‼️ ኮሌጅና - ስግኣት ዶ በረከት?‼️
ቅዱስ ፍሬምናጦስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብደገ ዝሕመየሎም ስግኣታት ኣለው። ንሓደ ሰብ "ኮሌጅ ዘይትመሃር?" እንተይልኻዮ "መፈልፈሊ Meናፍቃን እዩኮ! ኣብ ሰ/ት/ቤት ኾይነ ምምሃርን ምንባብን ይሐሸኒ" ኢሎም ዝምልሱ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ንምባል ዘብቀዖም ዋና ምክንያት ድማ:-
1⃣ «ናይ Meናፍቃን መፍረዪ እዩ»:- ናብዚ ድምዳመ ክበፅሑ ዝገበሮም ምኽንያታት ድማ:-
1/1) ከካብ ኣድባራቱን ኣብያተ ት/ሰንበትን ብጊጉይ አስተምህሮኦም ዝፍለጡ ኾነ ዝተባረሩ ኣካላት ናብቲ ኮሌጅ እናኸዱ በዓቲ ገይሮሞ ይብሉ።
1/2) ተምሃሮ እቲ ኮሌጅ ብምንፍቅNa አስተምህሮ ኣብ ካልእ ቤተ እምነት ኣዳራሽ እናተረኸቡ ስለዝረአና እዩ ይብሉ። (ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ክሳብ 11 ዝበጽሑ ተምሃሮ እቲ ኮሌጅ ብስሕተት ትምህርቲ ተፀሚዶም፣ ኣብ ኲሓ ብሓደ ፓስተር ክጥመቑ ኢድ ብኢድ ተረኺቦም ከምዝተባረሩ ይዝከር) ካብዚ ብተወሳኺ ድማ « እዞም ዝተባረሩ ተምሃሮ'ኮ ስለዝረኸብናዮም እዩምበር፣ ዘይረኸብናዮም ከ ክንደይ ከሓድቲ ይህልው? » እንበሉ እውን ይሰግኡ።
📌 ዘይጥርጥር ዘይፍጡር ከምዝበሃል ዝቐረቡ ስግኣታት ልክዕ እዮም፣ ካብ ሓደ ንነፍሲ ምእመናን ዝሓስብ ክርስቲያን ክቐርቡ ዘለዎም ሕቶታት እዮም። ግን... ግን
👉 ከካብ ቤ/ት ት/ሰንበት ዝጥርጠሩ ኾነ ዝተባረሩ አካላት ናብ ኮሌጅ ምምፅኦም ዘሕጉስ ድዩ ዘሕዝን? እቲ ኮሌጅ ሕቶ ዘለዎ ዝምለሰሉ፣ ንዘሰሓተ ዝእረመሉ ዶ ኣይኮነን እዩ? እሞ ደኣ ዝሓመመ ሰብ ናብ ሆስፒታል ከምዝኸይድ፣ Nuፋቄ ዘለዎ ሰብ ብሊቃውንቲ ንክሕከም ናብ ኮሌጅ ምእታው ደስ ዶ ኣየብልን? ተዝኸውን ፕሮቴስታንትን ሙስሊምን እውን ኣትዮም ተዝመሃሩሞ ናብ ብርሃን ተዝመፁስ ሓጎስና እዩ። (ክሕምሱን ክዘርጉን ንዝኣትዩ ግን ከመይ ንኣርዮም ዝብል ዓብዪ ነጥቢ እዩ?)
👉 ዝተወሰኑ ተምሃሮ እቲ ኮሌጅ ናብ Mንፍቅና ስለዝኣትው፣ ኩሎም ተምሃሮ ኾነ እቲ ኮሌጅ እውን "ናይ Meናፍቃን" ገይርኻ ምውሳድ ዝንቡዕ ፍርዲ እዩ። Hasty Generalization fallacy ይበሃል። እሞ ካብቶም ዝከሓዱ ንላዕሊ፣ ብዙሓት ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን ዶ ይፈርዩሉ የለውን? ንምንታይ ንሳቶም ኸ ዘይረኣዩና? ኣብ ማእከል ቅዱሳን መላእክት፣ ሳጥናኤል ናብ ሰይጣን ብምልዋጡ እግዚአብሔር ይሕተት ዶ? ኣብ ማእከል ሐዋርያት ኸ ይሁዳ ብምንባሩ ጎይታ ይውቀስ ዶ? ኣይውቀስን! ካብ ጳጳሳት ማእከል ንስጥሮስ ምክሓዱ ኸ ክህነት ኣየድልን ዶ ንብል? ኣይንብል! ኮሌጅና እውን ከምኡ! (ግን ንምንታይ ካብቲ ኮሌጅ Meናፍቃን ይወፁ ኣለው? ዝብል ግን መሰረታዊ ነጥቢ እዩ)
👉 ብሱር እውን እቲ ኮሌጅ ናትና እዩ፣ ብኣስራት በኩራት ምዕመናን ዝተሰርሐን ዝንቀሳቐስን ናይ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ኮሌጅ እዩ። ፀገም እውን እንተሃለዎ ቐሪብኻ ትእርሞ፣ መፂኻ ትነቕፎ እምበር ብደገ ፀሪፍኻ ንፀራፊ ምሃብ ኣፅቡቕን። ካብ ስግኣትነቱ በረከትነዩ ይበልፀና'ሞ ብድር እውን ናይ ባዕልና እዩ'ሞ ባዕልና ንመሃረሉ።
@Binyam Zechristos ሕዳር 30 - 2017
✡ #በእንተ_አቡነ_ተክለ_ሃይማኖት ✡
📌 መጋቢት 24:1196 ዓ.ም ~ ካብ ካህን ጸጋ ዘአብን ካብ እግዚእኃረያን ተጸኒሶም።
📌 ታሕሳስ 24:1197 ዓ.ም ~ ኣብ ጽላልሽ ዞረሬ ተወሊዶም።
📌1213 ዓ.ም ~ ብ17 ዕድመኦም ዲቁና ተቐቢሎም።
📌1218 ዓ.ም ~ ብ21 ዕድመኦም ወለዶም ንከመርዕዉዎም ጓል እንተምፅኡ፣ ከም ድሜጥሮስ 'ክምንኩስ እየ ዝደሊ' ብምባል ጸንዑ። እታ ጓል ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ምስ ሞተት! ክምንኩስ ፍቓድ አምላኽ ምኳኑ ድማ ወለዶም ተቐበሉ።
📌1219 ዓ.ም ~ ብ22 ዕድመኦም ቅስና ተቐቢሎም።
📌ካብ 1219-1222 ዓ.ም ~ ኣብ ከባቢኦም ንዝነበሩ ብምስትምሃር ፀንሑ።
📌ካብ 1222-1234 ዓ.ም ~ ን12 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ኣብ ዳሞት ፀንሑ።
📌ካብ 1234-1244 ዓ.ም~ ን10 ዓመት ኣብ ናይ አባ ጸሎተ ሚካኤል ገዳም ብምግልጋል ፀንሑ።
📌ካብ 1244-1254 ዓ.ም~ ን10 ዓመታት ኣብ ሐይቅ አባ ኢየሱስ ሞዓ ገዳም አገልገሉ።
📌ካብ 1254-1266 ዓ.ም ~ ን12 ዓመታት ኣብ ደብረዳሞ አቡነ አረጋዊ ገዳም አገልገሉ።
📌ካብ 1266-1267 ዓ.ም ~ ን1 ዓመት ኣብ ትግራይ አድባራትን ገዳማትን ብምስትምሃር ፀንሑ።
📌ካብ 1267-1289 ዓ.ም ~ ን22 ዓመታት ብጸሎት ኣብ ደብረ ሊባኖስ በዓቲ (ደብረ አስቦ) ፀኒሖም።
📌 ጥሪ 4: 1289 ዓ.ም ~ ናይታ ሓንቲ እግሮም ስብረተ ዓጽም ኾይኑ።
📌ካብ 1289-1296 ዓ.ም~ ን7 ዓመታት ብሓንቲ እግሮም ብትሕርምት ብጸሎት ጸልዮም።
📌ነሓሰ 24:1296 ዓ.ም ~ ብሥጋ ዓሪፎም ብኽብሪ ናብ ገነት ኣተዉ።
✝ ገድለ አቡነ ተ/ሃይማኖት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ኤርትራ ክሳብ ደቡብ ኦሞ፣ ካብ ምብራቕ ኦጋዴን ክሳብ ምዕራብ ጋምቤላን ካብ ዓዲ ወጻኢ ክሳብ ግብጺ ቤ/ክ ኣብ ዘለዉ ዓበይትን ጥንታውያንን ገዳማት፣ ብስም 'አቡነ ተክለሃይማኖት" ዝተረኸቡ ገድላት ኲሎም ብተመሳሳልነት ብዛዕባ እዞም ቅዱስ አቦና ዝምስክሩ እዮም። ኣብ መላእ ዓላም ኣብ አሜሪካ፣ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ፣ ኢንግሊዝ ለንደን፣ ኣብ ጀርመን ሙኒክ፣ ኣብ ጣልያን ሮም ወዘተ ኣብ ዘለዉ ላይብሬሪታት ብግዕዝ ተጽሒፎም ፤ በቢዘመናቱ ካብ ዓድና ተሰሪቖም ዝኸዱ ብራና ገድላት፣ ብኢንግሊዝኛ፣ ብፈረንሳይኛን ብጣልያንኛን ካልኦት ቋንቋታትን ዝተተርጎሙ ጥንታውያን ገድላት እውን ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ፣ ከም ሓደ ልቢ ሓሳቢ ኾይኖም ብዛዕባ ካልእ ተክለ ሃይማኖት እንተይኮነስ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ይምስክሩ!
ኣብ ካልኦት ቦታታት ከምዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጥንታውያን ገዳማት (ኣብ ዋልድባ ዝተረኸበ ገድሊ፣ ኣብ #ጉንዳጉንዶ ዘሎ ገድሊ፣ ኣብ ዘሓርየት ገበዛይቲ ቅ/ማርያም እነግንዮ ገድሊ፣ ኣብ ሽረ አባ #ሳሙኤል_ዘቆየፃ እንረኽቦ ገድሊ፣ ኣብ ቤት ሙካዕ ሚካኤል ንረኽቦ ገድሊ፣ ኣብ #ጨለቖት_ሥላሴ ዝርከብ ገድሊ፣ ከምኡ እውን ኣብ ራዛ ተክለሃይማኖት፣ ኣብ አረሮ ተክለሃማኖትን እምባይቶ ተክለሃይማኖትን) ዘለዉ ገድላት ብዛዕባ ዞም ቅዱስ አቦና ምስክርና እዮም። በረከቶም ይሕደረና!
