዝማሬ እዩ። ወትሩ ሰንበት ለይቲ ማኅሌተ ጽጌ ንክንቐውም፣ ብሕሊናና ምስኣ ክንስደድ፣ ስቓያ ሓሲብና ክንበኪ፣ ንእምበይትና ንክነመስግናን ዓቅሉን ዓቅሙን ይሃበና! ፍቅራ ኣብ ልቦናና ጣዕማ እውን ኣብ ኣንደበትና ይሕደረልና!
« #እንዘ_ትሓቅፊዮ_ለሕጻንኪ_ንዒ_ማርያም»
@BinyamZeChristos መስከረም 26 - 2017
‼️ታሪክ ወበረከት‼️
መስከረም 29 ዝኽበር ናይ እነና ቅድስት አርሴማ ዓመታዊ ክብረበዓል ምክንያት ብምግባር፣ ናብቲ ታሪካዊን ቅዱሳን ዓብዪ ገዳም ቅ/አርሴማ ገዳም (ዕሥራ ዓዲ) ልብ እንገብሮ ናይ በፂሕኻ መልስ ጉዕዞ ካይትቓርዩ! ታሪኽን በረከትን ንሕፈስ።
ምዝገባ ዝጠናቐቐሉ
📌ሰኑይ 27-01-2017 ሰዓት 6:00
ሓበሬታ
📌0991449658
📌0964010101
📌0945521220
‼️በእንተ በላዔ ሰብእ‼️
ኣብዚ ሰሙን ሓውና @ አብ መጽሐፈ ተአምር ማርያም ዘሎ ናይ "በላዔ ሰብእ" ዝበሃል ሰብ ታሪኽ ብምልዓል፣ እቲ ታሪክ ኢ-መጽሐፍ ቅዱሳዊን ቕትለት ዘበረታትዕን ከምዝኾነ ብቪድዮ ዝገለፀ እንትኸውን፣ ማንም ሓቂ ኣለኒ ዝብል ሰብ ድማ ቐሪቡ ንኽሙግት ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። በቲ ዝገበረልና ፃውዒት መሠረት፣ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ ምይይጥ ብቐጥታ ፈነወ (Live Discussion) ንምግባር ፅምውዒት እኳ እንተገበረና፣ መልሲ ክህብ ግን ኣይከኣለን።
ስለዚ ፣ ሎመዓንቲ ሠሉስ ናይ እመብርሃን በዓል ምኽንያት በምግባር "ታሪኽ በላዔ ሰብእ ብመንጽር መጽሐፍ ቅዱስ" ብዝብል ርእሲ ኣብ Tiktok Love Discussion ከምንገብርን ኩልኻትኹም ብሕቶን ይኹን ሓሳብ ብምሃብ ንክትሳተፉን ብትሕትና ይጋብዝ።
📌 ሰዓ:- 2:00 ምሸት
📌 ቦታ ቲክቶክ:- @Zechristos zechristoss?_t=8qAuCqIULX3&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qAuCqIULX3&_r=1
‼️ቀለበት - መስቀል‼️
📌ቃልኪዳን/ሓዳር ዝገበረ ሰብ ኣብ ኣፃብዕቱ ምልክት-ቃልኪዳኑ ዝኾነ ቀለበት ይገብር። ንሕና እውን ነፍስና ከም መርዓት ንክርስቶስ እንትወሃብ ምልክት-ቃልኪዳን ዝኾነ መስቀል ንኣስር። ቀለበትና ናይቲ ኽቡር ሓዳርና ምልክት ከምዝኾነ ኹሉ፣ መስቀልና እውን ናይቲ ኽቡር ድሕነትናን ናይ ክርስቶስን ምልክት እዩ።
📌ቀለበት ምግባርና ሓዳር ከምዝገበርና እንገልፀሉ፣ ናይ ህይወት ቃል-ኪዳን ዝኣተናሉ ሰብ ከምዘሎ እንዛረበሉ፣ መዓልቲ መርዓና እናዘኻኸረ ብሓጎስ ዝመልእ ምልክት-ፍቕሪ እዩ። መስቀል እውን ከምኡ፣ ንሕና ናይ ክርስቶስ ከምዝኾንና እንናገረሉ፣ ብደሙ ዝተጠረና ምዃንና እንዛረበሉ፣ መዓልቲ ድሕነትና እናዘኻኸረ ድማ ብሓጎስ ዝመልእ ምልክት-ፍቕሪ እዩ።
📌ሓደ ሰብ ብውሱን አጋጣሚ ሃንደበት ቀለበት ካብ አፃብዕቱ እንተወፂኡ ሓዳሩ ፈሪሱ ማለት ኣይኬነን፣ ቀለበት ምልክት-ሓዳርና እምበር ሓዳርና ኣብ ቀለበትና ዝተሰረተ ኣይኮነን። መስቀል እውን ብዝኾነ ሃንደበታዊ ምክንያት ካብ ኽሳድና እንትወፅእ ክርስትናና ፈሪሱ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ መስቀል ምልክት ድሕነትና እምበር፣ ድሕነትና ኣብ ምእሳር-መስቀል ዝውሰን ስለዘይኾነ እዩ።
📌ማንም ሰብ ካልእ ኽፉእ ነገር ተዘይሓሲቡ፣ ቀለበቱ ካብ ኣፃብዕቱ ኣይውፅኦን፣ ንኸውፅኦን እውን ኣይደልን። ሰበይቱ ወይ ሰብኣያ ቀለበታ/ቱ ንኸውፅእ ዝፈቅድ ሰብ እውን የለን። ክርስቲያን እውን ካልእ ክፉእ ነገር ተዘይሓሲብና ናይ ኽሳድና መስቀል ኣይነውፅኦን። ንክነውፅኦ እውን ኣይንደልን። ካልእ ክርስትያን እውን ብዘይ መስቀል ክመላለስ ኣይንፍቀድን።
ሎሚ ዘመን ቀለበትና ካብ ኣፃብዕትና ዘውፅኡ ዘማውያን፣ መስቀልና እውን ካብ ኽሳድና ዝበትኩ መናፍቃን ዝመፁሉ ጊዜ ምዃኑ ፈሊጥና ቀለበትናን መስቀልናን ንሓሉ!
©Binyam ZeChristos መስከረም 18 - 2017
✝ « #ቅዱስ_መስቀል ~ Part 2⃣ » ✝
ኣብ 1ይ ክፋል ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘለዉ 3 ትርጉማት መስቀል ከምዝረአና ሎሚ ድማ ዓይነትን ኽብርን መስቀል ክንርኢ ኢና! ክርስቶስ ኢየሱስ ዋላ'ኳ ንጉስ ምኳኑ እንተተፈለጠ ነገር ግና ኣብ ምድራዊ ዙፋንን አይኸበረን። ንሱ ዝኸበረን ዝነገስን ኣብ መስቀል እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብትንቢቱ "ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ" (መዝ 132፡7) ኢሉ ዝተነበዮ ምስጢሩ ንቅዱስ መስቀል ከምዝኾነ ሊቃውንቲ ቤ.ክ የረድኡ። ስለዚህ ድማ ንመስቀል ነኽብሮን ኣብ ቅድሚኡ 'ውን ንሰግድ! እግዚአብሔር ንአዳም እንትፈጥር ኣእጋሩ ኣብ ዝባን ኪሩቤል ከምዝነበራ፣ ከምኡ እውን ንደቂ ሰባት ንከድሕን ኣእጋሩ ኣብ መስቀል ተሰቂለን ነይረን እየን'ሞ፣ መስቀል ዙፋን ክርስቶስ እዩ! ስለዚ እውን ነኽብሮ!
@BinyamZeChristos
✅መስቀል ነኽብረሉ 5 ምኽንያታት ክጠቅስ!
1⃣ ኣብ ልዕሊ መስቀል ኾይኑ ብዝገበረልና ዘይኽፈል ውዕለታ ፍቅሩ ስለእንሕስበሉ "ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና" (1ዮሐ3፡16)
2⃣ ጥንተ ፀላኢና ዲያብሎስ ዝተስዓረሉን ሞት-ነፍሲ እውን ዝተወገደሉን እዩሞ ንፈትዎን ነኽብሮን! "ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ #መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ" (ቆላ2፡14)
3⃣ ውህብቶ ኣምላኽ ዝኾነት እምበይትና ማርያም ድማ ኣዶ ኾይና ንዓና ዝተውሃበትሉን ዝተቀብልናያን ቦታ እዩሞ ንመስቀል ነኽብሮ! "ኢየሱስ ነዲኡን ነቲ ዘፍቅሮ ደቀመዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ደቀመዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ"(ዮሐ19፡26)
4⃣ ደቂ ሰባት ካብ ሲኦል ዝወፁሉ፣ ፅልኢ ድማ ዝተቀተለሉ ስለዝኾነ ነኽብሮ " #ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ #ቐቲሉ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም" (ኤፌ2፡16)
5⃣ ንመስቀል ዝፀልኡ ሰባት ድማ እቶም ዝጠፍኡን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቁን ምኳኖም ተማሂርና ኢና "ብዙሓትሲ #ጸላእቲ_መስቀል
ጸላእቲ_መስቀል? ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም።መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ ክብረቶም 'ውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ" (ፊልጵ3፡18)
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብአገልግሎት)
ቅዱስ መስቀል ብመዳይ አገልግሎቱን ዝህቦ ጥቕምን ኣብ 5 ይኽፈል። ንሳቶም ድማ፦
1⃣ #መጾር_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እቲ ዲያቆን ዝሕዞን "ተንስኡ ለጸሎት" እንትብል እውን ኣብ ቅድሚ አዕይንቱ ዝገብሮን እዩ! እዚ 'ውን አዳም ኣብ ሲኦል ኾይኑ ነቲ ኣምላኽ ዝኣተወሉ ቃልኪዳንን መስቀልን እናሓሰበ፣ ነቶም ነፍሳት "ተንስኡ ለጸሎት" ይብሎም ከምዝነበረ ምሳሌ እዩ!
