ጓሳይ - #መድኃኔዓለም ኣቦይ
ኦ መፍቀሬ ሰብ መድኃኔ ዓለም ኣቦይ፣ ማዕረ ክንደይ ፎተኻኒ?! ስለ ዝፎተኻንስ ክንደይ ተዋረድካለይ?! እዚ ፍቕሪኻ ኣየናይ ልሳን ይገልጾ፣ ኣየኖት ቃላትኸ ክስእልዎ ይኽእሉ ይኾኑ?! ኦ ኣፍቃሪ ጎይታይ፣ ብአምሳልኻ ክትወልደኒ ብአምሳለይ ዝተወለድኻ፣ ናትካ ክትገብረኒ ንዓይ ዝመሰልካ፣ ንዓይ ክተኽብር ዝተዋረድካ፣ ንዓይ ክትደሊ ምድሪ ዝተረኸብካ፣ ኣብ መንግስትኻ ከተዕርፈኒ ኣብ ማህጸን ድንግል ኮይንኻ መዕረፊ ክትደሊ ኣብ ደንበ አባጊዕ ዝኣተኻ፣ ከተልዕለኒ ዝወደቕካ ንጉሰይ ኢኻሞ ኽበረለይ!
ኦ ጐይታይ ብሓቂ ስራሕካ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ እዩሞ ተመስገን! ነዚ ውዕለታኻ ከም ቅድስት ድንግል ኣብ ልቦም ዓቑሮም “ናትካ ስራሕ እጹብ እዩ" እናበልኩ ነፍሰይ ብምስጋና ኣብ ቅድሜኻ ካብ ምፍሳስ ወጻኢ እንታይ መግለጺ ይህልወኒ!? ብዘይ ምንም ዋጋ ዘፍቀርኻኒ፣ ንሰባክ ብዘይምንም ዋጋ ንከፍቅር ሓግዘኒ። ኢየሩሳሌም ተሰቒልኻ ብዝፈሰሰ ፈምኻ ዓለም ዝቐደስካ ቤዛይ፣ ዘለኽዎ ሃልየ ብቋንቋኦም ወይ ብሔሮም እንተይኮነስ ብሰብነቶም ክፈትዎም ኣኽእለኒ። መሪፀ ብዝኣምምን ሓጢኣተይ ዝሓፅብ ደምኻ ብዝፈሰሶ መስቀልኻ እምበር፣ መሪፀ ብዘይተወለድኹሉ ብሔርን ዓሌትን ከይምካሕ መስቀልኻ ይምርሓኒ! እንትሞት ዝተርፍ ብሔረይ እንተይኮነስ ዘለዓለም ዝነብረሉ ሰማያዊ መንነተይ ንክሓስብ ዓቕምን ዓቕልን ሃበኒ።
ኦ ንፍቅርኻ ጸግዒ፣ ንይቅሬታኻ ሓፁር ዘይብልኻ ክቡር ኣቦይ፣ ዝጸላእክዎ መንነተይ ንዓይ መሲልካ ቀዲስካዮ! ዘይቀደስካዮ ኣነነተይ ዋላ ሓደ የለን። ኩለንታይ ብደምካ ዝባረኽካ ጐይታይ ስምካ ይባረኽ! ወልደ ማርያም ድንግል ፍጹም ኣፍቃሪየይ፣ ናይ ኣነነተይ ሓቀኛ ኣፍቃሪ! ስምካ ልዕል ልዕል ይበል። ጐይታይ ዕለት ዕለት ንዓኻ ምፍላጥን ንዓኻ ምፍቃርን ንክኾነለይ ዝቖሰለ ኣእዳውካ ኣብ ልበይ ሰኣሎ! ኣቦየ: ብቕዓተይ ንስኻ ኢኻሞ ንዓይ ዝረኽቡ ኲሎም ንዓኻ እምበር ንዓይ ከይረኽቡ፣ ዝሪኡኒ ኲሎም ንዓይ እንተይኮነስ ንዓኻ ክሪኡ፣ ክቡር ስምኻ ብኣይ ከይፅረፍ ዘብርሆ ብርሃን ሃበኒ!
ኣብ ውሽጢ ልበይ ንስኻ ጥራሕ እምበር ኣነ ንከይነብር፣ ብፍቓድኻ እምበር ብፍቓደይ ከይጎዓዝ፣ ብሓጢኣት ንዝቖሰለ ልበይ ብቑስልኻ ለውጠለይ። በዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ "መድኃኔዓለም" ዝብል ጥዑም ስምኻ ዘኪረ ፍቅርኻ ኣብ ልበይ ንክነግስ፣ መስቀልካን ፍቅርኻን እናሓሰብኩ ክውዕልን ክነብርን፣ ንዓኻ እውን እናዘመርኹ ብንብዓተይ ንክፅውዐካ ሓግዘኒ! ንዝበደሉኒ ይቕረ ዝብል፣ ንዝበደልክዎም ይቅሬታ ዝሓትት ትሑት ልቢ ዓድለኒ። ንዝፀልኡንን ሕማቕ ንዝገበሩንን ኹሎም ፍቕርኻን በረኸትኻን ኣብዝሐሎም እምበር "ሕንኡያ ዘይፈዲ ..." ብዝብል ምኽሪ ሰይጣን ተሰናኺለ ከይፀልኦምን ከይቕየሞምን ኣኽእለኒ።
ቋንቋ ተይመረፅኩ እናደረፍኩን እናዓበድኹን ንዝነበርኹ ከንቱ ወድኻ፣ ‹በትግርኛ ተዘይኾይኑ ቤ/ክ ኣይኸድን› ካብ ዘብል ጋኔን ሰዊርኻ፣ ናባኻ ንምቕራብ እምበር ካባኻ ንምርሓቕ ምክንያት ዝደሊ ከንቱ ሰብ ኣይትግበረኒ። ንፖለቲካ ብክርስትናይ እምበር ንኦርቶዶክሳዊነተይ ብፖለቲካ ካብዝምዝን ዕብዳን ግልሀኒ። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓሳብ ንከቃፅለኒ፣ አገልግሎተይ ንክሪኡኒ እንተይኮነስ ንክትሪአኒ ይኹነለይ! ፍቅሪ ኣዴኻ እመብርሃን ኣብ ልበይ፣ ጣዕማ ድማ ኣብ ኣንደበተይ ኣንብረለይ! ዘመነይ ኹሉ ኣብ መቕደስኻ ንክውዳእ፣ ናይ ኣዴኻ ምስጋና ከም ምግቢ ክበልዖ ከም ኽዳን ክለብሶ ናይ አባ ኤፍሬምን አባ ሕርያቆስን ጸጋ ዓድለኒ። ነዚ ንክኾነለይ መድሓኒት ብዝኾነለይ ስምካ፣ ሥርየት ብዝህበኒ ስጋኻን ደምኻን፣ ብዮሓንስ መጥምቅካ፣ ብእመ ብርሃን ወላዲትኻ ይልምነካ። ኣሜን!