©Binyam ZeChristos ሕዳር 24 - 2017
ክርክር ኣብ ማህጸን
ማንታ ሕጻናት ኣብ ውሽጢ ከርሲ ኣዲኦም ይነብሩ ነይሮም። ሕልደ መዓልቲ ግና ድቃስ ገዲፎም ክርክር ጀመሩ! እቱ ሓደ ሕፃን ነቲ ኻልኣይ ከምዚ ኢሉ ይሓቶ። ‹‹ካብ ማኅጸን ምስ ወፃእና ሕይወት አሎ ኢልኻ ትኣምን ዶ?›› እቲ ኻልአዋይ ድማ መለሰ፡- ‹‹ወይለይ! እወ! ካብ ማኅጸን ምስ ወፃእናማ ዝኾነ ሕይወት ተዘይሃለወ አይቀርን። ሐዚ ኣብ ማኅጸን እንጸንሐሉ ምኽንያት ድማ ነቱ ቀፃሊ ሕይወትና ንዳለወሉ መንገዲ ይመስለኒ›› በሎ።
‹‹ዋይ ዘይመስል ነገር!!›› በለ እቲ ቀዳማይ ሕፃን፡ ‹‹ካብ ማኅጸን ምስ ወፃእና ሕይወት ዝበሃል ነገር የለን! እስኪ ሕሰቦ ካብ ማኅፀን ወፃኢ እንታይ ዓይነት ሕይወት ክህሉ ይኽእል?›› በለ እናሰሓቀ።
‹‹ንሱስ ኣይፈልጥን! ግና ኣብዚ ካብዘሎ ዝሐሸ ብርሃን ኣብኡ ዘሎ ይመስለኒ። ምናልባት እውን ኣብቲ ዳሕራይ ሕይወት ብኽልተ እግርና ንምኻድ፣ ብኣፍና ንምብላዕ እንኽእል ይመስለኒ። ሐዚ ዘይንርደኦም ካልኦት ስምዒታት ክህልወና ይኽእል ይኸውን››
እቲ ቀዳማይ ሕፃን ግና ብኹራ ‹‹እዙይ ሕልሚ እዩ! ብኽልተ እግሪ ምኻድ ብፍፁም ዘይኸውን እዩ! ብሱሩ ብአፍና ክንበልዕ? ዘይመስል ነገርባ ኣይተውግዕ! ምግቢ እንበልዖን ዘድልየና ነገር እንረኽቦን ብዕትብትና እዩ። ዕትብትና ድማ ሓፂር ስለዝኾነ ካብ ማኅፀን ድሕሪ ምውፃእ ሕይወት ኣሎ ዝብል ከእምን ዘይኽእል ነገር እዩ።›› እቲ ኻልኣይ ግና እንተይሓፈረ ‹‹ኣነ ግን ዝኾነ ነገር ዝህሉ ይመስለኒ፡፡ ኣብ ማኅጸን ውሽጢ ካብ ዘሎ ነገር ዝተፈለየ ነገር ዝህሉ ይመስለኒ። ዕትብቲ እውን ንከየድልየኒ ይኽእል።›› በሎ።
እቲ ቀዳማይ ግና ‹‹ክላእ እዚ ንዓይ ኣይወሓጠለይን! ዋላኳ እቲ ዝበልካዮ እንተተቀበልኩኻ፣ ካብ ማኅፀን ወፃኢ ሕይወት ከምዘሎ ሪኡን ኣረጋጊፁን ናብ ማኅፀን ዝተመለሰ ሕፃን ደኣ ንምንታይ ዘየለ? እዚ ድማ ካብ ማኅፀን ምውፃእ ናይ ሕይወት መፈፀምታ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ማኅጸን ምስ ወፃእና ብዘይካ ጸልማት ምንም የለን ናብ ምንም ድማ ኣይንኸድን።››
እቲ ኻልአዋይ ግና ቀፀለ ‹‹ብርግፅ ምንም ኣይፈልጥን! ነገር ግና ካብ ማኅፀን ምስ ወፃእና ንኣዴና ክንሪኣን ክንረኽባን ኢና። ዘድልይና ኹሉ ድማ ክትህበና እያ››
‹‹ዋእ? ኣደ? ብሱሩ ኣዶ ትበሃል ነገር ከምዘላ ዲኻ ትኣምን? ብጣዕሚ መስሐቂ ነገር እዩ! እሞ ኣደ ትበሃል እንተሃልያ ደኣ ሐዚ'ማ ኣበይ ኣላ? እስኪ ኣርእየኒ።›› እቲ ኻልአዋይ ግና ቅፅል ኣቢሉ ‹‹ኣዴናማ ኣብ ዙርያና እያ ዘላ! ብኣኣ ተኸቢብና ኣብ ውሽጣ ኢና ዘለና! ዝተረኸብናዮ እውን ካብኣ እዩ! እንነብሮ እውን ኣብ ውሽጣ እዩ! ብዘይንሳ ዘለናሉ ናይ ማኅፀን ዓለም ክህሉ ኣይኽእልን።›› በሎ። ‹‹ወይለይ እሞ ዘይራእኽዋ ደኣ ከመይ ኢለ ክኣምን? ኣበይ ኣላ? ስለዙይ ኣነ ኣደ ኣላ ንማለት ኣይኽእልን"
እቲ ኻልአዋይ ግና ‹‹ኣብ ውሽጢ ማኅጸን እንትንነብር ብጽሞና ተዳምፅ እንተኾይንኻ ናይ ኣዴና ምንባር ትርዳእ። ብፍቅሪ ዝተመልአ ድምፃ ካብ ላዕሊ እንትፅውዐካ ትሰምዕ›› ብምባል ነቲ ክርክር ገዲፉ ገፁ ኣዚሩ ደቀሰ።
#ዓሻ_ብልቡ_አምላኽ_የለን_ይብል (መዝ53፡1)
©Binyam ZeChristos ሕዳር 23 - 2017
‼️ .... #ጽዮን_ብቻ - #Only_Zion .... ‼️
1.በእግዚአብሔር መለኮታዊ ጣት መለኮታዊው ቅዱስ ቃሉን የፃፈባት፣ እኛም አማናዊው ቃሉን ያየንባት ብቸኛዋ ሰሌዳችን - ጽዮን ብቻ‼️
2.እግዚአብሔር በደመናና በብርሃን ተገልፆ ቃል በቃል ከሕዝቡ ጋር የተነጋገረባት፣ የሰማይ መስኮት የሆነች ብቸኛዋ ማደርያው ማደርያችን - ጽዮን ብቻ‼️
3.አስፈሪውን የዮርዳኖስን ባሕር የከፈለች፣ ሞገዱንና ማዕበሉን ጸጥ ያደረገች፣ ቸነፈሩንና መከራውን የራቀባት ብቸኛዋ ምርኩዛችን - ጽዮን ብቻ‼️
4.ኢያሱ ባዘነ ጊዜ ከፊትዋ ወድቆ ያለቀሰባት፣ ዳዊት በፍቅርዋ "ወደ እኔ ትመጣ ዘንድ እንዴት ይሆናል" ያለላት፣ ሰሎሞን ለክብርዋ ታላቁን መቅደስ የሰራላት ማልቀሻ ቦታችን - ጽዮን ብቻ‼️
5.የዖዛን ድፍረት የሰበረች፣ የአቢዳራን ቤት የባረከች፣ አዛጦናውያንን ያዋረደች ተአምረኛዋ ምልክታችን - ጽዮን ብቻ‼️
6.ዳጎናዊ ዘንዶ የሚያሳድዳት፣ እርሱን ቆራርጣ ከላዩ ላይ የቆመች፣ የአዛጦንን ጣዖት ከፊትዋ ያስሰገደች፣ በአጋንንቱ ዘንድ የተፈራች፣ በእኛ ዘንድ ግን የተወደደች አምባ መጠጊያችን - ጽዮን ብቻ‼️
7.እረኛው ዳዊት የአምላክን ልብ ይዞ የዘመረላት፣ ንግስትዋ ሜልኮል በትዕቢት ልብ የናቀቻት፣ እረኛውን ኣንግሳ ንግስቷን ያዋራደች የክብር ንግስታችን - ጽዮን ብቻ‼️
8.ወደ ከተማ ስትገባ እስራኤላውያን በዕልልታ የተቀበልዋት፣ የጽዮንን ክብር አይታ ግዑዝዋ ምድር ምስጋናን ያስተጋባችላት፣ እንስሳት በግርማዋ ተረጋግተው የተሸከሟት ክብራችን - ጽዮን ብቻ‼️
9.እርስዋ ባለችበት ቦታ ሁሉ ዓይኖቹና ልቡ በዚያ እንደሚሆኑ ጌታ ቃል የገባላት፣ በእርሷ ዘንድ ለሚደረገው ጸሎት ሁሉ ዓይኖቹ እንደሚገለጡ ጆሮዎቹም እንደሚያደምጡ የተናገረላት መስኮታችን - ጽዮን ብቻ‼️
10.በዘላለማዊው የመንግስቱ ሕይወት ውስጥ የምንናስቀድስባት አርያማዊትዋ ቤታችን ፣ ከመላእክት ጋር በሰማይ ለምስጋና የምንሰበሰብባት ሰማያዊትዋ #ታቦታችን - ጽዮን ብቻ‼️
11.ዛሬ ላይ ሁና ትናንትን ያዘለች፣ ነገንም ያቀፈች፣ #አክሱም ላይ ሁና ለዓለም ያበራች ብርሃናችን - ጽዮን ብቻ‼️
12.በሐዲስ ኪዳን ታቦቶች መሃል ውስጥ ያለች፣ ብቸኛዋ ምስጢር ተሸካሚዋ የኦሪትዋ ጽላት - ጽዮን ብቻ‼️
13.የዓለም ሊቃውንት በጥብቅ የሚፈልጓት፣ የታሪክ ተመራማሪዎችና ባለጸጎች በማይቆጠር ብር የሚሿት፣ በኣክሱማውያን ምዕመናን ዘንድ ግን አኗኗሯና ምስጢርዋ የተጠበቀላት ብቸኛዋ ምስጢራችን - ጽዮን ብቻ‼️
14.ሰው ሁሉ እናታችን እያለ የሚጠራት፣ በውስጥዋ ሰው ያደርገን ዘንድ ሰው የሆነው የተወለደባት እናታችን - ጽዮን ብቻ‼️
15.ጌታ በክብሩ ውበት የሚመጣባት፣ ግንቦችዋን ቆጥረን፣ በዙርያዋ ተመላልሰን የከበብናት ቤታችን - ጽዮን ብቻ‼️
16.ከያዕቆብ ደጆች ይልቅ ደጆችዋ የተወደዱላት፣ እርሷን የሚጠሉ ሁሉ ያፍሩ ዘንድ የመወደድ ግርማ ያላት የፍቅር እናታችን - ጽዮን ብቻ‼️
17.በባርነት ጊዜ ታቦት ብለው ያልጠሯት፣ ማረፍያው እንደሆነች ያላሰብዋት፣ በባቢሎን ወንዞች ተቀምጠው ባሰብዋት ጊዜ ግን ያለቀሱላት ታዛችን - ጽዮን ብቻ‼️
18.ሕግ የሚወጣባት መዝገብ፣ የአስጨናቂዎች ልጆች አንገታቸውን የሚደፉላት ክብርት፣ የሚንቋትም ወደ እግሯ ጫማ የሚሰግዱላት ንግስት - ጽዮን ብቻ‼️
19.ስለ እርስዋ ዝም አንልም የምንልላት፣ መለከት ተነፍቶ ጾም የተቀደሰባት ጉባኤም የታወጀባት አደባባያችን - ጽዮን ብቻ‼️
20.በደስታ የተሰበሰቡት አእላፋት መላእክት ያሉባት የሕያው የእግዚአብሔር ከተማ፣ በሰማያትም የተጻፉ በኵራት ማኅበር የሚገኙባት የብርሃን መንደር፣ ፍጹማንም የሆኑት የጻድቃን መንፈሶች የተሰበሰቡባት ሰማያዊቱ ኢየሩሳሌም፣ የሁሉም ዳኛ የሚሆን እግዚአብሔር የሚገለጥባት ቅድስት ተራራችን - ጽዮን ብቻ‼️
21."ጽዮናውያን" ተብለን የምንጠራባት መጠሪያችን፣ "እጆችዋን ወደ እግዚአንሔር ትዘረጋለች" የተባልንባት ስጦታችን፣ በዛሬው ቀን ታቦትዋን አንግሰን ያከብርናት ውዳችን፣ ለዛሬ ዓመትም የምንናፍቃት ፍቅራችን - ጽዮን ብቻ‼️
.... (ከ 6 ዓመት በፊት ተፅፎ Repost የሆነ!) ....