2⃣ #ናይ_ኢድ_መስቀል፦ እዚ መስቀል ጳጳሳት፣ ቆሞሳትን ካህናትን ኣቦታትና ኣብ ኢዶም ዝሕዝዎ፣ ዘሳልሙሉን ዝባርኹሉን እዩ! እዚ እውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ያዕቆብ ንደቂ ዮሴፍ (ምናሴን ኤፍሬምን) ኣእዳዊ አተሓላሊፉ መስቀል ብምስራሕ ስለዝባረኾም እዩ! (ዘፍ 48፡13)
3⃣ #ዕርፈ_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ድማ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ፣ እቲ ዲያቆን ንምዕመናን ኽቡር ደም ክርስቶስ ዘቀብለሉ ቅዱስ ንዋይ ኾይኑ ቅርፁ ከም ማንካ መሲሉ ኣብ መትሐዚኡ ድማ መስቀል ዘለዎ እዩ!
4⃣ #ማዕተብ_መስቀል ፦ እዚ መስቀል ድማ ኣብ ኽሳድና ኣሲርና እምነትና እንምስክረሉ፣ በታ ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖትና ንዝመጽእ ኽሳድና ከምንህብ እንምስክረሉ እዩ! ኻሊእ ጊዜ ብሰፊሑ ክንምለሶ ኢና!
5⃣ #ጉልላት_መስቀል፦ እዚ መስቀል እዚ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤ.ክ ዝትከል፣ ኣብቲ ልዕሊ ጉልላት ዝስቀል፣ ናይ ቤ.ክ መሰረታን ጉልላታን፣ መሰረታን መደምደምያኣን ናይ ክርስቶስ መስቀል፣ ናይ ጎይታ ወንጌል ምኳና ዝገልፅ ዘረድእ እዩ።
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብአሰራርሓ)
ቅዱስ መስቀል ካብ ዝሰረሐሉ ነገር ብምልዓል ድማ 5 ዓይነታት መስቀል እንትህልዉ ንሳቶም ድማ
1⃣ ወርቂ መስቀል፦ ወርቂ ኽቡር ጽሩይ ከምዝኾነ ጎይታና እውን ኽቡርን ጽሩይን ብመለኮቱ ምኳኑ የረድእ።
2⃣ ብሪ መስቀል፦ ካብ ብሪ እንትስራሕ ድማ ይሁዳ ንጎይታ ንምሻጥ ካብ ኣይሁድ 30 ብሪታት ከምዝተቐበለ የረድእ።
3⃣ ነሐስ መስቀል፦ ነሓስ መልክዑ ናብ ደም ዘበለ እንትኸውን እዚ ድማ ጎይታ ደሙ ኣፍሲሲ ዝቀደሶ መስቀል ምኳኑ የረድእ
4⃣ ዕንጨይቲ መስቀል፦ እዚ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ኣብ ቀራንዮ ጎቦ ኣብ ዕፀ መስቀል ከምዝተሰቐለ የመልክት
5⃣ ብትረ መስቀል፦ እዚ ድማ ጎይታና ክርስቶስ ኣብ 5 ቦታታት ብብረት ከምዝተወግአ (ከምዝተቸንከረ) ንምርዳእ እዩ። እተን ችንካራን ድማ ሳዶር ፣ ኣላዶር ፣ ዳናት ፣ ኣዴራ ፣ ሮዳስ ይበሃላ።
@BinyamZeChristos
✅ #ዓይነታት_መስቀል (ብቕርፂ):-
መስቀል ካብ ብዝስረሐሉ ዓይነታት ቕርፅን መልክዕን ድማ ብዙሕ ዓይነት እንትኾን ካብኣቶም ድማ፦ 1.ቀርነ በግዕ 2.አርዌ ብርት 3.ቀራንዮ ሐዋርያት 4.ልሳነ ከለባት 5.እፀ ስርናይ 6.ዕፀ ሳቤቅ 7.ጽጌ ደንጎላ 8.ዓምደ አራም 9.ትእምርተ ከዋክብት 10.ሐረገወይን 11.እሳየ ገቡዕ 12.ሌንጊኖስ ... ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤ.ክ ከምዚ ገይራ ብአገልግሎታ ናይ ክርስቶስ ውዕለታን ናይ ኣምላኻን ፍቅሪ ትገልፅ! መጽሐፍ ቅዱስ እውን ብጥበብ ተስተምህር!
©Binyam ZeChristos መስከረም 15 - 2017
‼️ብመስቀል ነማዕትብ - Sign with the Cross‼️
1⃣ ሊቅ ጠርጡለስ/Tertullian (160-240/
«... At every forward step and movement, at every going in and out, when we put on our our clothes and shoes, when we bathe, when we sit at table, when we light the lamps, on couch, on seat, in all the ordinary actions of daily life, we trace upon the forehead #the_sign.
👉« ኣብ ኹሉ ስጉምን ምንቅስቓስን፣ ኣብ ምእታውን ምውፃእን፣ ኽዳንና ጭማናን እንትንገብር፣ እንትንሕፀብ፣ እንትንቕመጥ፣ መብራህቲ እንትነብርህ፣ ኣብ ወንበር፣ ኣብ ኹሉ መዓልታዊ ስራሕና ግንባርና በቲ ምልክት ነዕማትብ »
(The Chaplet: chapter 3)
2⃣ ቅዱስ አትናቴዎስ/Athanasius (296-373)
« But we by the mention of Christ crucified put all demons to flight, whom you fear as if they were gods. Where the #sign_of_the_Cross is, magic is weak and witchcraft has no strength.
👉 «ነቲ ዝተሰቐለ ንክርስቶአ ብምፅዋዕ፣ ነቶም ከም ኣማልኽቲ እትፈርሕዎም ንኹሎም አጋንንቲ ነርሕቖም::ናይ መስቀል ምልክት ኣብ ዘለዎ ኣስማት ድኹም እዩ ጥንቁልና እውን ሓይሊ የብሉን::
(Life of St Anthony, para 78)
3⃣ ቅዱስ ኤፍሬም/Ephraim the Syrian (306-373)/
«With the #sign of the living #cross, seal all thy doings, my son. Go not forth from the door of thy house till thou hast #signed_the_cross. Whether in eating or in drinking, whether in sleeping or in waking, whether in thy house or on the road, or again in the season of leisure, neglect not this sign; for there is no guardian like it. It shall be unto thee as a wall, in the forefront of all thy doings. And teach this to thy children, that heedfully they be conformed to it.
👉 «ወደይ በቲ ሕያው መስቀል ምልክት ገይርኻ ኹሉ ነገርኻ ሓትሞ/ባርኮ:: ናይ መስቀል ምልክት እንተይገበርኻ ካብ በሪ ገዛኻ ኣይትውፃእ:: እንትበልዕ፣ እንትሰቲ፣ ኣብ ድቃስ ይኹን ኣብ ምንቃሕ፣ ኣብ መንገዲ ይኹን ኣብ ገዛ፣ ዋላ ኣብ ዕረፍቲ ጊዜ፣ ነዚ ዝመልስ ሓላዊ የለንሞ ነዚ ምልክት ኣይትግደፎ:: ኣብ እትሰርሖ ኹሉ ነገር ከም መንደቕ ክኾነልኻ እዩ:: ንክሕስብዎ ድማ ንደቅኻ መሃሮም »
(On Admonition and Repentance: para17)
©Binyam ZeChristos መስከረም 15 - 2017
«ኢየሱስ ጎይታ 'ዩ» ምባል የድሕን ዶ? ‼️
መጽሑፍ ቅዱስ "ኢየሱስ ጎይታ እዩ" ኢልኻ ብኣፍኻ እንተመስኪርኻ ከምትድሕን ይዛረብ።
📌 ሮሜ 10:9:- ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ #ትድሕን።
"ኢየሱስ ጎይታ" ኡሉ ዝዛረብ ሰብ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ምዃኑ የረድእ።
📌 1 ቆሮ 12:3:- ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ።
እዚ ኹሉ ሓቂ ኾይኑ፣ ነገር ግን ካብዚ ተላዒሎም ሙሉእ መዓልቲ እናደጋገሙ "ኢየሱስ ጎይታ እዩ" ዝብሉን፣ ከምኡ ብምባሎም ድማ ዝድሕኑ ንዝመስሎም አካላት ሕቶ ክሓትት።
✏️ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ "ሥላሴ የለን" ዝብል ሰብ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝተናገሮ ኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
✏️ ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ ግን ኢየሱስ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን ዝብል ኸ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝተናገሮኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
✏️ ኢየሱስ ጎይታ እዩ እናበለ፣ ግን አብን፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ባዕሉ ሓደ ኢየሱስ እዩ፣ ዝብል ኸ ይድሕን ዶ? ነዚ ዝበሎኸ ካብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ?
📌 ሕቶይ ብዘይካ Fallacy ከምትምልሱለይ ተስፋ እገብር!