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 27 - 2017
አቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ግብፂ ቤ/ክ ካብ ዝኽበሩ ኢትዮጵያዊ ቅዱስ ሓደ እንትኾኑ፣ በዓለ ዕረፍቶም ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ካብ ልደት ጎይታ፣ ልደት እመብርሃን፣ ልደት ዮሐንስ መጥምቅ ቐፂሎም ልደቶም ዘኽብሩሎም ብሕታዊ ጻድቅ፣ ብስሞም ድኅረገጽ (St-Takla.org) ዝሰርሑሎም ቅዱስ ኣቦ እዮም።
@Binyam ZeChristos ታሓሳስ 24 - 2017
፩) ናይ ቤ/ክ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ ስንክሳር፣ ሥርዓተ ማኅሌት፣ ናይ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ጸሎተ ሰዓታትን ተአምኆ ቅዱሳን፣ ከብ ኩሉ ግና ቅዱስ ገድሎምን ናይ ካልኦት ቅዱሳን ገድልታትን (ገድለ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፣ ገድለ አቡነ መድኃነእግዚእ፣ ገድለ አባ እስጢፋኖስ፣ ገድለ አባ ዕዝራ፣ ገድለ አባ አቡከረዙን፣ ገድለ አበው ወአኃው ...) ንተክለ ሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ ምዅኖም እምበር ዘተንቤን ምዃኖም ዝገልፅ ዋላሓደ የለን።
፪)ብሊቃውንት ጉባኤ ተዳልዮም፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ እውን እንተኾኑ፣ ዋላ ኣብቲ ብቤ/ክ ዝሓልፍ ናይ ቴሌቭዥን ትምህርት (መደብ አምሓርኛ ይኹን ትግርኛ) ኣባ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ ምዃኖም እምበር ዘተምቤን ዝብል ኣየምሃሩን ኣየሕለፉን።
፫)ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ይኹን፣ ኣብ ኤርትራ ቤ/ክ፣ ዋላ ኣብ ግብፂ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ (ኣብ ግሪክ እውን) ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረ ሊባኖስ እምበር ዘተንቤን ዝበሃሉ ኣይፈልጡን ኣየኽብሩን።
፬)ኣብ መላእ ትግራይ ዘለዋ ብስም ተክለሃይማኖት ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን እውን እንተኾነ ሓደ ተክለሃይማኖት (ዘደብረ ሉባኖስ) እምበር ዘተንቤን ዝበሃል እኽቢሮምን ዘኪሮምን ኣይፈልጡን።
፭)ብዙሓት ተጋሩ ሊቃውንቲ ኣለዉ። ንኣብነት ዓፅሞም የለምልም ሊቁ አቡነ መርሐ ክርስቶስ (ሕሉፍ ሊቀ ጳጳስ መቐለ) ኣብ ተክለሃይማኖት ዓመቱ ዘደብረሊባኖስ እናበሉ እንተምህሩና ንፈልጥ። ሕሉፍ ፓትርያርክ አቡነ ጳውሎስ እውን ከምኡ። ናይ ሐዚ ፓትርያርክ አቡነ ማትያስ እውን ከምኡ እናበሉ በቢዓመቱ ይምህሩና አለዉ። ሎመዓንቲ እውን እቶም ዓብዪ ሊቅ ሊቀሊቃውንቲ ያሬድ ኣብ መቐለ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ዘደብረሊባኖስ ምዃኖም እምበር ዘተንቤን እሎም ኣየምሀሩናን።
እሞ ድኣ ነዚ ኹሉ መሩዳእታ እናሀለወና በበይ ገይርኻ፣ በበየናይ መረዳእታ እዩ "ዘተንቤን እዮም" ዝበልካ ዝሓወይ? ወይስ ዞም ኲሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ ሊቃውንቲ፣ ጳጳሳትን ምዕመናንን "ታሪኽ ተጋሩ ዝሰርቁ ሸዋውያን" ኢና ክንብሎም?
‼️አቡነ ተክለ ጋለሪ Abune Tekle Gallery‼️ Part 2⃣
📌ሐዚ ድማ ካብ 17 ክ/ዘ - 18 ክ/ዘ ኣብ ዘመነ ጎንደር (Gonderian Icons) ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተስኣሉ ናይ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ሥዕላት ምስ 6 አክናፍን፣ ምስ 2 ኣእጋሮምን ዝተስኣሉ ንርአ።
ጠቅላላ ናይ አቡነ ተ/ሃይማኖት ሥዕላት ኣብ 3 ይኽፈሉ።
1⃣ ካብ 15-16 ክ/ዘ የተስኣሉ ቅድመ ጎንደር (Pre-Gondorian) ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቡነ ተክለሃይማኖት ናይ መጀመርታ ሂወት ማዕከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። በዚ ድማ እንትስእሉዎም 6 ክንፍ እንተይገበሩ፣ እግሮም እንተይተሰበረ የርእዩ።
2⃣ ካብ 17 ክ/ዘ - 18 ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቦና ቕድሚ በዓቲ ዓፅዮም ምጽላዮም ዘርፍ ዝነበሩ ናይ ስብከተ ወንጌል ህይወት ማእከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። ስለዚ ድማ እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም (ምስ 2 እግሮም፣ እግሮም ቅድሚ ምስባሩ) ዘርእዩ እዮም።
3⃣ ድሕሪ 18ኛው ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ሎሚ ብኣብዝሓ እንጥቀመሎም ዓይነት እንትኾኑ፣ ናይ ብጹዕ አቦና ካብ መጀመርያ ክሳብ ዕረፍቶም ዘሎ ሕይወት ጠቕሊሉ ዝሓዘ እዩ። እዞም ሥዕላት እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም፣ 1 እግሮም ተሰይሩ ዘርእዩ እዮም።
#ልደት_አቡነ_ተክለሃይማኖት
@Binyam ZeChristos ታሕሳስ 24 - 2017
7⃣ ዓመታዊ በዓላት ብጹዕ አቦና ተክለሃይማኖት
1) መጋቢት 24 (ፅንሰቶም)
2) ታኅሳስ 24 (ልደቶም)
3) ሚያዝያ 22 (6 ኣክናፍ ዝተቐበሉሉ)
4) ኅዳር 24 (ምስ 24ቱ ካህናተ ሰማይ መንበረ ሥላሴ ዝዓጠኑሉ )
5) ጥር 24 (እግሮም የተሰበረሉ )
6) ነሐሴ 24 (ዕረፍቶም)
7) ግንቦት 12 (ፍልሰት ሥጋኦም)
"ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ" [ ምሳሌ 29:2]
"እዚ ኣቦና ንዝተበደሉ መማሕፀኒኦም እዩ። እዚ መምህርማ፣ እዚ መድሓኒትና፣ እዚ ደጋፊና፣ እዚ ነፃ መውፅኢና፣ እዚ ናይ መንግሥተ ሰማያት መራሒና፣ ኣብ ዝጠመየና ምግብና፣ ኣብ ዝፀመአና መስተና፣ ኣብ ዝደኸምናሉ ምርኩዝና እዩ።"
(ገደለ ተክለሃይማኖት ፪፥፲፮)
"ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤
ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ" [ ምሳሌ 10:7]
" ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፥ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንፃድቕ ብስም ፃድቕ ዝቕበልውን፥ ዓስቢ ፃድቕ ይረክብ። ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” [ማቴ 10÷41-42]
"ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱ'ውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም" [ ሉቃስ 1፥14 ]
@Binyam Zechrostos ታሕሳስ 24 - 2017
☀️ ብርሃን ☀️
ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኣብ ዘመነ ስብከት እይ ዘላ፤ እዛ ናይ ሎሚ መበል 2ይቲ ሰንበት/ሰሙን #ብርሃን ኢልና ነኽብራ ኣለና። ጸልማት ዘይረኽቦ ብርሃንና፣ ለይቲ ዘየሕልፎ ጸሓይና፣ ማንም ክቐርቦ ኣብ ዘይኽእል ብርሃን ዝነብር አምላኽና፣ ኣብ ናይ ሓጢኣትን መርገምን ንዘለና ኹልና ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃነ ህይወት ንሱ #ጥራሕ እይ - #ኢየሱስ_ክርስቶስ ‼️
📌 ትንቢት
ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚራ ብትርጒም ተጠዓዕሞ። "#ብርሃንካን #ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ" (መዝ 43:3) እቲ ዝተልኣኸ ብርሃንን ሓቅን #ኢየሱስ እዩ። «እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ህዝቢ #ዓብዪ_ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዝነብሩውን #ብርሃን_ኣብርሃሎም።» (ኢሳ 9:2) ኣብ ጸልማት ንዘለና ዝወፀልና ዓብዩ ብርሃን ንሱ #ክርስቶስ እዩ።
📌ወንጌል
ቤ/ክ ካብ ወንጌል እውን ብርሃንነት ክርስቶስ ዝገልፁ ጽሑፋት ተንብብ። « #ህይወት ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ነበረት ፣ እታ ህይወት ከኣ #ብርሃን ሰብ ነበረት» (ዮሐ 1:4) ይብል ዮሐንስ።
📌ክርስቶስ
ባዕሉ ክርስቶስ እውን ስለባዕሉ እንትገልፅ « ኣነ #ብርሃን_ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኸይድን እዩ » (ዮሐ 8:12) ይብለና።
📌 ቅዱስ ጳውሎስ
ልሣነ ዕፍረት ጳውሎስ እውን ብመልእኽቱ «ንሱ በይኑ ዘይመውት፣ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ እውን ዘይኽእል፣ ኣብ #ዘይቅረብ_ብርሃን ዝነብር፣ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን»(1ጢሞ 6:16) ይብለና። ጸሓይ እትፈርሖ ጸሓይ፣ ማንም ኣብ ዘይቐርቦ ብርሃን ዝነብር ብርሃን #ኣማኑኤል እዩ።
📌 ውዳሴ ማርያም
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ዝመስከሮ፣ ቤ/ክ ዘወትር ኣብ እትጽልዮ ጸሎት እውን «ብርሃን ዘበአማን ዘያበርህ ለኩሉ ሰብእ በእንተ ፍቅረ ሰብእ መጻእከ ውስተ ዓለም - ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ናብ ዓለም መጻእኻ" እናበለት ትፅልዮን ተፀልየናን።
📌 ጸሎተ ኪዳን
ኣብቲ ዘወትር ዝጽለ ጸሎተ ኪዳን እውን «መዝገበ ጽልመት እንተ ብነ: በሥምረተ አቡከ #አብራህከ_ለነ: ወአውፃእከነ እማዕምቅ ውስተ ብርሃን - ኣባና ንዘሎ ናይ ጽልመት መዝገብ ብፍቓድ ኣቦኻ ኣብሪህኻልና። ካብ መዓሙቕ ናብ ብርሃን ኣውፂእኻና» እናበልና ንምስክር።
📌 ናትና ጸሎት
ኦ ብርሃንና ክርስቶስ ብዝሙትን ስኻርን ንዝረኸሰ አካልና፣ ብሓሜትን ደርፍን ንዘጸልመተ ልሣንና፣ ብቂምን ኽፍኣትን ንዝጠፍአ ልብና፣ ፣ ብብርሃንኻ ኣብርሀልና‼️
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 20 - 2017
📌ገብርኤል በብሉይ ብሐዲስ
፩) የመልአኩ ስም በዕብራይስጡ ( גַּבְרִיאֵל - ጋቭርኤል) ፣ ግሪኩ ( Γαβριήλ - ጋብርኤል) ፣ በቅብጡ (Ⲅⲁⲃⲣⲓⲏⲗ - ጋብሪሃ) ፣ በአረማይክ (ܓܒܪܝܝܠ ጋብሪሃ) ፣ በዓረብኛው ( جبرائيل - ጅብሪል) ፣ በግዕዙ ደግሞ ገብርኤል እየተባለ በፍቅር ይጠራል።
፪) በዕብራይስጥ ( גַּבְרִיאֵל - ጋቭርኤል) ሲለው ትርጓሜውም "እግዚአብሔር ኃይሌ ነው" ማለት ነው። ኢሳይያስ በትንቢቱ "ድንቅ መካር <ኃያል አምላክ>" የሚለው ዕብራይስጡ "ኤል ጋቮር" እንዲለው።
፫) ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ደግሞ "ገብርኤል ማለት "ገብር-ሰው/አገልጋይ" ፣ "ኤል-አምላክ" ነውና <ገብርኤል ብሂል እግዚእ ወገብር አምላክ ወሰብእ - ሰውና አምላክ/ጌታና አገልጋይ> እንደሆነ ጽፈዋል።
፬) "በእባቦች ላይ በገነትም ባሉ ጻድቃን ላይኛ በኪሩቤልም ለይ የተሾመ ከከበሩ መላእክት አንዱ #ገብርኤል ነው" {ሄኖክ 6:7}
፭) "በዚህ ዓለም ስለሚኖሩ፣ በመላእክት ጌታ ስምም አምነው ስለሚለምኑ ሰዎች ፈጽመው ሲለምን ሦስተኛውን ቃል ሰማሁ። እርሱም ገብርኤል ነው" {ሄኖክ 10:7}
፮) "በኡባልም ወንዝ መካከል፡— ገብርኤል ሆይ፥ ራእዩን ለዚህ ሰው አስታውቀው ብሎ የሚጮኸውን የሰውን ድምፅ ሰማሁ" {ዳን 8:16}
፯) "ገናም በጸሎት ስናገር አስቀድሜ በራእይ አይቼው የነበረው ሰው ገብርኤል እነሆ እየበረረ መጣ፤ በማታም መሥዋዕት ጊዜ ዳሰሰኝ። አስተማረኝም፥ ተናገረኝም እንዲህም አለ፡— ዳንኤል ሆይ፥ ጥበብንና ማስተዋልን እሰጥህ ዘንድ አሁን መጥቻለሁ" {ዳን 9:21-22}
፰) "መልአኩም መልሶ፡— እኔ በእግዚአብሔር ፊት የምቆመው ገብርኤል ነኝ፥ እንድናገርህም ይህችንም የምሥራች እንድሰብክልህ ተልኬ ነበር" {ሉቃ 1:19}
፱) "በስድስተኛውም ወር መልአኩ ገብርኤል ናዝሬት ወደምትባል ወደ ገሊላ ከተማ" {ሉቃ 1:26}
@Binyam Zechristos ታሕሳስ 18 - 2017
‼️ዘመነ ስብከት‼️
ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ዘመነ ስብከት ይበሃል። ካብ መስከ 26 - ሕዳ 6 (ዘመነ ጽጌ) ፣ ካብ ሕዳር 7 - ታሕ 6 (ዘመነ አስተምህሮ) እንትበሃል፣ ካብ ታሕ 7 - ታሕ 28 ዘሎ ድማ ዘመነ ስብከት ይበሃል። ኣብዘን 3 ሰመናት/ሰንበት ዝሓዘ ዘመነ ስብከት ዘለው ሰንበታት እውን ነናይ ባዕሎም ስያመ፣ ትርጉምን ትምህርታትን ኣለዎ።
ፅባሕ ሰንበት (ታሕ 13-19) #ስብከት ትበሃል። ቐፂላ ዘላ ሰንበት (ታሕ 20-26) #ብርሃን ትበሃል። ናይ መወዳእታ ሰንበት (ታሕ 27-29) ድማ #ኖላዊ ትበሃል። እዘን 3 በዓላት ካብተን ናይ ጎይታ 9 ንኡሳት በዓላት ጎይታ ዝቑፀራን ዝኽበራን በዓላት እየን። (9 ንኡሳት በዓላት:- ስብከት ፣ ብርሃን ፣ ኖላዊ፣ ጌና/ታሕ 28/ ፣ ግዝረት/ጥሪ 6/ ፣ ልደተ ስምዖን/የካ 8/ ፣ ቃና ዘገሊላ/ጥሪ 11/ ፣ ደብረዘይት ፣ መስቀል... እየን። )