@Binyam ZeChristos ሕዳር 19 - 2017
ርኹስ ዝኾነ ሰይጣን ምእንታና ናብ አምላኽ ከምዝልምን ኣሚነን ተቐቢለን እንተብቅዕ፣
📌ሉቃ 22:31:- “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም #ለመነ።
ቅዱስ ዝኾነ ገብርኤል ግን ምእንታና ኣይልምንን እንተይለ፣ ልዕሊ ገብርኤል ንሰይጣን ምኽባረይ ዶ ኣይኮነን።
ገብርኤል ብጸሎቱ ኣብ ጎንና ደው ይበል‼️
⁉️ #ነዚኣተን_ትፈልጡ_ዶ?⁉️
📌1) ጾም ማለት #ምፍላይ፣ #ምርሓቕ #ምግዳፍ ማለት ኾይኑ ፣ ዓይነት ምግቢ እትቕይረሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ውሽጥና እንቕይረሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ጾም ማለት ካብ ምግቢ ን9 ሰዓትታት፣ ካብ ዝተወሰኑ ዓይነት ምግብታት ድማ ብምርሓቕ ዝጅመር ዋላኳ እንተኾነ፣ መፈፀምትኡ ግና ካብ ሥጋዊ ምግባራትን ሓሳባትን ብምርሓቕ ጊዜና ንኣምላኽ ብምሃብ መንፈሳዊን ሥነልቦናውን ልዕልና እንረኽበሉ ጊዜ እዩ!
📌2) ጾመ ነቢያት ማለት ኣብ ብሉይ ኩዳን ዝነበሩ ነቢያት፣ ጎይታ ንክወርድን ንክውለድን፣ ንክስቀልን ንከድሕኖምን ዝተማህለሉዎን ዝጾሙዎን ጾም መዘከርታ ኾይኑ፣ ንሕና ድማ ጎይታ ኣብ ልብና ተወሊዱ ፍቕሩ ንክህበና፣ ኣብ ሀገረና ተወሊዱ ሰላሙ ንክዕድለና እንጾሞ ናይ አዋጅ ጾም (ልዕሊ ፯ ዓመት ዝኾነ ኹሉ ክጾሞ ዝግባእ) እዩ። ዘወትር መእተዊኡ ፍርቂ ሕዳር ወይድማ ኣብ በዓለ ቅዱስ ሚናስ (ሕዳር 15) እንትኸውን መውጽኢኡ ድማ በዓለ ልደት እዩ::
📌3) ጾመ ነቢያት ዝወስዶ መጠን መዓልቲ 44 መዓልታት እንትኾና (ሕዳር 15 - ታሕሳስ 28) ኣብ ውሽጡ 3 አጽዋማት ዝሓዘ እዩ። እተን 40 መዓልቲ ናይ ነቢያት ጾም፣ እተን 3 #ጾመ_ኣብርሃም_ሶርያዊ፣ እታ 1 ድማ #ጾመ ገሃድ እያ::
📌4) እተን 3 መዓልቲ ጾመ አብርሃም ሶርያዊ ይበሃላ። ከሐድያን ኣብ ዝበዝሑሉ ዘመን እቶም ኢአመንቲ ናብ ንጉሥ ቐሪቦም "ኣብ ናይ ክርስቲያን መጽሓፍ «እምነት እንተልይኩም ነዚ ጎቦ ክተልዕሉ ትኽእሉ» ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ስለዚ ወይ ገይሮም የሪኡና ወይድማ ካብ ዓድና ይውፅኡ" ብምባል ኸሲሶሞም። እቲ ንጉሥ ድማ ነዚ ብተግባር ንከርእዩ በቲ ጊዜ ንዝነበረ ሊቀጳጳስ አቡነ አብርሃም ኣዘዞ። አቡነ አብርሃም ድማ ናይ 3 መዓልቲ ጾምን ጸሎት ሒዙ ንጎይታ ጠየቐሞ መልሲ ረኸበ። ስለዚ እውን ሰብ ኹሉ ተኣኪቡ እናረኣየ፣ ኣብቲ ጥቓ ከተማ ንዝነበረ ጎቦ ብመስቀሉ ብምብራኽ ንክለዓል ገይረዎ። በዚ ድማ ብዙሓት ከሐድቲ ናብ ክርስትና ተመለሱ፣ ስም እግዚአብሔር እውን ኸበረ። እዘን 3 መዓልትታት ኣብ ጾመ ነቢያት ውሽጢ ወሲኽና፣ ንዓና ድማ ናይ ሓጢኣት ጎቦ ካብ ሕቐና ንከልዕለልና ንጾመን።
📌5) እታ 1 ጾመ ገሀድ ዝተብሃለት ድማ ዘወትር ናይ ልደት ዋዜማ (ድሮ ልደት) ዘላ መዓልቲ ትጽወም ኾይና ኣብ ድሮ ጥምቀት እውን እትርከብ እያ። ስለዚ ድማ በዓለ ልደት ረቡዕ ወይድማ ዓርቢ ዋላ እንተወዓለ፣ ከክንዲኣፉ ገሃድ ስለዝጾምና ኣብ ልደት ካብ ጥሉላት ምግብታት (ሥጋ፣ ጸባ ...) እንተይረሓቕና #ብዘይጾም ነኽብሮ።
📌6) ጾመ ነቢያት ኣብ ውሽጡ 8 ሰንበታትን ክልተ ዘመናትን ( ዘመነ አስተምህሮን ዘመነ ስብከትን) ዝሓዘ እዩ። #ዘመነ_አስተምህሮ ዝበሃል ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 እንትኸውን ኣብ ውሽጡ 5 ሰሙናት/ሰንበታት/ ይሕዝ። እተን ሰሙናት ምስ ናይ ጾመ 40 ሰሙናት ብዝመሳሰሉ አስማት ¹አስተምህሮ፣ ²ቅድስት ³ምኲራብ፣ ⁴መጻጉዕን ደብረዘይትን እንናተብሃላ ይጽውዓ።
📌7) #ዘመነ_ስብከት ዝበሃል ድማ ናይ ጾመ ነቢያት ናይ መወዳእታ 3 ሰሙናት/ሰንበታት/ እንትኾና ንሳተን ድማ ¹ስብከት ፣ ²ብርሃን ፣ ³ኖላዊ ይበሃላ። ብድሕሪ እዚ ታሕሳስ 29 በዓለ ልደት ነኽብር።
@Binyam ZeChristos ሕዳር 14 - 2017
🔥Icons on Fire - በእንተ ሥዕላት🔥
ሎመዓንቲ ሠኑይ ምሸት ካብ 2:00 ዝጅምር ኣብ Tiktok Live ብዛዕባ "ቅዱሳት ሥዕላት" ክንመሃሃር ኢናሞ ተዓዲምኹም ኣለኹም።
ዝለዓሉ ነጥብታት
📌 ትርጉምን ኣጀማራን ሥዕሊ
📌 እግዚአብሔር ሥዕሊ ይፈቅድ ዶ?
📌 ሥዕላት ጣዖታት ድዮም?
📌 ሥዕላት ንምንታይ ንጥቀመሎም
📌 ሥዕላት ኣበይ ክቕመጡ ይግባእ?
📌 ሥዕላት ኣብ ቲሸርት ምሕታም?
📌 ሥዕላት ተተበላሽዮም ከመይ ነወግዶም?
@Binyam Zechristos ጥቅምት 18 - 2017
* መግለፂታት ፍሉይ ወንጌል *
1⃣ ገለ ገለ ሰባት ንመላእኽቲ ስግደት ኣይግባእን ይብሉ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ይብል።
📌ዘፍ 19:1:- እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ #ሰገደ።
📌 ኢያሱ 5:14:- ንሱ (እቲ መልአክ) ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ #ሰገደ።
2⃣ ገለገለ ሰባት መላእኽቲ ከድሕኑ ኣይክእሉን ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን
📌 ዘፍ 48:16:- እቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእ #ዘድሓነኒ_መልኣኽ፣ ንሱ ነዞም ደቂ እዚኦም ይባርኽ።
📌 መዝ 34:7:- መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤
ንሱውን #የድሕኖም።
3⃣ ገለገለ ሰባት ናብ መላእኽቲ ምልማን ስሕተት እዩ ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን
📌 ሆሴዕ 12:4:- (ያዕቆብ) ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ #በኽዩ_ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።
📌 ዘፍ 19:20:- ሎጥ ድማ ነቲ መልአክ "በይዛኻ እኒሃ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ሃዲምካ ንምምላጥ ቀረባ እያ፤ ንእሽተይ ከዓ እያ፤ እምበኣር ነፍሰይ ንምድሓን ናብኣ ኽሃድም” በሎ።ንሱ (እቲ መልአክ) ኸዓ “ነዝ #ልመናኻ #ተቐቢለዮ_ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ።
4⃣ ገለገለ ሰባት መላእክቲ ኣብ ሰማይ ኾይኖም ኣብ ምድሪ ንዘሎ ናትና ህይወት ክፈልጡዎ ኣይኽእሉን ይብሉ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን ንስሃ እንትንኣቲ እኳ ከምዝፈልጡን ከምዝሕጎሱን ይነግረና።
📌 ሉቃ 15:10: ከምኡ ኸዓ ብሓደ #ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ #መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
5⃣ ገለ ገለ ሰባት መላእኽቲ ካብ ኣምላኽ ናባና ጥራሕ እምበር ካባና ናብ ጎይታ ኣይለኣኹን ይብሉ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ዘዕርጉ ምዃኖም የረጋግፅ።
📌 ራእይ 8:3:- ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ #ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ። ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ #ፀሎት
ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር #ዓረገ።
6⃣ገለ ገለ ሰባት መላእኽቲ ኣየማልዱን ይብሉ። መጽሐፍ ቅደስ ግን ንዓና ከምዝቖሙን ከምዘማልዱን ይናገር።
📌 ዳን 12:1: “በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል #ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ #ሚካኤል፥ #ክትስእ እዩ።
📌 ዘካ 1:12:- ሽዑ እቲ #መልኣኽ “ኦ ጐይታ ፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ #ዘይትምሕረን?” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ #ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል #መለሰሉ።
7⃣ ገለገለ ሰባት፣ መላእክቲ ኣብ ናትና ምድሓን ምንም ዓይነት ሓገዝን አገልግሎትን ከምዘይብሎም ይናገሩ። መጽሐፍ ቅዱስ ኸ?