©Binyam Zechristos መስከረም 13 - 2017
✝ #ጸደንያ_ማርያም - መስከረም 10 ✝
መስከረም 10 ናይ ጎይታና መስቀል የማነይቲ ኢድ (ጉማድ) ብሃፀይ ዳዊት ዘመን ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀትሉ ፣ ብተወሳኺ ድማ ካብተን 33 ናይ እምበይተና ማርያም በዓላት ዝኾነት #ጸደንያ_ማርያም ተብሂላ እትኽበረሉን እዩ። #ጸደንያ ኣብ እትበሃል ዓዲ እትነብር፣ ንእምበይትና ማርያም እውን ኣዚያ እትፈትዋ፣ ኣጋይሽ ተቀባሊት ዝኾነት #ማርታ እትበሃል ሓንቲ ደጊ ሰበይቲ ነበረት። ሓደ ጊዜ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ #ኣባ_ቴዎድሮስ ዝበሃል ፈላሲ (መነኮስ) ኣብ ገዝኣ ይሓድርሞ፤ ካብ ኢየሩሳሌም ቅዱስ ሉቃስ ዝሰኣላ ናይ ድንግል ማርያም ስዕለ አድኅኖ ንከምፀአላ ሓደራ በለቶ። እታ ስዕሊ ልክዕ ስጋ ዝለበሰት እትመስልን ወዝ ካብ ገፃ እናወፀ እትረአን ምልክዕቲ ነበረት!
ንሱ እውን ኸይዱ ነዛ ስዕሊ ገዚኡላ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፤ ኣብ መንገዲ ሸፋቱ እንትግንይዎ፣ ዘፍርሕ ድምፂ ካብታ ስዕሊ እናወፀ ካብ ሓደጋ ይከላኸሎ ነበረ። በዚ ናይዛ ተምአረኛ ስዕሊ ዝደንገፀን ዝተሓጎሰን ኣባ ቴዎድሮስ ድማ፣ ነዛ ስዕሊ ንማርታ እንተይነገራ ንባዕሉ ንክወስዳ ሓሰበሞ ብኻሊእ መንገዲ ብመርከብ እንትኸይድ ሓያል ንፋስ መፂኡ ነታ መርከብ እናደፍአን እናናወፀን ናብ ጸዴንያ መሊሱ ወሰዳ! ኣባ ቴዎድሮስ እውን ምንም ክገብር ስለዘይከኣለ፣ መሕደሪ እውን ስለዘይነበሮ ምስ ካልኦት መነኮሳት ተመሳሲሉ ናብ እንዳ ማርታ ኸይዱ ሓደረ።
✅ ኣባ ቴዎድሮስ ንጉሆ ንክወፅእ እንትብል እቲ መውፅኢ በሪ እናተሰወሮ ምውፃእ ይኣብዮ! በዚ ተደናጊፁ ሓደ መዓልቲ ይሓድር! ብፅባሒትኡ እውን ካብ ገዝኣ ክወፅእ እንትብል ምውፃእ ይኣብዮ! 3ይ መዓልቲ እውን ከምኡ። ነዚ ዝረኣየት ማርታ ድማ ስለ ዘይፈለጠቶም "ኣባ ንምንታይ እዮም ክወፁ ይብሉሞ ዝምለሱ? ክወፁ ይብሉሞ ይምለሱ?" ኢላ ሓተተት። ኣባ ቴዎድሮስ ግን ካብዚ ንላዕሊ ከታልላ ስለዘይከኣለ፣ በደሉ ተረዲኡ ኣብ እግራ ወዲቁ ይቅርታ ይሓታ! ንሱ ኣባ ቴዎድርስ ምኳኑ፣ ነታ ስዕሊ እውን ንባዕሉ ክወስዳ ሓሲቡ ምንባሩን እታ ስዕሊ ተአምራዊት ብምኳና እውን ካብቲ በሪ ገዝኣ ንከይወፅእ ከምዝኸልከለቶን ይነግራ! ማርታ ድማ ነታ ስዕሊ ምስረኣየት ደስ ኢልዋ ብታሕጓስ ኣእዳውን ኣእጋሩን ተሳለመቶ! ፍቓድ ኣምላኽ ምኳኑ እውን ፈሊጣ ነታ ስዕሊ ናይ ነሓስ መሽኮት፣ ናይ ሃሪ መጋረዲ ሰሪሓ፣ ዝበርህ መብራህቲ አዳልያ፣ ነቲ ካብታ ስዕሊ ንዝወፅእ ወዝ እውን መአከቢ ካብ እብነበረድ ሰሪሓ ኣብ ገዝኣ ብኽብሪ ኣቐመጠታ!
✅ ብዙሓት ሕሙማን እውን ነዛ ስዕሊ እናዳህሰሱ ይፍወሱ ጀመሩ! በዚ መሰረት እቲ በዓል ተኣምር ብዝተገበረሉ መዓልቲ "#ጸደንያ_ማርያም" ይበሃል! ናይ እምበይተና ማርያም ስዕላ እውን ተአምር ይገብር! እግዚአብሔር ናይ ኪሩቤል ምስሊ ሰሪሑ ኣብ ልዕሊ ታቦት ንክገብሮ ንሙሴ ከምዝኣዘዞ (ዘጸ 25:25)፣ ኣብ ሐዲስ ኪዳን ቤተመቕደስ ድማ ናይታ ምድራዊት ኪሩቤል ናይ እም ብርሃን ስዕሊ ንገብር!
✝ኽልተ ዓይኖም ዓይነ ሥውር ዝኾኑ ሓደ ሊቅ ኣብ ጉባኤ ከምዚ እንትብሉ ሰሚዐ "ከምቲ እትሪኡኒ ካብ ዝፍጠር ዓይነ ስውር እየ። ነገር ግን ብህይወተይ ንሓንቲ ደቒቓ ጥራሕ ናይ ምርኣይ ዕድል ተዝረክብ፣ ናይ እምበይተይ ማርያም ስዕላ ክርኢ ይምነ" ኢሎም ብፍቕሪ ኣብክዮምና! ኦ ድንግል ምስ ወድኺ ኣብ ዓይነይን ኣብ ልበይን ተስኣሊ‼️
©BinyamZeChristos መስከረም 10 - 2016
‼️ Ecclesiology ‼️
1) ቤተክርስቲያን በዓላት እናብዘሐት ሰብ ከይሰርሕ ብምግባር ናይ ድኽነትን ድንቁርናን ምንጪ እያ።
2) ኢየሱስ እምበር ሃይማኖት ዝበሃል ኣየድልን፣ ኣየድሕንን፣ ኢየሱስ ሃይማኖት ኣይመስረተን።
3) ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕለይ ኣንቢበ ክርድኦ ስለዝኽእል፣ ናይ ቤ/ክ ዝበሃል ትርጉም ኣየድልየንን።
4) ኣነ ኣብ ናይ ዓድና ቤ/ክን እምበር ኣብ ካልእ ቤ/ክ ኣየቀድስን፣ ኣይቖርብን።
5) ወዲ ዓድና ንዝኾነ ካህን/ቀሺ እምበር ካልእ ቐሺ ኣይሳለምን።
6) ‹ቤተ ክርስቲያን› ብፖለቲካን ዘርኣውነትን ብዙሕ ስለዝተበረዘት ሱር ነቀል ለውጢ የድልያ።
7) ኹለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ አምላኽ ዝመርሓ ዝተፈላለያ መንገድታት ስለዝኾና ኹለን ልክዕ እየን።
8) ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ንጉሥ ዘርዓያዕቆብ ‹ጊጉይ አስተምህሮ› ስለዝሓዘትን፣ ሸዋዊት ስለዝኾነትን ክትሕደስ ይግባእ።
9) መምርሒና መጽሐፍ ቅዱስ ጥራሕ ደኣ እምበር ቤ/ክ ኣይኮነትን።
10) ቤ/ክ ኢየሱስ ጥራሕ ክስበኽ እናተገበኦ፣ ካብ ዕለት 1-30 ንቅዱሳን እናሰበኸት ንፍጡራት ተምልኽ።
ነዚኦምን መሰሎምን ናይ ስሕተት ትምህርታትን ሕቶታትን ንባዕልና መልሲ ንረኽበሉ፣ ንዝገገዩ ንምልሰሉ፣ ብዕምቆት ክንፈልጦ ዝግባእን ትምህርቲ ቤ/ክ "#ነገረ_ቤተ ክርስቲያን (Ecclesiology) ይበሃል።
©Binyam ZeChristos መስከረም 6 - 2017
ኣብ ትግራይ ኣብ ኲለን ኣብያተ ት/ሰንበት ክወሃባ ዘለወን፣ ንኹሎም ካህናት ኣብ ዝዳሎ ሥልጠናታትን ኮርስታትን እውን ብስፍሓት ክትንተና ዝግበአን፣ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጃት እውን ብጥልቀት ክፅንዓን ኣብ ካሪኩለም ክኣትዋ ዘለወን፣ ዘማርያን ኣብ መዝሙራቶም ክገልፁወን፣ ሰባክያን ናይ ስብከትን ርእሲ ክገብሩወን፣ ጸሓፍቲ እውን ክጽሕፉወን ዘለወን 2 መሠረታዊ ትምህርታት ኣለዋ።
1) ነገረ ድኅነት (Soteriology)
2) ነገረ ቤተ ክርስትያን (Ecclesiology)
📌 ኣብዚ ፅልግል ዘመን፣ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ውሽጥን ናይ ደገ ፈተነታትን ተቓውሞታትን ኸሊለን ናብ ቐፃሊ ትውልዲ ዘሻግራ ዓምድታት እየን። ነንብበን፣ ነፅንዐየን!