ኣብ ሰሙነ ስብከት ክርስቶስ ንክውለድ ነቢያት ዝሰበኽዎ ስብከትን ዝተናገሩዎ ትንቢትን ዝሕሰበሉ፣ ቤ/ክ እውን "ንክርስቶስ ኢየሱስ ከምትሰብኮ"ን እትሰብከሉ መንገድታትን ዝዝከረሉ ወቕቲ እትም ነዞም ወቕትታትት ስያመ ሂቡ፣ መዝሙራትን ስብከታትን ኣዴልዩ ዘቕመጠልና ድማ ማኅሌታት ቅዱስ ያሬድ እዩ። በረከት ቅዱስ ያሬድ፣ ምሕረት ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 13 - 2017
‼️ዕረፍቱ ለአቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ ‼️
[ጻድቕ አቡነ ተክለሃይማኖት ➡️ አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ➡️ አቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ]
📌 ኣቡኡ እስጢፋኖስ፣ እንኡ አመተ ማርያም እንትኾኑ፣ ኣብ መበል 14 ክ/ዘመ ቅድሚ ደቂቀ እስጢፋኖስ ምልዓሎም ኣብ #ኣኽሱም ዝተወለደ ጻድቅ እዩ።
📌 ምስ ዓበየ ግና ምንኲስና ህይወት ብምምራፅ ናብ ደብረ በንኰል አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ብምኻድ ገዳም ኣትዩ ፣ ቃል ኣምላኽ እናተምህልረ፣ ወንጌል እናንበበ፣ ገድለ ቅዱሳን እናሰምዐ ብጸሎት፣ ብጾም፣ ብስግደትን ብአገልግሎትን ዝተፀመደ ኾነ። ካብ አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ድማ ምስ ካልኦት 6 ቅዱሳን ብጾቱ መንኮሰ።
📌 እግዚአብሔር ምስኡ ስለዝነበረ እውን ኣብ በረኻ አራዊት ኣይተናኾልዎን ነይሮም፣ ክትወልድ ዝቐረበት ኣንበሳ እውን ክሳብ ምውላድ ዝበፅሑ፣ "ጻድቕ ንእስንስሳ ነፍሲ ይርህርህ" (ምሳሌ 12:10) ዝብል ቃል ተግባራዊ ዝገበረ ጻድቕ እዩ።
📌 አቡነ ሳሙኤል ናብ ዋልድባ ገዳም ብምኻድ ከም ብሓዱሽ ንክግደም ዝገበሩ፣ ደብረ ዓባይ ገዳም እውን ዝገደሙ፣ ሥግኦም ንፈጣሪ ንክርስቶስ ዘግዝኡ እዮም እሞ አራዊት ይእዘዙሎም ዝነበሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኣንበሳ ኾይኖም ይጎዓዙን ይምህሩን ዝነበሩ ጻድቕ እዮም።
📌 አባ ሳሙኤል ብዘመኖም ካብ ግብፂ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ዓብዪ ጻድቕ ሰብ አቡነ #ገብረ_መንፈስቅዱስ ከምዘለው ሰሚዖም፣ ካብ ትግራይ ናብ ሸዋ ኦሮሚያ ፣ ናብ ምድረ ከብድ ገዳም ብምኻድ ካብ አቡነ ገ/መንፈስ ቅዱስ ተባሪኾም እዮም።
📌 ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ንዘለዎ ሰብ ናይ እምመብርሃን ፍቕሪ ይውሰኸሉ እዩሞ፣ ናይ ድንግል ማርያም ውዳሴኣ ምስ ቅዳሴኣ ኣተሓባቢሩ ይጽሊ ስለዝነበረ፣ እም ብርሃን ድማ ተገሊፃ ንኽብሩ #ዕጣን ንክህነቱ፣ #ዕንቊ ንንፅህንኡ ምሳሌ ክኸውን ሃበቶ። "ከማኻ ውዳሴይ ምስ ቅዳሴይ ኣተሓባቢሩ ዝፅሊ ከማኻ ክባርኾ እየ" ኡላ ድማ ቃልኪዳን ኣተወትሉ። ሎሚ ዋልድባ ገዳም፣ ደብረ ዓይን ውዳሴኣን ቅዳሴኣን ተይተፀለየ ኣይሕደርይ።
📌 እንሆ ዕረፍቶም ምስቲ ዝፈቱዎን ይሕዞም ዝነበረን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝኸብረላ ዕለት፣ ታሕሳስ 12 ኣብ ዋልድባ ገዳማት፣ ደብረ ዓባይ /ከባቢ ሽረ/፣ አብ ደብረ በንኰል መድኃኒነ እግዚእ ገዳም፣ አብ ደብረ ሊባኖስ አቡነ ተ/ሃይማኔት ገዳም ብድምቀት ይኽበር።
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 112- 2017
‼️ቅዱስ ኒኮላስ - Santa Clause‼️
ኣብ ኤውሮፓውያን ዝተለመደን፣ ልደት ብዝመፀ ቑፅሪ ፃዕዳ ጭሕሚ ገይሮም ህያብ እንትህቡን እዚ ድማ "Santa Clause" ከምዝብሉዎ ይፍለጥ። መሠረቱ ካብ ቅዱስ ኒኮላስ እዩ። ሎሚ ታሕሳስ 10 (ብግብፂ 10 Kyahk , Dec 19) ዕረፍቱ እንዝክሮ፣ ኣብ 3ይ ክ/ዘ ካብ ዝነበሩ ጥንታውያን ቅዱሳን አበው ሓደ ዝኾነ ቅዱስ አባ ኒቆላዎስ (St Nicholas) እዩ። ቅዱስ ኒቆላዎስ ኣብ ፓታራ (Patara - ናይ ሎሚ ቱርኪ-ዴምሬ) ካብ ሃፋትም ቤተሰብ ተወሊዱ፣ መንእሰይ እናሃለወ ወለዱ ሃንደበት ዝሞትዎ፣ ንሱ ድማ ካብቲ ወለዱ ዝሓደጉሉ ወርቕን ሃፍትን ንድኻታት ብምሃብ፣ ብፍላይ ድማ ተሓቢኡ ብምምጽዋት ዝፍለጥን፣ ህይወቱ ንክርስቶስ ሂቡ ዝመነነ፣ ደሓር ድማ ናይ ማይራ (Myra - ቱርኪ) ካህን ዝኾነን፣ ብዙሕ ተአምራት ይገብር ስለዝነበረ እውን "ገባሬ መንክራት - St Nicholas the Wonderworker" እናተብሃለ ዝፍለጥ ኣቦ እዩ።
ሓደ ጊዜ 3 ኣዋልድ ዝነበርኦ ሓደ ድኻ ኣቦ፣ ንደቁ ዝምርዐወን ስለዘይነበረ ናብ ፋይቶትነት (Sex workers) ከውፅአን እንትሓስብ፣ አባ ኒቆላዎስ ይፈልጥሞ፣ ብለይቲ 100 ዲናር ዝኾን ወርቂ ኣብ በሪ ገዝኡ ገደፈሉም እይ ሰብ ዋይ ድማ በቲ ወርቂ ቦኽሪ ጓሉ ኣመርዐዋ። ንኻልኣይ ጊዜ እውን ተሓቢኡ ወርቂ ኣቐመጠሉ፣ እቲ ሰብኣይ እውን ነታ 2ይቲ ኣሞርዐዋ። ኣብ ሳልሳይ ጊዜ ግን "መን ምኻኑ ንምፍላጥ" ብለይቲ እናሓለወ እንተሎ፣ አባ ኒቆላዎስ ወርቂ እንትድርብየሉ ረኸቦሞ፣ ኣብ እግሩ ወዲቑ ሰገደ፣ አመስገኖ ድማ። አባ ኒቆላዎስ ፃዕዳ ጭሕምን፣ ቐይሕ ቀለም ዘለዎ መጎናፀፍን ይኽደን ስለዝነበረ፣ ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ዝተልዓሉ ክርስቲያን ጻዕዳ ጭሕምን ቐይሕ ካባን ለቢሶም፣ ንህፃናትን ድኻታትን ህያብ ምሃብ ጀመሩ።
ንገሥ ዲዮቅልጥያኖስ ነጊሱ ንክርስቲያን እንትጭፍጭፍ እውን ብዙሕ ግርፋትን ስቓይን ተቐቢሉ ኣብ ወኅኒ ቤት ብመከራ ዝነበረ፣ ዲዮቅልጥያኖስ ሞይቱ ፈላማይ ክርስትያን ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ እንትለዓል ድማ ካብ ወኅኒ ዝወፀ፣ ኣብ 325 ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኒቅያ (Nicean Councel) ምስቶም 318 ሊቃውንቲ ዝነበረን ንአርዮስ ዘውገዘን አቦ እዩ። "ቅዱስ ኒኮላስ" ብላቲን "ሳንትታ ኒኮላስ" ዝብል ዝነበረ ድሕሪ ጊዜ "ሳንታ ክላውስ" ናብ ዝብል ተቐይሩ፣ ብስም "ኣቦ ልደት" ተሸፊኑ እንረኽቦ ቅዱስ ኣቦ እዩ። በረከቱ ምስ ኩልና ይኹን።
@Binyam ZeChristos ታክሳስ 9 - 2017
If man co-operates with God's Grace, believing in Him, struggling against sin, and persevering in spiritual activities, his life will be sanctified, he will overcome death and pain, and at last he will be glorified in the eternal life.