📌ዕብ 1:14:- ኵላቶም #መላእኽቲ፥ #ንኣገልግሎት እቶም #ክድሕኑ_ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?
✅ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ጸሎቱ ኣማላድነቱ ናብ ክርስቶስ የቕርበና!
@Binyam Zechristos ጥቅምት 13 - 2017
✅ 5 አዕማድ እምነትን ክሕደትን
📌5 አዕማድ እምነት (5 pillars of faith)
1) ምሥጢረ ሥላሴ (Mystery of Trinity)
2) ምሥጢረ ሥጋዌ (Mystery of Incarnation)
3) ምሥጢረ ጥምቀት (Mystery of Baptism)
4) ምሥጢረ ቊርባን (Mystery of Eucharist)
5) ምሥጢረ ትንሳኤ ሙታን (Mystery of Resurrection)
📌5 አዕማድ ክሕደት (5ተ "ጥራሓት")
1) ጸጋ ጥራሕ (Only Grace )
2) እምነት ጥራሕ (Only Faith)
3) መጽሐፍ ቅዱስ ጥራሕ (Only Bible)
4) ክርስቶስ ጥራሕ (Only Jesus)
5) ክብሪ ንአምላኽ ጥራሕ (Glory only to God)
«With out the correct dogma, there is no true spirituality - እቲ ርቱዕ አስተምህሮ ተዘይሃልዩ፣ ሓቀኛ መንፈሳዊነት ክህሊ ኣይኽእልን»
✝ #ዕርገቱ_አቡነ_አረጋዊ ~ (14 Points) ✝
1⃣ ከነገስታት ወገን ከሆኑትና በቅድስና ከሚኖሩት አባታቸው #ይስሐቅና ከእናታቸው #እድና ተወልደው፣ በመጽሐፍ ቃልና በመንፈስ ቅዱስ እውቀት አደጉ! ገና በሕፃንነታቸውን የዚህን ዓለም ጣዕም ንቀው ወደ ግሪክ #ገዳመ_ዳውናስ በመሄድ ከአባ ጳኲሚስ ገዳም ገቡ!
2⃣ አባ ጳኩሚስ ግን 'ሕፃን ነህና ተመለስ' አለው! እርሱ ግን ወደ ዓለም መመለስን እምቢ አለ። ጥቂት ጊዜም ከፈተነው ብኋላ በሃይማኖት ጽናቱና በትሑት ጠባዩ ወደደው! በ14 ዓመቱም '#ዘሚካኤል' ብሎ አመነኮሰው! እርሱም በታላቅ ገድልና ትሩፋት መነኮሳቱንም በማገልገል ተጠመደ! እጅግም ይወዱት ነበር!
3⃣የእርሱን ዜና የሰሙ በሮም የነበሩ 7 ቅዱሳንም (አባ ሊቃኖስ ከቊስጥንጥንያ፣ አባ ይምዓታ ከቊስያ፣ አባ ጽሕማ ከአንጾኪያ፣ አባ ጉባ ከኪልቅያ፣ አባ አፍፄ ከእስያ፣ አባ ጰንጠሌዎን ከሮምያ፣ አባ አሌፍ ከቂሣርያ) ኣርኣያውን በመከተል እርሱ ወዳለበት ገዳም መጡ! (ኲንጉስ ለነበሩር ከአባ ይስሐቅ/ገሪማ በቀር) እየተላቀሱም ተቃቅፈው ተሳሳሙ! አባ ጳኩሚስም 7ቱን ወጣቶች ቅንነታቸውንና ቅድስናቸውን አይቶ አመነኮሳቸው! አባ ዘሚካኤል ግን ገና ሕፃን ቢሆንም በአስተዋይነቱና በጥበበኛነቱ የልጅ አዋቂ ስለነበረ '#አረጋዊ' እያሉ ይጠሩት ነበር!
4⃣ከጥቂት ጊዜም ብኋላ ግንቦት 12 ቀን አባ ጳኲሚስ ዓረፈ! ከዚያም ብኋላ የአባ ዘሚካኤል እናት 'እድና' ወደ ገዳም መጣች! ዘሚካኤልም 'እናቴ ሆይ ለምን መጣሽ?' ሲላት 'እኔም እንዳንተ እመነኩስ ዘንድ' አለችው! እርሱም በደስታ ጌታን እያመሰገነ ከሴቶች ገዳም አስገባት! 8ቱ ቅዱሳን ግን ወደ ሮም ተመልሰው የካቶሊክን ኑፋቄ እየተቃወሙ የተዋሕዶን ትምህርት እያስተማሩ ብዙዎች ይመልሱ ነበር!
5⃣ አባ ዘሚካኤልም ሆነ 7ቱ ቅዱሳን በመጻሕፍት ላይ ኢትዮጵያ የእመቤታችን የአስራት ሀገር እንደታባለች አውቀው ሊያይዋት ይመኙ ነበር! አንድ ቀንም አቡነ አረጋዊ ከ2 ደቀመዛሙርቱ ጋር በቅ.ሚካኤል ክንፍ ተጭነው አክሱም ከተማ ገቡ! አባታችንም በአንድ መምህር (አባ ሰላማ) ብቻ ክርስቲያን የሆነው ሕዝብ አይተው እጅግ ወደዷት! ወደ ሮምም ተመልሰው ያዩትን ሁሉ ለ7ቱ ቅዱሳን ነገሯቸው! ስለዚህም ታቦታቱን፣ መጻሕፍቱንና ካህናቱን ይዘው መልአክ እየመራቸው፣ ንጉስ አልአሜዳ በነገሰ (?480) በአምስተኛው ዓመት(?485) ሀገራችን ገቡ!
6⃣ የአባ ዘሚካኤል አጎት የነበረውና የሮም ንጉስ የነበረው ይስሐቅ (አባ ገሪማ) ዜናቸውን ሰምቶ፣ ንግስናውን ትቶ በቅ.ገብርኤል እየተመራ ወደ አክሱም ገባ! 9 ሆኑ! 9ኙ ቅዱሳን በብዙ ትምህርትና በብዙ ተአምራት በኪደተ እግራቸው ሀገሪቱን ቀደሷት! ግዕዝ ቋንቋንም በመማር ብዙ መጻሕፍቶችን ተረጎሙ! ከ3 ዓመት ብኋላ ንጉስ አልኣሜዳ ሲሞት የንጉስ ካሌብ አባት የሆነው #ታዜና ነገሰ! ከ6 ዓመታትም ብኋላ 'በአንድ ላይ መኖር ለምንኲስናችን አይመችምና የጸሎት ቦታችን እንለይ' በሚል ሐሳብ ተስማምተው እየተላቀሱ ተለያዩ!
7⃣ አባታችንም ብዙዎችን እየፈወሰ፣ ሙታንም እያስነሳ፣ #ምስጓጉ ከዚያም #ሰቊራ፣ ቀጥሎ #ምንግርጋር ከዚያም #ሙሐዝ የተባሉት ቦታዎችን ቢደርስም ለእርሱ የተሰጡ እንዳልሆኑ አውቆ አለፋቸው! ከዚያም #ዳሞ ሲደርስ ቦታውን ወደደው! ከታራራው ስር የምንጭ ውሃ እግኝቶ "#በዓተ_ልሞ - የእናቴ ማረፍያ" ብለው ሰየሙት! እሳቸው ግን ወደ ላይ መውጣትን ቢመኙም መውጫ የሌለው በመሆኑ ያዝኑ ነበር።
8⃣ አንድ ቀንም ቅ.ሚካኤል መጥቶ '60 ክንድ የሆነ ዘንዶ ጌታ ይልክልሃልና ኣትፍራ' አላቸው! ዘንዶውም ሲመጣ 'ጅራትህ አውርድና ወደ ላይ አውጣኝ' አሉት! ዘንዶው ግን በሰው አንደበት 'በተራራው ላይ ከውርጭና ከሐሩር በቀር ምንም የሚበላ የለምና ለምን ትወጣለህ' ሲላቸው፤ አባ አረጋዊ ግን 'እስመ እግዚአብሔር አልቦ ዘየኃጥአነ እምዘፈቀድነ - እግዚአብሔር ከምንፈልገው ነገር አያሳጣንም' አሉት! ከዚያም በመላእክት ታጅበው በዘንዶው ጅራቱ ተስበው ወደላይ ወጡ! ወደ ሜዳው በወረወራቸው ጊዜ በእግራቸው አርፈው 3 ጊዜ "ሃሌ ሉያ ለአብ ሃሌሉያ ለወልድ ሃሌሉያ ለመንፈስ ቅዱስ' በማለት አማስግነው ሰገዱ! ስለዚህም ደብረ ዳሞ ደብሩ '#ደብረ_ሃሌሉያ' ተባለ።
9⃣በተራራው በቀን አንዴ ብቻ ቁራሽ ሕብስት እየተመገቡ ቆዩ! የሐዲስ ኪዳን መስዋሥዕት የሚሆን የጌታ ስጋና ደም ለማቅረብ ሲያስቡም፣ የወርቅ ጻሕል፣ የብር ጽዋ፣ ትኩስ ሕብስት ያላት መሶበ ወርቅና ልብሰ ተክህኖ መላእክት ከሰማይ ይዘውላቸው ወርደው መስዋዕቱን አቅርበዋል!
🔟 በዚያም ጊዜ በናግራን የነበሩ ክርስቲያኖች በአረመኔው ንጉስ ፊንሐስ የሚጨፈጨፉበት ዘመን ነበር! የቊስጥንጥንያ ሊቀጳጳስ ጢሞቴዎስም ይህንን ዜና ለንጉስ ካሌብ ላከለት! ቅዱስ ንጉስ ካሌብም ይህንን ሰምቶ አቡነ አረጋዊን በጸሎት እንዲያስቡት ተማጸናቸው! እሳቸውም በራእይ ተገልጦላቸው ጌታ እንደሚያግዘው ነግረው ባረኩት! እርሱም ጠላቶቹን አሸንፎ፣ ክርስቲያኖችን አድኖ በመመለስ፣ የወርቅ ዘውዱን ኢየሩሳሌም ልኮ፣ ንግስናውን ትቶ ከአባ ጰንጠሌዎን ገዳም ገብቶ መነነ! በፈንታውም ልጁ ጻድቁ ንጉስ አጼ ገብረመስቀል ነገሰ!