ጎይታይ ኣይትስመዐኒ‼️
ኦ ጎይታይ ኢየሱስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ዘድልዩኒ ነገራት ከምዝለመንኩኻ ይፈልጥ እየ። ስለ'ቲ ዝገበርካለይን ስለ'ቲ ዘይገበርካለይን ነገር የመስግን። ብፍላይ ድማ ስለ'ቶም ዘይጠቕሙኒ ግን ሃበኒ ዝበልኩኻ፣ ስለ'ቶም ዝጎድኡኒ ግን ዝየማሕፀንኩኻ ኹሎም ስለዘይሃብካኒ የመስግነካ። ጊዜ እንትሓልፍ፣ እንኳዕ'ኳ ጸሎተይ ዘይሰምዐ፣ እንኳዕ'ኳ ዝለመንኹዌ ኹሉ ኣይሃበኒ ዝብሎም ብዙሓት ልማኖታት ሓሊፎም እዮም'ሞ፣ ኦ ጎይታ ንፅባሐይ እምበር ንኣፈይ ስለዘይሰማዕኻኒ ክብሪ ንዓኻ ይኹን።
Lord Jesus please Have mercy on me sinner
ክንደይ'ሞ ዘይበልኹ፣ ነዚ ተዘይሂብካኒ ሞይተ ይግነ'ለኹ፤ ከምዚ ተዘይገይርኻለይ ይሕነቕለኹ እናበልኹ፣ ከቃፅለኒ ንዝኽእል ሓዊ ተዘይጨበጥኹዎ ኢለ ከም ሕንጦ እናበኸኹ ዝሓለፍኹዎም ጊዜያት ብዕሽነት እዩሞ፣ ከም ጥበብኻ እምበር ከም ዕሽነተይ ስለዘይሃብካኒ፣ ከም ኣቦነትኻ እምበር ከም ሕንጦነተይ ስለዘይገበርካለይ ምስጋናይ ሓለፋ ኣለዎ።
Lord Jesus please Have mercy on me sinner
ኦ ርኅሩህ ኢየሱስ ወዲ ማርያም፣ ኣብዛ መፃኢት ዓመት እውን ዘይጠቕመኒ ነገር ተለመንኩኻ፣ ዝጎድአኒ ነገር እንተሓተትኩኻ፣ መሊሱ ንዘንብዐኒ ነገር ብንብዓት ኾይነ ሃበኒ እንተበልኩኻ ኣይትሃበኒ። ካባኻ ዘርሕቐኒ ትምኒት ተተመነይኹ፣ ካብ ዘለዓለማዊ መንግስትኻ ዘርሕቐኒ ነገር እንተበሃግኹ እውን ዝምልምኖ ስለዘይፈልጥ እየሞ "እሺ" ኣይትበለኒ፣ ኣይትስመዐኒ! ደጊመ ስለ'ቲ ዘይሃብኻንን ዘይገበረኻለይን ነገር ኹሉ ግን ተመስገን! ብድንግል እነኻ፣ ብኣማኑኤል ስምኻ፣ ብስጋኻን ደምኻን! አሜን!
ታይ ትምነዩ⁉️
እስኪ ቑሩብ ካብቲ ምድራዊ ፖለቲካ ምልስ ኢልና ስለቲ ሰማያዊ ሕይወትናን ስለ'ታ ዝረሳዕናያ ነፍስናን ሓደ ነገር ንመነ። እዚ ሓዱሽ ዓመት
1) ንጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚሐ ዘፍቅረሉ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ
2) ናይ ጎይታ መለኮታዊ ሥጋን ደምን ኣብዚሐ ዝቕበለሉ /ዝቖርበሉ/ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ
3) ብዛዕባ እታ ሓቀኛ መንገዱ ሕይወት ዝኾነት ሃይማኖት ዝምስክረሉ ዓመት ንክኾነለይ ይምነ።
ንስኹም ኸ?
‼️ ቅዱሳን የማልዱና ዶ‼️
ሎመዓንቲ ረቡዕ ምሽት ሰዓት 2:00፣ ናይ ሰማዕት ቅድስት አርሴማ ዕረፍት ምክንያት ብምግባር፣ ኣብ ቲክቶክ ኣብ ዙርያ #አማላጅነት_ቅዱሳን Live Discussion ክህልወና እዩ።
ነልዕሎም ነጥብታት
📌 ትርጉም ምልጃ
📌 አማላጅነት ንምንታይ ኣድለየ
📌 ቅዱሳን ይልምኑልና ዶ
📌 ፕሮቴስታትን "ኣየማልዱን" ንምባል ዘቕርብዎም ምኽንያታት
📌 ቅዱሳም ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ይፈልጡ ዶ?
©Binyam ZeChristos መስከረም 29 - 2017
❤️ #መድኃኔዓለም_ኣቦይ ❤️
ኦ መፍቀሬ ሰብ መድኃኔ ዓለም ኣቦይ፣ ማዕረ ክንደይ ፎተኻኒ?! ስለ ዝፎተኻንስ ክንደይ ተዋረድካለይ?! እዚ ፍቕሪኻ ኣየናይ ልሳን ይገልጾ፣ ኣየኖት ቃላትኸ ክስእልዎ ይኽእሉ ይኾኑ?! ኦ ኣፍቃሪ ጎይታይ፣ ብአምሳልኻ ክትወልደኒ ብአምሳለይ ዝተወለድኻ፣ ናትካ ክትገብረኒ ንዓይ ዝመሰልካ፣ ንዓይ ክተኽብር ዝተዋረድካ፣ ንዓይ ክትደሊ ምድሪ ዝተረኸብካ፣ ኣብ መንግስትኻ ከተዕርፈኒ ኣብ ማህጸን ድንግል ኮይንኻ መዕረፊ ክትደሊ ኣብ ደንበ አባጊዕ ዝኣተኻ፣ ከተልዕለኒ ዝወደቕካ ንጉሰይ ኢኻሞ ኽበረለይ! ኦ ጐይታይ ብሓቂ ስራሕካ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ እዩሞ ተመስገን! ነዚ ውዕለታኻ ከም ቅድስት ድንግል ኣብ ልቦም ዓቑሮም “ናትካ ስራሕ እጹብ እዩ" እናበልኩ ነፍሰይ ብምስጋና ኣብ ቅድሜኻ ካብ ምፍሳስ ወጻኢ እንታይ መግለጺ ይህልወኒ!? ብዘይ ምንም ዋጋ ዘፍቀርኻኒ፣ ንሰባክ ብዘይምንም ዋጋ ንከፍቅር ሓግዘኒ። ኢየሩሳሌም ተሰቒልኻ ብዝፈሰሰ ፈምኻ ዓለም ዝቐደስካ ቤዛይ፣ ዘለኽዎ ሃልየ ብቋንቋኦም ወይ ብሔሮም እንተይኮነስ ብሰብነቶም ክፈትዎም ኣኽእለኒ። መሪፀ ብዝኣምምን ሓጢኣተይ ዝሓፅብ ደምኻ ብዝፈሰሶ መስቀልኻ እምበር፣ መሪፀ ብዘይተወለድኹሉ ብሔርን ዓሌትን ከይምካሕ መስቀልኻ ይምርሓኒ! እንትሞት ዝተርፍ ብሔረይ እንተይኮነስ ዘለዓለም ዝነብረሉ ሰማያዊ መንነተይ ንክሓስብ ዓቕምን ዓቕልን ሃበኒ።
@BinyamZeChristos
ኦ ንፍቅርኻ ጸግዒ፣ ንይቅሬታኻ ሓፁር ዘይብልኻ ክቡር ኣቦይ፣ ዝጸላእክዎ መንነተይ ንዓይ መሲልካ ቀዲስካዮ! ዘይቀደስካዮ ኣነነተይ ዋላ ሓደ የለን። ኩለንታይ ብደምካ ዝባረኽካ ጐይታይ ስምካ ይባረኽ! ወልደ ማርያም ድንግል ፍጹም ኣፍቃሪየይ፣ ናይ ኣነነተይ ሓቀኛ ኣፍቃሪ! ስምካ ልዕል ልዕል ይበል። ጐይታይ ዕለት ዕለት ንዓኻ ምፍላጥን ንዓኻ ምፍቃርን ንክኾነለይ ዝቖሰለ ኣእዳውካ ኣብ ልበይ ሰኣሎ! ኣቦየ: ብቕዓተይ ንስኻ ኢኻሞ ንዓይ ዝረኽቡ ኲሎም ንዓኻ እምበር ንዓይ ከይረኽቡ፣ ዝሪኡኒ ኲሎም ንዓይ እንተይኮነስ ንዓኻ ክሪኡ፣ ክቡር ስምኻ ብኣይ ከይፅረፍ ዘብርሆ ብርሃን ሃበኒ! ኣብ ውሽጢ ልበይ ንስኻ ጥራሕ እምበር ኣነ ንከይነብር፣ ብፍቓድኻ እምበር ብፍቓደይ ከይጎዓዝ፣ ብሓጢኣት ንዝቖሰለ ልበይ ብቑስልኻ ለውጠለይ። በዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ "መድኃኔዓለም" ዝብል ጥዑም ስምኻ ዘኪረ ፍቅርኻ ኣብ ልበይ ንክነግስ፣ መስቀልካን ፍቅርኻን እናሓሰብኩ ክውዕልን ክነብርን፣ ንዓኻ እውን እናዘመርኹ ብንብዓተይ ንክፅውዐካ ሓግዘኒ! ንዝበደሉኒ ይቕረ ዝብል፣ ንዝበደልክዎም ይቅሬታ ዝሓትት ትሑት ልቢ ዓድለኒ። ንዝፀልኡንን ሕማቕ ንዝገበሩንን ኹሎም ፍቕርኻን በረኸትኻን ኣብዝሐሎም እምበር "ሕንኡያ ዘይፈዲ ..." ብዝብል ምኽሪ ሰይጣን ተሰናኺለ ከይፀልኦምን ከይቕየሞምን ኣኽእለኒ።
@BinyamZeChristos
ናባኻ ንምቕራብ እምበር ካባኻ ንምርሓቕ ምክንያት ዝደሊ ከንቱ ሰብ ኣይትግበረኒ። ንፖለቲካ ብክርስትናይ ክልክዕ እምበር ንኦርቶዶክሳዊነተይ ብፖለቲካ ካብዝምዝን ዕብዳን ግልሀኒ። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓሳብ ንከቃፅለኒ፣ ኣገልግሎተይ ንክሪኡኒ እንተይኮነስ ንክትሪአኒ ይኹነለይ! ፍቅሪ ኣዴኻ እመብርሃን ኣብ ልበይ፣ ጣዕማ ድማ ኣብ ኣንደበተይ ኣንብረለይ! ዘመነይ ኹሉ ኣብ መቕደስኻ ንክውዳእ፣ ናይ ኣዴኻ ምስጋና ከም ምግቢ ክበልዖ ከም ኽዳን ክለብሶ ናይ አባ ኤፍሬምን አባ ሕርያቆስን ጸጋ ዓድለኒ። ነዚ ንክኾነለይ መድሓኒት ብዝኾነለይ ስምካ፣ ሥርየት ብዝህበኒ ስጋኻን ደምኻን፣ ብዮሓንስ መጥምቅካ፣ ብእመብርሃን ወላዲትኻ ይልምነካ። ኣሜን!