(St Athanasius the Great)
ሰብ ምስ ጸጋ- አምላኽ እንተተሓባቢሩ፣ ብኡ እንተኣሚኑ፣ ምስ ሓጢኣት እንተተጋዲሉ፣ ብመንፈሳዊ ምግባታት እንተፀኒዑ፣ ህይወቱ ይቅደስ። ስቓይን ሞትን ይስዕር። ኣብ #መወዳእታ ድማ ብዘለዓለማዊ ሕይወት ይኸብር።
(ቅዱስ አትናቴዎስ ዓብዪ/ሐዋርያዊ)
📌 ድሕነት = ጸጋ አምላኽ + ነጻ ፈቓድ ወዲሰብ
📌ድሕነት = ጸጋ + (እምነት + ምሥጢራት + ተኣዛዝነት)
“Amma Syncletica said:
In the beginning there is struggle and a lot of work for those who come near to God. But after that there is indescribable joy. It is just like building a fire: at first it is smoky and your eyes water, but later you get the desired result. Thus we ought to light the divine fire in ourselves with tears and effort.
ድሒንኻ ዶ?
📌 "እወ ድሒነ!
ካብ ምንታይ ድሒንኻ?
📌 ብኣዳም ምክንያት ካብ ዝመፀ ዕዳን መርገም (ጥንተ አብሶ)
ብምንታይ ድሒንኻ?
📌 ብጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሰብነት! ሰብ ብምኻኑ ካብ ፅንሰቱ - ዕርገቱ ብዝገበሩ ናይ ድሕነት ስራሕ እየ ድሒነ!
📙 ቲቶ 3:5: ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን #ኣድሓነና።
ንክትድሕን ንስኻ ዝገበርኻዮ ነገር ኣሎ ዶ?
📌 ወይከ የለን! ብጸግኡ ጥራሕ እየ ድሒነ! ብእምነት ኾነ ብምግባረይ ክድሕን ስለዘይኽእል እዩ ጎይታ ዝሞተለይ።
📙 ቲቶ 3:5: ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን #ኣድሓነና።
ብእምነትኻ ወይ ብምግባርኻ ምደሓንኻ ዶ?
📌 ካብዚ መርገም ብእምነት ወይ ብምግባር ዝደሓን ተዝኸውን፣ ብእምነቶምን ምግባሮምን ጻድቃን ዝነበሩ ብዙሓት ቅዱሳን ምደሓኑ ነይሮም። ነገር ግን ዋላ ሓደ ካብ መርገም ዘምለጠ ኣይነበረን።
📙 ሮሜ 3:23 « ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ። »
ካብ መርገም ብምድሓንኻ ብምንታይ ትምካሕ?
📌 በቲ ብጸግኡ ዘድሐነኒ በክርስቶስ ይምካሕ እምበር፣ ሰሪሐ ዘምፃእኹዎ ነገር ስለዘይኮነ ብባዕለይ ኣይምካሕን።
📙ኤፌ 2:8: «ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።»
@Binyam ZeChristos ታሕሳስ 8 - 2017
ኣብ ፅንዓት ታሪኽ ትግራይን ቤ/ክ ትግራይን ዓብዪ እታወት ዝኸውን እዩ ታሪኽ እቲ ሎመዓንቲ እንዝክሮ፣ ቅዱስ አባ አብርሃም ሶርያዊ (Abba Abraham Ebn-Zaraa) አባ አብርሃም መበል 62 ፓትርያርክ እስክንድርያ ኾይኑ ዝነበረሉ ዘመን ድማ ኣብ 10ይ ክ/ዘ( 900-970 ዓ/ም ) ከም ምኻኑ መጠን፣ በዚ ጊዜ "ዘመነ - ኣኽሱማውያን" ተወዲኡ፣ ሥልጣነን ልኅቀትን ሳባውያን ብንግሥቲ ዮዲት ጉዲት ዑና ኾይኑ፣ ታቦተ ጽዮን እውን ንብ ደቡብ ኢ/ያ ናብ ሸዋ (ዝዋይ) ዝተሰደደትሉን፣ ብታሪክ ቤ/ክ ድማ ብዙህ ዝፍለጥ ታሪክ ስለዘይተረድለበ "ጸልማት ዘመን - Dark age" ዝበሃል ዘመን እዩ።
አቡነ አብርሃም ፍልይ ዘብልዎን ዝፍለጠሎምን 4 ነገራት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ
1⃣ ብዜግነት ሶርያዊ ኾይኑ እናሃለወ፣ ነገር ግን አቡኡ ብስደት ናብ ግብጺ ሒዙዎ ብምኻድ ኣብ ግብፂ ዓብዩ፣ ተማሂሩ፣ መንኲሱን ፣ ደሓር ድማ መበል 62 ፓትርያርክ ዝኾነ እንትኸውን፣ ቤ/ክ ካብ ብሔርን ዓሌትን ዝረሓቐት ምዃና ዘረጋገፀ እዩ።
2⃣ አቡነ አብርሃም ኣብዚሑ ፍቕሪ-ገንዘብ ዝረሓቐሉ፣ ንብረቱ ኹኻኹ ንድኻታት ይህን ዝነበረ፣ ፓትርያርክ ምስኾነ እውን ንዕኡ ዝግባእ ደሞዙ ንድኻታት ይረድአሉ ዝነበረ፣ ገንዘብ እናተቐበሉ ክህነት ንዝቐበሉ አካላት እውን የውግዞም ዝነበረ ጻድቅ አቦ እዩ።
3⃣ አቡነ አብርሃም ዝነበረሉ ዘመን ግብፂ ኣብ ኢድ ኣስላም ወዲቓን ብኣቶም ምምራሕ ዝጀመረትሉ ዘመን ከምምዃኑ መጠን፣ ምስ እስላም ብዙሕ ክርክር ብምግባር ብዘሓት ዝመለሰ ቅዱስ ኣቦ ምዃኑ እዩ።
4⃣ አብ ጾመ ነቢያት ቅድሚ ልደትን ገሃድን ዘለዋ ናይ መወዳእታ 3 ዕለታት "ጾመ አብርሃም ሶርያዊ" ይበሃላ። ያዕቑብ ቢን ዩሱፍ (Jacob Ebn Yousef) ዝበሃል ሙስሊም "እምነት ተሃልይኩም ነዚ እምባ ተልዓል እንተይልኹሞ ይለዓል" ዝብል ጥቕሲ ሒዙ "ነዚኣ ብተግባር ኣርእዩና" ኢሉ ናብ ንጉሥ ይኸስስ። አብርሃም ሶርያም ብጭንቂ ይጽሊ፣ እመብርሃን ተገሊፃ "እዚ ተኣምር ክገብረልካ እየ፣ ብጸሎት እቲ ሓንቲ ዓይኑ ዝጠፍአት፣ ስምዖን ዝበሃል ሰፋዪ ሰኣኒ ክኸውን እዩ" ኢላቶ። 3 ዕለታት ጾመ ጸለየ።ምስ ስምኦን ሰፋዪ ኣሳእን (Simon the Shoemaker) ብምንግጋር ድማ ንኹሉ ሕዝቢ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ እምባ ሙኻተም (Mukhatem) ኣከቡዎም። 41 ጊዜ ኪርዬኣላይሶን (ጎይታ ይቅረ በለና) እናበሉ፣ እንትሰግዱ፣ እቲ እምባ ኣብ ቕድሚ ዓይኖም ተለዓለ። ብዙሓት ድማ በክርስቶስ ኣመኑ።
@Binyam Zechristos ታህሳስ 6 - 2017
‼️መቕደስ ናብ መቕደስ‼️
ጥንታውያን ኣቦታት ክርስትና (Early Christian Fathers) እውን እንተኾኑ ናይ ድንግል ማርያም መቕደስነትን ናብ ቤተ መቕደስ እውን ምእታዋን ፅሒፎምን ኣስተምሂሮምን እዮም።
📌ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ማርያም (Mariology) ሊቅ ዝኾነ ሶርያዊ #ቅዱስ_ኤፍሬም (Sr Ephrem the Syrian) ብዛዕባ እመብርሃን
"ዘይትጠፍእ ብርሃን ዘይት እርስ መቕደስ - Light which shall never be extinguished, Shrine that shall never be overthrown" ኢሉ የመስግና ኣብ ናይ ቀዳም ውዳሴኡ። (Praise of Merry, of Saturday, 10)
📌ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን (Councel of Ephises) ዐምደ ሃይማኖት ዝነበረ ናይ 4ይ ክ/ዘ ናይ ነገረ ክርስቶስ ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ቄርሎስ ዘእስክንድርያ እውን (Sr Cyril of Alexandria) እውን ንድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ የወድሳ። « ዘይትፈርስ መቕደስ ኢኺ፣ ቦታ ዘይውስኖ ንዕኡ መሕደሪት ኾይንኺ - Imperishable temple, habitation of him whom no space can contain" (history of the christian church, Vol 3, P.946)
📌ናይ 6ይ ክ/ዘ ናይ ስነ-መለኮትን ስነ-ዜማን ሊቅ ዝነበረ #ቅዱስ_ያሬድ እውን ኣብ አንቀጸ ብርሃን ውዳሴኡ « ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመፅኡ ወትረ ሲሳየኪ፣ ከመዝ ነበርኪ 12 ዓመተ - ዘወትር መላእኽቲ ምግቢ እናምፅኡልኺ 12 ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ነበርኺ » ይብላ።
📌 ሰማያዊት መቕደስ ናብ ምድራዊት መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት፣ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ መቅደስ ምዃንና ፈሊጥና ናብቲ ጽላት-ክርስቶስ ዘለዋ መቅደስ እም ብርሃን ንእቶ።
@Binyam ZeChristos ታሕሳስ 2 - 2017
🔥ንምንታይ ኦርቶዶክሳውያን ይጠፍኡ ?🔥
ሎመዓንቲ ዓርቢ ምሸት 2:00 "ኦርቶዶክሳውያን ምዕመናን ንምንታይ ይጠፍኡ?" ብዝብል ዛዕባ ኣብ Tiktok ናይ Live Discussion ጊዜ ክህልወና እዩ። ተሳተፉ፣ ሕተቱ፣ መልሱ!