1⃣1⃣አጼ ገብረ መስቀልም ወደ ብጹዕ አቡነ አረጋዊ ሄዶ እግራቸው ላይ በመደፋት ይባርኩት ዘንድ ለመነ! በአባታችንም ከታባረከ ብኋላ ከአክሱም ጽዮን በቀር ማንም የማይተካከላት በወቅርና ብር የተዋበች ቤተክርስቲያን ሰራላቸው! ከገዳሙ ሲወርድ ግን ወደ ተራራው መውጫ የተሰራውን ደረጃ "ላፍርሰውን ወይስ ልተወው?" ሲላቸው "ዳኅምሞ! - አፍርሰው! ነገር ግን ሰዎች ይወጡበት ዘንድ የገመድ መወጣጫ አብጅ" አሉት! ስለዚህም ተራራው "#ደብረ_ዳኅምሞ" ወይም "#ደብረ_ዳሞ" ተባለ!
1⃣2⃣ በዚያን ጊዜ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ የነበረበት ጊዜ ነውና፣ ከአባታችን አቡነ አረጋዊ በረከት ይቀበል ዘንድ፣ አፄ ገብረመስቀል የሰራትን ቤ.ክ ለመጎብኘት ወደ ደብረዳሞ ሄደ! ከአባታችን እግር ወድቆም ከተባረከ ብኋላ ቤ.ክኒቱን አይቶ ተገርሞ በደስታ "ዖድክዋ ዖድክዋ ወርኢኩ ሥነ ሕንፄሃ ለቅድስት ቤ/ክ - ዞርኳት ዞርኳት የቤ.ክ የሕንፃዋን ውበት አየሁ" እያለ ዘመረ! በዚያን ጊዜ በገዳሙ የነበሩ የአቡነ አረጋዊ ደቀመዛሙርት 6,000 መነኮሳት ነበሩ! ለሁሉም መምህራቸውም የንስሐ አባታቸውም እርሳቸው ነበሩ! ብጹዕ አቡነ አረጋዊ!
1⃣3⃣ በአንዲት ሌሊትም ጌታ ተገልጦ "ከዚህ ከንቱ ዓለም ወደ እኔ እወስድህ ዘንድ መጥቻለሁ! ገዳምህ እንደ ኢየሩሳሌሙ መቃብሬ አደርጋታለሁ! በስምህ የታማፀነውን፣ ገድልህ ያነበባውን፣ ቤ/ክንህ ያነፀውን እስከ 15 ትውልድ እምርልሃለሁ! ከቤትህ የሚገኘው አፈር ለፈውስና ለምሕረት አደርግልሃለሁ! አንተም መልአከ ሞት አያስደነግጥህም! እንደ ሄኖክና ኤልያስ ነቢያቶቼ ወደ #ብሔረ_ሕያዋን ታርጋለህ እንጂ" አላቸው! አባታችንም ማሕበረ መነኮሳቱን ሰብስበው መክረውና ገስፀው ተሰናበቷቸው! መቋምያቸውና መስቀላቸውን ትተው በ99 ዓመታቸው ጥቅምት 14 ቀን ከዚህ ዓለም ተሰውረው ዓረጉ! (በረከታቸውና ምልጃቸው ይጠብቀን)
‼️ ውላድ ካበይ መርከብ - Synergism ‼️
ውላድ ካብ ፈጣሪ ብጸግኡ ዝወሃበና ነገር እዩ ክትብሉ ትኽእሉ። መጽሐፍ እውን "ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።" ይብል (መዝ 127:3) ግን ድማ ሓንቲ ጓል ሙሉእ ዘመና ሓዳር እንተይገበረት ወይ ሩካቤ ተይፈፀመት "ውላድ ሃበኒ" ኢላ እንተጸለየት፣ ውላድ ትረክብ ዶ? ኣይትረክብን። ንምንታይ? አምላኽ ስለዘይኽእል ድዩ? ኣይኮነን፣ እመብርሃን ካብ መንፈስ ቅዱስ እንዶ ኣይጸነሰትን። ነገር ግን ሓዳር ስለዘይገበረት አምላኽ ውላድ ኣይህባን።
ስለዚ ውላድ ዝርከብ ካብ ህዳር/ብሩካቤ እዩ ክትብሉ ትኽእሉ። ርግፅ ቃሉ እውን "ብዝሑ ተባዝሑ ንምድሪ እውን ምልእዋ" ይብል (ዘፍ 1:28) ግን ድማ ሓዳር/ሩካቤ ስለዝገበርኻ ጥራሕ ውላድ ኣይተርክብን፣ ብዙሓር ሓዳር ገይሮም ሩካቤ እናፈፀሙ ውላድ ኣይረኸቡን። ንምንታይ? አምላኽ ተዘይፈቒዱ ብናትና ፃዕሪ ዝኾን ስለዘየለ።
እሞ ውላድ ኸመይ ይርከብ? ብጸጋ አምላኽ ወይስ ብናትና ፃዕሪ (ብሓዳር/ብሩካቤ) እንተይልማ፣ ብናይ ክልቲኡ ውህደት (Synergism) እዩ። እዚ ማላት ግን ነቲ ጸጋ አምላኽ ንሕግዞ ኣለና ማለት ድዩ? ብፍፁም! እኳ ደኣስ ጸግኡ ኣባና ንክሰርሕን ውላድ ንክህበናና፣ ምስ ፀግኡ ክንሰርሕን ክንሳተፍን ስለዝግባእ እዩ - ሓዳር/ሩካቤ
ጽድቂ እውን ከምኡ እዩ! ብጸጋ ጥራሕ ጽድቅን ድሕነትን የለን፣ ብናትና ፃዕሪ እውን ፍፁም ጽድቂ የለን። እኳ ደኣስ ጸግኡን ምስቲ ጸጋ ብዘለና ተሳትፎን ጽድቅናን ድሕነትናን ይፍፀም።
"ሰብ ብከመይ ይጸፍቕ?" ብዝብል ርእሲ ብሰፊሑ ሎመዓንቲ ምሽት ኣብ Tiktok ክንዛተ ኢና። ከይትተርፉ።
@Binyam Zechristos ጥቅምቲ 8 - 2017
‼️ ሰብ ብምንታይ ይጸድቕ?‼️
🔥 ‹Righteousness› on Fire🔥
ሎመዓንቲ ረቡዕ ምሸት 2:00 "ሰብ ብምንታይ ይጸድቕ?" ብዝብል ርእሲ ኣብ Tiktok ኦርቶዶክሳዊ እምነትና እንፈልጠሉ፣ ባዕድ ትምህርታት እንምዝነሉ ናይ Live Discussion ጊዜ ክህልወና እዩ። ተሳተፉ፣ ሕተቱ፣ መልሱ!
ዝለዓሉ መሠረታዊ ነጥብታት
📌 «ጽድቂ» ትርጉሙ እንታይ እዩ?
📌 ንሕና ጻድቃን ዲና?
📌ሰብ ብእምነት ይጸድቕ ዶ?
📌 ሰብ ንጎይታ ብምእዛዝ ፅድቂ ይረክብ ዶ?
📌 "ጽድቂ ብእምነት ጥራሕ" ዝብል ሓሳብ ዘምፅኦ ፀገም!
1 ጴጥ 3:15:- ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም #ምላሽ_ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ #ድልዋት_ኩኑ።
zechristoss?_t=8qaciGsHWVh&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qaciGsHWVh&_r=1
አልተገናኝቶም‼️
በዓለ ዕርገት አቡነ አረጋዊ ኣብ ደብረዳሞ ክነኽብር 8 መዓልቲ እንትተርፋና፣ አበምኔት እቲ ገዳምን ኣቦታትን ይበል ዘብል መምርሒ ኣውሪዶም ኣለው። « ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ሓልዩ'ምበር ነቲ በዓል ዘህስሱ ከም #ጎይላን_ትልሂትን ካልኦትን ክውገዱ ኣለዎም»
📌 ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉሎመኸዳ ነቲ በዓል ድምቀት ዝኸውን 3 ዓበይቲ ኮሚቴ (ፀጥታ፣ጥዕና፣ ኣሳሰይትን ተቐበልቲ ጋሻን) ኣቐዲሞም ምጥያሾም ክነመስግን ይግባእ።
📌ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ወረዳ ጉሎመኸዳ እውን ኩሉ ምድላዋት ፀጥታ ወጊኖም ትሕቲ መድኃኔዓለም ሰላምና ውሑስ ንምግባር ይፅበዩ ምህላዎም ይበል ዘብል እዩ።
📌ናይቲ ወረዳ ባህልን ቱሪዝምን ኸ ታይ ተትብል ፅቡቕ? «በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ንዳግመ ህንፀትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መራሒ ሓሳብ ክኽበር እዩ»
1) ባህልን ቱሪዝምን ብዛዕባ ኣከባብራ በዓል አቡነ አረጋዊ እንታይ አፍልጦ ኣለዎ?
2) ናይቲ በዓል ወናኒ እናሃለወ ከመይሎም "መራሒ-ሓሳብ እቲ በዓል" ከውፅኡን ክምድቡን ኽኢሎም?
3) እቲ መንፈሳዊ በዓል "ንዳግመ ህንፀትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን" ክብሉዎ ኸ መን ፈቒዱሎም? ሥልጣንን ክብርን መንበረ ሰላማ ምድ'ፋር ዶ ኣይኮነን!
‼️ ዘፅድቕ ጸሎት‼️
ሓደ ጊዜ ኣብ ዓዲ እስራኤል ክልተ ሰባት ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ሕጊ አምላክ ዝተምሃረ ፈሪሳዊ እንትኸውን፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ብሌብነቱ ዝፍለጥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎ'ውን ኣስራት ኣውፅእ ኣለኹ እናበለ ፀለየ።
እቲ ብሌብነቱ ዝፍለጥ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።
ኣብ ቕድሚ እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ #ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።
[ ወንጌል ሉቃስ 18: 9-13 ]
‼️ኢየሱስ Vs መንዲል‼️
ሕሙማን ዝፍወሱ፣ አጋንንት እውን ዝወፁ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስን ድዩ ወይስ ብመንዲል/ቑራፅ ጨርቂ⁉️
📌ግብሪ 19:11: እግዚኣብሄር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ። እንሆ ድማ፥ #መንዲል ወይ #ክዳን ካብ ሰብነቱ ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይሓድጎም፤ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ።
ብቅዱሳኑ ሓዲሩ ተአምራት ዝገብር ጎይታ ኢየሱስ ክብሪ ንዕኡ ይኹኖ!