@BinyamZeChristos መስከረም 27 - 2017
🌼🌻 #ዘመነ_ጽጌ_ወ_ጾመ_ጽጌ 🌻🌼
🌻 ብኣቆፃፅራ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ሓደ ዓመት 90 መዓልትታት ብዘለወን ኣርባዕተ ዘመናት (ወቅቲታት) ይኽፈል! ቐውዒ፣ ሓጋይ፣ ጽድያ፣ ኽረምቲ! ካብ መስከ 26 - ታሕ 25 ዘለዋ 90 መዓልትታት ድማ ‹#ዘመነ_መጸው - #ቃውዒ› ይበሃል፡፡ ‹መጸው› ማለት ‹መጽለወ - ደረቐ› ካብ ዝብል ወፂኡ ‹ወርሒ ነፋስ› ማለት እዩ! እዚ ዘመን ብመሠረት ድጓ ቅዱስ ያሬድ #ኣብ_ሓሙሽተ_ይኽፈል! ¹ዘመነ ጽጌ፣ ²አስተምህሮ፣ ³ስብከት፣ ⁴ብርሃን፣ ኖላዊ ይበሃል። እቲ 1ይ #ዘመነ_ጽጌ ድማ ካብ መስከ 26 - ሕዳር 6 ዝፀንሕ 40 መዓልቲ እንትኸውን ምድሪ ብዕምበባ እትሽፈነሉ፣ ገረባት ዝውሕዙሉ፣ ንሕና እውን ምስ ቅ.ያሬድ ‹‹አሠርጎካ ለምድር በሥነ ጽጌያት፤ ኦ ንምድሪ ብዕምበባ አመልካዕኻያ›› እናበልና እንዝምረሉ፣ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ድማ ናይ እምበይትና ማርያም ስደትን ንወዳ ክርስቶስ ሓቋፋ፣ ምስ አረጋዊ ዮሴፍን ምስ ሰሎሜን ቅ.ዑራኤል እናመርሖም ናብ በረኸታት ግብፂን ኢ/ያን ከምዝተሰደደት ዝዝከረሉ እዩ!
🌻 ቅ.ገብርኤል ንዮሴፍ "ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ" (ማቴ 2፡13) ስለዝበሎን፣ እቲ ብነቢይ ሆሴዕ «ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ» ዝብል ትንቢት ንክፍፅም (ሆሴ11፡1) ጎይታ ዓለም ኢየሱስን ንግስቲ ዓለም ማርያምን ናብ ግብፂ ተሰደዱ! እዚ ናይ ስደታ በዓል ድማ ብበዓለ ቋስቋም ሕዳር 6 ይዛዘም። እምበይትና ማርያም ምስ ኽቡር ወዳ ዝተሰደደትሉ ወርሒ ዋላኳ ግንቦት እንተነበረ ነገር ግን እቲ ንማርያም ብጽጌ/ዕምበባ ንወዳ ድማ ብፍሬ እናተመሰሉ ዝምስገኑሉ ጊዜ ምስቲ ዘመነ ዕምበባ ንክስማዕማዕ ብምባል ካብ መስከረም-ሕዳር ንክኽበር ብሊቃውንቲ ተወሰነ!
🌻 በዚ ጊዜ ብፍላይ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓኡ፣ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ብሰዓታቱ፣ አባ ጽጌ ድንግልን አብ ገብረማርያምን ድማ ብማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን:- ናይ ድንግል ዕምበባነት፣ ናይ ክርስቶስ ፍረነት ብጥዑም ቃሎም ኣመስጢሮም ዘሚሮሙላ እዮም! እወ ንሳ ሕይወትና ዝጠዓመሉ ዘይትፅምሉ ዕምበባና እያ! ካብኣ ሕይወት ዝኾነ ፍረ ረኺብና ኢናሞ! ዘመነ ጽጌ ፍልይ ዘብሎ #ጾመ_ጽጌ ስለዘለዎ እዩ! እዚ ጾም ካብቶም 7 ናይ ኣዋጅ አጽዋማት ተይኮነስ፣ ልክዕ ከም ጾመ ዮዲት (ጾመ ጳጉሜን) #ናይ_ፈቃድ ጾም እዩ! ስለዚ ከምንጾሞ ንሰብ ዘይንናገሮ፣ ንበይንና እንፈልጦ፣ ንኻልኤት እውን ዘይጾምኹም ኢልና ዘይንወቕሰሉ ግላዊ ጾም እዩ።
« እግዚኣብሄር #ብቕልጡፍ_ደበና ይወጽእ፣ ናብ #ግብጺ ውን ይመጽእ » (ኢሳ 19፡1)
©BinyamZeChristos መስከረም 25 - 2017
‼️Announcement‼️
ሎመዓንቲ ሓሙስ ምሸት « #ወንጌል_አብ_ኦርቶዶክስ_ቤክ » ብዝብል ርእሲ ኣብ Tiktok ናይ ቐጥታ ዘተ (Live Discussion) ከምዝህልወና እናፍለጥና፣ ኩልኹም ክትሓቱ፣ ክትምልሱን፣ ክትሳተፉን እትደልዩ ነቲ ሊንክ ብምጥዋቕ ንክትርከቡ ነዘኻኽር። ዝለዓሉ መሠረታዊ ነጥብታት
1/ ወንጌል እንታይ እዩ? ከመይ ይስበኽ?
2/ ኦርቶዶክስ ንምንታይ ወንጌል ዘይትሰብኽ?
3/ ስም ኢየሱስ ኣብ ኦርቶዶክስ ንምንታይ ይፍራሕን ይሽፈንን?
4/ ኦርቶዶክስ ንኢየሱስ ገዲፋ ንምንታይ ንቅዱሳን ትሰብኽ?
Share and Join us on Live Tiktok Discussion!
📌 Link:- zechristoss?_t=8qENQaR21K9&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qENQaR21K9&_r=1
www.tiktok.com/@zechristoss/live?source=h5_m&_r=1&enter_from_merge=share&enter_method=share&share_from_user_id=7034119203662349318&user_id=7034119203662349318&sec_user_id=MS4wLjABAAAACOmNBgFhp-KhzzvjoA0vFyX1_zelLRFcvkPUUyj7LAMX7l3RDhH6vgyUdb96pOOs&utm_source=telegram&utm_campaign=client_share&utm_medium=android&share_iid=7418429031845021445&share_link_id=40cbd0d8-7d77-4e24-bb18-20f81da7c4c4&share_app_id=1233&ugbiz_name=LIVE&ug_btm=b8727%2Cb0928×tamp=1727803318&social_share_type=10&enable_checksum=1
Читать полностью…ፍቕሪ ሰይጣን‼️
ልዞም ናይ ኣዳራሽ «ሰይጣን ባ ምእንታና ናብ ኣምላኽ ይልምን ዶ?» ክትብሎም ተለኻ፣ «እወ ይልምን» እዩ መልሶም ሉቃ 22:32 እላጠቐሱ።
[ ሉቃ 22:31:- ስምኦን! ስምኦን! እንሆ #ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም #ለመነ። ]
መሊስኻ «ቅዱስ ገብርኤል ኸ ምእንታና ናብ ኣምላኽ ይልምን ዶ?» ተበልኻስ፣ "ወይከ ፈተኽ" ይብሉኻ።
በይዛዋ! ካብ መልአክስ ሰይጣን እዩ ዝልምነልና ምባልስ ፍቕሪ ሰይጣን ዶ ኣይኾነይ?