1 ጴጥ 3:15:- ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም #ምላሽ_ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ #ድልዋት_ኩኑ።
📌ኦርቶዶክሳውያን ንምንታይ ናብ ካሊእ ደንብ ይኸዱ?
📌 እቶም ዝወፁ መርሚሮም ዶ ይወፁ ወይስ?
📌 ካባና እንታይ ይፅበ? ማሕበራዊ ሚድያ ኣገልግሎትና ከመይ ይኹን?
zechristoss?_t=8qaT2P5kyko&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qaT2P5kyko&_r=1
❌ Gallery of St Tekle ❌ Part 3⃣
📌ሐዚ ድማ ድሕሪ 19 ክ/ዘ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተለመዱ ዝመፁ ሥዕላት፣ ጠቅላላ ታሪኽ ህይወቶም ዝሓዙ፣ ምስ 6 አክናፍን፣ ምስ 1 እግሮም ጥራሕን ዝሓዙ እዮም። ንርአዮም!
ጠቅላላ ናይ አቡነ ተ/ሃይማኖት ሥዕላት ኣብ 3 ይኽፈሉ።
1⃣ ካብ 15-16 ክ/ዘ የተስኣሉ ቅድመ ጎንደር (Pre-Gondorian) ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቡነ ተክለሃይማኖት ናይ መጀመርታ ሂወት ማዕከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። በዚ ድማ እንትስእሉዎም 6 ክንፍ እንተይገበሩ፣ እግሮም እንተይተሰበረ የርእዩ።
2⃣ ካብ 17 ክ/ዘ - 18 ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቦና ቕድሚ በዓቲ ዓፅዮም ምጽላዮም ዘርፍ ዝነበሩ ናይ ስብከተ ወንጌል ህይወት ማእከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። ስለዚ ድማ እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም (ምስ 2 እግሮም፣ እግሮም ቅድሚ ምስባሩ) ዘርእዩ እዮም።
3⃣ ድሕሪ 18ኛው ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ሎሚ ብኣብዝሓ እንጥቀመሎም ዓይነት እንትኾኑ፣ ናይ ብጹዕ አቦና ካብ መጀመርያ ክሳብ ዕረፍቶም ዘሎ ሕይወት ጠቕሊሉ ዝሓዘ እዩ። እዞም ሥዕላት እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም፣ 1 እግሮም ተሰይሩ ዘርእዩ እዮም።
#ልደት_አቡነ_ተክለሃይማኖት
@Binyam ZeChristos ታሕሳስ 24 - 2017
#ብሕታዊ_ጻድቕ
፩/ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኣብ ዓመት ታሕሳስ 24 ልደቶም፣ ነሓሰ 24 ዕረፍቶም፣ ግንቦት 12 ፍልሰት ዓፅሞም ተኽብረሎም ዓብዪ ጻድቅ፣ ሐዲስ ሐዋርያ፣ ጸሐይ ዘኢትዮጵያ እዮም! ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረሊቦኖስ
፪/ ብ1186 ዓ/ም ኣብ ሰሜን ሸዋ ቡልጋ #ጽላልሽ ካብ ካህን ጸጋዘኣብን ቅድስቲ እግዚእ ኃረያን ተወሊዶም፤ ኣብ 99 ዕድመኦም ድማ ብ1287 ዓ/ም ኣብ #ደብረሊባኖስ ዕረፍቲ ረኺቦም።
፫/ ሐዲስ ሐዋርያ አቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ጫፍ ኤርትራ ክሳብ ደቡብ ጠረፍ ሞያሌ፣ ካብ ምብራቕ ፀግዒ ዓፋር፣ ክሳብ ምዕራብ መወዳእታ ጋምቤላን ኣሶሳን፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ናይ ኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ #ግብጺ ኦርቶዶክስ ልደቶም ዝኽበረሎም #ብሕታዊ ኢትዮጵያዊ ጻድቕ እዮም
@Binyam ZeChristos ታሕሳስ 24 - 2017
‼️አቡነ ተክለ ጋለሪ Part 1⃣ ‼️
‼️ናይ አቦይ ልደት ኣመልኪትና ናይ ሥዕሎም ጋለሪ እንሆ ኣዳሊና ኣለና ‼️
📌 ኣብ ቤተክርስቲያንና ዘሎ ናይ ቅዱሳት ሥዕላት ታሪክ እንትንርኢ ናይ አቡነ ተክለሃይማኖት ሥዕላት ብ3 መልክዑ ተስኢሉ ንረኽቦ።
1⃣ ካብ 15-16 ክ/ዘ የተስኣሉ ቅድመ ጎንደር (Pre-Gondorian) ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቡነ ተክለሃይማኖት ናይ መጀመርታ ሂወት ማዕከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። በዚ ድማ እንትስእሉዎም 6 ክንፍ እንተይገበሩ፣ እግሮም እንተይተሰበረ የርእዩ።
2⃣ ካብ 17 ክ/ዘ - 18 ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ብዋናነት ናይ አቦና ቕድሚ በዓቲ ዓፅዮም ምጽላዮም ዘርፍ ዝነበሩ ናይ ስብከተ ወንጌል ህይወት ማእከል ገይሮም ዝተስኣሉ እዮም። ስለዚ ድማ እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም (ምስ 2 እግሮም፣ እግሮም ቅድሚ ምስባሩ) ዘርእዩ እዮም።
3⃣ ድሕሪ 18ኛው ክ/ዘ ዝተስኣሉ ሥዕላት:- እዞም ሥዕላት ሎሚ ብኣብዝሓ እንጥቀመሎም ዓይነት እንትኾኑ፣ ናይ ብጹዕ አቦና ካብ መጀመርያ ክሳብ ዕረፍቶም ዘሎ ሕይወት ጠቕሊሉ ዝሓዘ እዩ። እዞም ሥዕላት እንትሰኣሉ 6 አክናፍ ሒዞም፣ 1 እግሮም ተሰይሩ ዘርእዩ እዮም።
✅ ንሎሚ ካብቶም አክናፍን ስብረት እግርን ዘየርእዩ ናይ ጥንቲ ሥዕላት ( የ15-16 ክ/ሥዕላት) ከሀውፀኩም። እዞም ሥዕላት ኣብ ሙሉእ ኢ/ያ ካብ ዘለው ገዳማትን አድባራትን ብራናታትን ዝተኣከቡ እዮም።
#ልደት_አቡነ_ተክለሃይማኖት
©Binyam ZeChristos ታሕሳስ 24 - 2017
🔥ድሕሪ ጦርነት ዝመፁ ፈተናታት ምዕመናን?🔥
ሎመዓንቲ ሠሉስ ምሸት 2:30 "ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምዕመናን ዝመፁ ፈተናታትን መፍትሒኦምን" ብዝብል ዛዕባ ኣብ Tiktok ናይ Live Discussion ጊዜ ክህልወና እዩ። ተሳተፉ፣ ሕተቱ፣ መልሱ!