‼️ ከዋኽብትና‼️
ሎሚ 29 ወርሒ ሕዳር (29 of Hatur) ክልተ ናይታ መጀመርያ ቤ/ክ ቅዱሳንን ሊቃውንት እንዝክረሉን እነኽብረሉ ዕለት እዩ።
1⃣ St Clement of Rome:- ቅዱስ ቀሌምንጦስ ቅዱሳን ሓዋርያት በህይወት እናሃለው ዝነበረ፣ ካብ ቃሎም ዝተምሃረ፣ ክሳብ 100 ዓ/ም ዝነበረ፣ ብፍላይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሮም እንትሰብኽ ሰሚዑ ብቃሉ ኣሚኑ ዝተጠመቐን፣ ደሓር ናይ ሮም ሊቀጳጳስ ዝነበረን አቦ እዩ። ንሐዋርያት ብአካል ስለዝፈልጦም ድማ "ገድለ ሐዋርያት" ዝፀሓፈልና፣ ካብ ኢድ ሐዋርያት ድማ ቀኖና ቤ/ክ ዝተቐበለ፣ ብአረመኔ ንጉሥ ትራጃን (Trajan) ኽሳዱ ብገመድ ተሓኒቑ ናብ ባሕሪ ተደርብዩ ሰማዕትነት ዝተቐበለ አቦ እዩ። አብ ቤ/ክ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ብስሙ ዝጽዋዕ መጽሓፍ (መጽሐፈ ቀለሜንጦስ) ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ብኽብሪ ኣብ መልእኽቱ ዘልዐሎ እዩ። «ንሳተን ምስ #ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ» (ፊልጵ 4:3)
2⃣ St Peter seal of Martyrs:- ቅዱስ ጴጥሮስ መበል 17 ፖትርያርክ እስክንድርያ ዝነበረ፣ ካብ 260 - 311 ዓ/ም ዝፀንሐ፣ አረመኔ ንገሥ ድዮቅልጥያኖስ (Diocletian) ብ284 ዓ/ም ነጊሱ ልዕሊ 800 ሽሕ ግብፃውያን ክርስቲያን እንናሓረደ ደሞም ከም ውሑጅ እንተፍስስ ፣ ንምዕመናን እናመሃረን እናፅነዐን ዝነበረ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ከሐዲ አርዮስ "ወልድ ፍጡር በመለኮቱ" ኢሉ ዝሰበኸ እውን ብዘመነ ፕትርክና አቡነ ጴጥሮስ እንትኸውን ቕድሚ ኹሉ ክሕደት ፈሊጡ ዘውገዞ እውን ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ኣርዮስ ክህደት ሓቢኡ "ተመሊሰ እየ'ሞ ካብ ውግዘተይ ፍትሐኒ" እንትብሎ፣ ክርስቶስ ብሕልሚ ንቅዱ ጴጥሮስ ዝተቐደደ ኽዳን ገይሩ ተገሊፁሉ እዩ። "ኽዳንኻ መን ቐዲዱዎ?" እንትብሎ ድማ፣ "አርዮስ ሠጠጣ ለልብስየ - ኽዳነይ አርዮስ ቐዲዱዋ፣ ካብ ባሕርይ አቦይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ፈልዩኒ" በሎ። በዚ ድማ ካብ ክሕደቱ ከምዘይተመለሰ ፈሊጡ ካልኣይ ኣውጊዙዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ንክርስቶስ ኣይክሕድን ብምቤሉ ብብዙሕ ስቃይ ሓሊፉ በሰይፍ እንትቐርብ "ጎይታ ናተይ ደም ናይ መወዳእታ ደም ግብር" ኢሉ ዝጸለየን፣ ሰማዕት ዝኾነን እዩ። ድሕሪኡ ድማ ዘመነ ሰማዕታት ሓሊፉ ሰላም ስለዝተረኸበ "ተፍጻማተ ሰማዕት - The Seal of Martyrs" እናተብሃለ ይፅዋዕ።
ኦርቶዶክሳዊነት:- አሠር እዞም ቅዱሳን ምስዓብ እዩ! ጸሎቶምን በረከቶምን ምስ ኩልና ይኹን!
@Binyam ZeChristos ሕዳር 29 - 2017
‼️አቡነ ተክለ ሃይማኖት‼️
1. ስም አቡነ ተክለሃይማኖት ቡሩኽ እዩ።
📌«ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።» [ ዘፍ 12:2]
2. ኣልጫ ህይወትና ዘጥዕም ጨው እዩ።
📌“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም" [ማቴ 5:13]
3. አቡነ ተክለ ሃይማኖት ናይ ዓለም ብርሃን እዮም።
📌“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም" [ማቴ 5:14]
4. ንክርስቶስ ክቕበል ዝደሊ ኹሉ፣ ንአቡነ ተክለሃይማኖት ክቕበልን ክሰምዕን ይግባእ።
📌"እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።” [ሉቃ 10:16]
5. አቡነ ተክለ ሃይማኖት ክርስቶስ ካብ ዝገበሮ ብላዕሊ ይገብሩ።
📌"እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። [ዮሐ 14:12]
6. አቡነ ተክለ ከም ሙሴ ብጸጋ አምላኽ እዮም።
📌«እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።» [ ዘጸ 7:1]
7. ሞት አቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኽቡር እዩ።
📌"ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ። [መዝ 116:15]
8. አቡነ ተክለ ድሕሪ ሞቶም ሐዚ እውን ሕያው እዮም።
📌"ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ።" [ዮሐ 11:26]
9. ዓፅሞምን መቓብሮምን ኽቡር እዩ።
📌«እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣዕፅምቶም ይሕሉ፤
ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይስበርን።» [መዝ 34:20]
📌«ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ።» [ 2 ነገ 13:21]
10. አቡነ ተክለ ሃይማኖት ኣብ ሰማይ ኾይኖም ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብራና ይፈልጡዎ።
📌«ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።» [ ሉቃ 16:25]
11. አቡነ ተክለ ኣብ ሰማይ ኾይኖም ምእንታና ይልምኑን የማልዱን።
📌 «ንሱ ድማ ኣብ ሰማይ ኣብ ሲኦል ኾይኑ “ኦ ኣቦይ፥ እምበኣርከስ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመፁ ኸጠንቅቖም፥ ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ፥ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። [ሉቃ 16:28]
12. ዝኽሪ ኣቦና ማንም ደው ዘየብሎ፣ ንዘለዓለም ዝነብርን በረከት ዘለዎን እዩ።
📌«ንዘለኣለምውን ኣይህወኽን፤ መዘከርታ ፃድቕ ንዘለኣለም ይነብር።» [መዝ 112:6]
«ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ» [ ምሳሌ 10:7]
13. ወንጌል ክስበኽ እንተሎ ብዛዕባ አቡነ ተክለ ክንዛረብን ክንናገርን ይግባእ።
📌«እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዅሉ ዓለም፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም» [ማቴ 26:13]
14. ንአቡነ ተክለሃይማኖት ክንመስል ይግባእ።
📌«ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ» [1ቆሮ 11:1]
15. አቡነ ተክለ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ትግራይ ኣቦን ሱርን እዮም።
📌 ናይ አቡነ መድኃኒነ እግዚአ ፣ ናይ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፣ ናይ አባ ሳሙኤል ዘቆየፃ፣ ናይ አባ ያፈቅረነ እግዚእ፣ ናይ አባ ዳንኤል ዘገረዓልታ ... መሠረቶምን ወላዲኦምን አቡነ ተክለ እዮም።
@Binyam Zechristos ሕዳር 24 - 2017
‼️ጽዮን መን እያ‼️
ጽዮን ዝብል ቃል ( ‹ጸወነ› ካብ ዝብል ግሲ ዝወፀ) 2 ትርጉም ኣለዎ። ¹ይ መደገፊ፣ መሕብኢ፣ መዕቖቢ ማለት እንትኸውን፣ ²ይ ድማ መሕደሪት ኣምላኽ፣ ዙፋን እግዚአብሔር ማለት ኾይኑ፣ ብመሠረት መጽሐፍ ቅዱስን ሊቃውንትን ጽዮን ዝበሃላ 4 ነገራት ኣለዋ።
1⃣ #እምባ_ጽዮን
እዚ እምባ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ትርከብ፣ ንጉሥ ዳዊት ዝነገሰላ ብርኽ ዝበለት ከተማ ዳዊት እያ። «ዳዊት ግና #ንእምባ_ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት ሓዛ» (2ሳሙ 5:6)
2⃣ #ህዝቢ_ጽዮን
ኣብ ዙርያ እምባ ጽዮንን ኸባቢኡን ዝነበሩ ደቂ እስራኤል እውን ‹ጽዮን› ፣ ‹ደቂ ጽዮን› ፣ ‹ጽዮናውያን› እናተብሃሉ ይፅውዑ ነይሮም። «አምላክ #ንጽዮን ከድሕና እዩ» (መዝ 69:35) ፣ «እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሓጎስ ፣ #ደቂ_ጽዮን ብአምላኾም ዕልል ይበሉ» (መዝ 149:2)
3⃣ #መንግስተ_ሰማያት_ጽዮን
እታ ዓይኒ ዘይረኣያ፣ እዝኒ እውን ዘይሰመዓ፣ ጎይታ ንፈተውቱ ዘዳለዋ፣ ተስፋ እንገብራ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነ መንግሥተ ሰማያት እውን ጽዮን ትበሃል። « ንስኻትኩም ግና ናብ #ከረን_ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ #ሰማያዊት_ኢሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ... በፂሕኹም ኢኹም» (ዕብራ 12:22)
4⃣ #ድንግል_ማርያም_ጽዮን
ከም ጎቦ-ጽዮን ጎይታ ንጊዚኡ ዝሓደራ እንተይኮነስ፣ ንዘለዓለም ኪዳን ክብል ብዘለዓለማዊ ሕርያ ዝሓረያ፣ ከም ታቦተ-ጽዮን መሕደሪቱ ንክትኸውን እውን ዝበሃጋ፣ ቃል ሥጋ እንትኸውን መዕረፊቱ ንክትኸውን ዝመረፃ አማናዊት (ሓቀኛ) ጽዮን ድንግል ማርያም እያ። « እግዚኣብሄር #ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፣ #መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ፣ እዚኣ ንሓዋሩ #መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ» (መዝ 132:13)
ብሓቂ መፀግዒትናን መሕብኢትናን እውን እያ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ 2 ዓመቱ ኣብ ቤተልሔም ኾይኑ፣ አምላኻ እንትጠምዮ ፀባ ድንግልና ዝመገበቶ፣ ፈጣሪኣ እንትበኪ ዝራረወቶ፣ ጎይታ እንትደኽሞ ዝሓዘለቶ ኣማናዊት ጽዮን - ድንግል ማርያም እያ! ን3 ዓመትን መንፈቕን እውን ኣብ ስደቱ ጎይታ እንትፈርሕን ዝተፀገዐላ፣ እንትድንግፅ እውን ዝተሓበአላ አማናዊት ጽዮን - ድንግል ማርያም እያለ! ናይ 4ይ ክ/ዘ ሊቅ ቅዱስ ኤፍሬምን ናይ 6ይ ክ/ዘ ሊቅ ቅዱስ ያሬድን ታቦተ ጽዮንእ ትበሃል ድንግል ማርያም ምዃና የረጋግፁ።