‼️#ምስ_መስቀል_ጉዳይ_ኣለና‼️
"ምስቲ ዝተሰቐለ እምበር ምስቲ መስቀሊ እንታይ ኣለኩም?" ዝብሉና ገርህታት ድማ ኣለው! ንሕናማ ብዙሕ ጉዳይ ኣለና! ነቲ ዝተሰቕለ እናምለኽና፣ ነቲ መስቀሊኡ ነኽብሮ! ነቲ ናይ መሥዋእቲ በጊዕ (ኢየሱስ) ኣብ ልብና ኣንጊስና፣ ነቲ መሰውኢ ታቦት (መስቀል) ድማ ምልክትና ንገብሮ።
መስቀሉኮ ሰላም እንተይኮነስ ጽልኢ ዝተቐተለሉ እዩ። (ኤፌ 2:14) ጎይታ ርእሲ ሰይጣን ዝቐጥቐጠሉ ቅዱስ ንዋይ እዩ። ደም ጎይታ ዝፈሰሶ፣ ንዓና ዝተኸፈለ ዋጋ ዘዘኻኽር፣ ናይ ዕርቅን ይቅርታን ሰነድ፣ ናይ ሥርየት ምልክት እዩ።
ንሕና ግን ዘይተሰቐለ ክርስቶስ ኣይንፈልጥን፣ መስቀል ዘይብሉ ኢየሱስ ኣይነምልኽን። ኢየሱስ ምስ መስቀሉ፣ ክርስቶስ ምስ እንኡ፣ ጎይታ ምስ ደቀመዛሙርቱ ብምልኣት ነምልኽ እምበር፣ ለክርስቶስ ካብ መስቀሉ ኣውሪድና ኣይነምልኽን፣ ካብ ሕቑፊ ኣዲኡ መንጢልና ኣይነኽብርን፣ ካብ ቅዱሳኑ ፈሊና ኣይነኽብርን።
"ንሕና ግን ነቲ ዝተሰቐለ ንክርስቶስ ንሰብኽ" (1ቆሮ 1:23)
✝ #ቅዱስ_መስቀል ... 1ይ ክፋል ✝
"መስቀል" ዝብል ቃል ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ 3 ዓይነት ዝገልፅ ቃል እዩ። መከራ ክርስቶስ፣ መከራ ክርስቲያን፣ ዕፀ መስቀልን እዮም!
@BinyamZeChristos
1⃣ #መከራ_ክርስቶስ ፦ ናይ ክርስቶስ መከራ ባዕሉ መስቀል ዝበሃል እንትኸውን፣ ኣምላኽና ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን ዝተቀበሎ ስቓይ፣ መከራን ሕማምን ኹሉ ዝውክል ቃል እዩ! ቅዱስ ጳውሎስ እውን " #ቃል_መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንንድሕን ግና
#ሓይሊ_ኣምላኽ እዩ" ብምባል ክርስቶስ ዝተቀበሎ ሕማምን መከራን ንዓና ንኣመንቱ ሓይሊ ምኳኑ ይነግረና! (1ቆሮ1፡18) ካብዚ ሓሊፉ እውን ብናይ ክርስቶስ መስቀል ከም ዝምካሕ እንትናግረና "በቲ
#መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰነስ፡ #ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሐቕ" ይብለና (ገላ6፡14)
@BinyamZeChristos
2⃣ #መከራ_ክርስቲያን ፦ ናይ ክርስቲያን ምዕመናን መከረኦም፣ ንሃይማኖቶም ኢሎም ዝኸፍልዎ መስዋዕትነትን ጭንቅን እውን ዝውክል እዩ! ባዕሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ " #መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን" ኢሉ ኣምሂሩና እዩ (ማቴ10፡38) ኣብዚ ጥቅሲ "መስቀሉ" በለ እምበር "መስቀለይ" ኣይበለን። እዚ ድማ ንሕና ንናይ ክርስቶስ መስቀል ንምሽካም ዓቕሙ ከምዘይብልና፣ እኳ ድኣስ ኩላትና ክንሽከሞ ዝግበአና ናይ ባዕልና መስቀል (መከራ) ከምዘሎ እንትነግረና እዩ! ኣብ ካሊእ ምዕራፍ ድማ "ክስዕበኒ ዝፈቱ እንተሎ ህይወቱ ቐቢጹ #መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ" ይብለና (ማቴ16፡24) ስለዚ እውን ቅዱስ ጴጥሮስ ቁልቁል እንትስቀል፣ ቅ.ጳውሎስ ኽሳዱ እንትሕረድ፣ ቅ.አርሴማ አጥባታ ተቆሪፁ ኣዕይንታ ነቁሩ እንትስየፍ፣ ቅ.ጊዮርጊስ ብመጋዝ እንትትርተር ... እዚ ኹሉ ናይ ቅዱሳን መከረኦም "መስቀል" ይበሃል!
@BinyamZeChristos
3⃣ #ዕፀ_መስቀል ፦ዕንጨይቲ መስቀል ማለት እንትኸውን፣ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ "መስቀል" ዝብል ቃል እቲ ክርስቶስ ዝተሰቀለሉ፣ ደሙ እውን ዝፈሰሰሉ ናይ ዕንጨይቲ መስቀል ዘመልክት እዩ! "ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ወዲ ኣምላኽ እንተኮንካስ ካብ #መስቀል ውረድ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ"(ማቴ27፡39) ናይ መስቀል ምልክት ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ቅድሚ ምስቃሉ ብፍላይ ኣብ እስራኤል ከም መርገም ምልክት ተገይሩ ይቁፀር ነይሩ! ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኦሪት "እቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር #ዝተረግመ_እዩ እሞ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር" ዝብል ናይ ሙሴ ቃል ስለዘሎ እዩ! (ዘዳ21፡23) ክርስቶስ ግና ናትና ሓጢአት ንከጥፍእ ንሱ ሓጢአትና ተሸኪሙ፣ መርገምናን ዕዳናን ንክድምስስ እውን ምእንታና መርገም ኾይኑ ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ደሙ ኣድሐነና! ክብሪ ይኹኖ! ቅ.ጳውሎስ ነዚ ነገር እንትገልፆ " #ብደም_መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ" ይብለና (ቆላስ1፡20)
✏️"ኽብርን ዓይነታትን መስቀል" 2ይ ክፋል ክቕፅል'ዩ
@BinyamZeChristos መስከረም 15 - 2016
ንሕና ባሮቱ ንስራሕ‼️
በዚ ወርሒ 2 ዓበይቲ ውራያት ኣለውና። ጥቅምቲ 4 ኣብ ውቕሮ፣ ጥቅምቲ 14 ኣብ ደብረ ዳሞ ብወንጌል ዝፈርስን ዝቕየርን ልማድ ክህልወና እዩ። ጥቅምቲ 4 በዓለ አብርሃ ወአጽብሐ ኮነ ጥቅምቲ 14 በዓለ አቡነ አረጋዊ ምክንያት ብምግባር ኣብቲ ቦታ ይግበር ዝነበረ ናይ ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ምድራፍን ምስዕሳዕን ብመጠኑኳ እንተቐነሰ፣ መሊኡ ስለዘይጠፍአ፣ ንሓጢኣት ብጽድቂ ንምቕያር ካብ ኩለኹም አገልገልቲ (ብፍላይ ካብ መቐለ ክሳብ ዓዲግራት ዘለኹም ሰባክያነ ወንጌል፣ ዘማርያን፣ አመራርሓ ኣብያተ ት/ሰንበተ) ዓብዪ ስራሕ ተስፋ ይግበር።
📌በቢቦትኡ ናይ ሓዲርኻ መልሲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ተዝዳሎ።
📌ለይቲ ናብቲ ማኅሌት ክኣቲ ዘይከኣለ ኣብ ደገ ዝሓድር ምዕመን ቃለ እግዚአብሔር እናተመገበ ንክሓድር መደብ ምድላው። ከዳሉ ዝኽእል አካላት ተዘይሃልዩ ድማ፣ ከዳሊ ንዝኽእል ቤት ት/ሰንበት ሓላፍነት ምሃብ ተዝከኣል።
📌ተነኣሰ 2 ተበዝሐ 4 ሰባክያን ተዳልዮም ይመፁ፣ ነቲ ዝደረቐ ልብና ብወንጋል እናሓረሱ ይሕደሩ።
📌ተነኣሰ 5 ተበዝሐ 10 ጸጋ ዘለዎም ዘማርያን ነቲ ዝሓረረ ህይወትና ብዝማሬ እናለምለሙ ይሕደሩ።
📌ነዚ ንምጥዕዓም ድማ ናይቶም አድባራት አመሓደርቲ ወይ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምዕመን፣ ዙርያ እቲ ቤ/ክ ሓፁር/ምልክት ብምግባር ካልእ ሥጋዊ ነገር ከይፍፀም ዘብዐኛ ክሳብ ምግባር ኣቐዲምኻ ምድላው።
📌ብፍላይ ነዚ ስራሕ ንብዙሕ ዓመታት ናተይ ኢሎም ነዚ ዓቢዪ ተልእኮ ዝሓዙ አባላት ቤት ት/ሰንበት ጽርሐ አርያም ቅ/ገብርኤል መቐለ አጀንድኦም ከምዝግበሩዎ ተስፋ ይገብር።
‼️ #ቅዱስ_እየ ... Vs ... #ገና_ክቕደስ_እየ‼️
"ኣነ ቅዱስ እየ፣ ገነት እየ ዝኣቱ" እናበሉ ዝፉክሩ ወገናት ዋና ፀገሞም ትርጉምን ዓይነታትን ቅድስና ዘይምርድኦም ይመስለኒ። #ቅዱስ ማለት "ፍሉይ፣ ኽቡር፣ ምስጉን" ማለት ኾይኑ ፣ ሰብ ቅዱስ ዝኸውን ኽልተ ዓይነት መንገዲ ምዃኑ መጽሓፍ ይነግረና።
1⃣ #እምነታዊ_ቅድስና (Theoretical Santification):- ሓደ ሰብ ካብ ኣምልኮ-ጣዖት ናብ ኣምልኮተ-ክርስቶስ እንትፍለ፣ ካብ ክሕደት ፀርዩ ብኣሚነ ሥላሴ እንትፀንዕ ተቐዲሱ (ንክርስቶስ ተፈልዩ) ይበሃል። እዚ ቅድስና ብእምነት ዝርከብ እንትኸውን፣ በዚ ምኽንያት ኹላትና ብክርስቶስ እንኣምን ኦርቶዶክሳውያን #ቅዱሳን ንበሃል።
📌« ነቶም ኣብ ቈሎስዩስ ዘለዉ #ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን...» (ቆላስ 1:2)
📌 ንቆሮንቶስ ምዕመናን « ናብታ ኣብ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ #ዅላቶም_ቅዱሳን » ተባሂሎም። (2ቆሮ 1:1) (2ቆሮ 13:13)
📌 ንዕብራውያን ምዕመናን እውን « ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ዘሎኩም #ቅዱሳን_ኣሕዋተይ...» (ዕብ 3:1፣ 13:24)
2⃣ #ተግባራዊ_ቅድስና (Practical Santification):- እዚ ቅድስና ድማ ሓደ #ክርስቲያን_ዝኾነ ሰብ፣ ካብ ሓጢኣትን ርኩሰትን እንትፍለ፣ ዝረኽቦ ቅድስና እዩ። እዚ ቅድስና ገና ንቕደስ ኢና ዘለና፣ ገና ኣይፈፀምናዮን። ነዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ‹ቅዱሳን ኢኹም› ዝበሎም ክርስቲያን ተመሊሱ ‹ቅዱሳን ኹኑ› ዝብሎም!