1 ጴጥ 3:15:- ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም #ምላሽ_ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ #ድልዋት_ኩኑ።
zechristoss?_t=8qaT2P5kyko&_r=1" rel="nofollow">https://www.tiktok.com/@zechristoss?_t=8qaT2P5kyko&_r=1
ኦ ቅዱስ ገብርኤል፣ ናባና ይምፃእ‼️
ብብርሃናዊ ኣእዳው እውን ይዳህሰኒና‼️
ካብ ድኽመትና ንክንወፅእ ይምሃረኒ‼️
ጥበብን ምስትውዓልን እውን ይሃበና‼️
ዳንኤል 9:21:- እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ #መፂኡ_ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ። ንሱ #መሃረኒ፤ ተዛረበኒውን፦ “ዳንኤል! ኣነ ሕዚ #ጥበብን_ምስትውዓልን ክህበካ መፂአ ኣለኹ።
ዕረፍቱ ንሐዋርያ ቶማስ
ናይ ህንዲ ኦርቶዶክስ ቤ/ክ (Indian Orthodox Malankara church) ሎሚ ታህሳስ 12 ናይ ቅዱስ ቶማስ በዓለ ዕረፍት ትዝክረሉ ዕለት እዩ።
በረከቱን ምሕረት አምላኹን ምሳና ይኹን!
‼️ጎይታ ዝኸብረሎም ዓመታዊ በዓላት ታሕሳስ‼️
~ ታሕሳስ 3 - በዓታ ለድንግል ማርያም
~ ታሕሳስ 6 - ፍልሰታ ለቅድስት አርሴማ
~ ታሕሳስ 7 - ስብከት ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 8 - ዕረፍታ ለቅድስት ባርባራ
~ ታሕሳስ 12 - አቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ
~ ታሕሳስ 13 - ቅዱስ ሩፋኤል ፣ አቡነ ዘርዓቡሩክ
~ ታሕሳስ 14 - ብርሃን ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 19 - ቅዱስ ገብርኤል
~ ታሕሳስ 21 - ኖላዊ በክርስቶስ
~ ታሕሳስ 24 - ልደቱ ለአቡነ ተክለሃይማኖት
~ ታሕሳስ 28 - ጌና ዘክርስቶስ
~ ታሕሳስ 29 - ልደት ዘክርስቶስ
📌 «እቲ ነታ መዓልቲ ዘኽብራ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ » [ሮሜ 14:6]
Of course I pray for the dead. The action is so spontaneous, so all but inevitable, that only the most compulsive theological case against it would deter me. . . . At our age the majority of those we love best are dead. What sort of intercourse with God could I have if what I love best were unmentionable to Him?”
C.S Lewis
(Letters to Malcolm: Chiefly on Prayer, 107).
"Don't be deceived regarding the knowledge of what will be after your death: what you sow here, you will reap there. After leaving here, no one can make progress. Here is the work, there the reward; here - the struggle, there - the crowns."
St. Barsanuphius the Great
ወበዛቲ ዕለት
📌ዕረፍቱ ለቅዱስ ያሮ/ቴኦክላስ መበል 13 ፓትርያርክ እስክንድርያ (Departure of St. Heraclas (Theoclas), 13th Pope of Alexandria)
📌 ዕረፍቶም ንቅዱሳን ሰማዕታት ኤሲ ፣ ሓፍቱ ቴክላን (Martyrdom of the Saints: Esi (Isi) and His Sister Theclas
📌 ዕረፍቱ ለቅዱስ አባ ሳሙኤል ዘደብረ ቀልሞን /አባ ሳሙኤል ተነሳሒ/ (Departure of St. Samuel the Abbot of El-Qualamon Monastery /Abba Samuel the Confessor/
📌 ዕረፍቱ ንቅዱስ አባ ዮስጢኔስ (Departure of St. Abba Yustus St. Anthony.
✏️ ዕረፍቱ ለዮሐንስ ዘደማስቆ (departure of John the Damascus)
📌 ዕረፍታ ንቅድስት ባርባራን ቅድስት ዩልያናን (Martyrdom of the Saints: Barbara and Juliana)
ብዙሕ ጊዜ ናይ ቅድስት አርሴማ ሥዕላት እንበልና እንጥቀመሎም ቅዱሳት ሥዕላት ናይ ቅድስት ባርባራ ሥዕላት እዮም። ኣብ መብዛሕትኦም ሥዕላት ድማ "ቅድስት ባርባራ" ዝብል ጽሑፍ እናሃለወ ኢና "ናይ ቅ/አርሴማ" እንገብሮ።
በክርስትና እምነታ ዝተልዓለ ወላዲኣ ብብዙሕ መከራ አሳቕዩ ኽሳዳ ብሰይፊ ክቑረፅ ተገይሩ ሰማዕትነት ዝተቐበለት ቅድስት አዶ እያ። እንሆ ሎሚ ዕረፍታ ንዝክር!
ሰላም ለባርባራ እንተ አግሀደት ሃይማኖታ
እንዘ ታርኢ ሥላሴ በመስኮተ ቤታ
ኢያፍርሃ መጥባሕት ወሞሠርተ ኀፂን ኢያሕመመታ
ወሰላም ካዕበ ለዮልያና ካልዕታ
እንተ ሰቀልዋ በክልኤ አጥበታ፡፡
(የታህሳስ 8 ስንክሳር አርኬ)
@Binyam Zechristos ታሕሳስ 8 - 2017
📌 ድሒንና ዲና ኣይደሓናን? ካብ ምንታይ ድሒንና?
📌 ድሕነትና ብቅጽበት ድዩ ብኸይዲ?
📌 ስለዝደሓንና ዲና ንእዘዝ? ወይስ ንምድሓን?
መልሲ:- ብሊቀ ሊቃውንት ዳንኤል
(ኣብ ኲሓ ደ/ተዋሕዶ ቅ/ማርያም ቤ/ክ ናይ ቅኔን ቅዱሳት መጻሕፍትን ትርጓሜ መምህር)
እምነትኻ ተምሃር! እምነትኻ ፍለጥ! እምነትኻ መሃር!
Learn your Faith! Know your faith! Teach your faith!