©Binyam ZeChristos ሕዳር 22 - 2017
ሐዋዛት
ብጥምቀት ሓውና ዝኾነ ሐዋዝ ተገኝ ብምምላሱን ብኣመላልስኡን ንአመንቲ ንብዓት ዝፍንቅል ሓጎስ፣ ንስሑታን ድማ ዘይባሪ ቑጥዐ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ሙሉእ ቃለመሕትት ምስ ሰማዕኹ ግን 2 ነጥብታት ከልዕል። ሐዋዝን ሐዋዛትን ብኸመይ ጠፊኦም? ብኸመይኸ ተመሊሶም? ዝብል ከምዚ ምጥቕላል ይከኣል።
1⃣ መጥፍኢኦም
📌 #ነገረ_ድኅነት:- ብቐዳምነት ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድሕነት እዮም ክሒዶም። "ድሕነት ብእምነት ጥራሕ" ፣ "ምግባር ንምድሓን ኣየድልን" ፣ "ስለዝደሓንኩ እምበር ንምድሓን ኢለ ኣይጥመቕን ኣይሰርሕን" ፣ "ገነት ከምዝኣቱ አረጋጊፀ እየ" ብዝብሉ ክሕታት፣ ኣቐዲሞም በዚህ ተሰይሮም።
📌 #እናሃለኻ_ምጥፋእ:- ተሃድሶ ምዃንና እንተይፈለጥና ፣ "ኦርቶዶክሳውያን ኢና" እናበልና ልብና ግን ኣብ ኣዳራሽ እዩ ነይሩ። ስለዚህ ድማ ንባዕሎም "ዘማሪ እከለ፣ ዲያቆን እከለ፣ መርጌታ እከለ" እናበሉ፣ ማዕተብ ገይሮም፣ ግን አዳራሻውያን ነበሩ።
📌 #ተሃድሶ:- እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፕሮቴስታንታዊ አስተምህሮ፣ ምስቲ ኣብ ቤ/ክ ዘሎ አስተምህሮ እንትጋጮ ድማ "ቤ/ክ ድሕሪ 13-14 ክ/ዘ እያ ተቐይራን ተበሪዛን እምበር ቕድሚ ፅሪቲ ነይራ" ብዝብል ሓሳብ ተመሪሖም። ስለዚ ድማ "እዛ ዘላ ቤ/ክ ክንሕድሳ ይግባእ" በሉ።
2⃣ መምለሲኦም:-
📌 #ነገረ_ድኅነት:- ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነት ብደንቢ ተማሂሮም፣ ምሥጢራት (ብፍላይ ጥምቀትን ቁርባንን) ንድሕነት ከመይ ከምዘድልዩ፣ ምግባርን ንስሃን ከመይ ንመንግስቱ ከምዘውርሱና፣ መድሓኒት ድማ ክርስቶስ ምዃኑ እንትመሃሩ፣ ፕሮቴስታንታዊ አስተምህሮታት እናተፀየፉ መፂኦም።
📌#ነገረ_አበው/Patrology/:- ነቲ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ምስ ፕሮቴስታንታዊ ትምህርቲ ድማ ብነገረ አበው ፣በቶም ጥንታውያን ኣቦታት አስተምህሮ መዚኖሞ። ኣየናይ እዩ ጥንታዊት ቤ/ክ ዝኣመነቶ? ሰብ ዝፈጠሮ ዳሕረዋይ እምነት ከ ኣየናይ እዩ? እንትብሉ፣ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ መማረፂ ዘይብላ ምርጫኦም ኾነት።
📌 #ፍቕሪ:- ንምምላስ እንትሓስቡ ኾነ ሕቶ እንትሓቱ ድማ፣ ተይፀረፈ፣ ተየቃለለ፣ ተየርሐቐ፣ ብፍቕሪ ቐሪቡ ዘቕርብ መምህርን ካህንን ስለዝረኸቡ ድማ ከይደንገፁን ከይፈርሐን ንክምለሱ ዓብዪ ዕድል ሂቡዎም።
‼️ ምንተ ንግበር‼️
✏️ ብነገር ኹሉ፣ ብተኸታታሊ ትምህርቲ ኾነ ብሓፀርቲ ሥልጠናታት፣ ብስብከት ይኹን ብሕቶን መልስን ኦርቶዶክሳዊ ነገረ ድኅነት (Soteriology) ነምህር፣ ነረድእ።
✏️ ብነገር ኹሉ እምነትና ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ብቻ እንተይኮነስ፣ ካብ ታሪክ ቤ/ክ ካብ ጥንታውያን አቦታት እውን ብመርትዖ እናገበረና እንምህረሉ ዓውዲ ተዝልመድ፣ ነገረ ቤ/ክ (Ecclesiology) ኾነ ነገረ-አበው (Patrology) ብስፍሓት ምምሃርን ምርዳእን
✏️ ንዝሓተተ ኹሉ "ተሃድሶ፣ Meናፍቅ" ምባል ይትረፍ። ከምዝኾነ እውን እናፈለጥና ብፍቕሪ ሕቱኡ ንመልስ ነረድእ። እዞም ቃላት ዝያዳ ዘሀልኽዎም እምበር ዘቕርቡዎም ስለዘይኮኑ። ዘይመሃሩን ንኻልኦት ዘጥፍኡን እንድሕር ደኣ ኾይኖም ግን ክፍለ/ክርሕቕ/ክውገዝ ይግባእ።
@Binyam Zechristos ሕዳር 19 - 2017
‼️ #ኣኽሱም_ጽዮን_ክትኸዱ_ንእትደልዩ‼️
ኣብ መቐለ ዘለኹም ኦርቶዶክሳውያን ናብ በዓል ማርያም ጽዮን (ኣኽሱም) ንምኽባር እትደልዩ፣ ብዝጥዕመኩም ኣቢልኹም ንክትኸዱን በረከታ ንክትቕበሉን የዘኻኽር።
1⃣ ደብረ ሰላም ቅ/ሚካኤል (ሚካኤል ጅብሩኽ)
📌 መልዐሊ:- #ዓርቢ ሕዳር 19
📌 መምለሲ:- #ሰንበት ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 2,000 ብር ጥራሕ
2⃣ ደብረ ሰማዕት ቅ/ቂርቆስ ቤ/ክ (ዓይደር)
📌 መልዐሊ:- #ዓርቢ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ሰንበት ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1800 ብር ጥራሕ
3⃣ መካነ ሕይወት ገ/መንፈስ ቅዱስ ቤት ት/ሰንበት (ቀበሌ 05)
📌 መልዐሊ:- #ዓርቢ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ሰንበት ሕዳር 22 (3 መዓልቲ)
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1800 ብር ጥራሕ
4⃣ ማህደረ ስብሐት ቅ/ቅ በዓል ለማርያም (ጉግሳ)
📌 መልዐሊ:- #ዓርቢ ሕዳር 20
📌 መምለሲ:- #ሰንበት ሕዳር 22
📌 ጠቅላላ ዋጋ:- 1900
❇️ N.B:- ኣብቲ ጉዕዞ እንትንኸድን እንትምለስን ዝረኣያ ተወሰኽቲ ገዳማትን ንተወሳኺ መብራህርህን ነተን ፎቶታት ረኣዩ።
©Binyam ZeChristos ሕዳር 17 - 2017
‼️ ናይ ገለ ገለ ወንጌል /Soterology ‼️
1⃣ገለ ገለ ሰባት ንመርገም ዝተነገር ጥቅስ ንምልአተ ሓጢአት ብምጥምዛዝ፣ ትእዛዛት ጎይታ ሓልዩ ዝጸደቐ ሰብ የለን ይብሉ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን
📌ዘፍ 7:1:- እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ #ፃድቕ_ኴንካ ረኺበካ እየ" በሎ።
📌ሉቃ 1:6:- ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ #ብዅሉ_ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ #ፃድቃን ነበሩ።
2⃣ገለ ገለ ሰባት አብርሃም ብእምነቱ ጥራሕ ከምዝፀደቐ ይዛረቡም መጽሐፍ ቅደስ ግን ድሕሪ ምእማኑ ብተግባሩ ከምዝጸደቐ ይዛረብ።
📌ያዕ 2:21:- ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ #ብተግባሩ ዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?
3⃣ገለ ገለ ሰባት ሰብ በእምነት ጥራሕ እምበር ብተግባር ከምዘይጸድቕ እንተይሓፈሩ ይዛረቡ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ይብል።
📌 ያዕ 2:24:- ሰብ ብእምነት ጥራሕ #ዘይኮነስ፥ #ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
4⃣ገለ ገለ ሰባት ንሕግታት ክርስቶስ ምእዛዝን ምግልጋልን ጽድቂ ከምዘይብሉ በድፍረት ይዛረቡ። መጽሐፍ ቅዱስ ግን ትእዛዛት ምሕላው ጽድቂ ምዃኑ ይዛረብ።
📌ሮሜ 2:13:- ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ #ገበርቲ_ሕጊ ጥራሕ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።
5⃣ገለ ገለ ሰባት ሰብ ዝድሕን ወይ ዝፍረደሉ ብእምነቱ ጥራሕ እምበር፣ ምግባና ኣብ ድሕነት ና ትርጉም ከምዘይብሉ ይዛረቡ። መጽሑፍ ግን
📌 ዮሐ 5:28:- ኵላቶም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ፥ ድምፁ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ እቶም #ሰናይ_ዝገበሩ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ህይወት፥ እቶም #ክፉእ_ዝገበሩ ድማ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ኵነኔ፥ ክኸዱ እዮም።
📌ማቴ 12:36-37:- “ኣነ ግና፥ #እትፀድቕ_ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
6⃣ ገለ ገለ ሰባት ኢየሱስ ንሓጢኣትና ስለዝሞተ፣ ሎሚ ሓጢኣት የብልናን ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ክርስቲያን ሓጢአት ከምዝሰርሕን ንስሃ ተዘይኣትዩ ከምዝቕፃዕን የረጋግፅ።
📌 1 ዮሐ 1:8:- ሓጢኣት #የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና #ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን። ሓጢኣትና እንተ #ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን #ከንፅሀና እዩ።
📌 ራእይ 2:5:- ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ #ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ #ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ #ኸወግዶ እየ።
7⃣ገለ ገለ ሰባት ስለዝፀደቕና ንሰርሕ እምበር፣ ንምፅዳቕ ኣይንሰርሕን ይብሉ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ስለዝፀደቕናን ምእንቲ ጽድቅን ከምንሰርሕ የረጋግፅ።
📌 ማቴ 5:10:- #ምእንቲ_ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
📌 ዕብ 4:11:- ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ #ኸይወድቕ፥ ናብቲ #ዕረፍቱ ኽንኣቱ #ንፅዓር።
@Binyam ZeChristos ጥቅምት 14 - 2017
🔥 Problem of Evil 🔥
ከም ኦርቶዶክሳውያን እቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ቃላት ዘይገልፅዎ ግፍዕን ጭፍጨፋን ብኸመይ ክንርድኦን ክንገልፆን ይግባእ? ብዝብል ዛዕባ ሎሚ ሠሉስ ምሽት 2:00 ብTiktok Live ዘተ ክህልወና እዩሞ፣ ብግልፂ ንመሃሃር።
❇️ ዝለዓሉ መሠረታዊ ነጥብታት
📌 Does the problem of evil disproves the existence of a Good God?
📌 ፍትሐዊን መፍቀርን አምላክ ተዝህሉ፣ ከመይሉ ንክንጭፍጨፍ ፈቒዱ? ንምንታይ ዘየድሐነና?
📌 ብሓጢኣትና ምክንያት ድዩ?
📌 ቅዱሳን ጻድቃን ስለዝኾንና ድዩ?