📌ቅዱስ ጴጥሮስ ንክርስቲያን «ኣነ ቅዱስ እየ እሞ #ቅዱሳት_ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም #ቅዱሳት_ኩኑ» ይብሎን። [1 ጴጥ 1:15-16]
📌ንቆሮንቶስ ምዕመናን «ብፍርሃት ኣምላኽ #ንቅድስና_እናመላእና ካብቲ ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ዅሉ #ርእስና_ነንጽህ» ይብሎም [2 ቆሮ 7:1]
📌ንዕብራውያን «ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ እሞ፣ #ንቕድስናን ንሰላምን #ሰዓቡወን» ይብሎም። [ዕብ 12:14]
=> በዚ ምክንያት ዋላኳ ብእምነትና "ቅዱሳን" ክንበሃል ዝተዓደልና እንተኾንና ብህይወት ግን ገና ንዓለም ዘይሰዓርና ብሓጢኣት እንነብር ስለዝኾና ከም ተሃድሶ ብፈኸራ እንተይኾነስ ከም ኦርቶዶክሳውያን ብትሕትና «ሓጢኣተኛ እየ፣ ቅድስናይ ክፍፅም ይግበአኒ» ንብል።
©Binyam ZeChristos መስከረም 10 /2016
✝ #ሰብ_ብኸመይ_ይጸድቕ? ✝ (Sotoreology)
ጽድቂ ማለት ሓቂ፣ ቅቡል ፤ ጻድቕ ማለት ሓቀኛ፣ ተቐባልናት ዝረኸበ ማላት እዩ። ሰብ ሓቅን ተቐባልነትን ብምንታይ ይረክብ?
1⃣ ሰብ ንመጀመርያ ጊዜ ብክርስቶስ ክኣምን እንተሎ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቑፀረሉ። ጽድቂ ይጅምር፣ #ይጸድቕ! እዚ ጽድቂ እንተይተቐበልኻ ብምግባርኻ ክትጸድቕ ኣይትኽእልን።
📌 «አብርሃም ብስርሑ ጸዲቑ እንተዝኸውን ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሓንቲ እኳ የብሉን። ነገር ግን አብርሃም ብእግዚአብሔር #አመነ። ጽድቂ ኾይኑ ድማ #ተቖፀረሉ» (ሮሜ 4:2-3 ፣ ገላ 3:6)
📌 «እምበኣር #ብእምነት_ካብ_ጸደቕና ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚአብሔር ሰላም ኣለና።» (ሮሜ 5:1)
📌 «እቲ ኹሉ ብሙሴ ሕጊ ክጸድቕ ዘይተኽኣሎ፣ ብኢየሱስ #ብምእማን_ይፀድቕ» (ግብሪ 13:39)
2⃣ ሰብ ምስ ኣመነ፣ ብእምነቱ ጽድቂ ምስጀመረን ምስተቖፀረሉን ድማ ንጎይታ ብምእዛዝ ፅድቂ ይረክብ። ስለዚ ብክርስቲያናዊ ፍረ/ምግባር/ ጽድቂ ይረክብ ፣ ይጸድቕ።
📌 «ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሐቅ ኣብ መሰውኢ ምስኣቕረቦ #ብተግባሩ ዶ ኣይኮነን #ዝፀደቐ?» (ያዕ 2:22)
📌 «#እትፀድቕ_ብቃልኻ፣ እትኹነን ብቃልኻ ኢኻ'ሞ ሰባት ብዝዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኹሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ክጥየቕሉ እዮም » (ማቴ 12:36)
📌 «ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር #ገበርቲ_ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም #ዝፀድቁ_እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቑ » (ሮሜ 2:23)
‼️መጠቓለሊ‼️
ሰብ ብእምንነት ጥራህ እንተይኮነስ፣ ብእምነትን ብምግባርን ከምዝጸድቕ ንአምን።
📌«ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ #ብተግባር_እውን_ከምዝፀድቕ ትሪኦ ዶ ኣለኹም» (ያዕ 2:24)
©Binyam ZeChristos መስከረም 7 - 2017
‼️Heresy - Apologetics‼️
1) ክርስቶስ ንሓጢኣተይ ሞይቱ ዋጋ ስለዝኸፈለለይ፣ ኣነ ብሓጢኣተይ ኣይሕተትን
2) ሰብ ዝድሕን ኣብታ ዝኣመነላ ሰዓት ወይ ቅጽበት እዩ።
3) ሰብ ዝፀድቕ ብእምነት ጥራሕ እምበር ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብተኣዛዝነት ወይ ብምግባር ኣይኮነን።
4) ኣነ ብእምነት ጥራሕ እዩ ወዲ እግዚአብሔር ዝኸውን እምበር ብጥምቀት ኣይኮነን።
5) ሰብ አባል ቤ/ክ ንምኻን ይጥመቅ እምበር፣ ብጥምቀት ዝርከብ ድሕነት የለን።
6) ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን (ቁርባን) መዘከርታ እዩ'ምበር ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣይህብን።
7) ኣነ ባዕለይ ጻድቅን ቅዱስን ስለዝኾንኹ፣ ጻድቃናትን ቅዱሳንን ኣየድልዩንይ።
8) ሰብ ብእምነት ጥራሕ ስለድሕን፣ ምስ ኣመነ ድሕነቱ ኣይምንጠልን ኣይጠፍእን።
9) ስለዝጸደቕኹን ስለዝደሓንኹም ደኣ ምግባራት ይገብር እምበር ንኽጸድቕን ንክድሕንን ኢለ ምግባራት ኣይገብርን።
10) ሐዚ እንተሞይተ ገነት ከምዝኣቱ ርግፀኛ እየ
ነዚኦምን ካልኦትን ናይ ስሕተት ትምህርታት (Doctrinal Heresies) መልሲ እንህበሉ፣ ንዝጠፍኡ እንምልሰሉ፣ ንምዕመናን እንሕልወሉ፣ ልዕሊ ኹሎም ትምህርታት ቕድሚት ብጥልቀት ክንመሃሮን ክነምህሮን ዝግበአናን ትምህርቲ - #ነገር_ድኅነት (Sotereology) ይበሃል።
✝ #ቅዱስ_ዮሐንስ_መጥምቅ ~ መስከረም 1ን 2ን✝
📌መስከረም 1:- ሓዱሽ ዓመት መእተዊ ከም ምዃኑ "ኣውደ ዓመት" እናተብሃለ ይፅዋዕ። ካብ ሓዱሽ ዓመት ወፃኢ አውደ ዓመት ክበሃል ዝኽእል በዓል የለን! ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ ነቢይ፣ ናይ ሐዲስ ኪዳን ድማ ቕድሚ ሐዋርያት ዝመፀ ሐዋርያ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ኣብ ማእከል ብሉይን ሐዱሽን ኪዳን ማእከል ከምዝኾነ፣ መስከረም 1 ድማ ዝኣረገ ዓመት ሓሊፉ ሓዱሽ ዝመፀሉ ቅለዝኾነ ፣ "ቅዱስ ዮሐንስ" እናተብሃለት ትፅዋዕ።
📌መስከረም 2:- እዛ መዓልቲ ድማ ወዲ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ዝኾነ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ፣ ብትእዛዝ ንጉሥ ሄሮድስ ኽሳዱ ዝተቖረፀሉ (#ምትረተ_ርዕሱ) መዓልቲ ዝዝከረሉ እዩ።
ስየመታት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ
1⃣ #ነቢይ_ይበሃል፦ ሓደ ሰብ ነቢይ ዝበሃል ብእግዚአብሔር መንፈስ ተላኢኹ ብዛዕቢ መፃኢ ነገር ተገሊፁሉ ዝናገር እንተኾይኑ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ናይ ዓለም መድሕን ክርስቶስ ከምዝመፅእ፣ «ኣነስ ንንስሓ ብማይ የጥምቐኩም አሎኹ። እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ» ብምባል ተናጊሩ ነይሩ። [ማቴ 3:11]
2⃣ #ሓዋርያ_ይበሃል፦ ሐዋርያ ማለት እናዘረ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምስክር ማለት ስለዝኾነ፣ ዮሐንስ ድማ ናይ ክርስቶስ ናብ ባሕሪ ዮርዳኖስ እንትመፅእ ሪኡ «ናይ ዓለም ሓጢአት ዘወግድ በጊዕ እግዚአብሔር እንሆ» [ዮሐ 1:29] ኢሉ ክርስቶስ ናይ ዓለም ቤዛ ምኳኑ ስለዝመስከረ ሐዋርያ ይበሃል።
3⃣ #ካህን_ይበሃል፦ ካህን ማለት ንደቂ ሰባት ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ፣ ሓጢኣቶም ዝናዝዝን ዘጥምቕን ማለት ከምዝኾነ፣ ዮሐንስ መጥምቅ እውን ንምዕመናን እናናዘዘ፣ ንስሐ እናእተወን የጥምቕ ስለዝነበረ ካህን ይበሃል። [ ማቴ 3፡6 ]
4⃣ #ሰማዕት_ይበሃል ፦ ሰማዕት ማለት ምስክር ማለት ኾይኑ ብዋናነት ድማ ህይወቱ ለክርስቶስ ኣሕሊፉ ብምሃብ ዝሞት እዩ። ዮሐንስ እውን ምስክር ክርስቶስ ኾይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዘይምፍራሕ ንሓቂ ደው ብምባሉ ኽሳዱ ስለዝተሰየፈ እዩ! (ማቴ6፡27)
5⃣ #ዓርኪ_መርዓዊ_ይበሃል (ዮሐ3፡29)፦ ክርስቶስ ናይ ቤተክርስቲያን መርዓዊ ስለዝበሃል ንዮሐንስ ድማ ንመርዓዊ ዝዕጅብን በቲ መርዓዊ ደስ ዝብሎም ስለዝኾነ ዓርኪ መርዓዊ እናተብሃለ ይፅዋዕ!