‼️መንበረ እንድርያስ‼️
✏️ ሎመዓንቲ ታህሳስ 4 ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ናይ ሐዋርያ ቅዱስ እንድርያስ (Sr Andrew the Apostle)/በዓለ ዕረፍት እናሓሰበት ብኣማላድነቱ ትምሕፀን።
✏️ እንድርያስ ዓብዪ ሓው ንቅዱስ ጴጥሮስ እንትኸውን (ማቴ 4:18)፣ ኣቐዲሙ ናይ ዮሐንስ መጥምቅ ደቀ መዝሙር ዝነበረ ፣ ደሓር ግን ብመምህሩ ተነጊሩዎ ደቀ መዝሙር ክርስቶስ ዝኾነ፣ ምስ ሓው ጴጥሮስ ገፋፊ ዓሣ ዝነበረ ሐዋርያ እዩ (ዮሐ 1:40)
✏️ ቅዱስ እንድርያስ ናብ ጎይታ ቐሪቡ «5 እንጀራን 2 ዓሣን ኣለዋናሞ ነዚ ሕዝቢ ኣይኣክልን» ብምባል ጎይታ ንክባርኸሎም ምግቢ ዝቐረበ እዩ (ዮሐ 6:8)
✏️ ቅዱስ እንድርያስ ካብቶም ኣብ ደብረዘይት ንጎይታ ክርስቶስ ብዛዕባ ምጽኣቱ ንክነግሮም «ምልክት ምጽአትኻ ንገረና» ኢሎም ካብ ዝሓተቱዎ 4 ሐዋርያት ሓደ እዩ (ማር 13:3)
✏️ ካብ ሸገር ዮርዳኖስ (TransJordan) ዝመፁ ግሪካውያን «ንክርስቶስ ክንሪኦ ንደሊ ኢና» እንትብሉ፣ ምስ ፊልጶስ ኾይኑ ናብ ጎይታ ዘቕረቦም ሓደ ቅዱስ እንድርያስ እዩ። (ዮሐ 12:22)
✏️ ኣቦ ታሪክ ቤ/ክ ዝኾነ ኣውሳብዮስ፣ ቅዱስ እንድርያስ ሀገረ ስብከቱ ኣብ ናይ ሎሚ ዩክሬንን ራሻን ጆርጅያን ምዃኑ ሊቁ ኦሪገን ከምዝተናገረ ይጠቅስ። (Ecclesiastical History 3:1) መከሬን ሰማዕትነትን ድማ ኣብ ግሪክ ከምዝተቐበለ ይፍለጥ።
✏️ ቅዱስ እንድርያስ ብብዙሕ መከራ ተሳቕዩ ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ዝናገሩ ትውፊታት ዋላ እንተለው፣ ብኣብዝሓ ቕቡል ዝኾነ ግን ናይ X ቕርፂ ኣብ ዘለዎ (Crux Decussata) ዕንፀይቲ ተሰቒሉ ሰማዕትነትን ዝተቐበለ ሐዋርያ እዩ። ነዚ እዩ እዚ ቕርፂ St Andrew's Cross ዝበሃል።
✏️ ቅዱስ እንድርያስ ኣብ ካቶሊክ ኾነ ኣብ ኲሎም ኦርቶዶክሳውያን ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝኽበር እንትኸውን፣ ናይ ዩክሬን፣ ስኮትላን፣ ሮማንያ ራሽያን "ሓላዊ ጻድቕ - Patron Saint" ገይሮም ይቖፅሩዎ። ስኮትላድ፣ ብሪትሽ ኢምፓየርን ናይ ራሻ ጦርን (Russian Navy ensign) ድማ ናይ ቅዱስ እንድርያስ መስቀል ኣብ ባንዴራኣን ብምቕማጥ የኽብሮኦ።
✏️ ኣብ ጥንቲ ቤ/ክ ብዙሓት ግ/ኖስቲክስ (ከሓድቲ) ብስሙ "መልዕክተ እንድርያስን -Acts of Andrew " ፣ "ናይ እንድርያስ ወንጌል - " ዝብሉ መጻሕፍቲ ፅሒፎም ዋላ እንተነበሩ፣ ቤ/ክ ኣይተቐበለቶምን።
✏️ ቅዱስ እንድርያስ ናይ ባይዛንታይን/ቊስጥንጥንያ ቤ/ክ ዝመስረተ ስለዝኾነ "መንበረ እንድርያስ" ተባሂላ ትፍለጥ። በረከቱ፣ ኣማላድነቱ ምስ ኹልና ይኹን።
በረኸት ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ምስ ኵልና ይኹን!
📌ሰላም ለከ ረድአ ኢየሱስ ኬንያ፣
እንተ ሰበከ ወንጌሎ ወመሀርከ በኒቆምድያ፣ እዜምር ለከ ወእየብብ በሃሌ ሉያ፣
አንቅሐኒ እምሀኬትየ እንድርያስ ሐዋርያ፣
ከመ በእዴከ ነቅሐት እሙታን ልድያ።
@Binyam Zechristos ታሕሳስ 4 - 2017
🔥ኤልያሳውያን🔥
ሎሚ ባሕቲ ታሕሳስ ነቢይ ኤልያስ ምግላፁ/ምምሃሩ እያ ትዝክር - ኦርቶዶክሳዊዮት ቤ/ክ። ኤልያስ ካብቶም መጽሓፍ ዘይጸሓፉ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓበይቲ ነቢያት እንትኸውን፣ ነቢይ ንጉሥ ዳዊትን ወዱ ሰሎሞንን ምስሓለፉ ዝተሰአ፣ እስራኤል ድማ ነኒባዕላ ፋሕፋሕ ኢላ "ሰማርያ" ን "ይሁዳ" ተባሂላ ኣብ ክልተ ምስተኸፈለት ዝተልዓለ፣ ነገሥታት ሰማርያ ብሓጢኣት ካብ ፍቓድ ኣምላኽ እንትወፁ ቃል አምላክ ሒዙ ዝተገለፀ፣ ብዘመን ንጉሥ አክዓብን ንግሥት ኤልዛቤልን ብድፍረት ዘስተምሀረ ዓብዪ ነቢይ እዩ። ታሪኹ ብሰፊሑ ኣብ 1ይ ነገሥት ምዕ 17 - ምዕ 21 ፣ 2ይ ነገሥት ምዕ 1 - ምዕ 3 ነንብቦ።
ነቢይ ኤልያስ
📌ኣብ ከተማ ዕንይንይ እናበለ ብምቾት ኣይነበረን፣ እኳ ደኣስ ኣብ በረኻን ሽንጥሮን ብጾን ብጾምን ጸሎትን ይነብር ዝነበረ፣ ምግቡ እውን ኳኽ ተቕርበሉ ዝነበረ ባሕታዊ ነቢይ እዩ።
📌 ነገሥታት እንትጋገዩ ብግልፅን ብድፍረትን ይግስፅን ይወቅስን ዝነበረ፣ ካብ መንግሥቲ ዓለም ንላዕሊ ንመንግሥቲ ሥላሴ ዓርሱ ዝሃበ ሓቀኛ ኣቦ እዩ።
📌 ካብ ቤተ መንግሥቲ ምቾት ንላዕሊ፣ ናይ ሓንቲ ድኻ ጓል ዓዲ ሰራፕታ ገዛ መሪፁ እንተይነዓቐ ኣብ ገዝኣ ይነብር ዝነበረ ትሑት መምህር እዩ።
📌 ኣብ ጓዳ ተሓቢኡ ዝምህር እንተይኮነስ፣ ነቶም ጣዖታውያን «ሓቀኛ አምላኽ እግዚአብሔር ዶ ወይስ ናታትኩም ጣዖት?» እናበለ ብግልፂ ዝሙግት ዝነበረ ዐቃቤ-እምነት (Apologist) እዩ
📌 ንጉሥ አክዓብን ንግሥቲ ኤልዛቤልን ናይ ሓደ ናቡቴ ዝተብሃለ ድኻ ሰብ መሬቱ እንትምንጥልዎ፣ ንሓቂ ወጊኑ ኣብ ጎኒ ድኻ ደው ኢሉ ንነገሥታት ዝወቐሰን ዝተቓወመን መገስጽ ሰባኺ እዩ።
📌 ዓለም ኣይሰምዐካን እንትብሎ እውን "ሰማይ ዝናም ኣየዝንም" ኢሉ ን3 ዓመትን 6 ወርሕን ሰማይ ዝሎጎመ፣ ፀላእቲ እንትመፁ እውን ሓዊ ካብ ሰማይ ኣውሪዱ ንክበልዖም ዝገበረ እሣታዊ ነቢይ እዩ።
📌 መወዳእትኡ ድማ ብቅንዕና ምስ ነገሥታት እዛ ምድሪ ብምቅላሱ፣ ካብዛ ምድሩ ብናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላን ተነጢቑ፣ ሞት ከይሪኦ ንሰማይ ዝዓረገ ፍሉይ ነቢይ እዩ።
[ ንኤልያስ ዝመስሉ ኤልያሳውያን ኣቦታት ይሃበና! በረከቱ ምስኲላትና ይኹን ]