📌 ብናይ ሰይጣን ፈተና ድዩ?
@Binyam ZeChristos ጥቅምቲ 12 - 2017
1⃣4⃣ በኢትዮጵያ የነበሩና ያሉት ገዳማት እናታቸው ደብረ ዳሞ፣ በሀገራችን የነበሩትና ያሉት መነኮሳትም የአቡነ አረጋዊ ፍሬ ናቸው! የአቡነ አረጋዊ 7ኛ ልጅ #አቡነ_ዮሐኒ ሲሆኑ ከእሳቸውም ደግሞ ምድሪቱን በገዳማት ለሸፈኑ የሐይቁ #አቡነ_ኢየሱስ_ሞዓ እና ታላቁ ሐዲስ ሐዋርያ #አቡነ_ተክለሃይማኖት መንኩሰዋል! የአባታችንን በረከት ለመቀበል፣ ጥቅምት 14 ቀን ደብረዳሞ ደብረ ሃሌሉያ እንገናኝ!
..... #ይፍቱኝ_አቡነ_አረጋዊ .....
©Binyam ZeChristos ጥቅምት 11 - 2017
‼️ ጽድቂ ዝቐፀረልና‼️
1⃣ #አብርሃም
1) አብርሃም ኣብ ጊዜ እርጋኑ ውላድ ከምዝረክብ ንዝነገሮ ንእግዚአብሔር ኣመነ።
📌ዘፍ 15:5:- “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር ፣ ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ። ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤
2) ስለዚ ድማ አብርሃም እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ተቖፀረሉ።
📌ዘፍ 15:6:- ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።
2⃣ #ፊንሀስ
1) ፊንሃስ ነቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ርኹሰት ንክገብር ዝሓሰበ ሰብ ፈረደሉ፣ ኸይዱ እውን ቐተሎ።
📌ዘኁል 25:7: ፊንሃስ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥ ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ።
2) ስለዚ ድማ ፊንሃስ እዚ ምግባሩ ጽድቂ ኾይኑ ተቖፀረሉ።
📌መዝ 106:30:- ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤
እቲ መዓት ድማ ሓደገ። እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።
‼️Conclusion‼️
ጽድቂ ማለት ዕብየት እዩሞ፣ ምጽዳቕ በእምነት ጀሚርና ፣ ብምግባርና እናጸደቕና እንትፍፀም እዩሞ፣ እምነትንና ምግባርና ጽድቂ ኾይኑ ይቑፀረልና።
📌 ያዕ 2:24:- ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
ዘሐጉስ ዜና ንደለይቲ ትምህርቲ ልሳነ ግእዝ
#ከራድዮን_ማእኸል_ፅንዓትን_ምርምርን ምምሃርን ቋንቋ ግእዝ ኮለጅ ፥ አብ መቐለ ካብ ዘለው ናይ ግሊ ኮሌጃት ብዓውዲታት ስልጠንኡ ፍሉይን በዓል ነዊሕ ራእይን ዝኾነ ኮሌጅ እንትኸውን ሞያዊ ብቕዓቶም ብዘመስከሩ ፍሉጣት ሊቃውንትን መምህራንን ጥንታዊ ልሳነ ግእዝ በቢ ዓመቱ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ልሳነ ግእዝ አሰልጢኑ እናመረቐ መፂኡ እዩ ፡፡
♦ሐዚ እውን ከም ትማሊ መፍትሕ ብዙሓት ዝተሰወሩ ጥበባት ሊቃውንቲ ወለድና ንዝኾነ #ልሳነ_ግእዝ ክትመሃሩ እትደልዩ ኹሉኹም ን2017(፳፻፲፯) ዓ/ም በዞም ዝስዕቡ መርሐ ግብርታት ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ፥ ስልጠናታትን ትምህርቲን ልሳነ ግእዝ ንክህብ ብዝግባእ ተዳልዩ ይፅበየኩም አሎ፡-
#ብሰርቲፊኬት
☞ ብ መሰረታዊ ት/ቲ ልሳነ ግእዝ
☞ ብ ስልጠና አመሃህራ ልሳነ ግእዝ
☞ ብ ሥነ ቀመር
#ብስሩዕ ትምህርቲ
☞ ብ ሥነ ግእዝ
☞ ብ መፅናዕትን ምርምርን ሥነ ጥንታውያን መፃሕፍቲ
#አወሃህባ_ስልጠና
✍ብቐትሪ ✍ብርሕቐት
✍ብምሸታዊ ✍ብ Online
✍ብቐዳምን ሰንበትን
♥ዘሎ ቦታ ብጣዕሚ ውሱን ስለዝኾነ እዚ ዕድል ከየምልጠኩም! ቀልጢፉ ዝመፀና ንቐደም ነተአናግዶ ኢና ይብለና አሎ እቲ ኮሌጅ፡፡
#አድራሻ፡-
አብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ፥ኸባቢ ጅብሩኽ(ኢድ ብሩኽ) ጣብያ ሃረያ ፥አብ #መሰለች_ሕንፃ 2ይ ደብሪ ይርከብ፡፡
#ንዝበለፀ_ሓበረይታ፡-
✔ብ Face book ገፅ
Keradyon Geez Et Geez House
✔ብ Email Adress- keradyongeezet2011@gmail.com ይልአኹ፡፡
✔ብ phone number -0914-752590
-0914-117438
ሓንቲ ድንግል
መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅዱሳን ብምንጋርን ብምስባኽን እዩ ለክርስቶስ ዝሰብኮ። "መጽሐፈ አስቴር" ፣ "መጽሐፈ ሩት" ፣ "መጽሐፈ ዮዲት" ፣ "መጽሐፈ ሶስና" ዝበሉ መጻሕፍት መርትዖታትና እዮም። ብዛዕባ እዘን አንስቲ ምንባብ ምትራኽን ጠቓሚ ካብ ኮነ፣ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ምንባብን ምትራኽንማ ክንደይ ኣብሊፁ ይጠቅም?
ኣብ ሐዲስ ኪዳን እውን፣ ነቲ ናይ ኢየሱስ ወንጌል እዩ "ማቴዎስ ወንጌል" ፣ "ማርቆስ ወንጌል" ተባሂሉ ብስሞም ይፅዋዕ። ጎይታ ኣብ ሐዋርያት ሓዲሩ ዝፈፆሞም ተአምራት ዝሓዘ መጽሐፍ እውን "ግብሪ-ክርስቶስ" ክበሃል እናተገቦኦ "ግብሪ ሐዋርያት" ተባሂሉ። ናይ እም ብርሃን ኽብሪማ ክሳብ ክንደይ ይኸውን?
ነታ ካብ ዝሙት ሕይወት ተመሊሳ፣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ብንብዓታ እግሩ ዝሓፀበት ሰበይቲ ሓደ ቃልኪዳን ኣትዩላ። "ወንጌል ኣብ ዝስበኸሉ ቦታ ኹሉ እቲ ምሳ ዝገበረቶ ክንገረላ እዩ" በለ። ወንጌል ኣብ ዝተሰበኸሉ ቤ/ክ ኹሉ ናይ ዛ ዘማዊት ታሪክን ገድልን ክንገር ካብተገበአ፣ ናይ ድንግል ማርያም ቅድስናን ኽብርን ኣብ ኹሉ ቦታ ምንጋርማ ክንደየናይ ዝበለጸ ይኸውን።
📌እንሆ ንሓንቲ ድንግል በሰጊድ ሰላም ኢልና ተቐቢልናያ ኣለና'ሞ ነታ ሓንቲ እትደልዩ ኩለኹም ብድሕረይ ተሰለፉ።
ሓሪፍ ሰብ ኢኻ ትመስለኒ ነይርኻ፣ ለካ ምንኩስና ማለት ካብ ምምሃርን ምስራሕን፣ መሃይምነትን ልመናን ምምራፅ ከምዝኾነ ኢኻ ትሓስብ?! በይዛዋ! እስኪ አባ ኃይለ ገብርኤል ከም ኣብነት ክጠቕቀልካ።
📌ፕሮፌሰር ኣባ ኃይለ ገብርኤል ይበሃሉ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዙሕ ትምህርታት ተማሂሮም።
📌ብ2 ዘርፊ ትምህርታት 2 ዶክትሬታት (PHD) ኣለዎም።
📌ብካልኦት 3 ዘርፍታት ትምህርቲ ድማ 3 ማስተርስ ኣለዎም።
📌 ብቋንቋ አምሓርኛ 1 ፣ ብቋንቋ ኢንግለዚኛ 6 መጻሕፍቲ፣ ከምኡ እውን ብዙሓት ጽንዓታዊ ጽሑፋት ጽሒፎም እዮም። (ንአብነት Counseling Psychology, Research methodology for Theological studies ) ወዘተ) ጽሒፎም።
📌ሐዚ ኣብ ቅ/ሥላሴ መንፈሳዊ ዩኒቨርስቲ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ምክትል ሓላፊን ብፕሮፌሰርነትን ይምህሩን ይመርሑን ኣለው።
⁉️ መንበረ ሰላማ ካብዚ እንታይ ይመሃር? ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰማላ መንፈሳዊ ኮሌጅና ካብዚ እንታይ ይመሃር?
🔥 ናብ ድንግል ማርያም ምልማን ልክዕ ድዩ ?🔥
🔥 Is praying to Mary Biblical ?🔥
ናይ በዓታ ለማርያም በዓል ምኽንያት ብምግባር፣ ሎመዓንቲ ምሽት ሰዓት 2:00 ኣብ Tiktok ናይ ቐጥታ ምምህሃርን ዘተን ክህልወና እዩ።
📌 ድንግል ማርያም ብሓቂ ድንግል ድያ?
📌 ድንግል ማርያም ጸሎትና ትሰምዖ ዶ?
📌 ድንግል ማርያም ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገር ትፈልጦ ዶ?
📌 ጥንታውያን ቅዱሳን ሊቃውንት እንታይ ይብሉ?
©ጥቅምቲ 3 - 2017 ዓ/ም
zechristoss?_t=8qVGvDdh6oP&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qVGvDdh6oP&_r=1
ናይ ፕሮቴስታንት እምነት ጀማሪ Martin Luther ብዛዕባ ኣማላድነት መላእክትን ቅዱሳንን እንታይ ኢሉ ኣሚኑ እንታይ ከ ፅሒፉ?
"We also grant that the angels pray for us, for tger is a testimony in Zach 1:12. Although concerning the saints we cencede that just as when alive they pray for the church universal in general, so in heaven they pray for the church in general.
መላእክቲ ንዓና ከምዘማልዱ እውን ንቕበል ኢና። ኣብ ትንቢተ ዘካርያስ 1:12 (ከምዘማልዱ) ምስክር ስለዘሎ። ብዛዕባ እቶም ቅዱሳን ድማ፣ ልክዕ ከምቲ በህይወት እናሃለዎ ንኹሌ ቤተክርስቲያል ይጽልዩ ዝነበሩ፣ ኣብ ሰማይ እውን ንኹሌ ቤተ ክርስትያን ከምዝምልምኑ ንኣምን"
The book of concord, (Augsburg confession) Chap 9, Pg 260