6⃣ #ቃለ_አዋዲ (አዋጅ ነጋሪ) ይበሃል፦ ዮሐንስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምፅኡ ብዛዕባ ክርስቶስ አቀዲሙ ኣዋጅ ይናገርን ይሰብኽን ብምንባሩ ቃለ ዓዋዲ እናተብሃለ ይፅዋዕ። (ኢሳ40፡3፤ ማር1፡2)
@BinyamZeChristos መስከረም 2 - 2017
🌻🌻 #ሓዱሽ_ልቢ ዶ #ሓዱሽ_ዓመት 🌻🌻
✅ መቸም ናይ ሎሚ መስከረም 1 ካብተን ዝሓለፋ መዓልትታት ዝፈልያ ዋላ ሓደ ነገር ኣይህሉን! ልክዕ ከምኲለን 24 ሰዓት ዘለዋ እያ! እቲ ሓዱሽ ነገር ደኣ እንታይ እዩ? እቲ ሓዱሽ ነገርማ እቲ ናተይን ናትኩምን ልቢ እዩ! ሓዱሽ ልቢ እምበር ሓዱሽ ዓመት ኣየፅድቅን! ብናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓጢአትን በድለን፣ ምስ ዝሓዝናዮ ቂምን ፈደያን ኽፍኣትን ናብ ቀፃሊ ዘመን ምሽጋር እንተሃልዩ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሓዱሽ ዓመት? ዝሓለፈ ዓመት ብፖለቲካ ክርክር፣ ብመስተ ስኻር ሓሊፍናዮ፣ ቐፃሊ ዓመት ኸ?
✅ ሰብነትና ብሳሙና እምበር ነፍስና ብንስሐ ንሕፀብዶ? ንፈተውትና ውህብቶ ንህብ እምበር ንዘቀየሙና ይቅሬታ ንገብር ዶ? ሎሚ እውን ከም ዓሚ ብዛዕባ ዘርእን ብሔርን ዲና ክንፅሕፍን ክነውግዕን? ጽባሕ እውን ከም ትማሊ ኣብ ውሽጢ አረቂ ቢራን አልኮልን ዲና ክንሕባእ? ብሲጋራን ጫትን ዲና ክንወሓጥ? ድማ ዘይንሓፍር "ሓዱሽ ዓመት" ኢልና ንፅውዖ። እቲ ዓሚ ዝነበረ 24 ሰዓታት፣ 7 መዓልትታት፣ ሰሙናትን ኣዋርሕን እዩ ሐዚ'ውን ዘሎ! ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ሓዱሽ ልቢ እምበር ሓዱሽ ዘመን የለን! ዘመን "ሓዱሽ" ዝኸውን ብሓዱሽ ልቢ ጥራይ እዩ።
✅ ጎይታ እግዚአብሔር "#ተመለሱ ፣ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፣ ካብ ኵሉ በደልኹም ተመለሱ። ... ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ" 📌(ሕዝ 18፡30-31) ይብለናሎ! ብሓዱሽ ልብን መንፈስን፣ ብፍቅርን ይቅሬታን እንሕደሰሉ ይኹን! ብዘይተሓደሰ ልቢ ሓዱሽ ዓመት እናበልኻ ንዓርስኻ ምትላል ይኣኽለና። እንቅደሰሉን ናብ ክርስቶስ እንቀርበሉን ዓመት ይኹነልና!
📌1ይ ጴጥ 4፡3 "እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፣ #ብጓይላ፣ ብመስተ፣ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ #ዝሐለፈ_ዘመን ይኣክል እዩ። ስለዚ ናብ ሓዱሽ ልቢ እንኳዕ ኣብፀሐኩም!
✝ Happy New You! Happy new Heart! ✝
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 5 - 2016
✝ #ቅዱስ_ሩፋኤል - Saint Rafael ✝
ሩፋኤል ማለት "እግዚአብሔር ፈዋሲ እዩ" ማለት ኾይኑ ካብቶም 10 ናይ መላኽቲ መዓርጋት ናይ #መናብርት ሓለቓ ኾይኑ፣ ካብተን 3 ዓለማተ መላእክት ኣብ #ራማ ዝነብር፣ ነቢዩ ሄኖክ እውን "ኣብ ቁስሊ ሰብ ዝተሾመ ካብ ዝኸበሩ መላእኽቲ ሓደ #ሩፋኤል እዩ" ዝበሎ 📌[ሄኖክ 6:3]፣ ከምኡ ድማ "ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሕማምን ኣብ ልዕሊ ቑስሊ ደቂ ሰባትን ዝተሾመ ቅዱስ #ሩፋኤል እዩ" 📌[ሄኖክ ፲፥፲፫] ብምባል ዝገለፆ፣ ንጥኑሳት ኣዴታት ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝራድአን "ፈታሔ ማኅጸን" ዝኾነ ዓቢይ መልኣክ እዩ:: በዓሉ ጳጉሜን 3 ዝኽበረሉ 2 ምኽንያት ኣለዎ።
✏️ 1ይ:- ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀመላእኽት ኾይኑ ዝተሾመሉን ዝኸበረሉን መዓልቲ ዝዝከረሉ እዩ።
✏️2ይ:- ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ዝተሰርሐት ቤ/ክ «ቅዳሴ ቤታ» ዝተኸበረትሉ መዓልቲ እዩ:: በዛ መዓልቲ እዚኣ በዓሉ እንትነኽብሮ ድማ ቅዱስ ሩፋኤል ዝገበሮም ክልተ ዓበይቲ ተኣምራት (ሓደ ካብ መጽሐፍ ቅዱስ፣ 2ይ ድማ ካብ ድርሳነ ሩፋኤል) ብምዝካር እዩ! እቶም ተኣምራት ድማ:-
1⃣ይ ተኣምር:- ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ #መጽሐፈ_ጦቢት ከምዝተጽሓፈ ፣ ጦቢት ዝበሃል ጻድቕ ሰብ ዓይኑ ዓዊሩ ከምዝነበረን ሩፋኤል ድማ ከምዝፈወሶን ይዝከር። ንወዱ #ንጦቢያ ድማ ኣብ ኹሉ መንገዱ ዝረድኦ፣ ክሳብ መርዓ ዘብፀሖ፣ ነታ መርዓቱ እውን #ኣስማንድዮስ ካብ ዝበሃል ጋኔን ዝፈወሳን ቡሩኽ ህዳር ክህልዎም ዝገበረን መልአክ ፍቕሪ እዩ። [ሙሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሐፈ ጦቢት አሎ]
2⃣ይ ተኣምር:- ኣብ ጥቓ ከተማ እስክንድርያ ኣብ ዝነበረት ንኡሽተይ ደሴት ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤ/ክ ነበረት:: ኣብ ትሕቲ እታ ደሴት ድማ ሓደ ዓቢይ ዓሳ ነባሪ ነበረ:: ናይታ ቤ/ክ ቅዳሴ ቤት ንምኽባር ምዕመናን ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ግን ሰይጣን ነቲ ዓሳ ነባሪ ብምንቅስቓስ እቲ መሬት ተንቀጥቂጡ እታ ቤ/ክ ክትፈርስ፣ ምዕመናን እውን ክሞቱ ምስበሉ ብሓደ ልቢ ኾይኖም "ኦ ቅዱስ ሩፋኤል ርድኣና ሓግዘና" እናበሉ ይበኽዩ ጀመሩ:: ጸሎቶም ዝሰምዐ ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ነቲ ዓሳ ኣንበሪ "ብስም እግዚአብሔር ኣብ ዘለኻዮ ጽናዕ" ብምባል ኣዚዙን ተኣምር ገይሩን ንዓኣቶም ዘድሐነሉ መዓልቲ እዩ:: ኣማልድነቱ ምሳና ይኹን።
©BinyamZeChristos ጳጉሜን 3 - 2016